ስርሒት ዓብደረቦ!

ስርሒት ዓብደረቦ!

ቀደምʼዪ! ብዙሕ እኳ ኣይዝከረንን፡፡ ኣብ ገዛባንዳ ጥልያን ጎደና ማርኮኒ ከባቢ መስጊድ ኢዩ፡፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓደ ዓርከቦይ ዓብደረቦ ኣትይዎም ክባሃል እሰምዕ ነይረ፡፡ ዓብደረቦ እንታይʼዩ..? ከመይ ከመይ ከ ይገብር..? ብዙሕ ኣፍልጦ ኣይነበረንን፡፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ፡ ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ከመዛዝን ዘይክእል ህጻን እየ ነይረ፡፡ ግን ከኣ እቲ ዝዝረብ፡ ዝበሃል፡ ዝውረ ዝነበረ ኣይርሰዓንን፡፡ ከምቲ ብነኣሽቱና እንከለና፡ ዝንገረና መፍረሒ ዓይነት ጽውጽዋይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ንብረት ገዛ ዝተንከፎ ዘይብሉ ባዕሉ የንቀጥቅጥ፡ ጸኒሑ ይወድቕ ይሰባበር፡፡ ቢኬሪ ቡሽ መስተይ ሻሂ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ ከለኻ ዝተንከፈካ ዘይብልካ ወዲቑ ሸዋሕዋሕ ይብል ይሕምሸሽ፡፡ መኣዲ ክትበልዕ ቅርብ ምስ ኣበልካዮ ባዕሉ ቁልቁል ዝኣፉ ግልብጥ ይብል ይድፋእ፡፡ በዚ መጸ ዘይበልካዮ ኣይሂ ደናጉላ ሓነግነግ የብለካ፡፡ ግን ከኣ ዝገርም ደም ዝበሃል ኣይትፈስስን ኣይትሓብጥን እውን፡፡ እቲ ዘረባ እቲ ዝበሃል ብዙሕ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ተግባራት ዓብደረቦ ተኣምራት ኢዩ፡፡ ክዓልብ እምበር ክስንዶ ብፍጸም ኣይትርእዮን፡፡ ስራይ ዓይነት ኢዩ፡፡ መን ይፈልጥ ዓብደረቦ ሓወን ወይ ውን ወዲ ሓወቦአን ንደቂ ሕድርትና ክኸውን ይኽእልʼዩ፡፡

ነገር ዓብደረቦ ደሓር ምስ ዓበኹ ካብ ቤትምህርቲ ሰውራ ናብ ገድሊ፡ ካብ ገድሊ ነጻነት ኮይኑ ዳግማይ ናብቲ ዝዓበኹሉ ሕብረተ-ሰብ ምስ ተጸንበርኩ እየ ብዝግባእ ፈሊጠዮ፡፡ እንተኾነ ንሓንቲ ካልኢት እውን ትኹን እቲ ገና ንእሽቶ እንከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መፍርሒ ተግባራት ዓብደረቦ ጎኒፉንን ብዓይነይ ርእየን ኣይፈልጥን እየ፡፡ እቲ ብዛዕባ ዓብደረቦ ዝበሃል ሓቅነት ኣለዎዶ ወይስ ጽወጽዋይ ዝዓይነቱ ፈጠራዊ መፍርሒ ፊልም ኢዩ እንድዒ፡፡ ነገር ዓብደረቦ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ድዩ…? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ከምቲ ንዓርከቦይ ዘጋጠሞም ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ከ ኣጋጢሙʼዶ ይፈልጥ ይኸውን ንተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ክገድፈሎም፡፡ እቲ ንዓርከቦይ ዕረፍትን ቅሳነትን ከሊኡ ካብ ቤቱ ዝፈናቐሎ ዓብደረቦ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ገለ ዘኪረዮ፡፡ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ዘየዘኻኽር፡፡ ነቲ ሰለስተ ዓሰርተ ድፍን ዓመታት ዘሕለፈ ናይ ህጻንነተይ ዝኽሪ ኣዘኻኺሩኒ፡፡ ክላእ ግደፈና ናትካ ግዳ ናይ ትማሊ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ናይ ዘበነ እኒ እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ንዘበነ ውበ፡ ዘበነ ቱርኪ፡ ዘበነ ጥልያን፡ ዘበነ ዓፋኝ፡ ዘበነ ኩቦን፡ ዘበነ ይለፍ፡ ዘበነ ተፍትሽን ርጂላን ቀርዒዶን ከማን ኣዘኻኺሩና ኣሎ፡፡

እህህህህ……..
ገሌኹም ድማ ኣየ ኣራንቺ አብኣ ኣላትካ፡፡ ካብ መአስ ኢኻ ብዛዕባ ዓብደረቦን ዓንደረቦን ዝጸሓፍካ፡፡ ነዚ ጎሮርኡ ተሓኒቑ ኣፉ ዝለኸተ ምእዋይ ዝሰኣነ ሕሉቕ ዝበኸተ ስርዓት ድኣ ክትሳሃሎ ደሊኻ እምበር ከም ትብሉኒ ኣይሰሓትኩን፡፡ ኣይተጋገኹምን! የግዳስ እቲ ገና ህጻን እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ባዕሉ ተሳሂልዎ ኣሎ፡፡ ዝሓለፈ ዓርቢ 20 መጋቢት 2015 ዓብደረቦ ኣብ መዓደኒ ወርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋን ወጋሕታ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ተራእዩ፡፡ ካብቲ ኣነ ንእሽቶ እንከለኹ ክዕለለሉ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ዓብደረቦ ግን ዝተፈለየ ኢዩ፡፡ ብወተሃደራዊ ተዕሊም ዝሰልጠነ ዝታኾስ ዘመናዊ ዓብደረቦ ኢዩ፡፡ ከከከከከ ስሓቕ!

ዓብደረቦ ንመዓደኒ ውርቂ ቢሻን ኤምዳድ ኣጽዋርን ተተኮስትን እንዳ ኣሜሪካን ነቲ ከባቢ ብዘናወጸ ከቢድ ድምጺ ቡምባታት ተሳሂልዎ፡፡ እንድዒ ኸ ዓብደረቦ ይሰብር፡ የውድቕ፡ ደም ብዘይ የውጽእን ዘየሕብጥን ደናጉላ ይፋጋእን እምበር፡ ቡምባ ይድርብን ፈንጂ የጻውድን ባርዕ ይፈጥርን የንድድን ዝብል ንእሽቶ ከለኹ ኣይሰማዕኩን ኣነ፡፡ ንኺድʼዶ…ህግደፋውያን..? ንኺድ …ክሳብ ጠቕሊልና ንጸድፍ!

ዝገርም ክስተት ኢዩ፡፡ ህዝቢ ብዓይኑ እናረኣዮን እቲ ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ብእዝኑ እናሰመዖን ተተልቲሉ ንላዕሊ ዝዓርግ ብርቱዕ ቃጸሎን ትክን እንዳተዓዘበ፡ ካብ ሚሒር ምሕማሙ ክሳብ ትድንዝዝ ተደሲቕካን ተሰሊቕካን ክንስኻ ኣፍካ ዓቢስካ ጥርቅም ድኣ እንታʼዩ እቲ ሚስጢር…? ዓብደረቦ እንተ ተዛሪብካሉን ያዕ ያዕ ኢልካ እንተ ኣእዊኻሉን ይደግም ይደጋግም ኢዩ ዝብል ስግኣትʼዶ ንህግደፍ ኣፉ ከም ዝልክት ገይርዎ ይኸውን….? እንድዒ፡፡ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ስርሒት ዓብደረቦ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብልክዕ ኣብቲ ዘሕምሞ ኣካሉ ከሲኡ፡ ዓባስ ከም ዝኸውን ዝገበረቶ ብርትዕቲ ማሕጎማ ኢያ፡፡ ኣሜሪካን ወያነን ሓምሻይ መስርዕን እቲ ኣብ መልሓስ ህግደፍ ንዓመታት ዝተሰቑረ ስቑሬን፡ ዘይከም ትማሊ ንእለቱ እኮ ጠሚሙ፡፡ እዚ ኣሽንካይʼዶ ተደሲቑ ከይተደሰቐ እውን ብኻዕቦ ሓሶቱን ምድንጋራቱን ዝልለ በዓል ወረቐት ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ስለምንታይ ስቕ ጥዑም ምስ መኽደኑ መሪጹ….?

ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ፡፡ ከም ነገር ፈሊጡ ዝደቀሰስ ነውኒውካዮ ነይሰምዕ ኢዩ፡፡ እዚ ውዱቕ ስርዓት ንድስቒት ዓብደረቦ ከም ደም ኩርምቲ ንውሽጢ ክውሕጦን ክሰትሮን ኢዩ መሪጹ ዘሎ፡፡ ኤእ ዓሻ ድዩ ህግደፍ ዕደ፡፡ ሎሚ ከም ዓምን ቅድሚ ዓምን ከም ዘይኮነ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ ንዝወደቐ ገረብ ሓኽሊ ይበዝሖ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ከመይ ቢሉ ክጠፍኦ፡፡ ከምቲ ቅድሚ ዓሰርተው ሸውዓተ ዓመታት፡ ተወረርካ ምስ ተባህለ፡ ህዝቢ ግንባሩ ክህብ ናብ ግንባራት ዝወፈረ፡ ሎሚ ዓንደረቦ ኣብ መዐደኒ ወርቂ ቢሻ ደሲቑና፡ ተመለሊሱ ኣብ መኸዘኒ ኣጽዋር እንዳ ኣሜሪካ ማይ ዕዳጋ ሰሊቑና እንተ ኢሉ፡ ህዝቢ ምሳሩ ሒዙ ናብ ግንባራት ዘይኮነ፡ ገጹ ገልቢጡ ናብ ቤተ መንግስቲ ግብን ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ካምፖፖሎን ከም ዘቕንዕ ኣይጠፍኦን ኢዩ፡፡ ኤእ ጨቆቕ ኢሉ ዘጥረዮ ገዛውቱ ተደናጊሩ ናተይ ብዝበሎ ስርዓት ብዶዞርን ግሬደርን ከፍርሰሉን ዓነውነው ከብለሉን ብዓይኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ቂምትኡን ጽልኡን ግዜ ኢዩ ዝጽበየሉ ዘሎ፡፡ ስለዚ ምርጫ ህግደፍ መ መልሲ የለን ኢልካ ነገራት ዓቢስካ ስቕ ኢያ ተዋጽኦም፡፡

ኣብ መጠረሽታ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ስርሒት ዓብደረቦ ክብል ንኹሉ ኩዱን በኣፈ ስላሴ ሓሊፈዮ ኣለኹ፡፡ የግዳስ ሰብ ዝፈልጦ ድቓላ ሓኒቕክን ኣይትቕተላ ዝበሃል እውን ኣሎ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ብዛዕባ እዚ ኣብ 20 መጋቢት 2015 ዘጋጠመ ደቒቕን ዝርዝራውን ሓበሬታ ከስዕበልኩም እየ፡፡

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
[email protected]

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.