“ክንቃለስ ኢና ኢሎም ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ንዝመጹ መንእሰያት ‘ካብ ቃልሲ ዉጹ! ተመርዕየን ክወስዳኹም ደቅና ክንሰደልኩም ኢና!’ ዝበሉዎም ካብ ደገ ዝመጹ ተቓለስቲ ኢና በሃልቲ ነይሮም” ዕላል ምስ ኣቶ ጥዑምዝጊ ሃይሉ (ወዲ ባሻይ) ብ ኣማኑኤል ማህደረ

ንወዲ ባሻይ ብሓምለ 2012 ኢየ ብኣካል ርእየዮን ተላልየዮን። እቲ ንፈለማ ግዜ ዝተራኸብናሉ ኣጋጣሚ መኣዲ ዘተ ደብረዘይት ኢዩ። ናብ ምደፍኤ ንምጽንባር ካልኣይ ርእሱ ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምጽኡ ንእግረ መገዱ ምስ መማጽእቱ ዮናስ ኣብታ ን10 መዓልታት ተኣኪብናላ ዝቐነና ቀጽሪ ምሳና ቀንዩ። ኣነ እውን ብውልቂ ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ኣብኡ ብምንባረይ ከም ኩሎም እቶም ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ዝረኣኹዎምን ዝተላለኹዎምን ሰባት ተላልየዮ። ብድሕሪኡ ብዘይካ ሓደ ግዜ (ንሱ እውን ኣራእያ በርቂ ኢዩ) ረኺበዮ ይፈልጥ ኣይነበርኩን። “ሰራዊት ሕድሪ” ዝበሃል ኣሃዱ ካብ ዝፍጠር ግን ስሙ ብሕማቕን ጽቡቕን ክለዓለ ሰሚዐ ኢየ። ሓደ መዓልቲ ኮፍ ኣቢለ ከዕልሎን ካብ ቃላቱ ገለ ትዕዝብቲ ክወስድን እውን ይደሊ ነይረ። ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ዓዲ ግራት የሕልፎ ስለዝነበረ ግን ክረኽቦ ኣይከኣልኩን። እነሆ እምበኣር ሕጂ ድሕሪ’ቲ ዝፈሸለ ሓድነታዊ ጉባኤ ንኢንተርቪው ዝምችእ ጉዳይ ተረኺቡ። ድሕሪ’ቲ ክልተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ዝገበረ መኣዲ ዘተ ደብረዘይት ከኣ ንኻልኣይ ግዜ ኮፍ ኣቢለ ከዕልሎ ዕድል ረኺበ። ኣብ ደብረዘይት ምስ ሓያል ናይ ቃልሲ ወኒን ወተሃደራዊ ጠባያትን ዝረኣኹዎ ወዲ ባሻይ፡ በዚ ዝፈሸለ ሓድነታዊ ጉባኤን ኣብኡ ኣጋጢሙኒ ዝብሎ ጉዳያትን መንፈሱ ቁሩብ ተጐዲኡ ጸኒሑኒ። ኣብታ ዝተራኸብናላ መዓልቲ ካብ ዕላላቱ ብዙሕ ሓበሬታ ስለዝሰማዕኩ ድማ “ነዚ ትነግረኒ ዘለኻ ከም ዘለዎ ነቲ ህዝቢ ዘይትነግሮ” ኢለዮ። ምስኣ ኣልግብ ኣቢለ ድማ ንቃለ መሕትት ዓዲመዮ። ተቐቢልዎ። ንጽባሒቱ ሕቶታተይ ኣዋዲደ ቃለ መሕትት ገይረሉ። ኣብ ገሊኡ ሕቶታት ክምልስ ከሎ ነቲ ዘረባ ዝገደፈሉ የብሉን። ንገለ ሕቶታት ግን ፖለቲካዊ መልሲ ብምሃብ ኢዩ ሓሊፍዎ።

ኣብዚኣ ኩሉ ሰብ ክርድኣ ዘለዎ ሓቂ፡ ኣነ መልሲ ክወሃበሉ ኣለዎ ኢለ ዝኣምነሉ ሕቶታት ክሓትት መሰለይ ጥራይ ዘይኮነ ግቡአይ እውን ኢዩ። እቲ ንቃለ መጠይቕ ፍቓደኛ ዝኸውን ሰብ ከኣ እንተደልዩ ክሓብኣኒ እንተደልዩ ክድሕድሓለይ መሰሉ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ቃለ መሕትት በቲ ዝወሃብ መልሲ ዝሕተት እቲ ንዝቐርበሉ ሕቶ ዝምልስ ሰብ ጥራይ ኢዩ። ንሱ ክዕቅቦ ወይ ክምስጥሮ ዘይመረጸ ሓበሬታ ኣነ ክዕቅቦ ወይ ክምስጥሮ ኣይክእልን ኢየ። ጸሓይ ዝወቕዖ ዘረባን ቈይቊን ከዊልካ ኣይክወልን ኢዩ። ደሓር ከኣ ኣነ ንደንበ ተቓውሞ ጓና ኣይኮንኩን። ምስ ዝተፈላለዩ ካድራትን ኣቦ መንበራትን ቃለ መጠይቓት ዘካይደሉ ምኽንያት ህዝቢ ገለ ሓበሬታ እንተረኸበ ብምባል ደኣ እምበር ኣነ ባዕለይ ዘይፈልጦ ንኽፈልጥ ኣይኮነን። እታ ሓንቲ ንኹሉ ኣንባቢ ሓደራ ክብሎ ዝደሊ ግን መባእታዊ መዐቀኒ ተጻዋርነት ክትሰምዖ ዘይትደሊ ዘረባ ክትሰምዕ ምኽኣል ስለዝኾነ ክንሰምዖ ዘይንደሊ ዘረባ ክንሰምዕ ድሉዋት ንኹን!! ቅድሚ ናብ ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ቃለ መሕትት ምስጋርኩም ግን ሓደ ነገር ከዘኻኽር ምደለኹ!!

ቅድሚ ሕጂ ምስ ቀርነልዮስ ዘካየድኩዎ ቃለ መሕትት ብዙሕ ኣዛሪቡ ኢዩ። ክልተ ዓመት ምሉእ ብውሽጥን ብግዳምን ክባላዕ ዝጸንሐን ዓዲ ብዓዱ ዝፈልጦን ዘረባ ብመልክዕ ቃለ መሕትት ናብ ህዝቢ ምስ ተዘርግሐ ክንዲዚ ውረድ ደይብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ክበርሃለይ ኣይከኣለን። ብፍላይ ኣብ ገለ ሰባት ዘሎ ጸገም ብዘመናዊ ሕክምና እውን ዝፍወስ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎታት ኣዲስ ኣበባ ዛሕ ኢሉ ዝርከብ እሞ ድማ ባዕላቶም ክዘርውዎ ዝውዕሉ “ምስጢራቶም” ኣብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ እንከሎ ንምንታይ ጸቕጢ ደምን መርዘንን ከም ዘለዓዕለሎም ኣይርድኣንን ኢዩ።

እቲ ቃለ መሕትት ምስ ተፈነወ ብዙሕ ዘስሕቕን ዘሕዝንን ዘረባታት ኢየ ሰሚዐ። እቶም ብዘይካ ናይ ስምዒት ፈረስ ሰሪርካ ብዘይ ኣንፈት ምግላብ ካልእ ዘይፈልጡ ሰብ ዕሩብ ሕልና፡ ነተን ኣብ ፖለቲካዊ ባሪስትነት ደንበ ተቓውሞ ልሙዳት ዝኾና ስምዒታዊ ቃላት ተጠቒሞም ነብሶም ዘምዝን ዘረባታት ሰንድዮምለይ። እቶም ፖለቲካን ዋዛን ኣዛኒቘም ዝጓዓዙ ልዙባት ሰባት ድማ “ዳጋ ኣስቲኻ ዲኻ ኢንተርቬው ጌርካሉ?” ኢሎም መዓንጣይ ክሳብ ዝቘስል ኣስሒቘምኒ። ኣጋጣሚ ኣብ ሓደ ዉራይ  ዝረኸበኒ ሓደ ኣቦ መንበር ድማ ኣብቲ ቃለ መሕትት ናእዳን ነቐፌታን ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ “እዚ ዝወርደካ ዘሎ መርገም እንተዝበጽሓካስ እንታይ ኴንካ ምሃለኻ?” ዝብል ዋዛ ሰው ኣበለለይ። በቲ ዋዛ ስሒቐ፡ ብልበይ ግን “ጠፋሻት ነጋዶ ፖለቲካ መሪቘም ኣየደልድሉ ረጊሞም ከኣ ኣየጓድሉ!!” በልኩ። ብድሕሪ’ዚ ነቶም ኣራእሶም ብቕርሕንቲ ዝኸሓነ ኣባላት እስላማውያን ውድባት ኮነ ኢለ ረኺበዮም። ትጽቢተይ ዝነበረ እንተገደደ “ንዓና እውን ቃለ መሕትት ግበረልና!” ክብሉኒ ኢዩ ነይሩ። ንሳቶም ግን ክረኽቦም ምፍታነይ ከም ድፍረት ቈጺሮሞ ኣዒንቶም ጐልሓጥሓጥ እናበሉ “ጽናሕ! ንዓኻስ እንተዘይሓሪድናካ ንሕና ኣይኮናን!!” ኢሎም ብመራት ትግርኛ ፈኪሮምለይ። ጽያፎም ዘይከተቱ ሰብ ረሳሕ ሓንጐል ምዃኖም ብቃላቶም ስለዘረጋገጹለይ ድማ ካብኡ ኣይሕለፉ ኢለ “ፍርያት ዓዋተ እንዲኹም!! ናይ መን ደኣ ክትወስዱ!!” ኢለዮም። ምናልባት ዘንጊዖሞ ከይኮኑ ድማ ዘለናዮ ቦታ ኣዲስ ኣበባ እምበር ኮረኮን-ታህዳይ ወይ ዒላ ጻዕዳ ከም ዘይኮነ ኣዘኻኺረዮም። ኣስዕብ ኣቢለ እውን “ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናይ ዝበላዕኩሞ ዕዳኹም ግዳ ዘይትኸፍሉ – ለመንቲ!!” ወሲኸሎም። በዚ ድማ እታ ብራዕዲ ክትደንን ዝሓሰብዋ ርእሲ ኣራእሶም ዘድንን ዘረባ ኣጉሲማ ናይ ላግጫ ሰሓቕ እናሰሓቐት ተፋንያቶም።

መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ እንድዩ!! ሕጂ’ውን ነዚ ቃለ መሕትት ኣንቢቦም ኣብ ልዕለይ ወፍሪ ጸለመ ዘካይዱ ሰባት እንተሃልዮም ፖለቲካዊ ንድየቶም ይገልጹለይ ስለዘለው፡ ፖለቲካዊ ንድየት ከኣ ናብ ዕብዳን ስለዘምርሕ “ኣብ ቀረባኹም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ኬድኩም ተሓከሙ!!”  ካብ ምባል ሓሊፈ እዝኒ ከም ዘይህቦም ንኹሉ ኣንባቢ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ፡ እዚ ቃለ መሕትት ክስተር እምበር ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ኣይነበሮን ኢሎም ዘዕገርግሩ ሰባት እንተሃልዮም ድማ ህዝቢ ይትረፍ ነዚ ካልእ ከም ዝፈልጥ ከተሓሳስቦም እደሊ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኩሉ ኣንባቢ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ቃለ መሕትት ብጽሞናን ትዕግስትን ከንብቦ እምሕጸን። ርሑስ ሓድሽ ዓመት!! ሰናይ ንባብ!!

እቲ ሓደ ኣካል ግሃድኤ ኣብ መግለጺኡ ጉባኤ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ኢዩ ሓቢሩ። ንስኻትኩም ድማ እቲ ጉባኤ ከም ዝፈሸለን እቲ “ሰራዊት ሕድሪ” ዝበሃል ኣካል ከም ዝፈረሰን ኢኹም ገሊጽኩም። ናይ ክልቴኹም መግለጺ ነንበይኑ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

እቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ናይ ክልቲኡ ውድባት ሓድነታዊ ጉባኤ ኢዩ። ንሕና ነቲ ክውንነት ኣነጺርና ኢና ነቲ መግለጺ ኣውጺእናዮ። በቲ ዘውጻእናዮ መግለጺ ኣቢልና ድማ ንህዝብን መላእ ተቓለስቲ ሓይልታትን እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ገሊጽናሎም። ናይዞም ሓደ ሸነኽ ግሃድኤ ቀንዲ ዕላማን ኣጀንዳን ግን ኣብ ሸፈጥ ምንባርን ቅኑዕ ቃልሲ ዘይምድላይን ስለዝኾነ፣ እቲ ጉባኤ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ምግላጾም ንገለ ሰባት ንምድንጋር ኢዩ። ኣብቲ ሓድነታዊ ጉባኤ መሪሕነትናን ሰራዊትናን ነቲ ዝነበረ ኣካይዳኦም ብርኡይ ኢዩ ተቓዊምዎ። እንተላይ እቲ ድሒሩ ካብ እስራኤል ዝመጸ ሓይሊ“ትኸድዎ ዘለኹም ኣካይዳ ፍትሓውነት ዝጐደሎ ስለዝኾነ በዚ መገዲ’ዚ ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና” ብምባል ምሳና ኢዩ ወጺኡ። ስለዚ ንሕና እቲ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ሓይሊ ምሳና ምህላው ማንም ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። ኣብ ሓደ ቦታ ኣለና፣ ማንም ሰብ ከይዱ ክርእዮን ከረጋግጾን ከኣ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ኩነታት ነዚ ኢዩ ዝመስል።

ንስኻትኩም ካብቲ ጉባኤ ምስ ወጻእኩም ንሳቶም ናይ በይኖም ጉባኤ ገይሮም ድዮም? ምናልባት እቲ ተዓዊቱ ዝብልዎ ዘለው ንሱ ከይከውን?

እወ!! ንሱ ናይ በይኖም ኢዩ። ብመሰረቱ እውን ብመገዲ ምደፍኤ ኣቢልካ ትንፋስ ንምስኳዕ ድኣ እምበር ሕቶ ሓድነት ኣብ ቅድሚኦም ስለዘይነበረ ንሕና ነታ ጉዳይ ምስ ሰሓብናላ ንሳቶም ጉባኤኦም ገይሮም፣ ምስቲ ዝነበረ መሪሕነት ገለ ሓደስቲ ኣባላት መሪሕነት ኣእትዮም ኢዮም ቀጺሎም።

ግን’ኮ እቲ ዝኣተኹሞ ጉባኤ ሓድነታዊ ጉባኤ ኢዩ። ንሱ እንድሕር ፈሺሉ፣ ካብ ዝፈሸለ ሓድነታዊ ጉባኤ ወጺእካ ሃንደበት ናይ በይንኻ ጉባኤ ክግበር ይከኣል ድዩ?

ንሕና መርገጺና ብመግለጺ ኣነጺርና ኢና ወጺእና። ንሳቶም ኣብ ቅድሚኦም ክልተ ነገራት ነይሩ።  ቀዳማይ፣ ሓደ ውድብ ኮይኖም ዝወጹላ ኣጋጣሚ ብምፍጣር ኢዮም ነታ ጉባኤ ብዓወት ወዲእናያ ኢና ዝብሉ ዘለው። ካልኣይ፣ ብመሰረቱ ምደፍኤ የለን ዝብል ወረ ስለዝዘርግሑ ምናልባት ነቲ ህዝቢ ንምድንጋር ከም መኽሰብ ርእዮሞ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን ኢዩ።

ንስኻትኩም እዉን ናይ በይንኹም ጉባኤ ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኔርኩም ማለት ድዩ?

እወ ንኽእል ኔርና!! ንሕና ግን ነቲ ጉዳይ ብህድኣት ክንሕዞ ኢና ደሊና። ነቲ ኣብ ልዕሌና ዝፈጸምዎ ዘይፍትሓውን ሰብኣዊ ክብሪ ዝግህስን ተግባር ኣሪሞም ናብ ልቦም ይምለሱ ይኾኑ ኢዮም ዝብል እምነት ሒዝና ስቕ ኢልና ኢና ንጽበዮም ኔርና። ኣብ መወዳእታ ግን ናይ በይኖም ጉባኤ ይገብሩ ከም ዘለው ምስ ፈለጥና መግለጺ ሂብና። ንሕና ምስ ወጻእናሎም ክሳብ 6-7 መዓልታት ኢዮም ቀጺሎም። ብዛዕባ እንታይ እናተዘራረቡ ኢዮም ክንድኡ መዓልታት ጸኒሖም እዝግሄር ዋንኦም!!

ጉባኤ ዕለት 11 ሕዳር ምስ ተጀመረ ንስኻትኩም ዕለት ክንደይ ስሒብኩም?

ዕለት 13 ወጺእና። ናብ ልቦም እንተተመልሱ ኢልና ኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ምጽባይ ዕለት 17 መግለጺ ኣውጺእና።

እቲ ጉባኤ ክሳብ ዕለት ክንደይ ክቕጽል ኢዩ ተወሲኑ ነይሩ?

ንሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ክካየድ ስለዝተወሰነ ዕለት 11 ሕዳር ጀሚሩ እንተነውሐ ክሳብ ዕለት 16 ክቕጽል ኢዩ ተሓሲቡ ነይሩ። ንሱ እውን ምስቲ ንሰሚናር ዝተመደበ መዓልታት ደሚርካ ኢዩ እምበር ብዘይ ሰሚናርስ ናይ 2-3 መዓልታት ጥራይ ምኾነ።

እቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ከም ዘይቅጽልን ከም ዝፈሽልን ዝገበራ መፈላለዪ ነጥብታት እንታይ ኢየን ነይረን?

መጀመርያ እቲ ህይወት ካብ ኣመሰራርታኡ ደሓን ዝኾነ ኣካይዳ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። ብጽቡቕ ኩነታት እናኸድና ከለና ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ወርሒ ክልተ ኣቢሉ ዘይንፈልጦ ባህርያትን ምንቅስቓሳትን ክረአ ጀሚሩ። ሓላፊ ፋይናንስ ግሃድኤ ሃብተማርያም በርሀ ሓላፍነት ዝሃቦ ኣካል ዘየለ ክነሱ ብቐጥታ ናብ ዓዲ ግራት ወሪዱ ኣብቲ ናይ ሓባር ባጀት ኢዱ ብምእታው ኣስታት 18 ዝኣኽሉ ሰባት ወርሓዊ ደሞዝ ክወስዱ ከም ዘለዎም ገይሩ።

ናይ መን ኣባላት ኢዮም?

ዳርጋ መብዛሕትኦም ናይ ድሕነት (ናይ ሸነኽ ዑቕባዝጊ ድቡስ) ኢዮም። እቶም ሰለስተ-ኣርባዕተ ድማ ካባና ኢዮም። እቲ ስልዒት ደሞዝ እንተላይ ንዓይ ዝሓወሰ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ንዓይ 1,200 ብር ኢዩ ሰሊዑለይ። ሽዑ ኣነ “እዚ ሕጋዊ ኣይኮነን! ስርዒታዊ ኣይኮነን! ወዲ በርሀ መን ሓላፍነት ሂብዎ ከምኡ ይገብር ኣሎ?” ኢለ ተቓዊመ። ብዘይካይ እቶም ካልኦት ይኽፈሉ ነይሮም። ኣነ ግን ኣብየዮ። እቲ ጉዳይ ሕጋውነት ዘይብሉ ስለዝኾነ ኣይተቐበልክዎን። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ተፈጥረ ኣብ ሰራዊት ይኹን ኣብ ካልኦት ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ኣባላትና ሓደ ዝነበረ ኣረኣእያ ናብ ምክፍፋል ገጹ ከይዱ። እቲ ምስጢራት ምስ ወጸ እውን ሕቶታት ተላዒሉ። ንሕና ማእከልነት ሓይሊ ወይ ማእከልነት ጋንታ ኴንና ኣብ ሰራዊት እናሃለና፣ ብደረጃ ሓላፍነት እውን እናሰራሕና ከለና፣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ዓዲ ግራትን ፋጺን ንዝቕመጥ ኣባል ኣርባዕተ ሚእቲ ምኽፋል ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ዝብል ሕቶ መጺኡ። ኣብ ስራሕ ዝተመደበ ሰብ እንተኾይኑ ጸገም የለን!! ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ንዘዝበለ ዝበሃል ግን እንታይ ማለት ኢዩ? ቀዳማይ ነገር ኣብቲ ቃልሲ ብጽቡቕ ኣየኺደናን። ካልኣይ፣ ብመሰረቱ እቲ ኣብ በረኻ ክወፍር ዝግብኦ መንእሰይ ንድሕሪት ትመልሶ ኣለኻ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ከተማ ኮፍ እንተ ድኣ ኢልካ 400 ብር ይርከባ ኣለዋ ዝብል ስምዒታት ይሕዞም ኣሎ። ኣጋጣሚ ኾይኑ ኣነን ወዲ ድቡስን ኣኼባ ኣብ ዝገበርናሉ፣ ስለምንታይ ኢዩ እቲ ናይ ክፍሊት ኣፈላላይ መጺኡ ዝብል ሕቶታት ምስ ተላዕለ፣ ወዲ በርሀ ኢዩ ገይርዎ ንብል ኔርና። ስለዚ ወዲ በርሀ ንጉባኤ ኢሉ ምስ መጸ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረ ይሕተተሉ ተባሂሉ።

ወዲ በርሀ ኣብቲ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ድዩ ነይሩ?

እወ ንሳ ገይሩ ኢዩ ናብ ደገ ከይዱ። ንወዲ ድቡስ መዓልታዊ ክረኽቦ ከለኹ እቲ ፈላላዪ ክፍሊት ደው ይበል እናልኩ ይዛረቦ ነይረ። ንሱ ግን ነቲ ጉዳይ ደው የብሎ ኣይነበረን። ኣብቲ ናይ ሓባር ሰራዊት ንሱን ኣነን ኣዛዚን ምክትልን ኴንና ስለዝነበርና፣ ንሱ ኢዩ ዝለዓለ ሓላፊ ነይሩ። ካብዚ ብምቕጻል እቲ ቅንዕና ዘይብሉ ኩነታት ምስ ተፈጥረ፣ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ምደፍኤ ናይ ምእታው ስልኳታት እውን ክፍተን ጀሚሩ። “ምደፍኤ ማለት’ኮ ወዲ ባሻይ ማለት ኢዩ! እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም?” ዝብል ዘረባታት ክንዛሕ ጀሚሩ። እቲ ኣብ መሪሕነት ምደፍኤ ዝግበር ዝነበረ ምትእትታው ከኣ ብመገዲ ወዲ በርሀ ኢዩ ተጀሚሩ።

እቲ ምትእትታው ትብሎ ዘለኻ ዕላማኡ እንታይ ኢዩ?

እቲ ዕላማ ንምደፍኤ ምክፍፋል ኢዩ።ስለዚ እቲ ሓድነት ካብዚ ግዜ’ዚ ኣትሒዙ ኢዩ ዝህረም ዘሎ። መቸም ንኹሉ ተጻዊርና ንኸይድ ኔርና። ንሱ ከኣ ደገ ስለዝነበረ ንሱ ጥራይ ኢዩ ዝሕተተሉ እናተባህለ እቲ ጉዳይ ይውንዘፍ ብምንባሩ ኣብዚ ግዜ’ዚ ጉባኤ ንግበር ዝብል ሓሳብ መጺኡ። ብደረጃ መሪሕነት ኮፍ ኢልና ምስ ተመያየጥና ከኣ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጺኣ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ መዓስ ኢዩ?

ኣብ ከባቢ ወርሒ ሸሞንተ 2014!! ካብ ክልቲኡ ውድባት ብዝተወከሉ ሰባት ዝቘመት ኣሰናዳኢት ምስ ኣውጻእና፣ ገና ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣኼባኣ ከይጀመረት እንከላ፣ ወዲ በርሀ ባዕሉ መደብ ዕዮ ኣዳልዩ ምስ ደብዳቤ ኣሰንዩ ነታ ኣሰናዳኢት ሰዲዱላ።

ንዘተ ዝቐርብ ድዩ ወይስ ውዱእ ፖለቲካዊ ፕሮግራም?

ውዱእ ፕሮግራም እምበር!! እዚ ስኑድ ኢዩ። ምሳይ ከኣ ኣሎ።

ምስ መን ኮይኑ ሓንጺጽዎ?

በይኑ!!

ኣበይ ኮይኑ ሓንጺጽዎ?

ኣብቲ ከይድዎ ዝነበረ ሃገር። ነቲ መደብ ዕዮ ናብታ ኣሰናዳኢት ምስ ሰደዶ በዚ ጌርኩም ክተካትዑና ኣለኩም ዝብል ደብዳበ ኣሰንዩ ንኣሰናዳኢት ሓደጋ ወዲቕዋ።

እሞ በዚ ጌርኩም ኣካትዑና ኢሉ እንተሰዲድዎ ውዱእ ኣይኮነን ማለት ኢዩ?

እወ! እዚ ንድፊ ኢዩ፣ በዚ ጌርና ኣብቲ ጉባኤ ክንካታዕ ኣለና ኢሉ። እታ ደብዳበ ድማ ኣብቲ ቅርጺ ኣቦ መንበር ኢልካ ምክትል ዝበሃል ክህሉ የብሉን፣ ኣብ ክንድኡ ዋና ጸሓፊ ክህሉ ኣለዎ ኢያ ትብል – ልክዕ ከም ናይ ሜዳ ስታይል ማለት ኢዩ!! እንደገና ከኣ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኢልካ ምክትል ዝበሃል ክህሉ የብሉን፣ ኣብ ክንድኡ ኮምሽነር ክህሉ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ነይርዋ። እዚ ጉዳይ’ዚ ብመሪሕነት ምደፍኤ ጥራይ ዘይኮነ በታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እውን ቅቡል ኣይነበረን። ምኽንያቱ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ!! እታ ኣሰናዳኢት ኣብ ዝቘመትሉ ግዜ “ፖለቲካዊ ፕሮግራም ግሃድኤ ንኽትዕ ይቕረብ፣ ዝወጽእ ይውጻእ፣ ዝኣቱ ይእቶ” ዝብል ውሳነ ክነሕልፍ እናተዳለና ከለና እዚ ጉዳይ’ዚ ሃንደበት ምስ መጸና ኣብ ካልእ ጥርጣረ እውን ኣቲና ኢና። ምኽንያቱ፣ እቲ ጽቡቕ ነገር፣ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ግሃድኤ “ቀዳማይ መድረኽ”፣ “ካልኣይ መድረኽ” እናበለ ብመድረኻት ዝተኸፋፈለ ትሕዝቶ ኢዩ ነይርዎ። እቲ ቀዳማይ መድረኽ፡ ንስርዓት ህግደፍ ምእላይ ኢዩ ዝብል። ንሕና ከኣ እዚኣ ኢያ ዕላማና። ንሱ ግን ነዚ ኣህሲሱ ኢዩ ካልእ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝሰደልና ዘሎ። ቀዳማይ መድረኽ ህግደፍ ምእላይ ኢዩ ዝብል የብሉን። ነዚታት ሃሪሙ ካልእ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኢዩ ሰዲዱልና።

እቲ መደብ ዕዮ ብዘይካ’ዚ ትብሎ ዘለኻ ካልእ እንታይ ዝብል ትሕዝቶ ነይርዎ?

ሓፈሻዊ ናቱ ራእዪ ዝሰፈሮ ኢዩ። እንተ ንሱ፣ እንተ ኻልእ ሰብ ጽሒፍዎ – ብዛዕባ ናይ መጻኢ ራኢታት ኣብታ ሃገርን ካልእን ዝዛረብ ኢዩ። ነቲ ዝሰደዶ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከም ሰነድ ሒዘዮ ኣለኹ። ብዝኾነ እዚ ወዲ’ዚ ኣገባብ ክሕዝ ኣለዎ ኢልና ንኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብጻይ ፍስሃጽዮን ገብረ ተሪር መልእኽቲ ኢና ሂብናዮ። እዚ ሰብ’ዚ ኢዱን እግሩን ንኽእክብ ኣቦ መንበር ናይ ውድቡ (ወዲ ድቡስ) ክንገር ከም ዘለዎ፣ ኣሰናዳኢት ባዕላ ዘዳለወቶ ሰነድ ክትዝርግሕ፣ ርእይቶ ዘለዎ ሰብ ርእይቶኡ ክህበና፣ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ መመሓየሺ ሓሳብ ሒዙ ክመጽእ፣ ኣብ ጉባኤ ከኣ ዝዕረ ክነዕሪ፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን እዚ ሰብ’ዚ በየናይ ኣገባብ ኢዩ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝሰደልና ኢልና ተዛሪብና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ከምዚ ኢልና እናተዘራረብና ከለና ወዲ በርሀ እንደገና ነቲ ናብ ኣሰናዳኢት ሰዲድዎ ዝነበረ’ሞ ዝተቓወምናዮ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ ብኢመይል ገይሩ ብጎኒ ናብቲ ሕጂ ናብኣቶም ከይዱ ዘሎ ብጻይ ዮናስ ብምስዳድ ኣብ ሰራዊት ክልቲኡ ውድባት ንኽትዕ ከም ዝወርድ ገይሩ። ዮናስ ድማ ካብ ኢሜይል ኣውጺኡ ብምሕታም ክውዝዖ ጀሚሩ። እቲ ብኣሰናዳኢት ዝቐርብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናብ ሰራዊት ከይተላእከ እንከሎ ናይ ወዲ በርሀ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኢዩ ኣቐዲሙ ኣብ ሰራዊት ተዘርጊሑ። ብዘይካ ናብ ዮናስ ናብ ካልኦት ከም ዝሰደዶ እውን ንፈልጥ ኢና። ኣብ ኣሜሪካ ዘለው ኣመራርሓ ድሕነት ባዕላቶም ነጊሮምና ኢዮም።  “ናባና እውን ሰዲዱልና ኢዩ፣ ጌጋ ምዃኑ ከኣ ነጊርናዮ ኢና” ዝብል ሓበሬታ ኢዮም ዝህቡና ነይሮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለና፣ ምስቶም ዝርካቦም ኣመራርሓ ድሕነት መዓልታዊ ኢና ንዘራረበሉ ኔርና። እቲ ኣካይዳ ኣዝዩ ሓላፍነት ዝጐደሎ ምዃኑ ብኹሉ ሸነኻቱ ኢና ገምጊምናዮ – ብስነ ምግባሩ! ብቀይዲ በተኽነቱ! ገምጊምና እናነጸግናዮ ከለና ንወዲ በርሀ ዓገብ ዝበሎ ወላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።

ስለዚ ወዲ በርሀ ንበይኑ ዝሕመየሉ ጉዳይ ኣይኮነን ማለት ድዩ?

እወ!! ምኽንያቱ ዓገብ ዝበሎ ሰብ ኣይርኣናን። ንወዲ በርሀ ብድሕሪኡ ዝሓምዮ መሊኡ ኢዩ። ባዕሉ ወዲ ድቡስ እውን ነዚ ጉዳይ ክተልዕለሉ ከለኻ እዚ ወዲ’ዚ ክሳብ ጉባኤ እምበር ምሳና ዝኸይድ ኣይኮነን ኢዩ ዝብል ነይሩ። ግን ካልእ ድራማ ኢዩ ዝካየድ ነይሩ። ንሱ ቀስ ኢለ ክመጾ ኢየ። ብዝኾነ እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ስርሓ ክትጅምር ከላ ሓደ መምዘኒ ኣቐሚጣ ነይራ። እዚ መምዘኒ’ዚ ቅድሚ ምቕማጡ ግን ሰለስተ መዓልቲ ምሉእ ኣኼባ ኣካይድና ብዘይ ስምምዕ ተፈላሊና።

እቲ ግዜ መዓስ ኢዩ?

ካብ ወርሒ ሸሞንተ ክሳብ ወርሒ ትሸዓተ ኢዩ ነይሩ። ብዝኾነ ንሕና ኮታና ሃቡና ኢልናዮም። ሰራዊት ብሓባር ኢዩ ዘሎ፣ እቲ ናይ እስራኤል እውን ብሓባር ኣሎ ይበሃል ስለዘሎ ተሰማሚዕና ነሳትፍ ኢልና። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘለው ኣባላትናን፣ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ናይ ዘለው ኣባላትናን ኮታና ሒዝና ኢና ንኣቱ፣ ከኮታና ሒዝና እምበር ብዘይ ኮታ ኣይንኣቱን ኢና ዝብል ሓሳብ ብኣና ቀሪቡ።

ኮታ ዝተደልየሉ ምኽንያት ዝተዛነቐ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ከም ዝህሉ ንምግባር ድዩ?   

እወ! ክንድ’ዚ ንምደፍኤ፣ ክንድ’ዚ ድማ ንድሕነት ተባሂሉ ብዝሒ ተሳተፍቲ ብቑጽሪ ክንጸር ኢና ደሊና። በዚ ጉዳይ’ዚ ሰለስተ መዓልታት ተዘራሪብና ክንሰማማዕ ኣይከኣልናን። ንሕና ከም ኣመራርሓ ምደፍኤ፣ ካብ ኣኼባ ክንወጽእ ከለና ልቢ ኣዕቢና ዝተዘራረብናሉ ጉዳይ ሒዝናዮ ኢና ስቕ ንብል ኔርና። ንሳቶም ግን ካብ ኣኼባ መምስ ወጻእና ቈልዑ ተሪሮምና እናበሉ ብቴሌፎናት ይዛረቡ ስለዝነበሩ ንምንታይ ትተርሩ ኣለኹም ዝብል ናይ ቴሌፎን ጻውዒታት ይመጸና ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ከቀራርበና ዝኽእል ሓደ ሕጊ ወይ መምዘኒ ረቛሒ ኣቐሚጥና። ንሱ ድማ ንባጀት እውን ዘካተተ ኢዩ። መዳለዊ ጉባኤ ዝኸውን ናይ ኣሰናዳኢት ባጀት ክንገብር፣ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ክንስሕብ፣ ብድምጺ ብልጫ ዝበሃል ምትህርራም ከይህሉ፣ ምደፍኤ ይኹን ድሕነት ክንድ’ዚ ኣባላት ኣለውኒ እንተ ድኣ ኢሉ፣ ንኣብነት ድሕነት ኣብ ኣሜሪካ 50 ኣባላት ኣለውኒ እንተ ድኣ ኢሉ፣ እዚኣቶም ነፍስ ወከፎም ዘዋጽእዎ 100 ዶላር ናብ ኣሰናዳኢት ክኣቱ፣ ብመሰረት ዘለዎም ብዝሒ ከኣ ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢልና ኣቐሚጥና።

እስከ እታ ሓደ ካብ ዓሰርተ ትብል ኣነጽራ?

ንኣብነት ግንባር ድሕነት 60 ኣባላት ኣለውና ኢሎም። ካብዞም 60 ኣባላት እቶም 6 ኣባላት ይሳተፉ። እዞም 60 ኣባላት ዘዋጽእዎ ገንዘብ (6000 ዶላር) ድማ ብመሰረት ዝወጸ መምዘኒ ንኣሰናዳኢት ይርከብ ማለት ኢዩ።

ስለዚ ኣብ ምስታፍ ሓደ ካብ ዓሰርተ ኣብ ምውጻእ ገንዘብ ግን ኩሉ የዋጽእ ኢዩ?

እወ!! ኣባል ኢየ ዝበለ ናይ ክልቲኡ ውድባት የዋጽእ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም ናይ እስራኤል ክንዲ ዝኸኣልዎ ክሕግዙ ኢና ወሲንና። ብዝሖም ክሳብ 700-800 ስለዝኾነ ድማ ክንዲ ክመጹ ዝኸኣሉ ክነሳትፎም ኣለና ዝብል ውዕል ነይሩና። ደሓር ኣብ መወዳእታ እቶም ዝርካቦም ሸሞንተ ቀወምቲ ኣባላት ምደፍኤ ናብ ኣሰናዳኢት 800 ዶላር ሰዲዶም።

ኣበይ ዝነብሩ ኢዮም?

ኣብ ኣሜሪካ ዘለው ኢዮም። እቶም ናይ ድሕነት ኣባላት ግን ጉባኤ ሰሙን (ከባቢ 5-6 መዓልታት) ክሳብ ዝተርፎ ነቲ ባጀት ገና ኣታዊ ኣይገበሩዎን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ክፍለዝጊ ዝበሃል ሰብ 800 ዶላር ሒዙ መጺኡ።

ናይ መን ኣባል ኢዩ?

ናይ ድሕነት!! እዚ ኣባሎም 800 ዶላር ሒዙ ምስ መጸ፣ እተን ዝመጻ ገንዘብ ኣሰናዳኢት ዘይኮነት ወዲ በርሀ ኢዩ ተረኪብወን።

6000 ዶላር እናተጸበኹም ከለኹም 800 ዶላር ጥራይ መጺኡኩም?

እወ!! ንሳተን እውን ኣብ ናይ ወዲ በርሀ ካዝና ኢየን ኣትየን። ኣብዚ ግዜ’ዚ ወዲ በርሀ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ዘይብሉ እናሃለወ፣ ብቐጥታ ናብ ዓዲ ግራት ከይዱ። ድሕሪኡ ምስ ክፍለዝጊ ይኹን ምስ ወዲ ድቡስ ኮፍ ኢልና ተዘራሪብና። “እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም? ስለምንታይ ነታ ተሰማሚዕና ዘቐመጥናያ መምዘኒት ትጥሕስዋ ኣለኹም?” ኢልናዮም። ኣነ ብኣካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለዝነበርኩ ኮፍ ኢልና ተዘራሪብናሉ። ሽዑ ወዲ ድቡስ ባዕሉ ደብዳበ ክጽሕፉ ምዃኖም፣ ኩሉ ኣባል ክኸፍል ከገድድዎ ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ። ኣዜብ ሃብተማርያም ካብ ኣሜሪካ ገንዘብ ሒዛ ከም ዝመጸት ሰሚዕና ኢና። ኣባል መሪሕነት ድሕነት ዝኾነት ኣዜብ እውን ነቲ ሒዛቶ መጺኣ ዝተባህለ ገንዘብ ንወዲ በርሀ ደኣ እምበር ንኣሰናዳኢት ኣየረከበቶን። ስለዚ እቲ ካብ ኣባላት ድሕነት ተዋጺኡ ዝበሃል ገንዘብ ብምሉኡ ንወዲ በርሀ ኢዩ ተረኪቡ። እቲ ሓድነት ቀጻልነት የብሉን ዝብል ውዱእ ኣጀንዳ ስለዝነበሮም፣ በቲ ሕጋዊ መገዲ ናብ ኣሰናዳኢት ክርከብ ዝነበሮ ባጀት ንወዲ በርሀ ከም ዝወሃብ ኮይኑ።

ኣብቲ ሓድነት እምነት ኣይነበሮምን እናበልካ ናብ ሓድነታዊ ጉባኤ ይኣትው ነይሮም ምባል ኣይከብድን?

እዚ ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ ኢዩ። ብመገድና ትንፋስ ክሰኹዑ፣ ብመሰረቱ ንዓና ኣፍሪሶም ሓድሽ ህይወት ክዘርኡ፣ ገለ ካባና ዝኸዱ ግሩሃት እንተረኺቦም ድማ ምስኣቶም ሓድነት ጌርና ኣለና ብምባል ንህዝቢ ከደናግሩ ኢዮም ሓሲቦም ነይሮም። እታ መጣልዒት ካርታኦም ንሳ ኢያ ነይራ። ብዝኾነ እቲ ጉባኤ ከባቢ 20 መዓልታት ክተርፎ ከሎ ኣብ ዓዲ ግራት ሓድሽ ተርእዮ ርኢና። እድሪስ ማሕሙድ ዝበሃል ሓላፊ ወተሃደራዊ ክንፊ ግንባር ድሕነት፣ እዚ ሓድነት’ዚ ኣይከውንን ኢዩ እናበለ ረረጊጹና ክኸይድ ጀሚሩ። እንታይ ኢዩ ሽግርካ ተባሂሉ ተሓቲቱ ዝህቦ ምኽንያት የለን። ነዚ ከኣ ብደረጃ መሪሕነት ምደፍኤ ኮፍ ኢልና ገምጊምናዮ። እዚ ጉዳይ እንታይ ኢዩ? እዚ ሰብ’ዚ እንታይ ኮይነ ኢዩ ዝብል ዘሎ? ብደረጃ ውድብ ይኹን ብደረጃ ውልቀሰብ ብጭቡጥ ዝተጋገየ ኣካል እንተሃልዩ ክንረዳድኦ፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን እዚ ሰብ’ዚ ኣመራርሓ ኣይኮነ! ማእከላይ ባይቶ ኣይኮነ! ኣብቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ከም ካድር ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ ክነሱ ንምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ እናበልና ምስ ኣመራርሓ ድሕነት እንተላይ ምስ ወዲ ድቡስ ንዘራረበሉ ኔርና።

ንሰራዊት ሕድሪ መን ድዩ ካብ ክልቲኡ ተወኪሉ ዝመርሖ ዝነበረ?

ብኮሚተ ኢዩ ዝምራሕ። ንሱ ኣቦ መንበር ናይታ ኮሚተ ኢዩ። ብዝኾነ ንሱ ኣብ ዘዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ብቐጻሊ ረጊጹና ይኸይድ ነይሩ – ወላ ንወዲ ድቡስ፣ ወላ ንወዲ ገብረ፣ ወላ ንኻልኦት ረረጊጽዎም ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ!! ኣብ መወዳእታ ዕለት 9 ናይ ምሸት ኣኼባ ክንገብር ተባሂሉ ምስ ተኣከብና ሽዑ ኢዩ ፊት ንፊት ምዝርራብ ተጀሚሩ። ንሕና ከም ኣመራርሓ ምደፍኤ ሒዝናዮም ዝኸድና ነጥብታት ኣርባዕተ ኢዮም ነይሮም። ሓደ፣ ጉዳይ ባጀት ኢዩ ነይሩ። ካልኣይ፣ ጉዳይ እድሪስ ብዓቢኡ። ሳልሳይ፣ ብመሰረቱ ክንገማገም ኣለና ኢልና። ራብዓይ፣ ሰሚናር ጌርና ሽግራትና ክንኣሊ ዝብል ሓሳብ ብኣና ቀሪቡ።  

ዕለት 9 ማለት’ኮ ጉባኤ ክልተ መዓልታት ተሪፍዎ ከሎ ማለት ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሰሚናር ንምግባርን ንምግምጋምን እቲ ግዜ ኣይሓጸረን? ብኸመይ ነቲ ዕለት መሪጽኩሞ?

ጽቡቕ ኣለኻ!! ግን ቅድሚኡ ደኣ’ሞ ዘይመጹ! ወላ ሽዑ እውን ኩሎም ኣይመጹን። ብወገንና እቲ ዝርካቡ ኣመራርሓ ምደፍኤ ኣብ ባይታ ኢዩ ዘሎ። ብኣታቶም ወገን ግን ጉባኤ ዕለት 11 ክካየድ ብድሮ ዕለት 10 ዝኣተው ኣመራርሓ ነይሮም። ዛቱ ነቲ ጉባኤ ዘየርከብዎ ኣመራርሓ ግሃድኤ እውን ነይሮም። ስለዚ እቲ ምዝርራብ ምስቶም ዝርካቦም ኣትዮም ዝነበሩን ኣብኡ ዝጸንሑን ኢዩ ነይሩ። እታ ቀዳመይቲ ናይ ፋይናንስ ጉዳይ ምስ ተላዕለት፣ ፋይናንስ ብመሰረቱ ኦዲት ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ። ካልኣይ፣ “ወዲ በርሀ ጌርካዮ ዝኸድካ ሰብ ዘባልዐ ጉዳይ ኣሎ፣ መን’ዩ ሓላፍነት ሂቡካ? እቲ ምኽፋል ገንዘብ (ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ንዘለው ናይ ሻሂ ዶ ናይ ካልእ ዝበሃል) ወላ ኣድላይነት እንተሃለዎ ንስኻ ዲኻ ክሳብ ዝተሓተ ወሪድካ ትገብሮ?” ዝብል ሕቶ መጺኡ።

ጉዳይ ባጀት ብኸመይ ከም ዝካየድ ዝሕብር ቅርጺ ኣይነበረኩምን ድዩ?

ነይሩ እምበር!! ንሱ ግን ብገዛእ ኢዱ ኢዩ ገይርዎ።

እቲ ባጀት ናይ ሓባር ባጀት ዶ ኣይኮነን?

እወ ናይ ሓባር ባጀት ኢዩ።

እሞ ከምቲ እቲ ሰራዊት ብወተሃደራዊ ኮሚተ ዝምራሕ፣ እቲ ባጀት’ከ ብኮሚተ ዶ ኣይኮነን ዝመሓደር?

እወ ብኸምኡ ኢዩ ዝመሓደር! ወዲ በርሀ ግን ብቐጥታ ነዚ ጥሒሱ ኢዩ ዝገብሮ ዘሎ። እዚ ሕቶ’ዚ ብኣና (ብምደፍኤ) ምስ ተላዕለ ወዲ በርሀ ሃንደበት “ኣነ ምስ እድሪስን ወዲ ድቡስን ተረዳዲአ ዝገበርክዎ ኢዩ” ኢሉና። “ዋእ! ኣቱም ሰባት እንታይ ተርእዩና ኣለኹም? እዚ ጉዳይ’ዚ ብዙሕ ሰብ ኣተፋኒኑ ኢዩ። ኣነን ወዲ ድቡስን ኣብ ሰራዊት ካብ መራሒ ጋንታ ንላዕሊ ኣኼባ ኣብ ዝገበርናሉ፣ ወዲ ድቡስ “ኣነን ወዲ ባሻይን ንፈልጦ ነገር ኣይኮነን”  ክብል ከሎኣነ እውን “ኣነን ወዲ ድቡስን ኣይፈለጥናዮን፣ ወዲ በርሀ ኢዩ ነዚኣ ጸይቑዋ ከይዱ ዘሎ፣ ኣነ ከኣ ደው ኣብልዎ ይብል ነይረ ኢየ፣ ዝሰምዓኒ ሰብ ግን ኣይረኸብኩን” ኢለ ተዛሪበ። ካልኣይ፣ ወዲ ገብረን ኣነን ወዲ ድቡስን ኴንና ወተሃደራዊ ኮሚተ ኣብ ዝኣከብናሉ እዋን፣ ሸሪፎ ዝበሃል ኣባል ድሕነት (ኣብቲ ወተሃደራዊ ኮሚተ ዘሎ ሰብ) ነቲ ሕቶ ኣልዒልዎ። “ላዕለዎት ኣመራርሓ ክነስኹም ኣይንፈልጦን ኢና ትብሉና ደኣ እዚ ጉዳይ’ዚ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ መን ደኣ ኢዩ ገይርዎ?” ምስ በለ ኣነን ወዲ ድቡስን “ወዲ በርሀ ኢዩ ገይርዎ” ንብል ስለዝነበርና “ኢሂ እንታይ ኢዩ መልስኻ ወዲ በርሀ?” ምስ በልኩዎ ወዲ ድቡስ ኮርዩ ሳምሶናይቱ ኣልዒሉ ክነፍጽ ደልዩ። እቲ ጉዳይ ሓቂ ስለዝኾነ ኢየ ኣልዒለሉ፣ መዓት ሰብ ዝብሎ ከኣ ኢዩ። ግን ክልቲኦም (ወዲ ድቡስን ወዲ በርሀን) ዘይትብተኽ ናይ ሕቡእ ኣጀንዳ ኔትወርክ ስለዘላቶም ዝኾረየ ክመስል ፈቲኑ። ሽዑ ኣብኡ ጸኒሖም ነዚ ዝሰምዑ ብዓል ክፍለዝጊ ዝበሃሉ ኣመራርሓ ንወዲ ድቡስ “ፍለጥዎ ኣይትፍለጥዎ ንጥዑምዝጊ ወይ ካልእ ኣመራርሓ ምደፍኤ ዘይትነግርዎ? እቲ ኣብ ወተሃደራዊ ኮሚተ ከም ምክትል እድሪስ ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ምደፍኤ ኣባል ወይ ከኣ ጥዑምዝጊ ባዕሉ ነቲ ጉዳይ ዘይፈልጦ እንድሕር ኾይኑ ከምኣ ብምግባርካ ክትንቀፍ ኢዩ ዝግብኣካ” ኢሎሞ። ካብኡ ሰጊርና ከኣ ኣብ ጉዳይ እድሪስ መጺእና። “እድሪስ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ይፍጽም ኣሎ፣ ገምጊምኩሞ’ዶ ብደረጃ ድሕነት ወይ ሕጂ ንገምግሞ! እንታይ ኢዩ እቲ ምስጢር?” ኢልና ብደረጃ ኣመራርሓ ሕቶ ኣልዒልና። “እዚ ሰብ’ዚ ሓድነት ኣይግበርን ኢዩ ይብል ኣሎ፣ ናብ ሓድነት ከኣ ንኣቱ ኣለና፣ ስለዚ ነዚ ሓድነት መን ኢዩ ዋንኡ? ዋና ከይፈለጥና ከመይ ጌርና ንኣቱ ኣለና? ንሱ እንተኾይኑ ዋናኡ የፍሽለና ኣሎ፣ ወይስ ንሕና ኢና ከም ኣመራርሓ ደረጃ ሓላፍነት ክንስከም ዘለና?” ዝብል ሕቶ ብኣና ምስ ቀረበ፣ መን ኢልዎ ዝብል ዘረባ መጺኡ። “ዋእ! እንታይ መን ኢልዎ ትብሉ ደኣ! ንዓኻ ንወዲ ድቡስ፣ ንወዲ ገብረ፣ ረረጊጹኩም’ዶ ይኸይድ ኣይነበረን!?” ምስ ተባህለ ፍስሃጽዮን ገብረ (ወዲ ገብረ) ተንሲኡ “እዚ ሰብ’ዚ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነ ሰለስተ መዓልቲ ጠጥሒሱና ከይዱ ኢዩ፣ ኩሉ ስኑድ ኢዩ” ኢሉ መልሲ ሂቡ። ካብኡ ቀጺልና ከኣ ኣብ ዝሓለፍናዮ መድረኽ እውን ክንገማገም ኣለና ዝብል ሕቶ ኣምጺእና። ኣብ መወዳእታ፣ ብበል ኣይትበል፣ “እሞ ናይ ፋይናንስ ሰነድና ከይተዋህበና ንገብሮ ነገር የለን፣ ጉባኤ ወዲ ጉባኤ ኣይትበሉ! ናይ ፋይናንስ ሰነድ ሃቡና – ክንዲ’ዚ ካብ እስራኤል፣ ክንድ’ዚ ካብ ኤውሮጳ፣ ክንድ’ዚ ካብ ኣሜሪካ ኣትዩ፣ ክንድ’ዚ ጠፊኡ ዝብል ጸብጻብ ንደሊ ስለዘለና ሰነድና ይወሃበና” ኢልና። ክወሃበና ግን ኣይከኣለን። ብዝኾነ ለይቲ ኾይኑ ተፈዲስና፣ ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት 10 ርክብና ክንቅጽሎ ኢና ምስ በልና ብወገን ሰራዊት ሓድሽ ምዕባለ መጺኡና። እቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ (እድሪስ ማሕሙድ) ናብ ዓዲ ግራት ኣጽዋር ምእካብ ጀሚሩ። ካብታ ስዒድ እስማዒል ዝበሃል ናይ ምደፍኤ ኣዛዚ ሓይሊ ዝመርሓ ሓይሊ ብሬን ኣይትበል! ክሳብ 3600 ዝገማገም ጠያይቲ ኣይትበል! ክሻፋ ኣይትበል! ሬድዮ ርክብ ኣይትበል! – ኩሉ ናብ ዓዲ ግራት ከም ዝግዕዝ ገይርዎ። “ኣብ ዓዲ ግራት ናብ ጉባኤ ክንኣቱ እናተባህለ ከሎ እዚ ኣጽዋር ንምንታይ ኢዩ ናብ ዓዲ ግራት ዝውሰድ ዘሎ?” ኢሉ ስዒድ ሕቶ ምስ ኣልዓለ ኣየእትወካን ኢዩ ተባሂሉ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ንሱ ተሳታፊ ናይቲ ጉባኤ ኢዩ ነይሩ። ምስኡ ሰለስተ ኣባላት ምደፍኤ ነይሮም። እቲ ሓደ ምክትል ኣዛዚ ናይቲ ቦጦሎኒ ኢዩ፣ እቲ ሓደ ኣዛዚ ሓይሊ ኢዩ፣ እቲ ሓደ ድማ ስታፍ ክፍሊ ታዕሊም ኢዩ። ካብቶም ናይ እስራኤል እውን ምስኣቶም ነይሮም።  ዕጥቅኹም ተማሊእኩም ናብ ቤት ጽሕፈት ምጹ ኢሉ ትእዛዝ ዘውረደሎም እድሪስ ባዕሉ ኢዩ። ዕጥቆም ዓጢቘም ከኣ መጺኦም። ኣብ ጉባኤ ክሳተፉ ምዃኖም ድማ ብኣሰናዳኢት ተወሲኑ ኢዩ ነይሩ።

ኣጽዋሮም ከም ዝግዕዝ ተገይሩ እናበልካኒ ዓጢቘም መጺኦም ከኣ ትብለኒ ኣለኻ?

ዕጥቈም ምስኣቶም ኣሎ – ናይ ውልቆም ዕጥቂ!! እቲ ሓፈሻዊ ዕጥቂ ናይታ ሓይሊ ኢዩ ግዒዙ። በቲ ዝወረደሎም ትእዛዝ መሰረት ነቲ ናይ ውልቆም ዕጥቂ ዓጢቘም ኢዮም ተበጊሶም። ትኽ ኢሎም ድማ ናብ ቤት ጽሕፈት ምደፍኤ መጺኦም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ንዓይ ኳሕኲሖም፣ “ዕጥቂ ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈት ከይዶም” ኢሎምኒ፣ “ናይ ምንታይ ዕጥቂ?” እንተበልኩዎም፣ “ዕጥቈም!!” ኢሎምኒ፣ “ዕጥቈም ደኣ እሞ እንታይ ሽግር ኣለዎ? ናብ ጉባኤ እናመጹ’ኸ እንታይ ክገብሩ ሒዞሞ መጺኦም?” ኢለዮም። “ኣራግፉ ኢልናዮም ኣብዮምና ወሲዶሞ ኣለው” ምስ በሉኒ ብዝኾነ ደሓን ክኸዶም ኢየ ኢለ ኣኼባ ኣቋሪጸ ከይደዮም። እንታይ ኢዩ እቲ ኩነታት ኢለ ምስ ኣዘራረብኩዎም፣ “ንስኻትኩም ኣብዚ ተዓቢጥኩም ትርእይዎ ነገር የሎን፣ ኣጽዋርና – ክሻፋ፣ ሬድዮ ርክብ ከይተረፈ ኢዩ ዝእከብ ዘሎ፣ እዚ ከኣ ዕጥቅና ስለዝኾነ ካብ መኪና ኣውሪድና ሒዝናዮ መጺእና ኣለና” ኢሎምኒ። ካልእ ሽግር የብሉን ምስ በልኩዎም የብሉን ኢሎምኒ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝኾኑ ኣባላት ግሃድኤ ተላኢኾም ናብ ቤት ጽሕፈትና ብምምጻእ ኮፍ ኢሎም ምስዞም ቈልዑ ተዘራሪቦም። “ናብ ሓድነታዊ ጉባኤ ንኣቱ እንተሃሊና ንምንታይ ነቲ ኣጽዋር ናብ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ይእክብዎ ኣለው? እዚ ዕጥቅና ስለዝኾነ ናብ ቤት ጽሕፈትና ሒዝናዮ መጺእና ኣለና” ኢሎሞም። በል ኣይትበል ምስ ኮነ ኣብ መወዳእታ ኣነ ነቶም ኣባላትና ጸቒጠ “ብሰለስተ ከላሽን ኣይኮናን ዓዲ ንኣቱ፣ ብኣተሓሳስባ ጥራይ ኢና ዓዲ ክንኣቱ ዘለና፣ ስለዚ እዚ ብረት’ዚ ይመለስ እንዶ! ይውሰድዎ ደሓን! ይዝመትዎ!” ኢለ ነተን ብረት ባጃጅ ገይረ ናብቲ ኣብ ዓዲ ግራት ዘሎ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኣብጺሐየን። ብድሕሪኡ ካልእ ሽግራት እውን ነይሩ – መቸም ንሱ ንግዜ ክንገድፎ!! ብዝኾነ ንግሆ ናብ ጉባኤ እናኣተና ከለና ኣብቲ ሰራዊት ዘለዎ ቦታ እንደገና ካልእ ክስተት ተፈጺሙ። ብዓል ሸሪፎ፣ ሚኪኤለ፣ የማነ፣ መሓመድሳልሕ ዝበሃሉ ኣባላት ድሕነት ተሳተፍቲ ጉባኤ ክነሶም ናብቲ ሰራዊት ከይዶም ካብ ክልቲኡ ቦታ ከክልተ ሰብ መሪጾም “ክልቲኡ ኣብያተ ጽሕፈት ዋርድያ ስለዘይብሉ ሓለዋ ክትኮኑ ኢኹም ተበገሱ” ኢሎም ኣበጊሶሞም። እዚ ነቶም ሰባት ካብቲ ሰራዊት ንምፍላይ ዝተጠቕሙሉ ጥበብ ኢዩ። ሒዞሞም እናኸዱ ከለው ብቐጥታ ኣብ ሓደ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘለዎ ከባቢ ምስ በጽሑ ደው ኣቢሎም ዕጥቅኹም ኣራግፉ ኢሎሞም። ንሳቶም ድማ ዕጥቅና ኣይነራግፍን ኢና ኢሎሞም። እቶም ክልተ መራሕቲ ጋንታ ኢዮም። እቶም ክልተ ከኣ ካድራት ኢዮም። ንምንታይ ኣራግፉ ትብሉና ኣለኹም እንተበሉዎም “በቃ ኣራግፉ ተባሂልኩም ኣለኹም” ኢሎሞም። ኣይነራግፍን ከኣ ኢሎሞም። ተፋጠጥ ምስ ኮነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ከባቢ ስለዝነበሩ እቶም ኣባላት ድሕነት ናብኣቶም ከይዶም “እዞም ሰባት እዚኣቶም ጸላእቲ ኢዮም፣ ጸላእቲ ምዃኖም ብላዕለዎት ኣመራርሓ ተሓቢርና ኢና፣ ብረቶም ከኣ ኣይነራግፍን ይብሉ ስለዘለው ኣራግፉልና” ይብልዎም። ሽዑ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ብረቶም መጺኦም “እንታይ ኢዩ ሽግርኩም?” ምስ በሉዎም፣ “ንሕና ኣባላት ምደፍኤ ንበሃል፣ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ከኣ ብሰራዊት ደረጃ ተሓናፊጽና ሓደ ኣካል ኴንና ጸኒሕና፣ ሎሚ መዓልቲ ክልቲኡ ውድባት ኣብ ጉባኤ ኣትዩ ኣሎ፣ ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ከኣ ኣራግፉ ንበሃል ኣለና” ኢሎም ከረድእዎም ፈቲኖም። ንሳቶም ድማ “እሞ ጸላእቲ ኢዮም ይብሉኹም ኣለው፣ ንሳቶም ከምኡ ስለዝበሉ ገበነኛታት ኢኹም ኢሉ ዝሕዘኩም ሰብ የለን፣ እዚ ዓዲ ሕጊ ኢዩ፣ ብዝኾነ ግን ብናትና ውሕስነት ደሓን እተን ብረት ንዓና ሃቡና” ኢሎም ነተን ብረት ምስ ተረከብወን ነቶም ኣባላትና ኣሲሮም ናብ ቤት ጽሕፈት ምደፍኤ ኣምጺኦሞም። ሽዑ ጉባኤ ኣቲና ኣለና። ካብቲ ጉባኤ ምስ ወጻእና እዞም ቈልዑ ክበኽዩ ጸኒሖምኒ። እንታይ ኢዩ ሽግርኩም እንተበልኩዎም ኩሉ ዘጋጠሞም ነጊሮምኒ። ሽዑ ኣብኡ ከለና ኣብቲ ጉባኤ “እዚ በደላት’ዚ ይወርድ ስለዘሎ ይገምገም” ምስ በልና እድሪስ ባዕሉ “ንሕና ኣይኮናን! መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ዘራግፎም ዘሎ” ኢሉኒ። ከምኡ ከም ዝበለኒ ዝሰምዑን ንህይወቶም ክምስክሩ ዝኽእሉን ሰባት ኣለው። ኣነ ሽዑ፣ “ኣነ ኢየ ኣቦ መንበር ናይዚ ውድብ፣ መንግስቲ ንዓይ ዕጥቅኻ ኣራግፍ ኣይበለኒን፣ ኢድካን እግርኻን ኣክብ፣ ትገብሮ ዘለኻ ጌጋ ኢዩ፣ ወይ ትገብርዎ ዘለኹም ጌጋ ኢዩ፣ ብመሰረቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቅኹም ኣራግፉ ኣይበለናን” ዝብል መልሲ ሂበ። ብዝኾነ ነዚ ተጻዊርና ጉባኤ ይቕጽል ነይሩ። እዚ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ካልእ ተወሳኺ ክስተት እውን ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት እቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ ቈልዑ፣ ኣብ ማእቶት እናዓጸዱ ከለው ሓደ ካብኣቶም ማዕጺድ ሃሪማቶ ኢዱ ክትኮስ ደልዩ ከሎ ብዘይ ሕክምና ኣብኣ ዓቢጦም ኢዮም ኮፍ ኣቢሎም። ዛቱ እቲ ሓኪም እውን ናይ ድሕነት ኢዩ። መምርሒ ድዩ ተዋሂብዎ ወይስ ባዕሉ ኢዩ ኮፍ ኣቢልዎ ንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ከይዶም በጺሖሞ ኢዮም። ኣብ ክንዲ ዝሕክምዎ ግን ኣይሓከምዎን። ምኽንያቱ ኣብቲ ሰራዊት ርእይቶታት ይውሕዝ ነይሩ ኢዩ። ኣገባብ ጌርና ንኺድ ዝበለ ሰብ ካልእ ስም ኢዩ ዝወሃቦ። እዚ ቈልዓ ኣብ ዓዲ ግራት ሰለስተ ግዜ ኣብ ኢዱ መጥባሕቲ ገይሩ። ነዚ ጉዳይ ዘይትፍትሽዎ ይበሃሉ ነይሮም። ኣይፈተሽዎን!! ነዚ ተጻዊርና ናብቲ ጉባኤ ክንኣቱ ከለና እውን ንኣባላትና ንጸቕጦም ኢና ኔርና። ድሕነት ግን ብዘይካ ውድባዊ ሕሳባት ካልእ ጉዳይ የብሎምን። ነዚ ውድባዊ ሕሳባት ከኣ ብምንታይ ኢዮም ዝገልጽዎ ነይሮም እንተተባሂሉ፣ ሓደ፣ ነቲ ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝብል ሰነድ፣ “ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣብ ሓድነታዊ ጉባኤ ምደፍኤን ግሃድኤን” ኢልና ኣርእስቲ ሂብናዮ ክነብቅዕ፣ ምሸት ናይታ መኽፈቲት ዕለት “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ወዚዖም። ነዚ እውን ተሰኪምናዮ እናኸድና ከለና፣ ኣብቲ መደብ ዕዮ እውን ብዙሕ ዘከራኸረና ነገር ነይሩ። እቲ ዘከራኸረና ኣርእስቲ ድማ፣ “ብስሙር ኤርትራዊ ሓይልታት ተቓውሞን ብሳልሳይ ኣካልን ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘተ ከም ዝካየድ ምግባር” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ንሕና ከኣ “ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መደብ ዕዮ እንተ ደኣ ኣስፊርናዮ ሓደጋኡ ኢዩ ዝዓቢ” ኢልና ተቓዊምናዮ። ምናልባት ሻዕብያ ንዘተ ቅሩብ ኢየ እንተ ኢሉ እቲ ዝወጽእ ባይቶ ነቲ ጉዳይ ብኸመይ ከም ዝሕዞ ናይ ባዕሉ መገዲ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክሰፍር የብሉን ዝብል ርእይቶ ነይሩና።

ተኽእሎ እንተሃልዩ ብደረጃ ሓሳብ ይቀመጥ ማለትኩም ድዩ?

እወ! ተኽእሎ እንተሃልዩ ምስቲ መሪሕነት ይተሓዝ፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከመይ ገይሩ ይሰፍር? ህግደፍ ጽባሕ ንግሆ ተዛተይቲ እንተሰደደልና’ኸ እንታይ ኢና ክንብል!? (….ሰሓቕ…)።

እዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይቲ ግሃድኤ-ሕድሪ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ውድብ ሰፊሩ ኣሎ ማለት ድዩ?

ኣብቲ ንድፊ ፕሮግራም እኮ ኢዮም ኣምጺኦሞ። ቃል ብቓሉ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘተ ክግበር ኣለዎ ኢዩ ዝብል። ብርሃነ ደበሱ ዝበሃል ካብ ኣሜሪካ ዝመጸ ኣባል ድሕነት ጥራይ ኢዩ ከምታ ናትና ዓይነት ርእይቶ ሒዙ እዚኣ ኣይተድልን ኢያ ክብል ዝሰማዕናዮ። እቶም ካልኦት ግን ከም ቅቡል ኢዮም ወሲዶሞ። ክቃወሙ ስለዘይርኣናዮም ከም ዝተቐበልዎ ጌርና ኢና ንወስዶ። ስለዚ ኣብ ፕሮግራሞም ከም ዘስፈርዎ ጌርካ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ እቲ ጉባኤ ብኸምዚ እናቐጸለ ከሎ ካልእ ሓድሽ ኩነት እውን ተራእዩ። እቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ድሕነት (ናይ ብዓል ዶክተር ሃብተ ማለት ኢዩ) ናብ ዓዲ ግራት ከቲቱ ነይሩ። ጃብር፣ ገዛኢ፣ ኣሕመዲንን ካልኦትን ኣብኡ ነይሮም።

እቲ ጉባኤ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ድዩ?

እወ!! ንሕና ነዚ ጉዳይ’ዚ ንከታተሎ ኔርና። እድሪስ ቅድሚኡ ምስ ጃብር ዝኾነ ይኹን ርክብ ዘይነበሮ ክነሱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ምስኡ ተራኺቡስ እኳ ድኣ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝገደፎ ንብረት ዝሓዘ ሳንዱቕ ኣረኪብዎ ኢዩ። እንታይ ኢዩ እዚ ርክብ’ዚ ኢልና ንወዲ ድቡስ ምስ ሓተትናዮ፣ “ክዳውንቲ ጥራይ ኢዩ ሂብዎ” ዝብል መልሲ ሂቡና። እዚ ጉዳይ’ዚ ርእሱ ዝኸኣለ ኣካታዒ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ንብረት መዓስ ኢዩ ተዋሂቡ?

ኣብ ድሮ እቲ ጉባኤ!! ኣብዚ ግን ምስ ጉዳእ እድሪስ ብምትእስሳር ሓደ ዝረሳዕኩዎ ነገር ኣሎ። ካብቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ ሰባት እድሪስ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዘይደለዮም ክልተ ሰባት ነይሮም። ስለዚ እድሪስ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንተኣትዮም ኣይኣቱን ኢየ ይብል ስለዘሎ፣ እዞም ሰባት ክወጹ ኣለዎም ዝብል ጐስጓስ ኣካይዶም። እዞም ሰባት ከምቲ ዝተወሰነሎም ክኣትው ኢዮም ምስ ተባህለ ግን ብዙሕ ክትዓት ተላዒሉስ ኣባይን ኣብ ወዲ ድቡስን እውን በጺሑ። ኣነን ወዲ ድቡስን ክኣትው ወሲንና ከለና “እድሪስ እዞም ኣብርሃምን ጥዑምዝጊን ዝበሃሉ ካብ እስራኤል ዝመጹ ክልተ ናይ ምደፍኤ ኣባላት እንተ ኣትዮም ጉባኤ ኣይኣቱን ኢየ ይብል ስለዘሎ እዚ ጉባኤ ከይፈሽለና ንሳቶም ይጽንሑ፣ ንሱ ግን ይእቶ” ተባሂሉ። እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም? ዝብል ብዙሕ ዘረባ ተላዒሉ።

ናብቲ ጉባኤ ክኣትው ዘይተደልየሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

ሓያላት ካድራት ኢዮም። ኣብቲ ሰራዊት ምሳና 5-6 ኣዋርሕ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ ዝረኣይዎ ንምዝራብ ድሕር ዘይብሉ ምዃኖም ተዓዚብዎም ስለዝነበረ ምናልባት ካብዚ ስግኣታት’ዚ ዝብገስ ኢዩ ዝኸውን። ካልእ ዝኾነ ይኹን በደል የብሎምን። ሽዑ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝወጹ ምስ ተገብረ፣ ኣነ ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ ደው ኢለ ንወዲ ድቡስ “ኣነን ንስኻን ክኣትው ወዲእናዮ ከለና መን ኢዩ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ኣውጺእዎም?” ኢለ ምስ ሓተትኩዎ “ንዓኣቶም ኣዕጊብና ዝወዳእናዮ ኢዩ ንድሕሪት ኣይትምለሰና” ብምባል መዓት ዘረባ ኣውሪዱለይ። እቲ ጉባኤ ከምዚ ኢሉ እናኸደ እንከሎ እቲ ኣርእስቱ ቀይሮም ዘምጽእዎ ሰነድ ከይተረፈ ጽባሕ ቀይርና ክነምጽኦ ኢና፣ ደሓን ጸገም ኣይኮነን ኢሎምና ከብቅዑ ንጽባሒቱ ከም ዘለዎ ሒዞሞ መጺኦም። ንጽባሒቱ ዕለት 12 ሕዳር ኣብ ክልተ ጉጅለታት ኴንና ኢና ዘተ ጀሚርና። ኣነ ኣብታ ብዛዕባ ሕጊ ህንጻ ትዝቲ ጉጅለ ኢየ ነይረ። እታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ትብል ስም ከም ዘላታ ምስ መጸት፣ “እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ! ስምረት ምደፍኤን ድሕነትን እናበልና ከለና፣ ስም ውድብኩም እንተ ድኣ ተጠቒምና ፍጹም ሓድነት ወይ ስምረት ከስምዕ ኣይክእልን ኢዩ” ብምባል ኣነ ብውልቀይ ካልእ ስም ኢና ክንጥቀም ዘለና ዝብል ርእይቶ ኣቕሪበ። እሞ ድምጺ ይወሃብ ምስ በሉ “ውዕልና ብምትዕግጋብን ምርድዳእን እምበር ብድምጺ ኣይኮነን” ስለዝበልኩዎም ከኣ ካብታ ኣነ ዝነበርኩዋ ጉጅለ ካልእ ስም ሒዝና ኬድና። ኣብታ ሓንቲ ጉጅለ ዝነበሩ ሰባት ግና “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ” ዝብልን ካልእ ሰለስተ ኣስማትን ሒዞም መጺኦም። ብድሕሪኡ እቲ ጉባኤኛ ምስ ተኣከበ፣ ንሕና ሓያል ርእይቶታት ኣቐሚጥና። ኣብቲ ዝሃብናዮ ርእይቶ፣ ብቐዳምነት ነቶም ቅኑዓት ተቓለስትን ለለው ዝበሉ ካድራትን ክነሶም ብዘይ ዝኾነ ጭብጢ ጸላእቲ ኢዮም ተባሂሎም ንድሕሪት ተኣሲሮም ዝመጹና ኣባላትና “ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኢና በሉ”  ክትብሎም ፍጹም ዘይከኣል ነገር ምዃኑ ሓቢርና። ካልኣይ፣ ብመሰረቱ ኩሉ ሰብ ዋንነት ተሰሚዕዎ ናተይ ኢዩ ብዝብሎ ስም ኢና ክንከይድ ዘለና ኢልና። ከም ኣብነት እውን ታሪኻት ናይ ከባቢና ውድባት እንተ ናይ ህወሓት እንተ ናይ ካልእ ጠቓቒስናሎም። ንሳቶም ግን “መኪና ኣለና፣ ንብረት ኣለና፣ ውድብና ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ፍሉጥ ውድብ ኢዩ፣ ስለዚ ብኡ ጥራይ ኢና ንኸይድ” ኢሎም ኣብዮምና። እቲ ዝኸፍአ ድማ ባዕሉ እቲ ኣቦ መንበር ኢየ ዝብል ዑቕባዝጊ ድቡስ ኣብ ማእከል እቲ ጉባኤ ተንሲኡ፣ “ኣርማ ኣይንቕይር ስም ኣይንቕይር!!” ኢሉ ተዛሪቡ። ደው ኢልና እናተቓወምና ከለና (እንተላይ ኣባላት ኣሰናዳኢት ዝነበርና) ናብ ድምጺ ብልጫ ምስ ተጓየዩ ነቲ ጉባኤ ጥሒስናዮ ወጺእና።

ካብ ክልቴኹም ወገን ዝነበረ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝተዛነቐ ኣይነበረን ድዩ ኾይኑ?

ፈጺሙ ኣይነበረን!! ብደረጃ ምደፍኤ 6 ኣባላት መሪሕነት ኢዮም ኣትዮም። ካብ ቤት ጽሕፈት ሓንቲ ኢያ – ሸውዓተ ኴንና ማለት ኢዩ። ካብ ሰራዊት ሰለስተ ኢዮም። እቲ ናይ እስራኤል ደሓር ዝኣተወ ኢዩ። እቲ ናይ እስራኤል እኳ ተሓናፊጹ ስለዝነበረ ናይ ምደፍኤ ኢዩ ኢልካ ዝግለጽ ኣይኮነን። ስለዚ ካብቲ 60 ወይ 70 ኣቢሉ ዝነበረ ጉባኤኛ እቶም ናይ ምደፍኤ ኣባላት ከባቢ 10-15 ኣይንጸርን ኢና ኔርና። ንሕና ኩሉ መሰናኽላት ተሰጊሩ ዓይነታዊ ቃልሲ እንተተሃንጸ ብዝብል ድርኺት ኢና ኣቲናዮ። ንሳቶም ግን ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ናይ ቃልሲ ሕቶ ኣብ ቅድሚኦም ከይገበሩ ንኹሉ ናይ ሓባር ጉዕዞና ብተንኮል ይኸድዎ ስለዝነበሩ ኣብ መወዳእታ ብኸምዚ ዝገለጽኩልካ ኣገባብ ተፈላሊና።

ኣባላት ናይቲ ብዓል ጃብር ዝርከብዎ ሸነኽ ግንባር ድሕነት ቀቅድሚ ጉባኤ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ናብ ዓዲ ግራት መጺኦም ነይሮም ኢልካኒ’ሞ ኣብ ምፍሻል ናይቲ ፈሺሉ ዝበልካዮ ሓድነታዊ ጉባኤ ኢድ ነይርዎም ኢልካ ትጥርጥር ዲኻ?

ንሳቶም ኣቐዲሞም ኣብኡ ስለዝቐነዩ እድሪስ ከም መፈራሒ ይጥቀመሎም ነይሩ። ምኽንያቱ ነቲ ሓድነት ኣይደለዮን። ኣብ ድሮ እቲ ጉባኤ ንጃብር ንብረቱ ከረክቦ ከሎ ንበዓል ወዲ ድቡስ ብኣይ ተማእዚዝኩም እንተዘይኬድኩም ንብረቶም ከረክቦም ኢየ ዝዓይነቱ መፈራርሒ መልእኽቲ ኢዩ ዝሰደሎም ነይሩ። እታ ንሱ ዘይደለያን ዓው ኢሉ ዝተዛረበላን ጉዳይ እንተነይራ ሓድነት ዘይምህላዉ ኢያ። ወዲ ድቡስ ኮነ ወዲ ገብረ ወላ ፍስሃየ ባዕሉ ነዚኣ ይፈልጥዋ ኢዮም። ስለዚ እድሪስ ኢዩ ምስኣቶም ሓድሽ ርክብ ብምፍጣር ከፈራርሕ ዝፍትን ዝነበረ እምበር ንሳቶም ዝኾነ ኢድ ኣርኣናሎምን።

ሓንቲ ከይኮልፈካ ኢለ ዝሰገርኩዋ ሕቶ ኣላ። እቲ ምክትል ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኢዩ ዝበልካዮ ሰብ፡ ምክትልነቱ መዓርግ ጥራይ ድዩ ወይስ ኣብ ሰራዊት ሕድሪ ቦጦሎኒ ዝበጽሕ ዓቕሚ ሰብ ነይሩኩም?

ሰራዊታት ክልቲኡ ውድባት ምስ ተሓናፈጸ ኣብቲ ፈለማ ብሰለስተ ሓይልታት ኢና ቈይምና። እቲ ቅርጺ ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ንሕና ጥራይ ኣስታት 60 ሰራዊት ሒዝና ኢና ነቲ ምትሕንፋጽ ኣቲናዮ። ካብተን ውድባት ዝበዝሐ ናትና ኢዩ ነይሩ። እቲ ሓድነት ምስ ተገብረ ግን ግንባር ድሕነት ንብምሉኡ ዓቕሚ ሰብ ምደፍኤ እናቐልዑ ኣባሪሮሞ። እቶም ኣባላትና ድማ ነቲ ኣካይዳ ልዕሌና (ልዕሊ እቶም መራሕቲ ኢና ንበሃል ሰባት) የንብብዎ ስለዝነበሩ ክረግኡ ኣይከኣሉን። ስለዚ እቲ ወተሃደራዊ ቅርጺ ብኸምኡ ምስ ጸንሐ ኣይቀየርናዮን እምበር ሕጂ ክንድኡ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ኣሎ ማለት ኣይኮነን።

ክሳብ ሕጂ ቅድሚ ናብ ጉባኤ ምእታውኩም ኣብ ዝነበረ ግዜ እንተላይ ኣብ ጉባኤ ዝተፈላለኹምሉ ነጥብታት ኢኻ ክትነግረኒ ጸኒሕካ። ብዝኾነ መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት በበይኑ እንከሎ እቲ ሰራዊት ግን ኣብ ሓደ ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ውህደት ንሳቶም ዝዓበዩ መሻርኽቲ (Senior Partner) ንስኻትኩም ድማ ዝነኣስኩም መሻርኽቲ (Junior Partner) ኴንኩም ኢኹም ትጓዓዙ ኔርኩም ማለት ኢዩ?

ንሳቶም በዚ ቋንቋ’ዚ ኢዮም ዝርድእዎ ነይሮም።

ከምኡ ድዮም ዝርድእዎ ነይሮም ወይስ ብግብሪ ኣብ ባይታ እውን ከምኡ ዓይነት ክውንነት ኢዩ ነይሩ?

ንሕና ምእንቲ ሓድነት ንኹሉ በደላት ተጸሚምና ኢና ንሓልፎ ኔርና። እቲ ህዝቢ ብዘይቀልዓለም ጽምኢ ሓድነት ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። ነቲ ሓድነት ዝደለናሉ ምኽንያት ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣብ ቅድሜና ስለዝገበርና እምበር ትሒትና ክንከይድ ስለዝደለና ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ዓዲ ግራት ናይ ሓባር ሕሳብ ባንክ እንተሃልዩ፣ ሓደ ካባና፣ ሓደ ካብኣቶም ጌርካ ኢዩ እቲ ሕሳብ ክኽፈት ከም ዘለዎ ተገይሩ። ሃብተማርያም በርሀ ግና ሓላፊ ኢኻ ዝበሎ ሰብ ዘየለ ክነሱ ኣብ ጉዳይ ፋይናንስ ኢዱ ምእታዉ ነጸብራቕ ናይቲ “ንሕና ኢና” ዝብል ናይ ዓብላልነት መንፈስ ኢዩ። ምኽንያቱ ንሳቶም ኣብ ታሪኾም ሕማቕ ኣተዓባብያን ልምድን ጸኒሕዎም ኢዩ። ካብዚ ልምድታት እዚ ብምብጋስ ከኣ ኢዮም ቀይዲ በተኻዊ ኣካይዳ እናኸዱ ነቲ መላፍንቶም ዝነበረ ምደፍኤ ከምቲ ዝግባእ ክሕዝዎ ዘይደልዩ ዝነበሩ። ዘይፍትሓዊ፣ ዘይሓላፍነታውን ዓብላሊን ኣካይዳ ይኸዱ ከም ዝነበሩ ንርእዮን ንፈልጦን ኔርና ኢና። ንሳቶም ብኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ እናኸዱ ከለው፣ ንሕና ግን ኣብቲ ጉባኤ ነገራት ቁሩብ እንተተዓረየ፣ ካብኣቶም እውን ለባማት እንተተረኽቡ ብዝብል መንፈስ እስከ ተጸሚምና ናብቲ ጉባኤ ንእቶ ኢና ንብል ኔርና። ግን ብመሰረቱ እቶም ለባማት ኢዮም ኢልካ ቁሊሕ ዝበሃሉ ዝነበሩ ሰባት እውን ኣብታ ስም (ኣብታ ግሃድኤ ትብል ስም) ምስ መጻእና ኩሎም ምስኣቶም ኢዮም ደው ኢሎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ካልእ ዘሕፍር ጸወታታት እውን ርኢና ኢና። ንኣብነት ነቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ እሞ ምሳና ዝወገኑ ብጾት ካብቲ ቃልሲ ከግልልዎም ብዝተፈላለየ መልክዓት ኢዮም ቀሪቦሞም። እዚ ሕጂ ናይ ብሓቂ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ነገር ኢዩ። ነዞም ደቂ እዚኣቶም ክሳብ “ካብ ቃልሲ ውጹ” ዝበልዎም ኣመራርሓ ኢና ዝብሉ ካብ ደገ ዝመጹ ኣባላት ድሕነት ነይሮም ኢዮም። ክሳብ “ተመርዕየን ክወስዳኹም ደቅና ክንሰደልኩም ኢና” ኢዮም ኢሎሞም። ካብኡ ሓሊፉ ባዕሉ ዑቕባዝጊ ድቡስ (እዚ ጭቡጥን ስኑድን ኢዩ) ካብቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ መንእሰያት ጸዊዑ ዘዘራረቦም ነይሮም። “ጥዑምዝጊ ከድሕነኩም ኣይክእልን ኢዩ! ኣብ ሓደጋ ኢኹም ወዲቕኩም ዘለኹም! ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይቅበልዎን ኢዮም! ናይ ጸጥታ ኣካላት እውን ኣብ ርእሲኡ ኢዮም ዘለው! ስለዚ ንሱ ከድሕነኩም ስለዘይክእል ናብ ገሃነመ እሳት ኣይትእተው! እናርኣኹም ኣብ ሲኦል ትኣትው ኣለኹም! ንዑ ናባና፣ ድሕነት ክተድሕነኩም ኢያ!!” ኢልዎም።

ግብረ መልሲ ናይቶም ከምኡ ተባሂሎም ትብሎም ዘለኻ መንእሰያት’ከ እንታይ ኢዩ ነይሩ?

ናታቶም መልሲ ንጹር ኢዩ ነይሩ። “ንሕና ጉዳይ እንዳን ቁሸትን ኣይኮነን ዘቃልሰና ዘሎ፣ ስድራና ለኪምና፣ ደቅና ፈሪድና፣ ኣንስትና ደርቢና ምእንቲ ሃገር ክንቃለስ ዝመጻእና ሰባት ኢና” ኢዮም ኢሎሞም።

ብእንዳን ቁሸትን ኢዮም ክቐርቡዎም ፈቲኖም ዲኻ ትብለኒ ዘለኻ?

ከመይ ደኣ!! ሙሽ ብወረዳን ኣውራጃን!! በቲ ዝተሓተ ቁሸት ኢዮም ክቐርብዎም ፈቲኖም። እዚ ጭቡጥ ሓቂ ኢዩ። ብስም ቁሸት፣ በታ ዓዲ ትበሃል ስሒቦም ኢዮም ኣዘራሪቦሞም። እቶም መንእሰያት ግን ናይ ብሓቂ ሃገራውነት ዘለዎም መንእሰያት ስለዝኾኑ ስሒቖም ጥራይ ኢዮም ኣፋንዮሞም። እቲ ዝኸፍአ ድማ ነቲ መንእሰይ ኣብ ጭንቀት ከእትውዎ ዘይገበርዎ ነገር የለን። መቸም ከምቲ ትፈልጦ፣ ንኣብነት ኣብ ኤርትራ እከለ ኣባል ጸጥታ ኢዩ፣ እከለ ስለያ ኢዩ፣ ኣብ ጥቓኻ ዘንብዩ ወይ ይደልየካ ኣሎ እንተ ኢሎምኻ ወላ ቅኑዕ ክንስኻ ኣብ ስትረስ ትወድቕ ኢኻ። እንዳ ድሕነት ከኣ ነዚ ስለዝፈልጡ በቲ ጸኒሓዊ ኣተሓሳስባ ከምኣ እንተኢልካዮም ጥራይ ኢዮም ክፈርሑ ዝኽእሉ ብምባል ነቶም መንእሰያት ከርዕድዎም ፈቲኖም ኢዮም። እታ ብቁሸት ምቕራብ ምስ ፈሸለቶም ናብኣ ኢዮም ሰጊሮሞ።  “ንጥዑምዝጊ ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣይተቐበሉዎን፣ ብረቱ ኣውሪዶምሉ” እናበሉ ዝዛረብዎ ዘረባታት ነይሩ። እዚ ዘረባታት’ዚ ባዕሉ ወዲ ድቡስ ዝበሎ ኢዩ፣ ስኑድ ከኣ ኢዩ። ንሕና ግን ነቲ ኣባል ብኣኼባ መልክዕ ኮፍ ኣቢልና “እዚ ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ ኢዩ! ንሕና ስቓይ ህዝብና ንምእላይ እንቃለስ ሕጋውያን ፖለቲካዊ ውድብ ኢና፣ ኣብ ረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተመርኮሰ ቃልሲ ከም እነካይድ ንጹር ኢዩ። ወዲ ድቡስ’ዶ ወዲ በርሀ ወላ እድሪስ ዝበሉ እንተበሉ ንዓና ከሻቕለና ኣይክእልን ኢዩ፣ ስለዚ ኣጆኹም እዚ’ውን ቃልሲ ኢዩ” እናበልና ኢና ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣህዲእናዮ።

ካብቶም ኣብ ጉባኤ ተፈላሊናሎም ኢልካ ዝጠቐስካለይ ነጥብታት ክልተ ኣገደስቲ ጉዳያት ኣለው። እቲ ሓደ ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ይእቶ ተባሂሉ ነጺግናዮ ዝበልካዮ ዘተ ምስ ህግደፍ ዝብል ኢዩ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ጸላእቲ ኢዮም ብዝብል ጉልባብ ኣባላትና ብረቶም ተመንዚዖም ዝበልካዮ ኢዩ። እቲ “ምስ ህግደፍ ዘተ ይገበር ክንብል ኣለና” ኢሎምና ዝበልካዮ ጸኒሐ ክመጾ ኢየ። ንሕጂ ግን ኣብቲ ካልኣይ ከተኩር። እቶም ብረቶም ተመንዚዖም ትብሎም ዘለኻ ኣባላትኩም ብረቶም ዓጢቘም ናብ ጉባኤ ክኣትው ስለዝፈተኑ ኢዩ ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ተወሲድዎም ዝብል ካልእ ዛንታ ኣሎ። እንድሕር ድኣ ከምኡ ክትገብሩ ፈቲንኩም ኴንኩም ምስ ብዙሕ ፍልልያት ብረት ዓጢቕካ ምእታው ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ርዱእ’ዶ ኣይኮነን?

እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ሰራዊት ክመጹ ከለው ብትእዛዝ ናይቲ ወተሃደራዊ ኮሚተ ኢዮም ተበጊሶም። መኪና ተሰዲዳትሎም ብኣገባብ ኢዮም መጺኦም። ስለዚ ዕጥቅኹም ተማሊእኩም ኣይትምጽኡ ክብሎም ዘለዎ ነቲ ወተሃደራዊ ኣካል ዝመርሕ ዝነበረ እድሪስ ኢዩ። ካልኣይ፣ እቶም ኣባላት ዕለት 10 ኢዮም ዕጥቆም ዓጢቖም ዝመጹ ዘለው። እቲ ብሬንን ኣጽዋርን ጠያይትን ናይታ ሓይሊ ግና ብምሉኡ ብድሮ ዕለት 9 መኪና ሰዲዶም ኢዮም ኣኪቦሞ። ስለዚ ንሳቶም ይጠውይዎ ድኣ ኣለው እምበር እቶም ሰባት ዕጥቈም ዓጢቖም ዝመጹሉ ዕለት ጉባኤ ዝጀመረሉ መዓልቲ ኣይነበረን። እታ ሒዛቶም ዝመጸት መኪና ከፋት ቶዮታ ኢያ ነይራ። እቲ ናትና መራሒ ሓይሊ (ስዒድ እስማዒል) ኣብ ጋቢና ኢዩ ኣትዩ መጺኡ። ብረቱን ዕጥቁን ኣብ ላዕሊ ስለዝነበረ ገና ካብ ጋቢና ከይወረደ ከሎ ጎዮም ንዕጥቁ ብምሓዝ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ኣእትዮሞ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣባላት ሽዑ ኢዮም ዝስንብዱ ዘለው። እቲ ብረትና ኣይንህብን ዝብል መንፈስ ካብኡ ኢዩ ዝብገስ። እዚ ወዲ’ዚ ኣዛዚ ሓይሊ ኢዩ። ብረቱ ሒዞም ስለዘእተውዎ ከኣ ጥራይ ኢዱ ኢዩ ዘሎ። ብድሕሪኡ እቶም ካልኦት፣ እንታይ ድኣ ረኺቡኩም ከምዚ ትገብሩ ዘለኹም ብምባል “እሞ ዕጥቅና ሒዝና ናብ ቤት ጽሕፈትና ኢና ንኸይድ” ኢሎም ዕጥቆም ሒዞም ናብ ቤት ጽሕፈትና ኢዮም መጺኦም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብረት ሒዞም ጠፊኦም ተባሂሉ ናብ ኣሃዱ ስለያ (መረጃ) ናይ ሰሜን እዝ ኢትዮጵያ ኢዩ ተሓቢሩ። ተደዊሉኒ። ኣባላትኩም ብረት ሒዞም ጠፊኦም ኢሎም ይኸሱኻ ኣለው ተባሂለ ብዕሊ ኢየ ተሓቢረ። ኣነ ድማ “እቶም ብረት ሒዞም ጠፊኦም ዝበሃሉ ዘለው ሰባት ናብ ቤት ጽሕፈት ኢዮም መጺኦም። ኣነ እውን ኣርኪበዮም ስለዘለኹ፣ ዝጠፍአ ሰብ ይኹን ዝጠፍአ ብረት የለን” ኢለ መሊሰ። ኣብዚኣ ክትፈልጣ ዘለካ! እቲ ኩነታት እንታይ ነይሩ መስለካ!? – ኣባላት ናይቲ ብዓል ጃብር ዝርከብዎ ሸነኽ ናይ ግንባር ድሕነት ኣብቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ዝነበረ ከተማ ዓዲ ግራት ስለዝነበሩ እድሪስ በቲ ምስ ጃብር ዝጀመሮ ሓድሽ ርክብ ኣቢሉ ነቲ ናይ በዓል ወዲ ድቡስ ወገን የፈራርሖ ኢዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ምስ ጃብር ብኣካል ተራኺቦም ንብረቱ ሂብዎ ኢዩ። ቅድሚኡ ጃብርን እድሪስን ሰላምታ ተለዋዊጦም ኣይፈልጡን። ተደዋዊሎም እውን ኣይፈልጡን። ብርግጽ ጃብር ዝሓቶ ንብረት እንተነይርዎ ብሕጋዊ መገዲ ኢዩ ክሓትት ነይርዎ። ንእድሪስ ዘይኮነ ከኣ ንወዲ ድቡስ ኢዩ ክሓቶ ነይርዎ። ምኽንያቱ ኣቦ መንበር ናይቲ ውድብ ንሱ ስለዝኾነ!! ብዝኾነ ነቲ ብረት ናይ ምጥርናፍ ተግባር እቲ ወተሃደራዊ ኮሚተ ብፍላይ ከኣ እድሪስ ከም ሓላፊኡ ኢዩ ዝሕተተሉ። ብረት ክእከብ ከሎ ካልእስ ይትረፍ ተስፋይ እውን ከም ዝፈልጥ ኣይተገብረን። ተስፋይ ኣባል ምደፍኤ ኾይኑ ምክትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ ኮሚተ ኢዩ። እዚ ሰብ’ዚ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣይነግርዎን ኢዮም። ብሬን ድዩ ተኣኪቡ! ሬድዮ ርክብ ድዩ መጺኡ! ወላ ክሻፋ ድዩ ተወሲዱ! ፍጹም ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብዚ ክትፈልጦ ዘለካ ንሳቶም ኣቐዲሞም ክሰርሑሉ ዝጸንሑ ነገር ኣሎ። እቲ መንእሰይ ወናኒ ቃልሲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ናይ ምግባር ጸኒሓዊ ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ብፍላይ ድማ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዝገብሮ ኣኼባ ኣብ መንእሰያት እምነት ከም ዘይብሉ ኢዩ ዝዛረብ። ንኣብነት ሓንቲ ኣብ ዝኸዶ ቦታ (ኣብ እስራኤል ይኹን ኣብ ኤውሮጳ) ደጋጊሙ ዝጠቕሳን ዘይሓፍረላን ዘረባ ኣላቶ። “ኢሳያስ ብንእሽትኡ ስልጣን ስለዝሓዘ ኢዩ ንህዝቢ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ኣውዲቕዎ፣ ስለዚ መንእሰይ ሓላፍነት ክሕዝ የብሉን” ኢዩ ዝብለና። ካብዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ብምብጋስ ከኣ ብዘይ ዕረፍቲ ምስሊ መንእሰያት ንምድዋን ይሰርሕ። እንተ ንሕና ግን ሓላፍነት ተሰኪምና ኢና ንዓዪ። እዘን ዘለዋና ኣጽዋር ናብ ጸላኢ ድኣ እምበር ናብ ብጾትና ዝቐንዓ ኣይኮናን። ብሕጊ፣ ብስነ ምግባር፣ ብሕልና ቅቡል ዘይኮነ ተግባር ክንፍጽም ኣይንደልን። ብመሰረቱ ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ንሳቶም ብመገዲ ምደፍኤ ትንፋስ ክሰኹዑ ስለዝነበሮም፣ መሪሕነትን ሰራዊትን ምደፍኤ ኣብ ስትረስ ከም ዝወድቁ ብምግባር ካብ ቃልሲ ክኣልዩና ወይ ድማ ኣብ ትሕቲኦም ከእትውና ኢዮም ሓሲቦም ነይሮም። ምኽንያቱ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ወዲ ድቡስ ድሕሪ ፍሽለት ናይቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ኮነ ወላ ሕጂ “ምደፍኤ ባይታ የብሉን” እናበለ ኢዩ ዝዛረብ። መን ኢሉካ እንተ ኢልካዮ ዝምልሳ ነገር የብሉን። ዘለናዮ ሃገር ኢትዮጵያ ኢዩ፣ ናይ ወዲ ድቡስ ኣይኮነ! ናይ ጥዑምዝጊ ኣይኮነ!! ኣነ ናይ ውድበይ ቃልሲ ከሐርን ክብል፣ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምደፍኤ ሂብዋ፣ ንድሕነት ከልኪሉዋ” ክብል ኣይክእልን። ንሳቶም ግን ብጠቕላላ ነቲ መንእሰይ ኣብ ስትረስ ከውድቕዎ እንተኽኢሎም ድማ ካብ ቃልሲ ክኣልዩዎን ክበታትኑዎን ስለዝደልዩ ዝነዝሕዎ ወረታት መዓት ኢዩ። እቲ መንእሰይ ግን ብግልጺ ርእዮሞን ኣርእዩዎምን ኢዩ። ምኽንያቱ ብዘይካ ምቅላስ ካልእ ምርጫ የብሉን!! ብዘይካ ምስቲ ስርዓት ምውዳቕ ካልእ ምርጫ የብሉን!! ናይ ብሓቂ ከኣ እቲ መንእሰይ ኣብ ዓቕምታቱ ዝጐድሎ ነገር ክህሉ ይኽእል ይኸውን፣ ኣብ ፖለቲካዊ ዕዮታት ዝተርፍዎ ነገራት ይህልው ይኾኑ፣ እንተ ኣብ ቅንዕና፣ ኣብ ህዝባውነት፣ ኣብ ሃገራውነትን ህይወትካ ናይ ምኽፋል ቅሩብነትን ግን መዳርግቲ ዘለዎ ኣይኮነን።

እቲ ብሳልሳይ ኣካል ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘተ ምግባር ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቦምልና ዝበልካዮ ነገር ከምዚ ንዓይ ሓዲሱኒ ዘሎ ንብዙሓት ሰባት እውን ክሕድሶም ይኽእል ኢዩ ኢለ እግምት። ኣብዚ ቀረባ እዋን፣ እቲ ናይ ዶክተር ሃብተ ወገን ሓንቲ 7 ገጻት ዝሓዘት ጽሕፍቲ ናብ ህዝቢ ምስ ዘርግሐ፣ ብዙሕ ሰብ “ጽገናዊ ለውጢ ኢዩ ዘዋጽእ ኢሎም፣ ተስፋ ቘሪጾም ማለት ኢዩ” እናበለ ይስሕቘም ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ከኣ እቲ ናይ ወዲ ድቡስ ሸነኽ ደጊምዎ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ። እዚ ሓሳብ’ዚ ንፈለማ እዋን ኣብቲ ጉባኤ ዲኹም ትሰምዕዎ ዘለኹም ወይስ ቅድሚኡ ክናፈስ ወይ ባዕላቶም ክብልዎ ሰሚዕኩሞ ኔርኩም?

ከምዚ ዝበልካዮ እቶም ሓደ ሸነኽ ናይ ድሕነት ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ኣምጺኦም ምስ ተባህለ እቶም ናይ ወዲ ድቡስ ሸነኽ ይስሕቑሉ ኢዮም ነይሮም። መቸም እታ መህረሚት ካርድ ኩሉ እንድዩ ዝጥቀመላ!! እቲ ደንበ ተቓውሞ ከምዚ ትርእዮ ስለዝኾነ ውልቃዊ ርእይቶ እንተወኒንካ ደስ ዝብሎ ወይ ዝሕጎሰልካ ሰብ የለን። ብዝኾነ ንሕና ነቲ ጉዳይ ንሰምዖ ኔርና፣ እቶም ናይ ወዲ ድቡስ ሸነኽ እውን “ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም” እናበሉ ይነግሩና ነይሮም። ብልክዕ ንሕና እቲ ሓድነት ክጐድለና ንደሊ ስለዘይነበርና፣ ንሳቶም ነቲ ናይ ዶክተር ሃብተ ሸነኽ በዚ ጉዳይ’ዚ ክሓምዩዎ ከለው ሓቂ መሲሉና ዝተገራህናዮ ነገር ነይሩ። ኣብዚ ክትፈልጦ ዘለካ ግን ኣብቲ ጉባኤ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኢና ተዓዚብና። ነዛ ጉዳይ እዚኣ ወዲ በርሀ ኢዩ ደው ኢሉ ብግልጺ ተማጒቱላ። “ንሕና ንዘተ ክንኣቢ የብልናን፣ ወላ እቲ ስርዓት ዘተ ንግበር ኣይበል ንሕና ግን ዘተ ክንብል ኣለና”  ኢሉ ተኻቲዑና። ንሕና ከኣ “ንሕና ብጐነጽ ኢና ንኣምን! እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ምጭፍላቕ ዝኣምን፣ ብደም ዝመጸን ኣብ ደም ዝተተኽለን ስርዓት ኢዩ! ግደፍ’ዶ ምሳና ምስ ካልኦት ሃገራት ንዘጋጠሞ ግርጭት እውን ብዘተ ክፈትሕ ቅሩብ ኣይኮነን፣ ስለዚ ንሕና ንምንታይ ኢና ናብ ዘተ ንደፋፋእ ዘለና” ዝብል ርእይቶ ኣቕሪብና። በቶም ሓደ ሸነኽ ግሃድኤ ዝተዳለወ ጽሑፍ ኣብ ዝተበተነሉ እዋን ግን “ከምዚ ኢሎም ጽሒፎም፣ እገለ ኢዩ ጽሒፍዎ፣ ኦሮማይ ወዲኦሞ ኢዮም፣ ኣብ ስዊዝ’ዶ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዓብደላ ኣድም ኣኼባ ገይሮም” ዝብል ዘረባታት ነይሩ። ብዝኾነ ንሕና እታ ሓድነት ክትሞልቀና ንደሊ ስለዘይነበርና፣ ብሓቂ ከኣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ብማዕዶ ዝርኢ ህዝቢ ከም ሓድነት ዘይንደሊ ኣምሲሎም ነቲ ናታቶም ሕቡእ ኣጀንዳ ናባና ብምልጋብ ግዳይ ክገብሩና ይደልዩ ስለዝነበሩ ነቲ መስርሕ ሓድነት ክሳብ’ቲ ካብ ጉባኤ ዝወጻእናሉ ግዜ ኬድናዮ። እቲ ዘረባ ጥዒሙሎም ከኣ ነቲ ናታቶም ተግባር ሓቢኦም “ጉባኤ ረጊጾም ከይዶም፣ ሓድነት ከይንገብር ኣብዮምና” ዝብል ወረ ኣናፊሶም። ጉባኤ ጥሒሶም ወጺኦም ቅድሚ ምባሎም ግን ኣቐዲሞም ወረታት ዘርጊሖም ኢዮም። በቲ ዝተነዝሐ ወረ ኩሉ’ቲ ካብ ኤውሮጳ ይኹን ካብ ኣሜሪካ ዝመጸ ኣባል ድሕነት ኣብ ዓዲ ግራት ወይ ብሓፈሻኡ ኣብ ኢትዮጵያ ሳልስቲ ንጸንሕ ኣይመሰሎን። ዘይከም’ቲ ዝሓሰብዎ ምስ ኮነ ግን ገሪምዎም ኢዩ። ኣብ ስረስት ከም እንወድቕ ንምግባርና ዝተኣልመ ውዲት ፈሺሉ። ብቐድሙ እውን በቲ ውዲት ምናልባት እቶም ሽዑ ካብ እስራኤል ዝኣተውና ብጾት (እቲ ልምዲ ስለዘይፈልጥዎ) ክሰናበዱ ይኽእሉ ይኾኑ እምበር ንሕናስ ኣቐዲምና ኢና ፈሊጥናዮ።

መቸም ኣነ ብዝፈልጦ ኣብ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ዘይጽወር ነገር ኣይጽወርን ኢዩ። ደሓር ከኣ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ኣብ ስነ ሓሳባዊ መሰረት ከም ዝህነጽ ፍሉጥ ሓቂ ኢዩ። ከምቲ ክሳብ ሕጂ ዝገለጽካለይ ብዙሕ ዘይጽወር ነገራት እናተጻወርኩም ምስኣቶም ትጓዓዙ እንተኔርኩም ስለምንታይ ሃንደበት ነቲ ጉባኤ ረጊጽኩሞ ወጺእኩም? እቲ ተጻዋርነትኩም ንምንታይ ሃንደበት ኣብቂዑ? ልቢ ኣዕቢና ንኸዶ ኔርና ኢኻ ክትብለኒ ጸኒሕካ። ምእንቲ ሓድነት ተባሂሉ ክንድ’ዚ ዋጋ ዕዳጋ ዝግበር እንተነይሩ እታ ጉባኤ ብሰላም ክትዛዘም’ዶ ኣይነበራን?

ጽቡቕ ሕቶ!! ኣብ ቅድሜና ሓደ ነገር ኢዩ ነይሩ – ናይ ምቅላስን ዘይምቅላስን ሕቶ!! ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ነቲ ዝርካቡ ተስፋ ህዝቢ ክንበትኮ ስለዘይደለና ክሳብ ጉባኤ ተጸሚምና ምስኣቶም ክንከይድ መሪጽና። ኣብ መወዳእታ ግን ዝኸፍአ ነገር ኣጋጢሙና። ሕጂ እውን ክደግመልካ – ንሕና ብዘይካ ምቅላስ ካልእ ምርጫ የብልናን!! ህይወትና፣ ስድራቤትና፣ ደቅና ፈሪድና ኢና ናብቲ ቃልሲ ኣቲና። ምርጫና ምቅላስ እንተኾይኑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከቃልሱና ኣይክእሉን ኢዮም ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢና በጺሕና። እተን ምኽንያታት ከኣ ከምቲ ዘነጸርኩልካ ኢየን። ክሳብ መወዳእታ እናተጻወርና ክንከይድ ዝገበረና፣ እቲ በደላት ከምኡ’ውን እተን ኣቐዲመን ዘዛርባና ዝነበራ ጉዳይ ፋይናንስ፣ ጉዳይ ምሕደራ፣ ጉዳይ ኣመራርሓ ብኣግኡ ፈቲሕናየን ናብቲ ጉባኤ ክንኣቱ እሞ ኣብኡ ጉዳይ ሓድነትና ክንገብር ዝብል ሓሳብ ኢዩ። እቲ ኣብ ድሮ ጉባኤን ኣብ መዓልቲ ጉባኤን ዘጋጠመ ግን ዘይሓሰብናዮን ዘይንፈልጦን ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢዮም ጸላእቲ ኢዮም ኢሎም ወንጂሎምና። ብጭቡጥ ጸላኢ ኢዩ ኢሉ ምስ ዝወንጀለካ ሓይሊ ክትቃለስ ከም ዘይትኽእል ከኣ ርዱእ ኢዩ።

እሞ ንሳ ኢያ ንዓቕልኹም ጸንቂቓታ?

እወ ንሳ’ያ ንዓቕልና ጸንቂቓቶ!! ምኽንያቱ ጸላኢ ኢዩ ኢሉ ዝወንጀለካ ኣካል፣ ጽባሕ ንግሆ ሓቚፉካ ክኸይድ ንባዕሉ እውን የሕፍሮ ኢዩ።

ዓንተቦ ግን ስምን ኣርማን ውድብና ኣይንቕይርን ኢና ንዝብል ርእይቶ ግንባር ድሕነት እናተቓወምኩሞ ከለኹም ድምጺ ብልጫ ይገበር ምስ ተባህለ ነቲ ጉባኤ ጥሒስኩም ከም ዝወጻእኩም ኢኻ ነጊርካኒ። ሕጂ ድማ እቲ ጸላእቲ ኢዮም ዝብል ክሲ ንዓቕልኹም ጸንቂቕዎ ካብቲ ጉባኤ ከም ዝወጻእኩም ኢኻ ትነግረኒ ዘለኻ’ሞ ክልቲኡ ተገራጭዩኒ?

እቲ ካብ ኣፍልጦና ወጻኢ ኣብ ሰራዊት ዘጋጠመ ተርእዮ ምስ መጸ በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ሕማቕ ስምዒት እቲ ጉባኤኛ ናብ ግዳም ስለዝወጸ ነቶም ኣጋይሽና ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኢና ጸኒሕናዮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለና ስለዝመጹና ድማ “እሞ ኣጋይሽና ኣፋኒና ነዚ ጉዳይ ኮፍ ኢልና ክንርእዮ ኢና” ዝብል ዘረባ ብወገን ድሕነት ምስ መጸ ኢና ሕራይ ኢልና ኣቲናዮ እምበር ድሕሪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላትና ዝተፈጸመ ግፍዒ ተመሊስና ክንኣቱ እውን ኣይደለናን ኔርና። እቶም ኣጋይሽ ምስ ተፋነው ግን ድሕነት ኣብ ካልኦም ኢዮም ኣትዮም። ስለዚ ድማ ንሕና ነቲ ጉባኤ ክንቅጽሎ ኣይመረጽናን።

ናታትኩም ካብ ጉባኤ ምውጻእ ምስ ኣጋጠመ ካባኻትኩም ናብቲ ናይ ግህድኤ ሸነኽ ዝተሰለፉ፣ ካብኣቶም ድማ ናባኻትኩም ዝመጹ ኣለው’ዶ?

ካባና ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ናብኣቶም ከይዱና። ንሱ ድማ ሓላፊ ፋይናንስ ውድብና ዝነበረ ዮናስ ኢዩ።

እቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ መንእሰያት ንነብሶም ብምደፍኤን ግሃድኤን ዘይኮነ ብሕድሪ ይፈልጡዋ ከም ዝነበሩ ኢዩ ዝግለጽ። ሕጂ ግን ምሳኻትኩም ኢዮም ወጊኖም። ብኸመይ ናባኻትኩም ዘንቢሎም?

ንሳቶም ምርጫኦም ኢዮም ኣልዒሎም። ካብቶም ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ኮይኖም ካብ እስራኤል ዝኣተው 15 መንእሰያት ክሳብ መወዳእታ ክርእዮ ኢየ ዝብል ሓደ ሰብ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ መሪሕነት ሂብናካ ኢና ምስ በልዎ ምስኣቶም ወጊኑ። እቶም 14 ከኣ ምሳና ኾይኖም።

እስከ ናብ ናይ ዮናስ ጉዳይ ንምጻእ። ዮናስ ኣባል መሪሕነት እምበር ተራ ኣባልኩም ስለዘይነበረ ስሙ ጠቒስካ ሕቶ ምልዓል ሕማቕ ኣይመስለንን። እንተዘይተጋግየ ኣብቲ ፈለማ ካብ እስራኤል ምስላፍ ዝበሃል ነገር ክንሰምዕ ከለና ቀዳሞት ዝነበርኩም ንስኻን ንሱን ኢኹም። ኣብ መኣዲ ዘተ ደብረዘይት ኣብ ክልቴኹም ዝረኣናዮ መንፈስ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እስራኤል ከለኹም ዝነበረኩም ሌላን ድሒርኩም ኣብ ቃልሲ ዘማዕበልኩሞ ብጻይነትን ነዚ ሕማቕ እዋን ዘይከውን ድዩ? እንታይ ኴንኩም ተፈላሊኹም? ምሳኻ ተባቲኹ ናብኣቶም ክኸይድ ዘገደዶ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

ቀዳማይ ነገር ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ወዲ በርሀ ብኢሜይል ናይ ባዕሉ መደብ ዕዮ ንዮናስ ምስ ሰደደሉ ዮናስ ድማ ኣባዚሑ ክዝርግሖ ጀሚሩ። እቲ ወረቐት ክሳብ ኣብቲ ወተሃደራዊ ክንፊ በጺሑ። ካልኣይ፣ ወዲ በርሀ እንደገና ናብ ዮናስ ኢሜይል ጽሒፉ “ኣብ ጀርመን ብስም ሓደ ውልቀሰብ ናይ ባንክ ሕሳብ ከፊትና ስለዘለና እቲ ንጉባኤ ዘወፊ ኣባል ኣብ ክንዲ ናብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዘሎ ሕሳብ ባንክ ናብቲ ኣብ ጀርመን ተኸፊቱ ዘሎ ሕሳብ ገንዘብ ከእቱ ምእንቲ ስምን ኣድራሻን ቁጽሪ ሕሳብን ናይቲ ሰብ ኣብ ስመር ሩም ኣቲኻ ግለጽ” ዝብል መልእኽቲ ሰዲዱሉ ነይሩ። እዚ ሕጂ ካብ ኣፍልጦና ወጻኢ ኢዩ።

ከምኡ ዝብል ኢሜይል ከም ዝተላእከሉ ብኸመይ ፈሊጥካ?

ኣነ ባዕለይ ኢየ ካብቲ ኮምፒተር ኣውጺአዮ። ኣብቲ ኮምፒተር ጸኒሑኒ። ብኢሜይል መልእኽቲ ልኢኹሉ ከም ዝነበረ ስለዝፈለጥኩ ከኣ ነቲ ጉዳይ ኣብቲ ጉባኤ ኣልዒለዮ ኢየ። ንወዲ በርሀ፣ “ኣበይ ኣሎ እቲ ዝኸፈትካዮ ሕሳብ?” ኢለዮ ኢየ። ዘእተወሉ ሰብ ስለዘየለ ገንዘብ የብሉን ኢሉኒ። ብዝኾነ መቸም ናይ ግዜ ጉዳይ ደኣ ይኸውን እምበር ዮናስ ምስዚ ሓይሊ’ዚ ይኸይድ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብ ዝተሓተ ነገር ወሪድካ ሕሹኽሹኽ ምባል ግን ኣሎ።

እንታይ ኢዩ ዝተሓተ ነገር ማለት?

ቁሸት ወዲ ቑሸት!!ክሳብ ክንድኡኣብ ዝተሓተ ነገር ወሪድካ ሕሹኽሹኽ ኣሎ። ሓደ ግዜ ብተኣምር ዘጋጠመኒ ነገር ኣሎ። ዮናስ ምስ ሓንቲ ኣባል ኣመራርሓ ድሕነት ብስካይፕ እናተዘራረበ ከሎ ኣጋጣሚ ኣነ ኣትየ። ኣነ ኮፍ ኢለ እናሃለኹ ንሳ “ካብ እግሪ ወዲ ባሻይ ከይትተርፍ! ከይትለቆ! ናብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ንበይኑ ኣይትስደዶ! ሓልዎ! ተኸታተሎ!” እናበለቶ ከላ እቲ ዘረባ መጺኡ ኣብ እዝነይ ተደርጒሑ። ኣነ ነዚ ጉዳይ’ዚ ንበይነይ ኣይገበርክዎን። ንኣመራርሓ ግንባር ድሕነት “ኢድኩምን እግርኹምን ኣክቡልና፣ ሽግር እንተሃልዩ ፈወስትን ዓረቕትን ክትኮኑ ድኣ ይግብኣኩም እምበር ክተሳውሩ ኣይግብኣኩምን ኢዩ” ኢለዮም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ምስ ዮናስ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ነጥቢ ዝበልኩኻ (ብዛዕባ ጸብጻብ ፋይናንስ ማለት ኢዩ) ኣልዒልና ተዘራሪብና ኢና። ካብኡ ብምቕጻል ብዛዕባ እቲ ካብ ወዲ በርሀ ብኢሜይል ዝተላእከሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራም እውን ሓቲትናዮስ፣“ኣነ ኣይፈለጥኩን፣ ናይ ቀደም ናይ ድሕነት ዝነበረ ኢዩ መሲሉኒ” ዝብል መልሲ ምስ ሃበና፣ ብደረጃ መሪሕነት ምደፍኤ “እዚ ዝገበርካዮ ጌጋ ኢዩ! ኣሰናዳኢት ወጺኣ ከም ዘላ ትፈልጥ ኢኻ! ኣሰናዳኢት ግበር ዝበለትካ ኢኻ ክትገብር ዘለካ እምበር ናይ መን ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኢልካ ኢኻ ኣውጺእካ ብጐኒ ትዕድል!? ምስ ወዲ በርሀ ብኻልእካ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፣ ብስም ውድብ ዘይንፈልጦ ርክባት ክትገብር ግን ኣይፍቀደልካን ኢዩ፣ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ዘላትና ላፕቶፕ ሓንቲ ኢያ፣ ፋይናንስና ድማ ወርሓዊ ኢዩ፣ ድሕሪ ሕጂ ክትሰርሕ እንተደሊኻ ወርሓዊ መፍትሕ ሃቡኒ በል! ጸሓፍ! ኣይትጽሕፍን ከኣ ከም ኩሉ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ስራሕካ ትቕጽል! ድሕሪ ሕጂ ግን ከምዚ ዓይነት ተግባር ከይትፍጽም!” ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ። ምኽንያቱ ንሱ ከምኡ ምግባሩ ንምስሊ ውድብና ጽቡቕ ኣይነበረን። ኣባላት ድሕነት እውን ዮናስ ንምንታይ ከምኡ ይገብር ኣሎ እናበሉ “ሆ!” ይብሉና ነይሮም ኢዮም። እዚ ሕጂ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተገብረ ኢዩ። ስለዚ ነታ መፍትሕ ምስ ኣሕደግክዎ ብቐጥታ ናብቲ ኣብ ዓዲ ግራት ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ከይዱ ኢዩ ኮፍ ኢሉ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስ ግንባር ድሕነት ኣዘራሪቡና ኢዩ። “ሽግር ኣሎ ትብሉ እንተዄንኩም ንሕና ጌጋና ክንእርም ኣራኽቡና፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣባል መሪሕነት ምደፍኤ ከሎ ኣብቲ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ዝብለሉ ምኽንያት የለን” ኢልናዮም ኢና። እቲ ዝገርም፡ ንሱ ሓላፊ ፋይናንስ ከሎ እቲ ባጀት ዋና ዝበሃል ኣይነበሮን።

ነየናይ ባጀት ኢኻ ዋና ኣይነበሮን ትብል ዘለኻ? ነቲ ናይ ምደፍኤ’ዶ ነቲ ናይ ሓባር?

እቲ ናይ ሓባር እምበር!! ዮናስ ሓላፊ ፋይናንስ ምደፍኤ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣብቲ ናይ ሓባር ባጀት እውን ካልኣይ ርእሱ (ካባና ንሱ፡ ካብ ድሕነት ከኣ ሓምድ ሹም) ኮይኑ ብሓላፍነት የመሓድሮ ነይሩ። እቲ ባጀት ኣብ ትሕቲኡ ከሎ ዋና ዝበሃል ኣይነበሮን። ነቲ ኣካይዳ ዓገብ ክብል ዝኽእል ዝነበረ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኢዩ ነይሩ፣ ንሱ ከኣ ንኹሉ ማዕሌሽ እናበለ፣ ንኹሉ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ስለዝኸይድ ክውስን ኣይከኣለን። ሸለል እናበሎ ስለዝኸደ ድማ ነዚ ኩነታት’ዚ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብጺሕዎ። ኣብቲ ጉባኤ ምስ ድሕነት ካብ እንባተኽ ግን እቲ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ደው ኢሉ ኢዩ ዘሎ። ብቐዳማይ ኣነ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከለኹ ብድሕረይ ነቲ ናይ ሓባር ገንዘብ ካብቲ ተኸዚኑሉ ዘሎ ወጋገን ባንክ ከውጽእዎ ጽዒሮም ነይሮም። ብዘይ ኣፍልጦና ንምውጽኡ ክጥዕሞም ንሓለፍቲ እቲ ባንክ ዘቕረቡሎም ምስምስ ድማ “እቲ ገንዘብ ናትና ኢዩ! ንሕና ኢና ሕጋዊ ውድብ! ምደፍኤ ሕጋዊ ውድብ ኣይኮነን! ወዲ ባሻይ ማሕተም ሒዙ ኢዩ ጠፊኡ!” ዝብል ኢዩ። ኣነ ግን ናብቲ ባንክ ደብዳበ ጽሒፈ ደው ኣቢለዮ ኣለኹ። ዝኾነ ኾይኑ ዮናስ ከምቲ ኣነ ዝፈልጦን ዝገልጾን እንተኾይኑ ክሳብ መወዳእታ ምስዚ ሓይሊ’ዚ ዝቕጽል ኣይመስለንን። እዚ ሓይሊ’ዚ ጥዕና ዘለዎ ሓይሊ ኣይኮነን። ከምቲ ንሳቶም ብዘይጭብጢ ዝዛረብዎ ንሕና ሕጂ ክንብሎ ግዜኡ ኣይኮነን። ብፖለቲካ ክግምግሞ ከለኹ ግን ምስ ግዜ ዮናስ ምስቲ ሓይሊ’ቲ ይኸይድ ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ዘሕዝን ድማ ብዝተሓተ ነገር ተሰሊቡ ኢዩ ናብኣቶም ከይዱ። ካብቶም ካብ እስራኤል ዝመጹ መንእሰያት ክሳብ “ሓውኻ ገዲፍካ ከመይ ጌርካ ምስ ወዲ ባሻይ ትኸይድ?” ዝተባህሉ ሰባት ኣለው። እዚ ንታሪኽ ኢለ ኢየ ዝገልጾ ዘለኹ። “ከመይ ጌርካ ንወዲ ባሻይ ተቕርብ? ምስ ዮናስ ዘይትኸይድ?” ዝተባህሉ ኣለው – ካብቶም ካብ እስራኤል ዝኣተው።

ብዓዲ ማለት ድዩ?

እወ ብዓዲ!! ክሳብ ከምዚ ዝተባህሉ ሰባት ኣለው።

ዮናስ ምናልባት ክምለሰኩም ኢየ እንተዝብለኩም ግብረ መልስኻ እንታይ ምኾነ?

ዝኾነ ሰብ ዝመስሎ ክውስን ውልቃዊ ምርጫኡ ኢዩ። ኣብ ውሳኔኡ ዳግመ ርእይቶ ክገብር እውን ምርጫኡ ኢዩ። ነቲ ምርጫታት እቲ ሰብ ባዕሉ ኢዩ ዝውስኖ። ብኣና ወገን ግን ኣብ ውሽጥና እንሕዞ ቅርሕንቲ ዝበሃል ነገር የለን። ምተቐበልናዮ። ኣብ ኩርምትና ቂምታ እንቕርቅረሉ ምኽንያት የለን። ኣብ ቃልሲ ዘለው ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እንተተገራጨው ተመሊሶም ናብ ጭርቃኖም ክኣትው ኢዩ ዝግባእ። ንሕና ከኣ ነዚ ባህሪ’ዚ ኣጥሪና ኢና።

30 ለካቲት 2014 ብቤ/ጽ ዜናን ባህልን ግሃድኤ ዝወጸ ንዓኻ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ነይሩ። ገለ ካብ ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፦

“ኣቦ መንበር ምደፍኤ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ዝምድና ክልቲኡ ውድባትን ሓድነት ወተሃደራዊ ክንፍታቶምን ብዝምልከት ብቶኽቷኺ ኣቀራርባ ጉጉይ ሓበሬታታት ከቅርብ ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ስመር ፓልቶክ ብዛዕባ ሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝበሎ ዘይሓላፍነታዊ ዘረባ ዝዝከር’ዩ። ንሱ ከይኣክል ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋዳላይ ሓላፊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ሓደገኛ ታህዲዳት ክስንዝር ጸኒሑ ኣሎ። ንሕና ንስነ ምግባርን ኣካይዳን ኣቦ መንበር ምደፍኤ እናነጸግና፡ ንመሰረታት ምደፍኤ ብሓፈሻ፡ ምስ ሰራዊትና ምጽንባር ንዘካየዱ ተጋደልቱ ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ደድሕሪ ኣካይዳኡ ከም ዘይንጉተት ነረጋግጽ።”

እዚ መግለጺ’ዚ ግሃድኤ ኣብ ክልተ ጉጅለታት ከይተመቕለ ከሎ ዝወጸ ኢዩ። ትሕዝቶኡ ዘነጽሮ ነገር እንተነይሩ ድማ ኣብቲ እዋን ልብታት ናይ ክልቲኡ መሪሕነታት ተረሓሒቑ ከም ዝነበረ ኢዩ። ክሓስቦ ከለኹ እቲ ተረሓሒቑ ዝነበረ ልብታት ከይተቐራረበ ከሎ ሰራዊታትኩም ክተሓናፈጽ ዝወሰንኩም ኮይኑ ይስምዓኒ። እዚ መግለጺ’ዚ ድሕሪ ምውጽኡ ኮነ ድሒሩ ክሳብ ጉባኤ ኣብ ዝነበረ እዋናት ብዝግባእ ከይተመሓደረ ወይ ከይተፈትሐ ዝቐጸለ ሽግራት ሒዝኩም ፍጹም ሓድነት ንምግባር ጉባኤ ምጽዋዕኩም ሲ ናይ ብሓቂ ትርጉም ሓድነት ድዩ ዘይተረድኣኩም ወይስ እንታይ ኢዩ ብዘይ ምድላው ንሓድነት ዘሀወኸኩም?

ጽቡቕ ኣለኻ!! ኣጋጣሚ ኣብቲ እዋን ሰለስተ ኣባላት መሪሕነት ምደፍኤ ኣብቲ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምቛም ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ንምስታፍ መጺእና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለዝነበርና ብዛዕባ’ዚን ካልእን ምስኣቶም ክንዘራረብ ዕድል ረኺብና። ሽዑ ኣነ ባዕለይ ነቲ መግለጺ ምስ ኣንበብኩዎ፣ ካብ ኢንተርነት ኣውጺአ ንወዲ ድቡስ ወላ ንዶክተር ሃብተ ኣርእየዮም ኢየ። ከምዚ ዝበልካዮ እዞም ሕጂ ተፈላልዮም ዘለው ጉጅለታት ግሃድኤ ሽዑ ብሓንሳብ ኢዮም ነይሮም። እቲ መግለጺ ከኣ ግሃድኤ ሓደ ውድብ ከሎ ብኣርማ እቲ ውድብ ኢዩ ዝወጽእ ዘሎ። እንታይ ኢኹም ተርእዩና ዘለኹም ኢለዮም። ኣብዚ ግዜ’ዚ ነቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጻእናሉ ኣኼባ ምስ ወዳእና ብዛዕባ’ቲ ንሓስቦ ዝነበርና ጉዳይ ሓድነት ንምዝርራብ ብኽልቴና ወገን በብሰለስተ ሰባት ዝቘማ ኮሚተታት ኣውጺእና ቈጸራ ሒዝና ኢና ዘለና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኢዩ እምበኣር ሃንደበት እቲ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ። መን ኢዩ ዋናኡ? ንሕና ንፈልጦ ነገር የለን!! ኣብ መወዳእታ ክንዘራረብ ናብ ሃያሁለት ምስ ጸውዑና ሰለስቴና ኣባላት ምደፍኤ ናብኡ ኬድና። ንሕና ብዛዕባ’ቲ ዝወጸ መግለጺ ሕቶ ነይሩና። ነቶም ዝጸንሑና ኣባላት መሪሕነት ድሕነት (ወዲ ድቡስ፣ ዶክተር ሃብተ፣ ነጋሽ ዑስማን ) ሕቶና ኣቕሪብናሎም። ናብኣቶም ክንከይድ ከለና ግን ምስታ ብናቶም ወገን ዝቘመት ተዛታዪት ኮሚተ ንራኸብ ኢዩ መሲሉና ነይሩ። እቶም ዝጸንሑና ግን ካልኦት ኣመራርሓ ድሕነት ኮይኖም። ሽዑ እዚ ጉዳይ ብኸመይ ኢዮም ዝሕዝዎ ዘለው ኢልና ጋን ኮይኑና። ምስ ከድናዮም፣ “እምበኣርከስ ንሕና ምስታ ናታትኩም ተዛታዪት ኮሚተ ክንዛተ ኢና መጺእና፣ ስለዚ ንሳ ድያ እዛ ኮሚተ ወይስ ካልእ ኢያ?” ኢልና ሓቲትናዮም። “ኖእ! ንሳ ኣይኮነትን” ምስ በሉና “እሞ ከምኡ እንተኾይኑ ንሕና ምስታ ኮሚተ ክንዛተ ኢና መጺእና፣ ምናልባት ኣነ ኣቦ መንበር ናይታ ብወገንና ቈይማ ዘላ ኮሚተ ክኸውን ይኽእል ኢየ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ምደፍኤ ኣብ ዓዲ ግራት ገዲፈዮ መጺአ እናሃለኹ ግን ብኸመይ ብደረጃ መሪሕነት ንዛተ?” ኢለዮም።  “እሞ ንሕና ብደረጃ መሪሕነት ክንዘራረብ ኢና ሓሲብና” ምስበሉና “በቃ ደሓን ካብ መጻእና ክንዘራረብ” ኢልና ምስኣቶም ተዘራሪብና። ብቐዳምነት ብዛዕባ እታ ዝወጸት መግለጺ ኢና ሓቲትናዮም። እዚ መግለጺ’ዚ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ ወጺኡ? ኢልና ተወኪስናዮም። ብደረጃ ምደፍኤ ሽግር የለን! ምናልባት ኣብ መንጐ ውልቀሰባት ዝተኸስቱ ግርጭታት እንተሃልዮም ግና ክተሃዳዳእን ክዓርፍን ኣብ ክንዲ ምጉያይ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ንምውጻእ ምህንዳድ ኣድለየ? ተባሂሎም።

እቲ መግለጺ ግን ኣብ ስመር ሩም ኣቲኻ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ሓደገኛ ታህዲዳት ክትስንዝር ከም ዝጸናሕካ ኢዩ ዝገልጽ? 

እቲ ሃዲዱና ዝበልዎ ጌጋ ኢዩ። ኣነ ኣይሃደድኩዎምን። ዝሃደዶም ኣባል ምደፍኤ እውን ኣይነበረን።

እቲ መግለጺ ብስም ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ናይቲ ውድብ ኢዩ ተፈንዩ። እቲ ንክፍሊ ዜናን ባህልን ዝመርሕ ሰብ’ከ ተሓቲቱ’ዶ?

እወ ተሓቲቱ! ንሳቶም ግን “ኦሮማይ እቲ ጌጋ ተፈጺሙ ኢዩ፣ ግን ብውሽጣዊ ምርድዳእ ኢና ንፈትሖ እምበር ክንዲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝኣክል ውድብ ብመአረምታ ንሚድያ ኣሕሊፍና ኣይንህቦን ኢና” ዝብል መልሲ ሂቦምና። ሕጂ’ውን ክደግመልካ – “ክንዲ ድሕነት ዝኣክል ውድብ፣ ንብጻይ ወዲ ባሻይ ዘኽፋእናዮን ዝወንጀልናዮን ብናይ ውልቀሰባት ጌጋ ኢዩ ኢሉ መአረምታ ክውጽእ ኣይክእልን ኢዩ” ተባሂልና።

ነቲ መግለጺ ዝጸሓፎ ሰብ’ከ መን ምዃኑ ተነጊሩኩም’ዶ?

እቲ ሰብ ድኣ ዓሊ ኸሊፋ ምዃኑ ወዲ ድቡስ ባዕሉ እንድዩ ነጊሩና። መአረምታ ግን ኣብ ሚድያ ኣይንዝርግሕን ኢና ኢሎምና። ወዲ ድቡስ ባዕሉ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ከመኽኒ ክብል “ኣጋጣሚ ኣነ ኢየ ንምንታይ ዘይትሰርሕ ምስ በልክዎ፣ እዚኣ እነሃለት እንዶ ኢሉ ነታ መግለጺ ኣብ ኢንተርነት ዘርጊሕዋ” ብምባል ዘረባ ቈልዓ ተዛሪቡና (….ሰሓቕ…)

ስራሕ ፍጠር ኢለዮ ስራሕ ፈጢሩ ማለቱ ድዩ?

በቃ!! እቲ ዘረባ ስራሕ ፈጢሩ ዝዓይነቱ ኢዩ (….ሰሓቕ….)። በዚ ኾነ በቲ ግን እቲ ቀንዲ ተሪርና ዝሓዝናዮም፣ ንሳቶም እውን ዝኸበዶም ነገር እንተነይሩ ጉዳይ ናይቲ መግለጺ ኢዩ። “እዚ መግለጺ’ዚ ህዝቢ ርእዩዎ ኢዩ፣ ካባና ከኣ ሓድነት ይጽበ ኣሎ፣ ኣብ ውሽጥኹም ሽግር እንተሃልዩኩም ውሽጣዊ ኩነታትኩም ባዕልኻትኩም ፈትሽዎ፣ ንሕና ኣብኡ ክንኣቱ ኣይንደልን፣ ክንሰምዖ እውን ኣይንደልን፣ ነቲ መግለጺ ግን ብኻልእ መግለጺ ጌርኩም ኣብቲ ዝዘርጋሕኩሞ ሚድያ ኣርምዎ፣ ጌጋ ስለዝኾነ ስሒብናዮ ኢና ክትብሉ ቀሊል ኢዩ፣ ነዚ ምግባር ከኣ ውድብኩም ክንደይ ጭውነት ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጽ እምበር ዘዋርደኩም ኣይኮነን፣ ስቕ ኢልኩም ኣብ ትምክሕቲ ኣይትእተው” ኢልናዮም። ኣብዮምና። ኣብ መወዳእታ “ምስ ገዛኢ ተዃሪኻ ኢኻ፣ ምስኡ ስለዝተዃረኻ ኢዩ እዚ መግለጺ ወጺኡ” ኢሎምኒ። ኣነ ድማ “ኣነን ገዛኢን ጽባሕ እንድሕር ተረዳዲእና’ኸ ጉዳይ ናይቲ መግለጺ እንታይ ይኹን? እቲ ምስ ገዛኢ ተዃሪኻ ኣለኻ ትብልዎ ዘለኹም ውልቃዊ ነገር ኢዩ፣ ብወገነይ ንኽገድፎ ጸገም የለን፣  ሕጂ ኣምጽእዎ ንገዛኢ፣ በዲሉኒ ድዩ በዲለዮ ብዘየገድስ ኣቦይ ኢኻ ይቕረታ ግበረለይ ክብሎ ይኽእል ኢየ፣ እቲ ጸገም ናተይን ናይ ገዛኢን እንተኾይኑ ምደፍኤ ኮነ ግንባር ድሕነት ኣብኡ ዘእቱ የብሎምን፣ እንተደልዩ ገዛኢ በዲልካኒ ይበለኒ፣ ኣነ ከኣ በዲልካኒ ክብሎ ኢየ፣ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፣ ካብኡ ሓሊፉ ግን ምስ ገዛኢ ስለዝተዃረኻ ኣንጻርካ መግለጺ ወጺኡ ዝብል ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን” ኢለዮም። እዞም ሕጂ ክልተ ኮይኖም ዘለው ሸነኻት ግንባር ድሕነት ዝተፈላለየ ርእይቶ ከም ዘለዎም ኣብቲ ድሒሩ ኣብ ወርሒ 5 ወይ 6 ዝተራእየ ምፍንጫል ኢዩ ተጋሂዱ። እቲ በዓል ዶክተር ሃብተ ዝርከብዎ ጉጅለ ካብቲ ውድብ ተፈልዩ ምስ ከደ ድማ፣ በዓል ወዲ ድቡስ፣ እቲ መግለጺ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ብዝኾነ መገዲ ከም ዝተዘርግሐ ብምግላጽ “እታ ሓንቲ ጉጅለ ኢያ ከምኡ ትገብር ነይራ” እናበሉ ነቲ ኣበሳ ናብቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ግንባር ድሕነት ከልግብዎ ጀሚሮም። ንሕና ግን ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ወዲ ድቡስ ስለዝነበረ፣ መረረና ናብ ኣቦ መንበር ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ኢና ኣቕሪብና። ምኽንያቱ ወላ እኳ ዓሊ ኸሊፋ ሓላፊ ዜናን ባህልን ናይቲ ውድብ እንተነበረ ንወዲ ድቡስ ከይሓበረ ኢዩ ነቲ መግለጺ ኣውጺእዎ ዝብል ግምት የብልናን።  

እቲ ዝወጸ መግለጺ ብጌጋ ዝወጸ ምዃኑ ኣሚኖምልኩም እንተኾይኖም እሞ ድማ ኣይንእርሞን ኢና እንተ ድኣ ኢሎምኹም፣ እቲ ዝምድና ሽዑ ክብተኽ ይኽእል’ዶ ኣይነበረን? ምኽንያቱ ህዝቢ ነቲ መግለጺ ኣንቢቡ ፍልልያት ከም ዘለኩም ፈሊጡ እናሃለወ፣ ነቲ ምስ ግሃድኤ ዝጀመርኩሞ ወተሃደራዊ ውህደት ክሳብ ፍጹም ሓድነት ክነብጽሖ ኢና ምባልኩም ንህዝቢ ምቕሻሽ ዶ ኣይኮነን?

ቀዳማይ ነገር፣ ብመሰረቱ ግንባር ድሕነት ኣብ ወርሒ 6 ተፈላልዮም ክልተ ጉጅለታት ክኾኑ ከለው፣ እቲ ዝነበሮም ፍልልያት ኣብዚ ደረጃ’ዚ የውድቘም ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን። ንሕና ኣብ መንጐኦም ኣቲና ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣይነበረን። ዓቕምና እውን ኣይኮነን። ምስ ግሃድኤ ሓድነት ንምግባር ግን እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ርኡይ ኩነታት የገድደና ስለዝነበረ ህንጡይነት ዝዓብለሎ ኣካይዳ ንኸይድ ኔርና። ከምዚ ትፈልጦ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓድነት ዘይምህላው ኣሎ። እንተስ ናይ ሓባር ስትራተጅያዊ ግንባር፣ እንተስ ፍጹም ምትሕንፋጽ ዝበሃል ነገር ኣዝዩ ጐዲሉ ምህላው ንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ። ካልኣይ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣባል ምደፍኤ ወይ ተደናጋጺ ምደፍኤ፣ “ሓደ ጉጅለ በዚ፡ ካልእ ጉጅለ በቲ ኴንካ ነዚ ስርዓት’ዚ ምእላይ ስለዘይከኣል፣ ነቲ ሓድነት ዝበሃል ነገር ዝገበርኩም ጌርኩም ፈትንዎ” ዝብል ጸቕጥታት ይመጸና ነይሩ ኢዩ – ብዘይቀልዓለም። ንሕና ከኣ ናይ ቃልሲ ወኒን ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ጥራይ ሒዝና ህንጡይነት ዝዓብለሎ ኣካይዳ ደኣ ንኸይድ ኔርና እምበር ነቲ ፖለቲካዊ ዕዮታት ምሉእ ብምሉእ ኣይበቓዕናዮን። ካልእ ምስዚ ዝተኣሳሰር ኣቐዲመ ክብሎ ዝነበረኒ ግን ዝረሳዕኩዎ ነገር ነይሩ። ኣብ ድሮ እቲ ሓድነታዊ ጉባኤ፣ “ካብ ግዱስ ኣባል ምደፍኤ” ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ሓደ ጽሑፍ ወጺኡ ነይሩ። እዚ ከኣ ሰያባት ዶ! ገዛ ዝገዝኡ ዶ! ዝብል ትሕዝቶ ነይርዎ።

መን ኢዮም እቶም ሰያባት?

እቲ ሰያባት ዝብል ኣበሃህላ ደኣ ንበዓል ወዲ ድቡስ ኢዩ ዝኸውን። እቲ ጽሑፍ ከምኡ ኢዩ ዝብል። ንሳቶም ድማ ነቲ ጽሑፍ ንሕና ከም ዘውጻእናዮ ገይሮም ኢዮም ነቲ ፊልም ሰሪሖሞ።

እቲ ጽሑፍ ኣርማ ወይ ማሕተም ውድብኩም ነይርዎ ድዩ?

ኣርማ ዝበሃል የብሉን። ኖርማል ኣርቲክል ኢዩ። እቲ ጽሑፍ ወጺኡ ምስ ኣንበብኩዎ፣ ንወዲ ድቡስ ረኺበ “ከምዝን ከምዝን ዝብል ጽሑፍ ወጺኡ ስለዘሎ ንሕና መልሲ ክንህበሉ ኢና” ምስ በልኩዎ፣ “እቲ መልሲ ብስም ክልቴና ክኸውን ምእንቲ፣ ንገብረሚካኤል ጽቡቕ ጌርካ ጽሒፍካ ስደዶ ክብሎ ኢየ” ኢሉኒ። ክሳብ ድሮ ጉባኤ ግን መልሲ ናይቲ ጽሑፍ ከይተሰደደ ጸኒሑ። ተረዳዲእናሉ ከብቅዕ ኢዩ ዝዓብጦ ዘሎ – መታን ኣብ ካልኦት ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ስምዒታት ክፍጠር!!

ነቲ ጽሑፍ ባዕላቶም ኢዮም ፈንዮሞ ዝብል ጥርጣረ ድዩ ሓዲሩኩም?

ንሱ እንድዩ’ኸ እቲ ሓቂ!! ምኽንያቱ እቲ ንኽሰዶ ክነግሮ ኢየ ዝበለኒ ሰብ (ገብረሚካኤል ኣስካለ) “ከምዚ ዝበለ ጽሑፍ ወጺኡ ነይሩ፣ ንምንታይ መልሲ ኣይሃብኩምሉን?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡለይ። እዚ ዘረባ’ዚ ንዓና ንምደፍኤ ኣሰንቢዱና። ሽዑ “ብጻይ ወዲ ድቡስ ኣይሰደድካዮን ዲኻ? ሙሽ ተረዳዲእና? ብደረጃ ምደፍኤ መልሲ ክንህበሉ ኢና ኢለካስ፣ ደሓን ብናይ ክልቴና ክኸውን ምእንቲ ጸሓፉ ክብሎም ኢየ ኢልካኒ ክተብቅዕ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃብካሉን?” ከምኡ ዘይምግባርካ እንታይ መልእኽቲ ክተሕልፍ ስለዝደለኻ ኢኻ? መን ጽሒፍዎ ኢኻ ክትብል ደሊኻ? ምደፍኤ ጽሒፎሞ ዲኻ ክትብል  ደሊኻ? ንስኻትኩም ቀለልቲ ጸሓፍቲ ድዮም ዘለውኹም? ውሽጥኹምን ተጻብኦኹምን እኮ ኣጸቢቕና ኢና ንፈልጦ!!” ኢለ ኣብ ቅድሚ ኣመራርሓ ምደፍኤን ድሕነትን ሓቲተዮ። ከምቲ ድሒርና ዝተረዳእናዮ ግን ባዕላቶም ኢዮም ጽሒፎሞ። ብዝኾነ ኣነ ምስ ተዛረብኩ ኣብኡ ዝነበሩ ኣመራርሓ ድሕነት ሰንቢዶም። እንታይ ኴንካ ነቲ መልሲ ዘይሰደድካዮ ኢሎሞ። ንሱ ግን ኣብ ክንዲ መልሲ ምሃብ ብድድ ኢሉ ነዲሩ። እቲ ዘሕዝን ድማ “ቅድሚ ሕጂ ጥዑምዝጊ በቲ ተፈንጪሉ ዘሎ ሸነኽ ናይ ድሕነት ይጭፍጨፍ ስለዝነበረ፣ እዚ ከኣ ንዓና ዝጭፍጭፍ ጽሑፍ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢለ ስቕ ኢለ” ኢሉና። ከምኡ ምስ በለ ኣነ ድማ “ተሰራዕ! ብዘይካ’ቲ ንስኻ ትፈልጦ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዛረብኩዎ ሕጋዊ ዘረባ፣ ኣነ ንዝኾነ ዝተፈንጨለ ይኹን ምሳይ ዘሎ ሰብ ከምዚ ኢልካ ከምዚ’ባ ጌርካ ኢለ ዝተዛረብኩሉ መዓልቲ የለን! ብመሰረቱ ግን ነቲ መልሲ ዘይምስዳድካ ተሓታቲ ኢኻ፣ ትደልዮ ነገር እውን ኣሎ ማለት ኢዩ” ኢለ ከኣ መሊሰሉ። “እቲ ጉባኤ 6 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፍ ወጺኡ ስለዘሎ መልሲ ንሃበሉ ኢለካ ኢየ” ኢለ ንዘቕረብኩሉ ሕቶ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዝምልስ፣ ናብ ጓል መገዲ ብምእታው፣ “መን’ዩ ንዓይ ሰያባት ዝብለኒ!? ኣነ’ኮ ካብዞም ቈልዑ እዚኣቶም ዝተርፍ እግሪን ዳንጋን የብለይን” እናበለ ኣብ ምፍካር ኣትዩ። ብድሕሪኡ “ንዓ ደሓን ወዲ ባሻይ ግደፎ ነዚ ዘረባ! ምደፍኤ ባዕልኻትኩም ጸሓፍዎ” ምስ ተባህለ ንምሸቱ ከኣ ኔትወርክና ተቖሪጹ። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ዝነበረ ብሮድባንድ ኔትወርክ ብስም ዮናስ ስለዝነበረ፣ ንሱ ድማ ምስኣቶም ስለዝኸደ፣ ምሸት መጺእና ጽሒፍና ክንሰዶ እንተበልና ኔትወርክ ተቛሪጹ ጸኒሑና።  

እዚ ዘረባ’ዚ ዕለት ክንደይ ኢዩ ተዘሪቡ?

ዕለት 9!!

እሞ ዮናስ ቅድሚ መዓልቲ ጉባኤ ድዩ ምስኣቶም ወጊኑ?

እንታይ ትዛረብ ኣለኻ!? ፍሉጥ እንድዩ ነይሩ!! እቲ ጽሑፍ ናይ ፖለቲካ ቼዝ ኢዮም ተጻዊቶምሉ። ምኽንያቱ ነቲ ሓድነት ኣይደለዩዎን። ገና ናብ ጉባኤ ከይኣተና ከለና ክዘብጡና ደልዮም ኢዮም ነቲ ጽሑፍ ባዕላቶም ፈንዮሞ።

ምስ ግንባር ድሕነት ሓድነት ክንገብር ኢና እናበልኩም ከለኹም ብኸመይ ነቲ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ግሃድኤ ዝተፈጥረን ናብ ምፍልላይ ዘምርሐን ሽግር ከም ኩሉ ሰብ ብማዕዶ ክትዕዘብዎ መሪጽኩም? ሻርነት ዘይብሉ ናይ መንጐኝነት ተራ ሃልዩኩም ነቲ ሽግር ኣብ ምፍትሑ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ ኣይነበርኩምን?

ጽቡቕ ኣለኻ!! ንሕና “ጉዳይኩም ፍትሑ” ንብሎም ኔርና ኢና። እቲ ጸገም ግን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ኢዩ ነይሩና። ብዓል ዑቕባዝጊ ድቡስ ነቲ ናይ ዶክተር ሃብተ ሸነኽ፡ መንእሰያት ክሓቁፍ ከም ዘይደሊ፡ መንእሰያት ኣብቲ ቃልሲ ብምሕዋሶም ጥራይ ይሃድም ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓያልን ስምዒት ዘለዓዕልን ጐስጓሳት ኣብቲ መንእሰይ የካይዱ ብምንባሮም ሓቂ መሲሉና “እሞ እቲ ሓደ ሸነኽ ሓድነት ዘይደሊ እንተኾይኑ ወላ ተፈንጪሉ ይኺድ!!” ዝብል ርእይቶ ከም እንሕዝ ኢና ዄንና። እቲ ጉድለትና ዝነበረ ኣብዚ ኢዩ። ነቲ ሓድነት ኣይደለየን ዝተባህለ ጉጅለ ቅርብ ኢልና ክንረኽቦን ነቲ ምስጢር ክንፈልጦን ኣይከኣልናን። ተገሪህና!! ነዚ ከኣ ነብስና ንነቕፈሉ ኢና። ብጭቡጥ ግን ንሳቶም ጉዳዮም ፈቲሖም እቲ ሓድነት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኽግበር ንሓትት ኔርና ኢና። ብዛዕባ’ዚ ንወዲ ድቡስ ተዛሪብናዮ ኢና። ኣብ እዋኑ ነቶም ናይ ዶክተር ሃብተ ሸነኽ ከም ዘብጽሓሎም ከኣ ባዕላቶም ይዛረቡሉ ኢዮም። ሰሚናር ኣብ ዝገበርናሉ ግዜ ኣቦ መንበር ባይቶ (ብጻይ መሓመድስዒድ መፍለስ) ባዕሉ “ከምኡ ምባልኩም ዝምስገን ኢዩ!! ብሕጂ እውን ንኸምኡ ክትደፍኡ ኢዩ ዝግብኣኩም”  ኢሉ ተዛሪቡ ኢዩ። ግን ከኣ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓድነት ኣብ ምግባር ደንጒኹም ዝብል ጸቕጢ ካብ ናይ ደገ ኣባላትና ይመጸና ስለዝነበረ ነቲ ሓድነት ተዓሚትና ኣቲናዮ። ከምዚ ይመጸና ኢልና ኣይሓሰብናን። ንሳቶም እውን ይፈናጨሉ ኢዮም ዝብል ርእይቶ ኣይነበረናን።

ኣብለካቲት 2013 ሰራዊታት ግሃድኤን ምደፍኤን ተጸናቢሮም ምስ ተባህለ ህዝቢ ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ ኢዩ “ሰራዊት ሕድሪ” ዝብል ስም ክሰምዕ ጀሚሩ። እቲ “ሰራዊት ሕድሪ” ናይ ምቛም መደብ ገና ክብገስ ከሎ ኣትሒዙ ብጥዑይ ፖለቲካዊ ዝምድና ዘይተሰነየ ህንጡይ መደብ ስለዝነበረ ክብገስን ኣከራኻሪ ክኸውንን ሓደ ኢዩ  ነይሩ። ነቲ “ሕድሪ” ዝብል ቃል ብዓረብኛ መዘና ቃል ኣይንረኽበሉን ኢና ዝብሉ ወገናት ነይሮም። ህግደፍ ዘዘውትሮ ቃል ስለዝኾነ ኣይንጠቐመሉ ዝብሉ ሸነኻት እውን ነይሮም። ህዝቢ ሓበሬታ ክረክብ ምእንቲ፣ ምትሕንፋጽ ሰራዊት ናይ ምግባር ሓሳብ ብኸመይን ብመንን ከም ዝነቐለ፣ ኣብ ምቛም “ሰራዊት ሕድሪ” ዝተራእየን ክሳብ ጉባኤ ዝቐጸለን ሕልኽላኻት ብዝርዝር ኣዕልለኒ?

ኣጋጣሚ ናይ ክልቲኡ ውድባት ሰራዊት ኣብ ሓደ ከባቢ ብምንባሩ፣ እቲ ናይ ሓድነት ሕቶታት ብሸነኽ ምደፍኤን ብሸነኽ ግንባር ድሕነትን ይለዓል ነይሩ። “ሓደ ዘይትገብሩና፣ ክንቃለስ እንተዄንና ሓደ ንኹን፣ እንታይ ዝፈላሊ ኣለና? ንምንታይ ግንባር ድሕነት ተባሂልና በዚ ማዕዶ፣ ምደፍኤ ተባሂልና በቲ ማዕዶ ንኸውን?” ዝብል ሕቶታት ነጊሱ። ንሕና ነዚ ሕቶታት ብኸመይ ንሓዞ ኢልና ኣኼባ ጌርና። ሽዑ፣ “እሞ ንሕና ምደፍኤ እናበልና ክንጭድር፣ ካልእ ውድብ ከምኡ እናበለ ክኸይድ ጽቡቕ ስለዘይኮነ ነዘራርቦም” ኢልና ብደረጃ መሪሕነት ወሲንና። ኣብ ውሽጥና ተዘራሪብና ምስ ወሰንና ምስኣቶም ተራኺብና። ፍስሃጽዮን ገብረ ዝርከቦ ናይ ግንባር ድሕነት ናይ ዝርርብ ኮሚተ ናብ ዓዲ ግራት መጺኡ። ካባና ከኣ ኣቦ መንበርን ወተሃደራዊ ኣዛዚን ኴንና ተዘራሪብና። “እቲ ሰራዊት ብሓንሳብ ይኹን፣ እቲ ፖለቲካዊ ምትሕንፋጽ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንግበሮ” ኢልና ኢና ወዲእና። እቲ ፖለቲካዊ ምትሕንፋጽ ክሳብ ሎሚ ክጸንሕ እውን መደብ ኣይነበረናን። ናይ ድሕነት ምፍንጫል የጋጥም ዝብል ግምት ኣይነበረናን። ከምኡ ኢሎም ዝፈላለዩ፣ ብኡ ኣቢሉ ከኣ እቲ ግዜ ዝጓተት ይመስለና ኣይነበረን። ኣብቲ ዝገበርናዮ ዝርርብ፣ እቲ ወተሃደራዊ ኮሚተ ንኽራኸብ፣ ንሱ ዝወድኦ ሓሳብ ከኣ ናብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክሓልፍ ኢና ተሰማሚዕና። ብድሕሪኡ እቶም ወተሃደራዊ ክንፍታት ብኣኼባ ተዘራሪቦም ሓደ ስርርዕ ኣምጺኦም። እቶም ሰለስተ ካባና ሰለስተ ካብኣቶም ኮይኖም ዝተኣከቡ ሰባት ነቲ ዘምጽእዎ ስርርዕ ብጽሑፍ ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት ልኢኾሞ። ምኽንያቱ ክልቲኡ መሪሕነታት እቶም ወተሃደራዊ ክንፍታት ተዘራሪቦም ክረዳድኡ ወሲኑ ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ ንሕና ከም ምደፍኤ ብሓንሳብ ኣብቲ ባይታ ስለዘለና ፍሉይ ርእይቶ እንተሃልዩ ኣብኡ ከለና ኢሂን ምሂን ክንበሃሃል ዘጸግም ኣይነበረን። እቶም ናይ ግንባር ድሕነት ኣባላት ግን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት ስለዘለው ካልእ ርእይቶ ከም ዘሎ ጸኒሕና ኢና ንበጽሖ ዘለና። ብዝኾነ እቲ ብወተሃደራዊ ክንፍታት ዝተላእከ ብዛዕባ ስርርዕ ዝገልጽ ጽሑፍ፣ እገለ ኣዛዚ፣ እገለ ምክትሉ፣ እገለ ናይ ጸጥታ፣ እገለ ፖለቲካዊ ሓላፊ ይኹን፣ ክልቲኦም ኣቦ መንበራት ላዕለዎት ኣመራርሓ ይኾኑ፣ መን ኣዛዚ መን ተኣዛዚ ግን ንሕና ንውስነሎም ኣይኮነን፣ ብኽልቲኡ ወገን መምርሒ ናብ ታሕቲ ይወርድ ዝብል ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ናይ ኣርባዕተ ኮሚተታት ቅርጺ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ነቲ ዝተሓናፈጽ ሰራዊት እንታይ ዝብል ስም ንሃቦ ምስ ተባህለ፣ ንሕና “’ተጋደልቲ ሕድሪ ንሓርነት ኤርትራ’ ኢልና ንቐጽል፣ እቲ ፖለቲካዊ ምትሕንፋጽ ምስ መጸ ከኣ ብስም ናይቲ ስሙር ውድብ ንጽዋዕ!” ዝብል ሓሳብ ኣምጺእና። ብዝኾነ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ነቲ ጽሑፍ ሒዝዎ ይምጻእ ስለዝበለ፣ ኣነ ነቲ ጽሑፍ ዝሓዘ ደብዳበ ሒዘ መጺአ። እቲ ወተሃደራዊ ኣካል ነቲ ጽሑፍ ናባና ክሰዶ ከሎ “ክመሓየሽ ዝግብኦ ይመሓየሽ” ዝብል ርእይቶ ኣስፊሩሉ ስለዝነበረ፣ ነቲ ደብዳበ ንወዲ ድቡስ ክህቦ ከለኹ “ኣነ ኣብቲ ጽሑፍ ርእይቶ ስለዘይብለይ ንስኻ ተወሳኺ መመሓየሺ ርእይቶ እንተሃልዩካ ግን ባዕልኻ ኣመሓይሾ” ኢለ ኢየ ኣረኪበዮ። ብድሕሪኡ ወዲ ድቡስ ምስ ኣንበቦ እታ “ተጋደልቲ ሕድሪ ንሓርነት ኤርትራ” ትብል ስም ቁሩብ ሰንስ ኣይትህበንን ኣላ ኢሉ “ሰራዊት ሕድሪ” ይበሃል ኢሉ ኣቐሚጡላ። እዚኣ ጥራይ ኢዩ ቀይሩላ። ብድሕሪኡ ወዲ ድቡስ ከም ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣነ ድማ ከም ምክትሉ ኴንና ንሰራዊት ሕድሪ ክንመርሖ፣ ኣብ ዘይህላወ ወዲ ድቡስ ከኣ ኣነ ክመርሖ ወሲንና ነቲ ጽሑፍ ናብ ሰራዊት መሊስናዮ። ኣብ መወዳእታ ጽንብል ምትሕንፋጽ ሰራዊት ክንገብር ኢና ስለዝተባህለ ወዲ ድቡስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዓዲ ግራት ወሪዱ፣ ብኣገባብ ከኣ ጸንቢልናዮ። ሰራዊት ሕድሪ ድማ ብወግዒ ቈይሙ።

እዚ ሕጂ ተፈንጪሉ ከይዱ ዝበሃል ዘሎ ክፋል ግንባር ድሕነት ንምትሕንፋጽ ናይቲ ሰራዊት ካብቲ “ሕድሪ” ዝብል ስም ጀሚሩ ይቃወሞ ነይሩ ይበሃል’ዶ ኣይነበረን?

እወ!! ንዓና ግን ሕቡእ ኢዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምድንጋር ከይፈጥር ምእንቲ ወላ ንታሪኽ ብንጹር ክንጠቕሶ ዘለና ጉዳይ ኣሎ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ብደገ-ደገ ሰሚዕናዮ ስለዝነበርና፣ ብዓል መሓመድስዒድ መፍለስ፣ ወዲ ድቡስ፣ ገዛኢ፣ ጸጋዝኣብ፣ ኣስገደት፣ ኣብርሃም ኢያሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባ ገይሮም ናብ ዓዲ ግራት ምስ ወረዱና፣ ሕቶ ኣቕሪብናሎም ኢና። “ነዚ ሓድነት ኣይተቐበሉዎን ዝበሃሉ ኣመራርሓ ናይ ድሕነት ኣለው” ኢልናዮም። ብቐንዱ ብዛዕባ እቲ ስም ዝዝረብ ዝነበረ ዘረባታት የሕምመና ነይሩ። ብዝኾነ ንሕና ናይ ብሓቂ ተሰሚዑና ምስ ነብስና “ንምንታይ ኢዮም እናቐረብናዮም ዝርሕቁና!?” ንብል ኔርና። ስለዚ እንታይ ኢዩ እቲ ሽግር ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብና፣ ባዕሉ ኣቦ መንበር ባይቶ ግሃድኤ ብጻይ መሓመድስዒድ መፍለስ፣ “ያኸ! እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ እናተጋነነ ይኸይድ ስለዘሎ እምበር ካልእ ኣይኮነን!!” ኢሉና። እንደገና ካልእ ሕቶ እውን ነይሩና። “ኣኼባ ፈጻሚት ጌርኩም ክተብቅዑ፣  ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ እውን ጌርኩም ክነስኹም ብዛዕባ እቲ ሓድነት ኣይገለጽኩምን፣ ስለምንታይ?” ኢልናዮም። ኣነ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንኣቦ መንበር ናይቲ ፈጻሚ ኣካል ብቴሌፎን ሓቲተዮ ኢየ። እንታይ ኢዩ ሽግርኩም ምስ በልኩዎ “ነጋሽ ስለዝጸልኦ ኢዩ ዘይተገልጸ፣ ወላ ሕጂ ክንገልጾ” ዝብል መልሲ ሂቡኒ። ደሓር ግን ኣብ ቅድሚኦም “ኢሂ ወዲ ድቡስ! ነጋሽ ስለዝጸልኦ ኢዩ ዘይሰደዶ ኢልካኒ ሙሽ!? ኢለዮ። “ስለዚ መን ፈትዩዎ ደኣሉ እዚ ሓድነት’ዚ ክንገብሮ?” ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብና፣ ኣብ መወዳእታ መሓመድስዒድ መፍለስ “እዚ ተራ ዘረባ ኢዩ! እቲ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቕዎ ኢዩ!” ዝብል መልሲ ሂቡና። ብድሕሪኡ ናብ ሰራዊት ወሪዶም ነቲ ሰራዊት ኣኼባ ምስ ገበሩሉ፣ እቲ ሰራዊት፣ “በዚ ሓድነት’ዚ ወዲ ድቡስን ወዲ ባሻይን ኢዮም ዝሕተቱ፣ ብወገን ምደፍኤ ንኣቦ መንበሮም፣ ብወገን ግንባር ድሕነት ድማ ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ኢና ሓላፍነት ኣሰኪምናዮም። ስለዚ ንሳቶም ኢዮም ተሓተትቲ ናይዚ ሓድነት?” ዝብል ጽቡቕ ሞራል ዝህብ ዘረባ ተዛሪቡ። ንሕና ሕጂ ኩሉ ነገራት ቅዱስ ዘሎ ኢዩ ዝመስለና ዘሎ። ብመሰረቱ እቲ ምፍንጫላት ብወግዒ ክሳብ ዝኽሰት ወላ ሓደ ንፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ክሳብ ክንድኡ ዝፈላልዮም እንታይ ኢዩ ኢልና ሃሰስ ኣብ ዝበልናሉ ግዜ ዝረኸብናዮ ዝፈላሊ ነጥቢ ኣይነበረን።

ኩነታት ሰራዊት ሕድሪ በቲ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ግሃድኤ ዝተፈጥረ ፍልልያት ኣይተጸልወን ማለት ድዩ?

እወ!! ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ጸገም ኣይነበሮን። እቲ ምፍልላይ ምስ መጸ ግን ኣብቲ ሰራዊት እውን ገለ ነጸብራቕ ተራእዩ።

ግሃድኤ ናብ ክልተ ጉጅለታት ምስ ተገምዐ ኩነታት “ሰራዊት ሕድሪ” ብኸመይ ኢዩ ክቕጽል ጸኒሑ?

እቲ ሰራዊት “ንሕና ናይ ክልተ ውድባት ኢና፣ ዝተፈንጨለ ይፈንጨል ንፈላለየሉ ነገር የለን፣ ነዚ ሰራዊት ኣይፈልጦን ኢየ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ግን ንባዕሉ ብኡ ኣቢሉ ይኺድ” ኢዩ ዝብል ነይሩ። ብወገን ግሃድኤ ግን እቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ሓድነት ከም ዘይተቐበሎ ንናይ ባዕላቶም መሰረታት ይነግርዎም ነይሮም። ንሕና ነዚ ምስ ሰማዕና ከም ምደፍኤ ጽቡቕ ኣይተሰምዓናን። ምኽንያቱ እንታይ ስለዝገበርና!? እንታይ ሓጥያትን ኣበሳን ስለዘለና ኢዮም ምሳና ሓድነት ዘይደልዩ? ኣብ ዓቕምና ኣትዮም ክግምግሙና ይኽእሉ ኢዮም፣ ካልእ ግን እንታይ ሽግር ኣለና? ስለምንታይ ኣይብህጉናን፣ ብሓባር ኴንና ንቃለስ ክንዲ ዝበልና ስለምንታይ ይፍንፍኑና? ዝብል ስምዒታት ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ። ኣብቲ ሰራዊት እውን “እዚኣቶም ሓድነት ዘይደልዩ እንድሕር ኮይኖም ኣይፈልጡናን ኢዮም ማለት ስለዝኾነ ንበይንና ደኣ እንታይ ንገብር ኣለና?” ዝብል ዘረባታት ተጀሚሩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ግሃድኤ ዝነበረ ጸገም ግን ክሳብ ኣብ ትሕት ዝበለ ነገር ዝወረደ ስለዝነበረ ንዓና ሽፉን ኢዩ ነይሩ። ንሕና ከም ምደፍኤ እዚኣ ኢና ንፈልጥ። እቶም ካብ ግሃድኤ ዝተፈልዩ ሰባት እንታይ ኮይኖም ነዚ ምስ ምደፍኤ ዝግበር ሓድነት ኣይንቕበሎን ኢና ይብሉ ኣለው ጥራይ ኢና ንብል ኔርና። እቲ ምፍልላዮም ምስ ኣኸለ ግና ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ እቶም ነቲ ሓድነት ዝተቓወምዎ ሸነኽ (ናይ ብዓል ዶክተር ሃብተ ሸነኽ ማለት ኢዩ) ንጉዳይ ምደፍኤ ውሕልል ኢሎም ክሕዝዎ ኣይከኣሉን። ብኣንጻሩ ኣብ ዘመተታት ኢዮም ኣትዮም። ንሕና ግን ብደረጃ መሪሕነት ምደፍኤ ነቲ ጉዳይ ብጥንቃቐ ክንሕዞ፣ ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ኣብ ቃልሲ ክሳብ ዘሎ ከም ብጻይና ጌርና ክንርእዮ፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ እንተኣዕሪፎሞ ከኣ ኣህለን ወሳህለን ኢልና ክንቅበሎም ኢና ንደሊ ኔርና። 

ስለዚ ሰራዊት ሕድሪ ብምፍልላይ ናይዞም ክልተ ጉጅለታት ብዙሕ ከይተጸልወ ጸኒሑስ፣ ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ናይ ትማሊ ጉባኤ ምስ ተፈላለኹም ኢዩ ብወግዒ ዝፈርስ ዘሎ ማለት ድዩ?

እወ!! ክሳብ እዚ ናይ ትማሊ ጉባኤ ከምኡ ኢሉ ኢዩ ቀጺሉ። እዚ ናይ ትማሊ ክስተት ግን ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። እቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ከይሰመረ ምስ ተረፈ “ሰራዊት ሕድሪ” ብወግዒ ስለዝፈረሰ፣ እቲ ክልቲኡ ሰራዊታት ነናብ ውድቡ ኢዩ ተመሊሱ።

ሕጂ እውን ንድሕሪት ኢየ ክመልሰካ። ጥዑይ ፖለቲካዊ ዝምድና ከይሃለወካ ዝግበር ወተሃደራዊ ሓድነት ክሰርሕ ከም ዘይክእል መወከሲ ክኸውን ዝኽእል ኣብነት ኣብ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኣሎ። ብታሪኽ “ስምምዕ 20 ጥቅምቲ” እናተባህለ ዝግለጽ ኣብ 1977 ሻዕብያን ጀብሃን ሰራዊተን ኣስሚረን ኣንጻር ስርዓት ደርግ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ወፍርታት ከካይዳ ዝፈተናሉ ፍሹል ተመኩሮ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ 1978 ንሰራዊትክልቲውድባትደረጃብደረጃብምውህሃድናይሓባርሰራዊትንምቛምስምምተበጺሑስ፣ካብጀብሃክልተብርጌዳትንሳሕልከይደንኣብጎድኒሰራዊት.. ክስለፋ፣ካብብያድማብተመሳሳሊክልተብርጌዳትናብባርካክኸዳተመዲቡ ነይሩ። ኣብ መንጐ ክልቲኡ መሪሕነታት ከቢድ ጸገም ስለዝነበረ ግና ብኡ ንብኡ እቲ ስምምዕ ተጣሒሱስ ... ተሳካብሜዳዝወጸትሉናይ 1981 ደምዳሚውግሓድሕድ ስዒቡ። ስለዚ መሪሕነታት ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ከይሃለዎም ምትሕንፋጽ ሰራዊታት ምግባር ትርጉም ክህልዎ ከም ዘይክእል እዚ ንዓኻትኩም እኹል መምሃሪ ተመኩሮ ክኾነኩም ኣይምኸኣለን’ዶ? ዶስ ሕሉፍ ተመኩሮታት ክትውከሱ ኣይደለኹምን?

ብርግጽ እዚ ትብሎ ዘለኻ ተመኩሮ ኣሎ። ግን ከኣ ናብ ተመኩሮታት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ከይከድካ ወይ ካልእ ተመኩሮታት ሰውራታት ዓለም ከየምጻእካ፣ ተመኩሮን ኣመጻጽኣን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ንባዕሉ ንዓና እኹል ኢዩ። የግዳስ ሰብ ኣብ ዝጸንሖ ኣይነብርን ኢዩ፣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክህሉ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ነይሩና። ካልኣይ፣ ነቲ ዝመጹሉ ሕሱም ታሪኽን ተመኩሮን ኣባና እውን ክደግምዎ ኢዮም ዝብል ግምት ኣብ ነፍስ ወከፍና ኣይነበረን። ኣብ ታሪኾም ሕማቕ ኣተዓባብያን ልምዲን ነይርዎም። ኮይኑ ግና ብኽፉት መንፈስ ዝቐርቡና፣ ኣይትሰከፉ፣ ብዘተን ምርድዳእን ምትዕግጋብን ክንፈትሖ ኢና ዝብሉና ካድራትን ኣመራርሓን ግንባር ድሕነት ነይሮም ኢዮም። እዚ ከኣ ንዓና ቁሩብ ኣዳህሊሉና ኢዩ። ብጭቡጥ ከኣ ነብስና ንነቕፈሉ ኢና። ብፍላይ ኣነ ከም ኣቦ መንበር ምደፍኤ ኣብ ቅድሚ ኣባላተይ ነብሰይ እነቕፈሉ ኢየ። ምኽንያቱ ኣባላተይ ድሂኸዮም ኢየ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፣ ጉባኤ እናቐረበ ምስ ከደ ብዙሓት ኣፍና ከፊትና ክንዛረበሎም እንኽእል ግን ከኣ ደሓን ክእለዩ ኢዮም እናበልና ዝሰገርናዮም ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ሽግራት ንዕዘብ ኔርና። ደሓር ከኣ ንሕና ኣብ ሕሱር ፖለቲካዊ ጸወታታትን ተንኮላትን ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኣክል ክንዳረጎም ኣይንኽእልን ኢና። ብተንኮልን ክፍኣትን ይዓጻጽፉና ኢዮም። ብቕንዕና፣ ብግርህነት፣ ብተወፋይነት ግን ዝሓልፈና የለን። እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለና ሰባት ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ግንባር ድሕነት ንፈልጥ ኢና። ኣባላትና ግን ንታሪኽ ኣመጻጽኣ ግንባር ድሕነት ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን ነይሩ። ደሓር ግን ድሕነት ባዕላቶም ኢዮም ሰራዊትና ከም ዝፈልጥ ገይሮሞ። ምኽንያቱ “ኣይኮነን’ዶ ወዲ ባሻይ እሞ ከኣ እዚ ኣለኹ ዝብል ምደፍኤ፣ ንዓብደላ ኣደም ከማን መኪናኡ ኣሕዲግና ኢና ሰጒግናዮ፣ ወላ ንሰደግኤ ከምኡ ኢና ጌርናዮም” ዝብል ፈኸራ ኣብቲ ሰራዊት መጺኡ ተተኲሱ። እዚ ከኣ ብኣዛዚ ናይቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዝተዘርበ ዘረባ ኢዩ። መራሕቲ ጋንታታት ኣኪቡ “ኣራእስኩም ኣድኒንኩም ኣብ ትሕቴና ትኸዱ እንተዄንኩም ጽቡቕ! እንተዘየሎ ግና ክነኽብበኩም ኢና” ኢሉ ኣፈራሪሕዎም ኢዩ። ኣነን ወዲ ድቡስን ኣብ ዝነበርናዮ ኣኼባ፣ ስዒድ እስማዒል ዝበሃል ተወላዲ ሳሆ ኾይኑ መራሒ ሓይሊ ምደፍኤ ዝኾነ ኣባልና ባዕሉ ኣብቲ ኣኼባ ንእድሪስ፣ “ንስኻ ይትረፍ ምደፍኤ ዓብደላ ኣደም እውን ኣይዓጀበናን፣ መኪናኡ ኣሕዲግና ኣባሪርናዮ ኢና፣ ምስ ሳሆ ይሕሸካ፣ ምስ ሓውኻ ተዓራረኽ ኢልካኒ ኢኻ” ኢሉ ነቲ ኣብ በይኑ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣብ ቅድሜና ዳሕዲሕዎ ኢዩ። እዚ ኹሉ ዘረባ ኣብ ቅድመይን ኣብ ቅድሚ ወዲ ድቡስን ኢዩ ፈሲሱ። ወዲ ድቡስ ግን ነዚ ዘረባ እዚ እውን ከተሃዳድእ ኣይከኣለን። እዚ ነገራት’ዚ ክዓርፍ ነይርዎ። እንተኾነ ግን ወዲ ድቡስ ሓላፍነቱ ክስከም ስለዘይከኣለ እዚ ነገራት’ዚ እውን ከይዓረፈ ኢዩ ናብ ጉባኤ ዝእቶ ዘሎ!! ኣነ ኣብ ዘይህላወ ዑቕባዝጊ ድቡስ ኢየ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል። ብመሰረት ቅርጺ ናይቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣነ ትሕቲኡ ስለዝኾንኩ፣ ንዕኡ ሰጊረ ዝገብሮ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ሕጂ እንታይ ንምንባል ኢየ ዘምጽኣልካ ዘለኹ መሲሉካ! –  ንሕና ነቲ ተመኩሮኦም ዘይንፈልጦ ኣይኮናን!! ግን ከምኡ ኢሎም ይቕጽሉ ኢዮም ዝብል እምነት ኣይነበረናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንሕና ንኣሽቱ ኴንና ክልእኹና እውን ቅሩባት ኢና ኔርና። ሕሉፍ ሓሊፍና ክሳብ ኣብ መሪሕነት ናይ ምምጻእ ህርፋን ከም ዘይብልና ክርድኡልና ብምባል ንብጻይ ፍስሃጽዮን ገብረ (ኣባል ግንባር ድሕነትን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለን) ረኺበ ምሒለ ተዛሪበዮ ኢየ። ንኸይስከፉ ኢለ ኣነ ኣብ ሓላፍነት ኣይመጽእን ኢየ ኢለዮ ኢየ። “ስጋ ብጾት!! ኣነ ኣብ ሓላፍነት ኣይመጽእን ኢየ፣ ተራ ኮይነ ብምቅላስ ታሪኽ ክሰርሕ ኢየ!!” ኢለዮ። ምኽንያቱ ተራ ኮይኑ ዝሃንጽ ስለዝተሳእነ!! ንኣብነት ግሃድኤ ከይተፈናጨሉ ከለው 31 ኣባላት መሪሕነት፣ ምደፍኤ ድማ 10 ኣባላት መሪሕነት ምስ ሕጹያት ኢና ሒዝና ኔርና። 41 ሰባት መራሕቲ እንተዄንካ ክንደይ ሰብ ኢኻ ክትመርሕ? እቲ ኩነታት ከምዚ ብምንባሩ እቲ መንእሰይ ተራ ኮይኑ ቃልሲ ክሃንጽ ቅሩብ ስለዝነበረ፣ ኣብ ልዕሌና ከይተናኾሉ ኢልና እዚ ምስጢራት’ዚ ከይተረፈ ኢና ንምግቦም ኔርና። ስለዚ ደጊመ ደጋጊመ ክብለካ ዝደሊ ነቲ ሕሉፍ ተመኩሮኦም ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። እቲ ጸገም ግን ኣነ ብዘይቀልዓለም ንምደፍኤ ጸቒጠዮ ኢየ ነይረ። ኣብ ልዕሌና ዝፍጸም በደላት ነይሩ፣ ካድራትን ኣባላት መሪሕነትን ምደፍኤ እውን ይዛረቡሉ ኢዮም ነይሮም። ኣነ ግን “ያዓኸ! ግደፉ! በቃ ተጸሚምና ነዚ ሓድነት’ዚ ንእተዎ!!” እናበልኩ ይጸቕጦም ኢየ ነይረ። እዚ ከኣ ደው ኢለ ኣብ ውድበይ ዝንቀፈሉ ኢዩ።

ምደፍኤ ኣባላቱን መራሕቱን መንእሰያት ኢዮም። መራሕቲ ናይቲ ምሳኻትኩም ሓድነት ክገብር ዝደለኹሞ ሓደ ክፋል ናይ ግሃድኤ ግና ተጋደልቲ ጀብሃ ዝነበሩ ኢዮም። እቲ ኣብ መንጐኹም ዝኽሰት ዘሎ ዘይምርድዳእ ሓዴኹም ሓድሽ ወለዶ ሓዴኹም ድማ ኣረጊት ወለዶ ምዃንኩም ዝፈጠሮ’ዶ ይኸውን?

እቲ ሽግር ኣብቲ ናይ ዕድመ ገደብ ዘይኮነ ኣብቲ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘሎ። ብወገነይ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እምበር ነቲ ናይ ዕድመ ፍልልይ ከም ሽግር ኣይርእዮን ኢየ። ኣተሓሳስባ ክኣርግ ከሎ ኢዩ እቲ ጸገም። ታሪኽ ሻዕብያ ይኹን ታሪኽ ጀብሃ ሕማቑን ጽቡቑን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ኢና ንብል። ንሕና ዘቃልሰና ዘሎ ግን ናይ ለውጢ ባህጊ ጥራይ ኢዩ። ናይ ጀብሃ ኩርዓት ተሰሚዕዎ ወይ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኩርዓት ተሰሚዕዎ ዝፈላልየናን በዚ መገዲ’ዚ ዝቐርበናን ሰብ ብጣዕሚ ኢዩ ዘሰንብደና። ኣይንደልዮን ኢና። ከምቲ ኩሉ ግዜ እንዕዘቦ ግን ብሰንኪ እቲ ጸኒሓዊ ኣተሓሳስባ፣ ኣብቲ መንእሰይ እምነት ኣሕዲርካ ንመንእሰይ ናብ ቅድሚት ናይ ምምጻእ ባህጊ የለን። ብመንእሰይ ክትቅደም ወይ ክትብለጽ ዘይምድላይ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ፣ ሓደ ምስ መንእሰያት ኮይነ ይቃለስ ኣለኹ ዝብል ናይ ቀደም ካድር መንእሰይ ኴንካ ሓላፍነት ምሓዝ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ዓው ኢሉ ይሰብከና እንተሃልዩ ነቲ ሕዱርን ምብላይ ኣብዩና ዘሎ ኣተሓሳስባን ኢዩ ዘንጸባርቐልና ዘሎ ማለት ኢዩ። ስለዚ ሕጂ እውን እቲ ጸገም ናይ ዕድመ ፍልልይ ኣይኮነን። ነቲ ዕድመ ከም ጸገም ዝርእይዎ እቶም ሓይሊ መንእሰይ ዘፍርሖም ተቓለስቲ ኢና በሃልቲ ጥራይ ኢዮም። እዚ ወለዶ’ዚ ኣብ ዓቕምታቱ እንተመዚንካዮ – ናይ ብሓቂ ኢየ ዝብለካ – ካብ ሃመማ ዓጽሚ ከውጽእ ዝኽእል ኢዩ። ኣነ ብደረጃይ ኣይኮንኩን ዝገልጾ። ዝተሓትኩ ናይ ምደፍኤ ከም ዝኾንኩ እፈልጥ ኢየ። ኣቦ መንበር ኩን ኢሎምኒ ኮይነ። ሕጂ ግን ምደፍኤ ካድራት ኣጥርዩ ኢዩ። እቲ መንእሰይ ከኣ ተሞኪሩ ኢዩ። እቲ ተመኩሮ ብዓመታት ዝዕቀን እንተኾይኑ ካልእ ጉዳይ ኢዩ። ብደረጃ ዘጋጥሙና ውዕሎታት ዝምዘን እንተኾይኑ ግን እቲ መንእሰይ ተመኩሮ ኣለዎ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ግን ነቲ ተመኩሮታት ኣብ ምትንታን ዘለዎ ዓቕምታት ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ!!

ኣባላትኩም፣ “ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዘረባ ብዓል ወዲ ድቡስ ሰሚዖም ዘርዮምና፣ ብረትና ከም እነራግፍ ገይሮምና” ዝብል መረረ የስምዑ ኣለው። ካብቲ ንነዊሕ እዋን ምስ ግንባር ድሕነት ብሓባር ዝነበርኩምሉ ከባቢ ዓዲ ግራት ወጺእኩም ናብ ውቕሮ ግዒዝኩም ኣለኹም። ዓጢቕኩሞ ዝነበርኩም ኣጽዋር እውን ምሳኻትኩም የለን። ንስኻ’ኸ ነዚ ብዝርያ ዲኻ ትርድኦ? 

እቲ ዝዝረብ ዘረባታት ብቐንዱ ናይ ኣባላትና ኣይኮነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ እውን ወግዓዊ መግለጺ ጌርናሉ ኔርና። እቲ ሽግር ናይ ውሽጥና እምበር ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ናይ ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ሽግር ኣይኮነን። ኣብዚ ጉዳይ ግንባር ድሕነት ባዕላቶም ዘነሃህርዎ ዘረባታት ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ዕጥቆም ኣፍቲሕዎም እናበሉ ወረ ከም ዘናፍሱ ንፈልጥ ኢና። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ “ብዘይ ዕጥቂ ኢኹም ትቃለሱ! ወላ ኣይትቃለሱ!” ኢሉ መምርሒ ሂቡና ኣይፈልጥን። እቲ ቦታ ምቕያር ከኣ ባዕልና ዝገበርናዮ ኢዩ። ሓንሳብ ብዕድመና፡ ሓንሳብ ከኣ ብኣተሓሳስባና ኣብ ልዕሌና መረረን ጸለመን ይወርደና ስለዝነበረ ንግዜኡ ቦታ ክንቅይር መሪጽና። ነቲ ኣብ ዓዲ ግራት ዘሎ ቤት ጽሕፈትና ኣይገደፍናዮን። እቲ ዝርካቡ ሰራዊትና ግን ናብ ውቕሮ ግዒዙ ኢዩ።

ናብ ውቕሮ ክትግዕዙ ዝኣዘዙኹም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይኮኑን?

እቲ ምግዓዝ ባዕልና ኢና ጌርናዮ። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ማእከል ከተማ ዓዲ ግራት ኴንካ ዓው-ዓው ናይ ምባል ኩነታት ስለዝነበረ “ወላ ቦታ ዘይትቕይሩ!!” ዝብል ርእይቶ ኢዩ ተዋሂቡና እምበር ኣብ ውቕሮ ኬድኩም ተቐመጡ ዝበለና ኣካል የለን። ብናትና ምርጫ ኢና ናብኡ ኬድና።

ተዘሪና ዝብል ጽሑፋት ግን ይወጽእ ኣሎ፡ ሰብ እውን የንብቦ ኣሎ?

ብወገንና ዝዘርጋሕናዮ ጽሑፋት የለን። ንኣብነት “ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘርዮምና’ዶ፡ ንወዲ ድቡስ ሰሚዖም’ዶ፡ እንታይ’ዶ መይዶስ” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበራን ስእሊ ወዲ ድቡስ ዝሓዘትን ጽሕፍቲ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ገረግርን ጀበርቲን ወጺኣ ነይራ። ንምደፍኤ ኮነ ኢልካ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምብታኽ ዝተዘርግሐት ጽሕፍቲ ከኣ ኢያ። ንሕና ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕሳባት የብልናን። እታ ጽሕፍቲ ናትና ኣይኮነትን። ንሕና ኣንጻር ጥቕምና ደው ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣንጻር ጥቕምና ክንጽሕፍ እውን ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ንዝኾነ ይኹን ሰብ ርዱእ ኢዩ። እቲ ንዓና ግዳይ ዝገበረና ኣካል እቲ ዑቕባዝጊ ድቡስ ዝመርሖ ሸነኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ጥራይ ኢዩ።

እቲ ኣጽዋር ተመሊሱ’ዶ?

ገና ኣይተመልሰን።

ናታትኩም ብረት ጥራይ ድዩ ተወሲዱ ወይስ ናይ ግንባር ድሕነት እውን ተወሲዱ ኢዩ?

ናትና ጥራይ ኢዩ ተወሲዱ።

ብኸመይ ደኣ ናታትኩም ጥራይ ክውሰድ ክኢሉ? ንምንታይ ንበይንና ንግፈፍ ኢልኩም ሓቲትኩም’ዶ?

ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝተገብረ ክሳብ ሕጂ ክርድኣና ኣይከኣለን። ንሕና ዝኾነ ይኹን ጸገም ኣለና ኢልና ኣይንኣምንን። ኣብ በይንና ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ንኽውሰደና ዝገብር ውሽጥና ፈቲሽና ዝረኸብናዮ ሽግር የለን።

ብቃል ይኹን ብደብዳበ ሕቶ ኣቕሪብኩም’ዶ?

ብሕጂ ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንዘራረበሉ መደብ ኣለና። ቅድሚኡ ግን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ይምለሰልና ይኸውን ኢዩ ዝብል ተስፋ ኣለና።

ወዲ ድቡስ፡ ንስኻ ምስ ኣካላት ጸጥታን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘይብልካ ብምግላጽ ንኣባላትካ ፈልዩ ክወስዶም ከም ዝፈተነ ገሊጽካለይ ኔርካ። ምስዞም ክልተ ኣካላት ኢትዮጵያ ዘለካ ዝምድና ሓርፋፍ ድዩ?

ንሕና ብደረጃ ውድብ ይኹን ብደረጃ ውልቀሰብ ምስ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ  (ናይ ጸጥታ ይኹኑ ናይ ምክልኻል) ዝኾነ ይኹን ጸገም የብልናን። ናይ ብቕዓት ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተቓለስቲ ኣይኮኑን ዘብል ሽግር እውን የብልናን።

እሞ ካብ ምንታይ ተበጊሱ ደኣ ወዲ ድቡስ ከምኡ ክብል ክኢሉ?

እታ “ጸጥታ” ትብል መፈራርሒት ቃል ሰባት ክተባህርር ትኽእል ኢያ ዝብል ግምት ሒዙ ኢዩ ከምኡ ዓይነት ዘረባታት ተዛሪቡ እምበር ንዓይ ዝፈልጠለይ ሽግር የለን። እንድሕር ብጭቡጥ ኣካላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰይ ምዃኖም ዝኣምን ኮይኑ ንምንታይ ደኣ ዓመት ምሉእ ምሳይ ሓድነት ክገብር ኢየ ኢሉ ዕንክሊል ክብል ጸኒሑ? ምስ ሓደ ብኣካላት ጸጥታ ብሕማቕ ዓይኒ ዝጥመት ሰብ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ ማለት ድዩ? ክኸይድ ኣይክእልን ኢዩ!! ብመሰረቱ ግን ኣብዚ ዘለናዮ ዓዲ እቲ መጣልዒ ካርድ ንሱ ኢዩ።

ሰሜን እዝ ንምደፍኤ ጥራይ ብረት ከም ዘውርድ እንተገይርዎ እቲ ወዲ ድቡስ ዝገለጾ ሽግር ሓቂ ኢዩ ማለት ኢዩ?

ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከም ዝበሃል ወዲ ድቡስ ነቲ ክኾነሉ ዝሓስቦ ኢዩ ተዛሪቡ።

እቲ ብረት ብሓገዝ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ድዩ?

እወ!!

እሞ እታ ቅንዕቲ ዘረባ ብረትና ገፊፎምና ዘይኮነትስ ብረቶም ኣኪቦም ኢያ ክትከውን ዘለዋ ማለት ኢዩ?

ከምኡ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።

ምናልባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣጽዋር ምግፋፍ ሓሊፉ ህላወ ምደፍኤ ኣብ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ይውስን ይኸውን ኢዩ ዝብል ግምት ኣለኩም’ዶ?

ከምኡ ዓይነት ውሳነ ክውስኑ ኢዮም ዝብል ግምት ብፍጹም የብልናን። ንሕና ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ከም ሓገዝቲ ናይቲ ቃልሲ ኢና ንጥምቶም። ንሳቶም ብዝገብሩልና ሓገዛት ከኣ ኢና ንቃለስ ዘለና።

ንስኻን ፍስሃየ ሓውኻን ኣብ ምደፍኤን ግሃድኤን ብምህላውኩም፡ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት ዘሎ ሽግር ንዝምድናኹም ይጸልዎ ድዩ?

ኣብ መንጐና ብዙሕ ጸገም የለን። ርእይቶኡ ከኽብረሉ ግቡአይ ኢዩ፡ ርእይቶይ ከኽብረለይ ድማ ግቡኡ ኢዩ። ዝኾነ ይኹን ሽግር የብልናን። ከም ኣሕዋት ከም ደቂ ሓንቲ ስድራቤት ተፋቒርናን ተሳኒናን ክንከይድ ንኽእል ኢና። ንጉዳይ ምደፍኤን ግሃድኤን ብዝምልከት ድማ ንሱ መርገጺኡ ብንጹር ኢዩ ዘቐምጥ። ዕረ ከም ዝገጠመና ይኣምን ኢዩ፡ ዓው ኢሉ እውን ይዛረበሉ ኢዩ። ግን ነቲ ዕረ ምእንቲ ህዝቢ ክትብሉ ስተይዎ፡ ዕረ ውሒጥኻ ኢዩ ቃልሲ ዝካየድ ዝብል ርእይቶ ኢዩ ዝህበና። 

ቅድም ኣብ ግሃድኤ መዝነት ነይርዎ መስለኒ። ሕጂ’ኸ?

ሓላፊ ወተሃራዊ ቤት ጽሕፈት ግሃድኤ ኢዩ ነይሩ። ደሓር ተቐይሩ፡ ተራ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ። ሕጂ ጉባኤ ምስ ገበሩ ከኣ ኣብቲ ማእከላይ ሽማግለ የለን። ተራ ኣባል ድሕነት ኢዩ ኮይኑ ዘሎ።

ክልቲኦም ደቂ ባሻይ (ንስኻን ሓውኻን ማለት ኢዩ) ኣብ እስራኤል ተባኢሶም ከለው ካብ ኤውሮጳ ናብ እስራኤል ከይዱ ዝዓረቘም ወዲ ድቡስ ኢዩ ዝብል ወረ ሰሚዐ ነይረ። ሓቂ ድዩ?

እዚኣ ጌጋ ሓበሬታ ኢያ። ኣብቲ እዋን ናብ እስራኤል ዝመጹና ወዲ ድቡስን ገዛኢን ስለዝኾኑ ወዲ ድቡስ ከምኡ ኢሉ ኣውርዩ እንተኾይኑ ገዛኢ ኮነ ፍስሃየ ንህይወቶም ክምስክሩ ይኽእሉ ኢዮም። ብርግጽ ኣነን ፍስሃየን ኣሕዋት ኢና ማለት ኣይንኳረን ኢና ማለት ኣይኮነን። ግን ኣብቲ ወዲ ድቡስን ገዛኢን ናብ እስራኤል ዝመጸሉ ግዜ ኣባላት መሪሕነት ድሕነት መጺኦም ኣለው ኢሉ ምስኣቶም ዘራኸበኒ ፍስሃየ ባዕሉ ደኣ እምበር ወዲ ድቡስ ኣይኮነን ምስ ፍስሃየ ኣራኺቡና። ፍስሃየ ኣባል ግሃድኤ ስለዝኾነ፡ ንሳቶም ምስ መጹ ብሓባር ኣኼባ ንግበር ኢሉ ነቶም ኣባላት ምንቅስቓስ መንእሰያት ዝነበርና ብሓባር ረኺቡ ኣዘራሪቡና፡ ንዓይ ብውልቀይ እውን ርኸቦም ኢሉ ኣዘራሪቡኒ። ስለዚ ፍስሃየ ኢዩ ንዓይ ናብ ወዲ ድቡስ ወሲዱኒ እምበር ወዲ ድቡስ ኣይኮነን ምስ ፍስሃየ ኣራኺቡኒ።

ሕጂ ናብ ምደፍኤ ንምጻእ!! ስም ምደፍኤ ክለዓል ከሎ፣ ብቐጻሊ ዝደጋገሙ ከም ደቀምሓረ፣ ሃገረይ፣ ወጅሀይ፣ ጦፊቕ ዝብሉ ኣስማት/ሳጓታት ውልቀሰባት ኣለው። እቲ ምስዞም ኣስማት ተኣሳሲሩ ዝለዓል ዛንታታት ድማ ናይ ምጥፍፋእ፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ኣባላትን ምስግጋር ሰባትን ዝኣመሰለ ዛንታታት ኢዩ። ንስኻ ንምደፍኤ ብኣቦ መንበርነት ክትርከቦ ከለኻ እንታይ ዓይነት ምደፍኤ ኢዩ ጽኒሑካ?

ብመጀመርያ ኣነ ናይቶም ኣብ እስራኤል ዘለው ብጾት ውክልና ሒዘ ነቲ ውድብ ክጽንበሮ ከለኹ ተራ ካድር ኮይነ ኢየ ተጸንቢረዮ። ዝኾነ ይኹን ጽፍሒ ኣይነበረንን። ካብ ቀዳሞት መራሕቲ ምደፍኤ ንሃገረይን ጦፊቕን ኣርኪበሎም ኢየ። እቶም ካልኦት ግን ኣየርከብኩሎምን። ኣብቲ ውድብ ምስ ኣተኹ ግና ነቲ ኣብኡ ዝጸንሓኒ ህይወት ጽቡቕ ገይረ ኣንቢበዮ ኢየ። ብጻይ ጦፊቕ ክሳብ ጉባኤ ምሳና ኢዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ጉባኤ ከኣ ኢዩ ካብ ሓላፍነት ወሪዱ። መቸም ኣብዚ ዓለም ምሉእ ዝበሃል ሰብ ደኣ የለን እምበር ብዘይቀልዓለም ብጻይ ጦፊቕ ሓያል ካድር፣ ዓቕሚ ዘለዎን ክሰርሕ ዝኽእልን ሰብ ኢዩ። ካብ ሓላፍነት ምስ ወረደ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክጸንሕ ኢየ ስለዝበለ ናብኡ ከይዱ። በቲ ንሕና ንፈልጦ ግን ጦፊቕ ክኢላን ኣብቲ ቃልሲ ከሳሊ ዝኽእልን ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ንሱ ዝወረደሉ ጉባኤ ብዙሕ ሽግራት ነይሩና። ናብ ጉባኤ ድሕሪ ምእታውና ከም ውድብ ናጽነትና ሓሊና ክንወጽእ ዘይከኣልናሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ። ብጻይ ጦፊቕ እውን ነዚ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኢዩ።  

እቲ ሰብ ዝሰምዖ ሕማቕ ታሪኽ ብጭቡጥ ነይሩ’ዶ?

ንሱ ክመጾ ኢየ!!  

ሕራይ ቀጽል?

ንደቀምሓረ ስለዘየርከብኩሉ ኣይፈልጦን ኢየ። ንሃገረይ ግን ኣርኪበሉ ጥራይ ዘይኮነ ምደፍኤ ብሃገረይ ኢዩ ጋዕዝዩ ጸኒሑኒ። ኣብ ናቱ ናይ መሪሕነት ግዜ ዝተራእየ ግዕዝይና ከኣ ኢዩ ክሳብ ሕጂ ንምደፍኤ ዘይሃስስ ስንብራት ገዲፉሉ ዘሎ። እቲ ናይ ሽዑ ሕማቕ ተመኩሮ ንስም ናይቲ ውድብ ደዊንዎ ኢዩ። እቲ ምደፍኤ ዝብል ስም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣትሒዙ ክብገስ ከሎ ጸገም ነይርዎ። በቲ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ዝተነጸረ ምኽንያታት ክግምግሞ ከለኹ ኣወጻጽኣኡ ዝተወደነ ኣይነበረን። ኣጸቢቖም ዘይተናበቡ ሰባት ተኣኪቦም ኢዮም መስሪቶሞ። ካብ ውሽጦም ብረት ሒዞም ናብቲ ስርዓት ዝኸዱ ጸላእቲ ነይሮም ኢዮም። ኣብ መንጐኦም ኣብ መርበብ ምስግጋር ሰባት ደላሎ ኮይኖም ዝሰርሑ ሰባት ነይሮም ኢዮም። እዚ ተግባራት’ዚ ኣብ ምስሊ ምደፍኤ ዘውረዶ ማህሰይቲ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣይነበረን። ብሰንኩ ድማ ምደፍኤ ክሳብ ሕጂ በቶም ናይ ሽዑ ውሽጣዊ ሽግራት ኢዩ ዝግምገም። እቲ ዝተበለለ ስም መግለጺኡ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ቀዳሞት መራሕቲ ምደፍኤ ዝውረ – ኩሉ ወላ ኣይኹን – ሓቂ ኢዩ። ኣብ ምስግጋር ሰባት ከም ደላላይ ኴንካ ምስራሕ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ እውን ንሕና ምስ ኣርከብናሉ እቲ ውድብ በዓልቤታዊ ሕጽረታትን ፋይናንሳዊ ብልሽውናን ዝነበሮ፣ ምስ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይፋለጥ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑና። እዚ ኩነታት’ዚ ድማ ኢዩ ምደፍኤ በሪኹ ከይወጽእን ኣብ ዓቕምታቱ ጥራይ ከይግምገምን ዕንቅፋት ኮይኑ። ስም ምደፍኤ እንተ ደኣ ኣልዒልካ ብዓል ወጅሀይን ሃገረይን ዝነበርዎ ውድብ እንድዩ ዝብሉ ሰባት ኣለው። እቲ ውድብ ብዙሕ ገልጠምጠም ስለዘሕለፈ ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ኣሉታዊ ርድኢት ንዓና እውን የረኻኽበልና ኢዩ። ስነ-ሓሳቦም ናይ ሻዕብያ ኢዩ ኢና ንበሃል። እቲ ሰብ ከም ሻዕብያ ብበትርን ጐነጽን እንኣምን ገይሩ ይርድኣና። ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልና እናተረዳዳእና ሽግራት ንፈትሕ ኣይመስሎን ኢዩ። ስለዚ ምደፍኤ በዞም ስንብራታት እዚኣቶም ብዙሕ ተቐጥቂጡ ኢዩ። ንዓይ ከምዚ ዓይነት ምደፍኤ ኢዩ ጸኒሑኒ።

ቀዳሞት መራሕቲ ምደፍኤ ካብቲ ውድብ ተሰናቢቶም ምስ ተባህለ እቲ ውድብ ንስኻ ብእትመርሖ ሓድሽ መሪሕነት ኢዩ ቀጺሉ። ይኹን እምበር “ሕጂ እውን ንሕና ኢና ምደፍኤ” ብምባል ክሳብ ብስም ምደፍኤ ወተሃደራዊ ዜና ዝዘርግሑ ሰባት ነይሮም። ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣብቲ ሓውሲ ልሳን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኮይኑ ዝስምዓኒ መርበብ ሓበሬታ sudantribune.com ዝተዘርግሐ፣ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓሙሽተ ሜጀራት ቀቲልና”  ዝብል ዜና ወጺኡ ኣንቢበ ነይረ። ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ኣብ ህዝቢ ምድንጋራት ይፈጥር ስለዘሎ ብወገንኩም ንምእራሙ እንታይ ስጉምቲ ትወስዱ?

ሓደ ካብቲ ዝነበረና ሽግር ሃገረይ ነጋሽ ካብቲ ውድብ ክወጽእ ከሎ ማሕተም ናይቲ ውድብ ለኪሙ ምኻዱ ኢዩ። ኣርማ ናይቲ ውድብ ግን ብኸመይ ከም ዝረኸብዎ ዝፈለጥናዮ ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝጠቐስካዮ ዜና ክወጽእ ከሎ ከም ሰብና ኢና ርኢናዮ። ሽዑ እቲ ዝነበረና እንኮ ምርጫ ስም ናይ ሓደ ኣባል መሪሕነት ምደፍኤ (ስም ዮናስ ማለት ኢዩ) ጠቒስካ መልሲ ምሃብ ጥራይ ኢዩ። መልሲ ክንህበሉ ስለዘለና ከኣ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ ዝነበረ ውዕሎ ምደፍኤ ዝወዓሎ ከም ዘይኮነ ኣብ እዋኑ ኣነጺርና መልሲ ሂብናሉ ኢና። ኣብቲ ዝሃብናዮ መልሲ ድማ ሰራዊት ምደፍኤ ምስ ሰራዊት ግንባር ድሕነት ስለዝተጸንበረ ምደፍኤ ንበይኑ ተፈልዩ ዝሰርሖ ስራሕ ከም ዘየለ ኣነጺርና ኢና ጽሒፍና። ብሓጺሩ ናይ ቃልሲ ዕንቅፋት ዝኾኑ ሰባት ኣለው። ደሓር ከኣ ሓደ ሰብ ተፈልዩ “ኣነ ድሕነት ኢየ” ወይ “ኣነ ምደፍኤ ኢየ” ክብል ይኽእል ኢዩ። እቶም ምደፍኤ ኢና ኢሎም ነቲ ዜና ዝዘርግሕዎ ሰባት ከኣ ነቲ ቃልሲ ንምዝራግ ኢዮም ከምኡ ገይሮም። ምኽንያቱ እቲ ዜና ዘይናትና እንከሎ መልሲ ከይሃብናሉ ስቕ እንተኢልና፣ ሓሶት ምዃኑ ምስ ተፈልጠ ምደፍኤ ይዝበጠሉ ማለት ኢዩ።  

ምደፍኤ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ መምህር ስነ-ሓሳብ ተመሲሉ ምስ ውድብኩም ዝምድና ዝፈጠረ፣ ኣብቲ ጉባኤ ንስኻ ኣቦ መንበር ኴንካ ከም እትሕጸ ዝገበረን ጸኒሑ ድማ ነቲ ውድብ ብድሕሪት ኮይኑ ክዝውሮ ዝፈተነን ሰብ ከም ዝነበረ፣ ደሓር ግን ንስኻ ነቲ ምትእትታው ብምቅዋምካ ኣብ መንጐኹም ምፍሕፋሕ ከም ዝተፈጥረ ሓሓሊፉ ዝዝረብ ዘረባታት ኣሎ። እቲ ዘረባ ሓቅነት ዘለዎ እንተ ድኣ ኾይኑ እቲ ሰብ መን ምዃኑን ኣብ ውድብኩም እንታይ ተራ ከም ዝነበሮን እንተትገልጸለይ? 

ብርግጽ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ይመጹና ኢዮም። ውልቀሰባት ጥራይ ዘይኮኑ ወላ ውድባት እውን ክንሕግዝ እናበሉ ብዝተፈላለየ መልክዓት ንምደፍኤ ይቐርቡዎ ኢዮም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣነ ንባዕለይ ኣብቲ ቃልሲ ሓድሽ ኢየ ነይረ። ሓደ ሰብ መጺኡ ሴሚናር ገይሩልና። እቲ ሰብ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። (….ሓጺር ስቕታ…..)

መን ኢዩ እቲ ሰብ?

ልኡል ጋይም ኢዩ። መጺኡ ሰሚናር ጌሩልና። ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ድማ ምሳና ይጓዓዝ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ከምቲ ናይ ቀደሙ ኣይቀጸለን።

እቲ ምትእትታው’ከ ብጭቡጥ ኣጋጢሙኩም ድዩ?

ከምዚ ዝበልኩኻ ናባና ዘቋምት፣ ኢዱ ዝሰደልና ሰብ ብዙሕ ኢዩ። እዚኣ ከኣ’ያ እታ ንሕና ከም ሲኦል ንጸልኣ።

ስለዚ እቲ ምትእትታው ነይሩ ኢዩ?

እወ ነይሩ ኢዩ። ብመሰረቱ ግን ንሕና ውድባዊ ናጽነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክነእትዎ የብልናን ዝብል እምነት ኢዩ ዘለና። ሓደ ሰብ ዓቕሚ ኣለኒ ዝብል እንተኾይኑ ብወግዒ ኣባልና ጥራይ ይኹን እምበር ወላ ዘይመርሓና!! ኣባል ግን ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። ብግዳም ኮይኑ ናይ ማዕዶ ጸላዊ ክኸውን ክፍትን የብሉን። ክንሕግዘኩም ኢና፣ ክንህበኩም ኢና እናበሉ ከስድዑና ዝፍትኑ ተቓለስቲ ኢና ዝብሉ ሰባት ብጭቡጥ የጋጥሙና ኢዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መሻርኽትና፣ ናይ ቤት ጽሕፈትን ባጀትን ጠለባትና ስለዘማልኣልና ኣብኡታት ጸገም የብልናን። ኪኖኡ ግን ወላ ኮዲርና ንበልዕ እምበር ብረብሓ ተደሊልና ውድብና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢና። ዓንተቦ ረሲዐልካ እምበር፣ ምደፍኤ ኣብ ትሕቲ እቶም ቀዳሞት መራሕቲ እንከሎ ሓደ ካብ ቀንዲ ፍሽለታቱ ናጽነቱ ሓልዩ ዘይከይድ ውድብ ምንባሩ ኢዩ። ኣብ ርሑቕ ቦታታት ኮይኖም ብሪሞት ኮንትሮል ዝቈጻጸርዎን ነናቶም ዕዮታት ዝህብዎን ሰባት ነይሮም ኢዮም። ንዓና ግን ብዙሕ ዘጋጠመና ምትእትታው ኣይነበረን። ነቲ ብግዳም ኮይኑ ዝርኢ ሰብ ከምኡ ይመስሎ ይኸውን እምበር እቲ ንዓና ዘጋጠመና ምትእትታው ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ኢዩ ተራእዩ። ቀልጢፍና ከኣ ኣሊናዮ ኢና።

ምስኡ’ውን ተፋቲሕኩም?

(…ሰሓቕ…) እወ! ምስ “ወንድሜ” ተፋቲሕና።

ምደፍኤ ኣብ ታሪኽ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ደንጉዩ ዝተፈጥረ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ክንዲ ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮ ቀዳሞት ውድባት ተማሂሩ ገስጋሲ ዝኸውን፣ ኣብ ሕሉፍ ናይ ሓሸውየ ተመኩሮ ኣትዩ ዕንክሊል እናበለ መፍቶ ናይቶም መንእሰይ ዝመርሖ ቃልሲ ክህሉ ዘይደልዩ ሓይልታት ዝኸውን ዘሎ ይመስል። ነዚ ትዕዝብቲ’ዚ ትሰማምዓሉ ዲኻ?

እዚ ሓቂ ኢዩ!! ሸፋፊንካ ዝሕለፍ ነገር ኣይኮነን። እቲ ውድብ ግዳይ ኮይኑ ኢዩ። ንቕድሚት ከይንግስግስ ኣብ ምግባር ኢድ ናይቲ ስርዓት ኣሎ ክንብል ዘድፍረና ጭብጢ እኳ እንተዘይብልና፣ ብኹሉ ሸነኻቱ ክትርእዮን ኣብ ግብራዊ ስራሕ ኣቲካ ክትግምግሞን ከለኻ ግን ኢድ ናይቲ ጸላኢ ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓካ። ምኽንያቱ ንሕና ተጻባእቲ ኣይኮናን። ምስ ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ሽግር ክንኣቱ ንደሊ ኣይኮናን። ንምልማስናን ንምድዋናን ዝካየድ ዘመተታት ግን ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ምደፍኤ ክንቃለስ ኢና ዝብል ተወፋይነት ክዕንብብ ከሎ ማዕሪኡ ከኣ ኣለው ዝበሃሉ ተጻብኦታትን ሽግራትን ኣብ ልዕሌና ክዓስሉ ይረኣዩ ኣለው። ብዛዕባ መሪሕነቱ ክለዓል ከሎ ዘይ ናይ ወዲ ባሻይ ኢዩ ይበሃል። ንኣብነት ድሕሪ’ዚ ናይ ትማሊ ፍሹል ጉባኤ “ንሱን ካልኣዩን (ኣነን ተስፋይን) ኢዮም ካብቲ ሓድነት ወጺኦም” እናተባህለ ዝተነዝሐ ናይ ተጻብኦ ወረታት ኣሎ። ስለዚ ንዓና ከቢዱና ዘሎ እቲ ተጻብኦ ኢዩ። ኣብቲ ቅድመይ ዝነበረ መሪሕነት ብዙሕ ሽግራት ኢዩ ሓሊፉ። ኣነ ነቲ ውድብ ካብ ዘርክቦ እውን ቁሩብ ተረጋጊእና ፖለቲካዊ ዕዮታት ክንዓዪ ምስ እንጅምር ገለ ተጻብኦ ይገጥመና። ወላ ኣብዚ ናይ ትማሊ ጉባኤ፣ “ኬድና ሓድነት ጨቢጥና” ኣብ ዝበልናሉ ግዜ እቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ኩነታት ኣጋጢሙና። ነዚ ስርዓት’ዚ እነሕምሞ ንሕና ኢና ዝብል ርእይቶ ኢዩ ዘለና። ነብስና ፈቲሽናያ ኢና! ንመስዋእቲ ድሉዋት ኢና! ዋጋ ክንከፍል ዝተቐረብና ኢና! ብመሰረቱ ግን እቲ ተጻብኦ ነቲ ሓደ እንተቐንጠጥካዮ ካልእ ስለዝስዕብ ንሱ ሽግር ኮይኑና ኣሎ።

ብሰንኪ ተጻብኦ ክሳብ ሕጂ ንነብስኹም ኣብ ቃልሲ ክትፍትንዋ ኣይበቓዕኩምን ማለት ድዩ?

እወ!! ኣይበቓዕናን። ብዙሕ ተጻብኦታት ኢዩ ገጢሙና። ነቲ ዘጋጥመና ተጻብኦታት ከይንብድሆ ከኣ ናይ በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ሕጽረታት ኣለና። ኣብዚ ግዜ’ዚ ግን እቲ ኣብ ምደፍኤ ዝጸንሐ ሰብ ብዙሕ ይምኮር ኣሎ፣ ይበልሕ ኣሎ። ካብቶም ኣመራርሓ ኢና ንብል ሰባት ንላዕሊ ዓቕሚ ዝወነኑ ካድራት ተጠርዮም ኢዮም። ህይወቶም ክውፍዩ ቅሩባት ዝኾኑ መንእሰያት ካብ ደገ ምስ ምምጽኦም ተኣሳሲሩ ኣብዚ እዋን ቀሊል ዘይኮነ ናይ ካድራት ዓቕሚ ኢዩ ኣትዩና ዘሎ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ብተዓጻጻፍነትን እኩብ ጸጋታትን ናይቶም ኣብ ቃልሲ ዘለው ሰባት ኩሎም ጉዳያትና እናተፈትሑ ክኸዱ ኢዮም።

ስለዚ ካብ ምደፍኤ ቃልሲ ዝበሃል ነገር ክንሰምዕ እንተዄንና ብሕጂ ኢዩ ማለት ኢዩ? እሞ ክሳብ ሕጂ ደኣ እንታይ ኢዩ ዝግበር ነይሩ? ከምዛ ትማሊ ኣብ በይንና ዝበልካኒ “ክክዕ” ኣብ ምብኻን ኢዩ ሓሊፉ ማለት ድዩ?

(…..ሰሓቕ…..)

ምደፍኤ ተዓርዩ ኣሎ ተባሂሉ ንስኻ ኣቦ መንበሩ ምስ ኮንካ፣ ናይ መንእሰያት ውድብ ኢዩ ስለዝተባህለ፣ እዚ ማለት ድማ ናይ ጀብሃ ይኹን ናይ ሻዕብያ ድሕረ ባይታ ዘይብሎም ሓደስቲ ወለዶ ዝመርሕዎን ዝሳተፍዎን ውድብ ኢዩ ዝብል እምነት ስለዝነበረ ብወገን ኢትዮጵያ ብተዛማዲ ዝሓሸ ጠመተ ተዋሂብዎ ከም ዝነበረ፣ ንስኻትኩም ግን ክትነፍዑ ብዘይምኽኣልኩም ነቲ ናይ ፍሉይ ጠመተ ዕድል ከም ዘባኸንኩሞ ይግለጽ ኢዩ። እዚ ሓቂ ድዩ?

ንሕና ከም ፖለቲካዊ ውድብ ንጹር ዝኾነ ርእይቶ ኢዩ ዘለና። እዚ ስርዓት’ዚ ንዓናን ንኢትዮጵያውያንን ናይ ሓባር ጸላኢ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባናን ዓለምናን እውን እከይ ተግባራት ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት ስለዝኾነ ኢዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓገዛት ዘበርክተልና ዘሎ። ብፍሉይ ንዓና ዝሓገዙና ሓገዝ ግን የለን!! መንእሰያት ኢዮም ተባሂልና ዝረኸብናዮ ፍሉይ ኣቓልቦ እውን የለን። ከም ኩሎም ውድባትን ሓይልታትን ኢና ንረአ። ብፍሉይ ሓጊዞሞም ኢዮም፣ ብፍሉይ ደጊፎሞም ኢዮም ዝብል ዘረባ ግን መሰረት ዘይብሉ ኢዩ።

ነቲ ማዕረ እተን ካልኦት ውድባት ዝወሃበኩም ሓገዝ’ከ ብግቡእ ተጠቒምናሉ ኢና ኢልካ ትግምግም’ዶ?

እቲ ዝወሃበና ሓገዝ ብግቡእ ኢና ንጥቀመሉ። ዘባኸንናዮ ሓገዝ የለን። ካብኡ ሓሊፉ ግን እዚኣቶም ኣይ ጀብሃ ኣይ ሻዕብያ ስለዝኾኑ ብፍሉይ ይሕገዙ ነይሮም ዝብል ዘረባ እቲ ሰብ ባዕሉ ብትንታነ ዝርድኦ እምበር ብጭብጢ ከረጋግጾ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን።

እትኽተልዎ ኣገባብ ቃልሲ ጐነጻዊ ስለዝኾነ ግዲ ኾይኑ ኩሉ ኣቓልቦኹም ብዝያዳ ኣብ ወተሃደራዊ መዳያት ናይቲ ቃልሲ ዘድህብ ዘሎ ይመስል። ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት ግን ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ኣይርአን። እቲ ትማሊ ኣብ ሳሕል ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ዓቕምታቱ ህንጸት ከየካየደ ዓዲ ስለዝኣተወ ኢዩ እዚ ኹሉ ሽግር ዘጋጥመና ዘሎ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። ስለዚ ንምንታይ ኢዩ ብወገንኩም ነዚ ተመኩሮ’ዚ ንዘይምድጋም ጻዕሪ ዘይካየድ?

መቸም ሰብ ወላ ፍሽኽ ክትብል እንተዘይርእዩካ ጸዋግ ወይ ክሪሚናል ኢዩ ክብለካ ይኽእል ኢዩ። ደሞክራሲ ብወረቐት ወይ ብጽሑፍ ኣይኮነን ዝረጋገጽ። ኣብ ውሽጥኻ እተስርጾ ባህሊ ኢዩ። ብሰብኣውነትካ፣ ርህራሀኻን ሕልናኻን ኢዩ ዝግለጽ። ደሞክራሲ እኮ ናጻ ርእይቶኻ ምፍሳስን ኢድካ ኣልዒልካ ብቑዕ ኢዩ ዝበልካዮ ሓሳብ ኮነ ሰብ ክትመርጽ ምኽኣልን ኢዩ – ከም ናተይ ኣረዳድኣ። እዚ ከኣ ኣብ ምደፍኤ ኣሎ። ብጭቡጥ ግን እቲ ሽግር እቲ ተጻብኦታት ኢዩ። እቲ ኣንጻርና ዝካየድ ናይ ጸለመ ወፍሪ ካብ ምንታይ ከም ዝብገስ ምናልባት ምስ ግዜ ክፍተሽ ይኽእል ይኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ወላ ንዓይ ዘጋጥመኒ ነገራት ኣሎ – ኮፍ ኢለ ምስ ሰባት ክዘራረብ ከለኹ “ሰብኣውነት የብልካን፣ ደሞክራሲ ኣይትፈልጥን ኢኻ!” ዝብሉኒ ሰባት ኣለው። እቲ ከምኣ ዝብለኒ ሰብ ግን ውልቃዊ ሓሳባት ዘይብሉ ናጻ ሰብ እንተኾይኑ ነታ ትጐድለኒ ክምልኣለይ ኢየ ዝደሊ። ክሳብ ሕጂ ብዝርኣኹዎ ግን እንትርፎ ዘጸልም ከምኡ ዝገብር የለን። ንሕና ከምቶም ካልኦት ናይ ሓሶት ወፈራ ክንገብር ኣይንደልን። ሰባት ክነጸልም ኣይንርአን ኢና። ንኣምራት ደሞክራሲ ጓና ዘይኮነ፣ ንደሞክራስያዊ መትከላት ማእከል ዝገብርን ህዝቢ ዘሳትፍን ቃልሲ ንኽንውንን ግን ለይትን ቀትርን ኢና ንሰርሕ። ብዘይካ በዚ መገዲ’ዚ ምጉዓዝ ካልእ ምርጫ ከም ዘይብልና ኩላትና ንሰማማዕ ኢና።

ምደፍኤ ከም ውድብ ኮነ ንስኻ ከም ውልቀሰብ ስርዓት ኣስመራ ናይ ብሓቂ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክእለ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ስለዘለኩም ዲኹም ሰባት ተዕጥቑ ወይስ ኣብ ባይታ ኣለና ንምባል ኢዩ?

እሾኽ ብእሾኽ ኢያ ትንቀስ!! መትከልና ንጹር ኢዩ። ነዚ ስርዓት እዚ መስዋእቲ ከፊልና ክነውድቘ ኢና ዝብል ማንም ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል እምነት ኣለና። ነዚ ስርዓት’ዚ ብመስዋእትና ክንቅይሮ ኢና!! ምናልባት ዝኾነ ሰብ መጺኡ፣ “ይውሓድ ይብዛሕ ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ ሰራዊት ኣናጢሩ ንዘሎ ስርዓት ከመይ ጌርካ ብብረት ክኣልዮ ኢየ ትብል” ክብለካ ይኽእል ኢዩ። ንሕና ግን ንኹሉ ቀጠልያ ዝተኸድነ ሰራዊት ከም ጸላኢና ኣይንርእዮን ኢና። ታርጌት መሪጽና ኢና ንሃርም። ኣብ ልዕሊ እቶም ኢድን እግሪን ናይቲ ስርዓት ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ዘነጻጸረ ስጉምቲ ኢና ንወስድ።  

ነዚ ስርዓት ብብረት ገጢመ ክኣልዮ ኢየ ካብ ምባል ነቲ ንዓመታት ብረት ተሰኪሙ ዘሎ መንእሰይ ብፖለቲካ ቀይርካ ለውጢ ክተምጽእ ምፍታን ይሓይሽ ዝብለካ ሰብ እንተዘጋጥመካ እንታይ ምመለስካሉ?

ተኽእሎ እንተሃልዩ እቲ ኣበሃህላ ቅኑዕ ኢዩ።

ንዓኻ ዝረኣየካ ተኽእሎ የለን?

እቲ ተኽእሎ የለን። እንተሃለወ እውን ብረት ከይሓዝካ ነዚ ጉዳይ’ዚ ክትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተወሓደ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እናጥረኻ ኢኻ ነዚ ዕዮ’ዚ ክትዓዮ እትኽእል። ንኣብነት ናብ ውሽጢ ስልኳ ክትገብር እንተዄንካ እቲ ስልኳ ዘካይድ ኣሃዱ ውሽጢ ኣትዩ፣ ዕዮኡ ፈጺሙ፣ ነብሱ ተኸላኺሉ ብሰላም ክምለስ ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ናታትኩም ሓይሊ ግን ናይ ጐስጓስ ኣሃዱ ኣይኮነን። ውሽጢ ኣትዩ፣ ሰብ ኣንቂሑ ዝምለስ ዘይኮነ ነዚ ስርዓት’ዚ ብብረት ገጢመ ክኣልዮ ኢየ ዝብል ኢዩ?

እወ ግን ንሕና ኩሎም ኣገባባት ኢና ንጥቀም። ኣንቂሕካ ናይ ምምላስ ዕድል እንተተረኺቡ ንጥቀመሉ። ኣጥቂዕካ ናይ ምምላስ ዕድል ክርከብ ከሎ እውን ነቲ ዕድል ንጥቀመሉ። ስለዚ ንሕና ብሓጺሩ ነዚ ስርዓት’ዚ ክወድቀሉ ብዝኽእል ኩሉ ኣገባባት ክንቃለሶ ኢና ንደሊ።

ነቲ መንእሰይ ኣንቂሕካ ለውጢ ምምጻእ ይሓይሽ ንዝብል ሓሳብ’ከ መልስኻ እንታይ ኢዩ?

እቲ ተኽእሎ ዘይምህላው ኢዩ እምበር እቲ ሓሳብ ዝጽላእ ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት ክንግምግሞ ኣለና። እዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ ዝተሓተ ደረጃ ስለያዊ መሓውሩ ዘርጊሑ ነቲ ህዝቢ ኣርዒዱ ሒዝዎ ከም ዘሎ እናፈለጥካ በየናይ መገዲ ኢኻ እሞ ሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕ ክትሰርሕ?! ወላ እቲ ዕድል እንተሃልዩ እውን ንኽትግበሮ ናይ ግድን ዕጡቕ ሓይሊ የድልየካ ኢዩ።

ወዲ ባሻይ ሰራዊት ንምምራሕ ዓቕሚ ኣይምሰኣነን ኣብ ፖለቲካ ግን ኣይግድን ኢዩ ዝብል ዘረባታት ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ውድብ ኣቦ መንበር ኴንካ ክትመርሖ ብቕዓት የብልካን ኢዩ ዘስምዕ። እዚኣ ከመይ ኢያ?

እቲ ሕቶ ካብ ኣምጻእካዮ ኢለ እምበር ብዛዕባ ነብሰይ ክዛረብ ኣይምደለኹ። ኣብ ቃልሲ ግደፍ’ዶ ንእሽቶ ጸጋ ዘለዎ ሰብ፣ ነቲ ድኹም ዝበሃል ሰብ እኳ ተኣኪብካ ክተሐይሎ ኢዩ ዝግባእ። ኣይክእልን ኢዩ ካብ ትብሎ ከም ዝኽእል ትገብሮ!! እቲ ይጐድሎ ኢዩ ዝበሃል ሰብ ነታ ዝርካባ ዓቕሙ ንኽዕቅብ፣ እቲ ሓያል ጐኒ ኣለዎ ዝበሃል ድማ በታ ሒዝዋ ዘለዎ ዓቕሚ ንኽቃለስ ክሕገዝ ኢዩ ዘለዎ። ኣብዞም ተቓወምቲ ኢና ንብል ሰባት ዘሎ ባህሪ ግና ንሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ትምልአሉ ኣብ ድኹም ጐኑ ኣቲኻ ክትቅርድዶ ምድላይ ኢዩ። ካልኣይ፣ ብመሰረቱ ንሓደ ሰብ ክልቲኡ (ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዓቕምታት) ኣየማልእን ኢዩ ክትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ወተሃደራዊ ዓቕሙ ደሓን ኢዩ ኢልካ እንተመዚንካዮ ፖለቲካዊ ዓቕሙ እውን ምስ ግዜ ክዓቢ ይኽእል ኢዩ። ኣነ ሕጂ ወላ ተራ ኮይነ ክቃለስ ጸገም የብለይን። ኣብቲ ውድብ ብዙሕ ዓቕምታት ተኣኪቡ ኣሎ። ዝጸንሐ ካድር ተሳሒሉ ኢዩ – እንተስ ኣቦ መንበር እንተስ ኣመራርሓ ኮይኑ ንጥዑምዝጊ ተመሊሱ ክመርሖ ብቕዓት ኣጥርዩ ኣሎ። እዝኑ ቀንጢኻዮ ብዘይካ ህዝበይን ሃገረይን ካልእ ዘይብል ንቑሕ መንእሰይ መጺኡ ኣሎ። ብመሰረቱ እውን ኣባና ኣብ ምደፍኤ ሓደ ክንለማመዶ ዘለና ነገር ኣሎ። እዚ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ኣቦ መንበር እናኾንካ ምኻድ ዝበሃል ነገር ብወገነይ ተቓዋሚኡ ኢየ።

ኣብ ቀጻሊ ካብ ኣቦ መንበርነት ናይ ምውራድ መደብ ኣለካ ድዩ?

እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ብብጾተይ ንኽልመን ኢለ ዘይኮነ ብርድኢት፣ ብእምነት፣ እቲ ውድብ ኣብ ዘእተወኒ ኣትየ ክሰርሕ መደብ ኣለኒ። ኣብ ሕጊ እውን ክነጽድቖ ኢና ንደሊ ዘለና። ክልተ ዓመት ኣቦ መንበር ኮይነ ኣለኹ። ብሕጂ ክምረጽ ይኽእል ዶ ኣይክእልን ናይ ውልቀይ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ሕጊ ግን ክነስፍሮ ኢና። ምደፍኤ ኣብ ከክልተ ዓመት ጉባኤ ዘካይድ እንተኾይኑ ሓደ ሰብ ሓደ ግዜ ጥራይ ድዩ ኣቦ መንበር ዝኸውን ወይስ ክልተ ግዜ ክምረጽ ይኽእል ኢዩ ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ዝምልስ ሕጊ ክነተኣታቱ ኢና። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣቦ መንበር ለለው ዝብል ሓይሊ እንተኾይኑ ሽግር ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ጉባኤ ከም እንገብር ክንእውጅ ኢና። ኣብ ኤውሮጳ፣ እስራኤልን ደቡብ ኣፍሪቃን ንዘለው ኣባላትና ክነሳትፎም ኢና። ጽቡቕ ታሪኽ ዘይደሊ ሰብ ስለዘየለ ከኣ ብውልቀይ ሓደ ታሪኽ ክሰርሕ እደሊ ኣለኹ። ኣብዚ ዝሓለፈ ጉባኤ እውን ከምኡ ዓይነት ርእይቶ ነይሩኒ። ሓድሽ ምዕባለ ክመጽእ፣ ሓድሽ ቃልሲ ክህነጽ እንተኾይኑ ኣመራርሓ ምቕያር እውን ክህሉ ኣለዎ ይብል ነይረ።

ኣብ ውድብኩም ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከም እተዕጥቑ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ፌስቡክ ብዝዝርጋሕ ኣሳእል ይረአ ኢዩ። ህግደፍ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ብምዕስካር እናተኸሰሰ ከሎ ኣብዚ ድማ ብስም ቃልሲ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ከም ዝዕስክሩ ዝግበር እንተኾይኑ ዘተዓዛዝብ ስለዝኾነ ነዚ ጉዳይ እንተትሓስቡሉ’ዶ ኣይምሓሸን?

ኣብ ባይታ ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ የለን።

ኣሳእል ትሕቲ ዕድመ ዕጡቓት ግን ንርኢ ኣለና?

እቲ ኣሳእል ኣነ’ውን ርእየዮ ነይረ። ብቐንዱ ግን ኣብ ሰራዊት ዘለው ኣይኮኑን። ምሳና ዘለው እውን ኣይኮኑን። ኣብቲ ውድብ ካብ ዝጽንበር ክልተ ዓመት ወዲአ ናብ ሳልሳይ ዓመት ይኸይድ ኣለኹ። እዞም ትብሎም ዘለኻ ቈልዑ ምሳና ዝነበሩ ኣይኮኑን። ንሕና ቅድሚ ምእታውና ካብ መዓስከር ስደተኛታት መጺኦም ኣብቲ ቦታ ከም ዝነበሩ ብተራ ዕላል እሰምዕ ኢየ። ኣነ ኣብቲ ውድብ ኣብ ዝመጻእኩሉ ግዜ ግን ኣይጸንሑናን።  እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ኣመራርሓ ነቲ ኣሰራርሓ ቀይሮሞ ኢዮም ጸኒሖምና። ዕድሚኡ 18 ዓመት ዝመልአ ኮይኑ ናይ ስደተኛ ራሽን ካርድ ዘለዎ ሰብ እንተኾይኑ ኢና ነዕጥቕ ኢዮም ዝብሉና ነይሮም። እዞም ሕጂ ምሳና ዘለው ኩሎም ናብ ሰላሳታት ዕድመ ዝተጸግዑ መንእሰያት ኢዮም። ቅድም ግን ክመሃሩ ኢሉ ወጅሀይ ባዕሉ ኣምጺእዎም ዝበሃሉ ቈልዑ ነይሮም። እዚ’ውን ከም ሰብና ዝሰማዕናዮ እምበር ዘርከብናሉ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ጉባኤ ወዲእና ጽቡቕ ክንከይድ ኣብ ዝሓሰብናሉ ግዜ ዛቱ ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ምኻድ እውን ኣይነበረን። ስለዚ ብኸምኡ ንኽሰሰሉ ባይታ የለን።

ኣብ ኣተሓሕዛ ሰራዊት ዲክታተር ኢኻ ይብሉኻ። እቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ እንፈልጦ “ኦቶ” ዝዓይነቱ ማእሰርቲ እናኣሰረ ወዲእዎም ተባሂልካ እውን ትሕመ ኢኻ? መልስኻ?

መቸም ዘይረኣየ ሰብ ኣይኣምንን ደኣ እምበር እቶም ኣባላት ሰራዊት ምሳይ ሕሱም ፍቕሪ ኢዩ ዘለዎም። ኣነ እውን በታ ዘላትኒ ንእሽቶ ተመኩሮ ሓላፍነት ተሰሚዑኒ ብጻያዊ ፍቕሪ ክልግሰሎም ኢየ ዝደሊ።

ብመሰረቱ ወተሃደራዊ ሕጊ ዝበሃል ኣለኩም’ዶ?

እወ ኣለና።

እሞ እቲ ሕጊ ክሳብ ክንደይ ፍትሓዊ ኢዩ?

ናይ መቕጽዒ ኣገባባት ኣለውና። ኣብ ኣተሓሕዛና ግን ዲክታተርነት የለን። ግን እቲ ናይ ጸለመ ወፍሪ ክሳብ ዘሎ ንገብሮ ነገር የለን። ሰባት ከምኡ እንተበሉኻ ንስኻ ስራሕካ ጥራይ ኢኻ ክትሰርሕ ዘለካ። ብውሽጣዊ ኩነታትካ ጥራይ ኢኻ ክትሕመ ዘይብልካ። ብኣተሓሕዛኻ ጥራይ ኢኻ ክትንቀፍ ዘይብልካ። ኪኖ እዚ ግን ብመሰረቱ ኣነን እቲ ሰራዊትን ሕሱም ፍቕሪ ኢዩ ዘለና። ኩሉ ግዜ ግን እቲ ግዳማዊ ተጻብኦ ስለዘሎ እቲ ኩነታት ዘይምስሉ ኢዩ ዝወሃብ።

ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰራዊትኩም ናብ ቦታኹም ከይደ ከረጋግጽ ምፈቐድካለይ ዶ?

ጸገም የለን!

ካብ መዓስከራት ምንም ንዘይፈልጡ ግሩሃት ስደተኛታት ብ100-200 ብር ሓባቢልካ ኣባላት ከም ዝኾኑ ብምግባር ብስሞም መሻርፍ ናይ ምውሳድ ተርእዮታት ከም ዘሎ ይስማዕ ኢዩ። ይስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ገለ ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ምጽራይ ንምግባር ተፍትሽ ከም ዝገብሩ እውን ይንገር ኢዩ። ምደፍኤ ካብቶም በዚ ጉዳይ ዝሕመዩ ውድባት ድዩ?

እዚኣ ንምደፍኤ ኣይትምልከቶን ኢያ። ከምኡ ዝገብራ ውድባት ከም ዘለዋ ግን ንርኢን ንሰምዕን ኢና።

እስከ ሕጂ ድማ ናብ ካልእ ሕቶ ክወስደካ። ምስ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብቲ ፈለማ ጽቡቕ ውድባዊ ዝምድና ነይሩኩም። ሕጂ ግን እቲ ዝምድና ከም ቀደሙ የለን። ስለምንታይ?

እቲ ናይ ክልቴና ሓይሊ ናይ መንእሰያት ሓይሊ ስለዝኾነ ንሕና ብወገንና እቲ መንእሰያዊ ሓይሊ ክጥርነፍ ኢና ንደልዮ ኔርና። ብልክዕ ከኣ ምስ መሪሕነት ስምረት (ብመገዶም ይኹን ብመገድና) ተነጻጺግካ ምኻድ ዝበሃል ነገር የለን። ንሕና ንስምረት ከም ስትራተጅያዊ መሓዛ ጌርና ስለዝወሰድናዮም ቅድሚ ክልተ ዓመት ጉባኤ ክንገብር ከለና ኣብ ምሉእ መስርሕ ጉባኤና ክሳተፉ ኢና ዓዲምናዮም። ንሳቶም ኣብ መቐለ ጉባኤ ክገብሩ ከለው ግና ንዓና ብምፍላይ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ንናይ ወዲ ድቡስ ሸነኽ) ዓዲሞሞ።

እሞ ነዚ ከም ሻርነት ተረዲእኩሞ ማለት ድዩ?

እወ!! ተረዲእናዮ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ እውን ርኡይ ሻርነት ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ወዲ ድቡስ ኣጋጣሚ ኣብ ዓዲ ግራት ስለዝነበረ ስለምንታይ ፈልዮምና ኢልና ሓቲትናዮ ኢና። ንሱ ድማ ብግንባር ድሕነት እምበር ብሰራዊት ሕድሪ ከም ዘይዓደምዎ፣ እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት እውን ብኸምኡ ተጻሒፉ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝመጸ ሓቢሩና። ኣይዓደሙኹምን ድዮም ኢሉ’ውን ሓቲቱና ኢዩ። ኣብቲ ጉባኤኦም ምስ ተሳተፈ ድማ ብደረጃ ግንባር ድሕነት ኢዩ ቃል ኣስሚዑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቶም መንእሰያዊ ሓይሊ ኣብ ሓደ ክጥርነፍ ባህጊ ዘለዎም ብጾትና “እንታይ ደኣ ኣብ ጉባኤ ስምረት ዘይተራእኹም?” ኢሎምና ኢዮም።  ከም ዘይዓደሙና ከኣ ነጊርናዮም።

ቅድሚኡ እንታይ ምፍሕፋሕ ስለዝነበረኩም ኢዩ ዘይምዕዳም መጺኡ?

ወላ ሓደ!! እዚ ኢዩ ዝበሃል ሽግር ኣይነበረናን። ንኹለን ውድባት ዓዲሞም ንምደፍኤ ዘይምዕዳሞም ንባዕልና ገሪሙና ኢዩ። ምኽንያቱ ግንባር ድሕነትን ምደፍኤን ወላ ርእሶም ዝኸኣሉ ውድባት እንተኾኑ ሰራዊቶም ኣተሓናፊጾም ስለዝነበሩ ግንባር ድሕነት ተዓዲሙ ንሕና ዘይተዓደምናሉ ምኽንያት ንዓና ንጹር ኣይኮነን። ደሓር ግን ምስ ግንባር ድሕነት ዝግበር ንሕና ዘይንፈልጦ ርክባት ከም ዘሎ እናነጸረልና ከይዱ። ወዲ በርሀ ስምረት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ምስ ወዓለ፣ ምስ ግንባር ድሕነት ብዙሕ ተሰሓሒብና ኢና። ወዲ በርሀ ኣባል ፈጻሚ መሪሕነት ድሕነት ኢዩ። “ብፍቓድ ናይቲ ውድብ ድዩ ከይዱ ኣብቲ ኣኼባ ውዒሉ ወይስ ብውልቁ ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ነይሩና።

ናይ ምንታይ ኣኼባ ኢዩ?

ስምረት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ከባቢ ጨርቈስ) ዝገበርዎ ናይ ባዕላቶም ኣኼባ ኢዩ። ወዲ በርሀ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፉ። ብውልቁ ድዩ ተሳቲፉ ወይስ ብውድቡ ኢዩ ተወኪሉ ኢልና ሓቲትና። ክሳብ ወዲ በርሀ ኣባል ስምረት ድዩ ኢልና እውን ንወዲ ድቡስ መልሲ ክህበና ተወኪስናዮ ኢና። ንዓና ገዲፍኩም ንምንታይ ኢኹም ካልእ ጫሌዳ መገዲ ትኸዱ ዘለኹም ንብሎም ኔርና። ወዲ ድቡስ ግን “ብዘይ ኣፍልጦይ ኣብቲ ኣኼባ ስለዝተሳተፈ ክሕተተሉ ኢዩ” ጥራይ ኢዩ ዝብለና ነይሩ። ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ ግን ኣይርኣናን። ኢሂ እንታይ ጌርካ? ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ኣሪምካዮ ኢልና ምስ ሓተትናዮ “ኣጋጣሚ ኢዩ ከይድዎም፣ ኣኼባ እናገበሩ ስለዝጸንሑዎ ከኣ ምስኣቶም ውዒሉ”  ዝብል ቅንዕና ዘይብሉ መልሲ ሂቡና።

ብዛዕባ ናይ ወዲ በርሀ ኣብ ኣኼባ ስምረት ምስታፍ ክትፈልጡ ዝደለኹምሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

ወዲ በርሀ ኣባል መሪሕነት ድሕነት ወላ እንተኾነ ኣባል ናይቲ ልፍንታዊ ሽርክነት እውን ከም ምዃኑ መጠን ንዓና ሕቡእ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ኣኼባ ስምረት ምስታፉ ክንጽረልና ስለዝደለና ኢና ሓቲትና። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ካልእ ጫሌዳ መገዲ ከም ዘለዎ ኢና ኣንቢብና። ንሕናን ድሕነትን ሰራዊታትና ድሕሪ ምጽንባርና ናብ ፖለቲካዊ ምትሕንፋጽ ገጽና ነቋመት ስለዝነበርና ንዓና ግሁድ ብዘይኮነ መገዲ ዝግበር ርክባት ክንሓተሉ ናይ ግድን ኢዩ።

እሞ ምስ ስምረት ዝነበረኩም ዝምድና ድሕሪ ጉባኤ መቐለ ኢዩ ሓርፊፉ ማለት ድዩ?

እወ!!

ምስዚኣ ትተኣሳሰር ሕቶ ከቕርበልካ። ድሕሪ’ዚ ፈሺሉ ዝበልካዮ ሓድነታዊ ጉባኤ ሓደ ካብቲ ኣባላትኩም ክዛረብዎ ዝስማዕ ምዕዝምዛማት “መሪሕነት ስምረት ኣብ ናይ መቐለ ጉባኤኡ ንሰራዊት ሕድሪ ከይዓደመና እንከሎ ስለምንታይ ንሕና ኣብቲ ናትና ሓድነታዊ ጉባኤ ንዕድሞ? እሞ ድማ ብደረጃ ናይ ክብሪ ዕዱም?” ዝብል ኢዩ። እቲ ኣተዓዳድማ ከመይ ድዩ ነይሩ?

ንኣተዓዳድማ ብዝምልከት ብደረጃ ኣሰናዳኢት ተዘራሪብናሉ ኢና። ቀዳማይ ነገር፣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኻ ናይ ወዲ በርሀ ዘየድሊ ኣካይዳታት ተዓዚብናዮ ስለዝነበርና ነታ ኣብ ኣኼባ ስምረት ውዒሉ ዝተሳእላ ስእሊ ካብቲ ስምረት ባዕላቶም ዝዘርግሕዎ ኣሳእል ወሲድና ንምስክርነት ኣብ ፌስቡክ ሼር ጌርናዮ ኢና። ብመሰረቱ እውን እቲ ስምረት ዝተጠቕሙሉ ኣፈላላይ ከርብሓና ስለዘይክእል፣ ብደረጃ ኣሰናዳኢት ስምረት ኣብቲ ጉባኤ ከም ዘይዕደሙ ገሊጽና ኢና። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

ንምንታይ? ንግብረ መልሲ ድዩ?

ኣይኮነን!! ዝኸዱሉ ዘለው ኣካይዳ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ወሲድና። ኣብ መንጐ ድሕነትን ምደፍኤን ዝገበርዎ ኣፈላላይ ቅኑዕ ኣይኮነን። ምደፍኤ ልዕሊ ማንም ኢዩ ዘኽብሮም። ምደፍኤ ኣብ ምሉእ መስርሕ ጉባኤኡ ክሳተፉ ዓዲሙስ፣ ደስ ዝበሎም ርእይቶ ከፍስሱ እውን ምሉእ መሰል ሂብዎም ኢዩ። ስለዚ ንምደፍኤ ብምግላል ምስ ድሕነት ዝግበር ዘሎ ሽርክነት ናብ ጥርጣረ ይወስደና ስለዘሎ ኣብ ጉባኤና ኣይመጹን ኢዮም ኢልና ኢና። ከም ቅቡል ከኣ ተወሲዱ። ድሕነት ግን ብሕጓ ንስምረት ዓዲሞሞም።

ከምቲ ኣቐዲምካ ዝገለጽካለይ፣ ምስ ግንባር ድሕነት ኣዝዩ ዝበልሐ ሽግራት እናሃለወኩም ከሎ ክሳብ ጉባኤ ምስኣቶም ክትጓዓዙ ኣይጸገመኩምን። ምስ ስምረት ግን ብዘይካ ኣብ ጉባኤ ኣይዓደሙናን ካልእ ዘቕረብካለይ ጭቡጥ ሽግር የለን።  ንምንታይ ንስምረት’ከ እስከ ደሓን ክሳብ መወዳእታ ንርኣዮም ዘይበልኩም?

ኣብ እስራኤል ይኹን ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘለው ኣባላትና፣ “ወዲ ኣጽብሃ ኣብ ክፉት ኣኼባ፡ ሰራዊት ሕድሪ ናትና ኢዩ ኢሉና” ዝብሉ ኣለው። ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ብቴሌፎን ይበጽሓና ኢዩ። ንሕና ግን ነዚ መሰረታዊ ሽግር ጌርና ኣይርኣናዮን። እቲ ቀንዲ ሽግር ዝኾነና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝፍጸም ዝነበረ ርክባት ኢዩ። እቲ ፈሊኻ ናብ ድሕነት ዝዛዘወ ርክባት ምፍጻም ዝኾነ ሰብ ዝረኣዮ ግሁድ ሓቂ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ልብና ኣውዲቕና ክንቀርቦም ኣይከኣልናን።

ብዛዕባ እዚ ርክብ’ዚ ሓቲትኩም ጭቡጥ መልሲ ካብ ዘይተዋህበኩም ብግምትኩም’ከ እንታይ ክኸውን ዝኽእል ይመስለኩም?

ብዛዕባ ውሽጣዊ ርክባቶም ክልቲኣቶም ጥራይ ኢዮም ዝፈልጥዎ። ንሕና እንብሎ ግን ንዓና ብምንጻል ክተሓቛቖፉ ዝፍጽምዎ ዘለው ውዲት ኢዩ። ካልእ ወላ ሓንቲ ትርጉም ክወሃቦ ኣይክእልን። ንሕና ተፈሊና ድሕነት ኣብ ጉባኤ ስምረት ክዕደም ከሎ፣ ዑቕባዝጊ ድቡስ እንተወሓደ ክዛረቦም ከማን ነይርዎ!! ከመይ ገይረ ንዕኡ ገዲፈ ይመጸኩም ክብሎም ነይርዎ። ንሱ ግን ካልእ መገዲ ኢዩ ዝጸርግ ዘሎ። ብዝኾነ ንሕና ከም ምደፍኤ ነቲ ምስ ስምረት ብምስጢር ዝካየድ ዘሎ ርክባት ጽቡቕ ጌርና ንከታተሎ ኢና። ኣባል ፈጻሚ መሪሕነት ናይ ሓንቲ ውድብ ምሳና እናተላፈነ ከሎ ምስኣቶም ኣብ ኣኼባ ዝውዕል እንተኾይኑ ናበይ ደልዩ? ኢና ንብል ዘለና። ወዲ ድቡስ እውን እንተኾነ ኣብ ጉባኤ ስምረት ድሕሪ ምስታፉ ኮፍ ኣቢሉ ብዛዕባ ምስ ስምረት ዝገበሮ ርክባት ክትንትነልና ደልዩ። ንሕና ከኣ “እዚ ንዓና ኣይትንገረና!! በይንኻ ምስኣቶም ዝዘመርካሉ ስለዝኾነ ንበይንኻ ኢኻ ትገብሮ!! ውድብካ ወኪልካ ኬድካ ምስኣቶም ዝበጻሕካዮ ጉዳይ እንተሃልዩ ናትካ ጉዳይ ኢዩ!! ኢና ኢልናዮ። ምኽንያቱ ናይ ሓባር መኣዲ እንተኾይኑ ሕሹኽሹኽ ዘይብሉ ናይ ሓባር ስነ ሓሳብ ይምጻእ!!

ብዘይካ ስምረት ካብ ኣፍልጦ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጻኢ ኣብቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝተዓደሙ ውልቀሰባት ነይሮም ድዮም?

ኣብ ጉዳይ ምዕዳም ውልቀሰባት ንሕና ዘቕረብናዮ ርእይቶ “ኣባላት ኢዮም ንብሎም እንተዄንና (እንተስ ናይ ምደፍኤ እንተስ ናይ ድሕነት) ይምጽኡ!! ካብኡ ሓሊፉ ግን ‘ዕዱማት ውልቀሰባት’ እናበልካ በብኢድካ ዝግበር ዕድመ ቅቡል ኣይኮነን” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ተዘራሪብና ወዲእና እንከለና ግን ኣብቲ ማሕተም ክልቲኡ ውድባት ዝነበሮ ናይ ዕድመ ወረቓቕቲ ብፒሮ ኣስማት ውልቀሰባት እናጸሓፉ ክዕድሙ ኢዮም ተራእዮም።

ክንደይ ሰባት ኢዮም? ብዓል መን ኢዮም’ከ?

ብውልቂ ሚኪኤል እምባዬ (ኣራንሺ) ተሳቲፉ ነይሩ። ዘይመጹ ግን ከኣ ብሕጓ ዝተዓደሙ ካልኦት ውልቀሰባት እውን ነይሮም።

ኣራንሺ ደኣ ንሰራዊት ሕድሪ ጓና ድዩ?

ሰራዊት ሕድሪ ምስ ቈመ ይመጸና ስለዝነበረ ምዕባለታት ናይቲ ሰራዊት ተዓዚቡ ምስክርነቱ ኢዩ ዝህብ ነይሩ እምበር ኣባል ናይዚ ልፍንታዊ ሓይሊ ኣይነበረን፡ ነይሩ እውን ኣይፈልጥን። ብቐንዱ ግን ቅድሚ እቲ ሓድነታዊ ጉባኤ (ኣብ ወርሒ 7-8 ኣቢሉ) ናብ ዓዲ ግራት ኣብ ዝመጸሉ እዋን፡ ኣብ ሰራዊት ክበጽሕ ኢየ ኢሉ ናብቲ ሰራዊት ዝነበሮ ቦታ ምስ ወረደ “እዚ ሰራዊት’ዚ ብምሉኡ ኣብ ጉባኤ ክሳተፍ ኣለዎ!! እዚ’ዩ ወናኒ ናይቲ ቃልሲ!!” እናበለ ዘየምጽኦ ዘረባታት ተዛሪቡ። እዚ ዘረባ’ዚ ካልእ ነውጺ ፈጢሩልና። ብወገንና ኮነ ብወገን ድሕነት እዚ ዘረባ’ዚ ክበሃል ዘይነበሮ ዘረባ ምዃኑ ገሊጽና ኢና። ኣብ ምደፍኤ ይኹን ኣብ ድሕነት ኣባልነት ከይሃለዎ ውልቃዊ ርእይቶ ኣምሲሉ ነቲ ሰራዊት ብኸምኡ ክጉስጉሶ ግቡእ ኣይነበረን። ሰራዊት ሕድሪ ስም ናይቲ ልፍንታዊ ሓይሊ ኢዩ። ኣባል ናይዚ ልፍንታዊ ሓይሊ ክትከውን ድማ ወይ ናይ ድሕነት ወይ ድማ ናይ ምደፍኤ ኣባል ክትከውን ናይ ግድን ኢዩ። ኣብ ክልቲኡ ውድባት ኣባልነት ከይሃለዎ ኣባል ሰራዊት ሕድሪ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ቃል ብቓሉ ክገልጸልካ ዝደሊ ግን ሚኪኤል ኣባል ምደፍኤ ኣይኮነን፡ ኣባል ድሕነት እውን ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜ ይመላለሰና ስለዝነበረ ግን ብወግዒ ኣዘራሪብናዮ ኢና። ኣነ ባዕለይ እውን ኣባል ኴንካ ዓቕምኻ ዘይተበርክት ኢለዮ ኢየ። ኣባል ክኸውን ግን ድሌት ኣይነበሮን። ኣብ ፌስቡክ ምስ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድኑ ኣባላት ሰራዊት ሕድሪ ዝተሳእሎ ኣሳእል ከም ዝጥቅዕ፡ ብዛዕባ ሰራዊት ሕድሪ ከም ዝዛረብን ከም ዝጽሕፍን እፈልጥ ኢየ። ነዚ ከም መሸቀጢ ይጥቀመሉ እንተሃልዩ ኣይፈልጥን። ካብኡ ዝተረፈ ግን ኣባል ኢየ ከም ዘይብል ኢየ ዝርዳእ።

ሕራይ እምበኣር ናብ ካልእ ሕቶ ክሰግር። ምስ ናይ ሳሆ ብሄራዊ ውድብ (ብደግሓሳኤ) ፈጢርኩሞ ዝነበርኩም ግንባር እንታይ ኮይኑ ተበቲኑ?

እዞም ድሒርና ዝመጻእና ኣመራርሓ፣ ነቲ ቅድሜና ብደረጃ መሪሕነት ምደፍኤ ምስ ብደግሓሳኤ ተበጺሑ ዝነበረ ውዕላት ተቐቢልናዮ ኢና ኣቲና። እቲ ጉዳይ ኣብ ግዜ ሃገረይ ዝተሃንደሰ ኢዩ። ንሕና ኣብ ውዱእ ኢና ኣቲና።

 

እሞ ኣብ ግዜኹም ድኣ እንታይ ኮይኑ ተበቲኑ?

ኣብ ግዜና ደኣ ምናልባት ንሕና ነቲ ጉዳይ ክንበቕዖ ኣይከኣልናን ንኸውን። ከምዚ ዝበልኩኻ እቲ ምስ ብደግሓሳኤ ዝተገብረ ዝርርብ ብዝያዳ በቶም ቀዳሞት መራሕቲ ምደፍኤ ኢዩ ተኻይዱ። በቲ ብዓል ጦፊቕን ሃገረይ ነጋሽን ዝበሉና እቲ ግንባር ምስ ተመስረተ እቲ ሰራዊት ተሓናፊጹ ዝኸይድ ኢዩ መሲሉና ነይሩ። ብኸምኡ ኢና ውዕላት ጌርና ኢዮም ዝብሉና ነይሮም።

ብሄራውን ሕብረብሄራውን ውድባት ብኸመይ ሰራዊታቱ የተሓናፍጽ?

ኣነ ናብቲ ውድብ ምስ መጻእኩ ከምኡ ኢዮም ኢሎምኒ። እቲ ጉዳይ ግን ወዲኦሞስ ይኸዱሉ ኢዮም ነይሮም። ብደግሓሳኤ እውን ነዚ ይፈልጡዎ ኢዮም። ብዝኾነ እንተስ ንሕና ተመኩሮ ሓጺሩና እንተስ ብደግሓሳኤ ነቲ ጉዳይ ብልቦና ዘይሓዝዎ ኮይኖም እቲ ምፍልላይ ኣጋጢሙ። ምስዚ ሕጂ ምስ ድሕነት ኣጋጢሙና ዘሎ ምፍልላይ ኣነጻጺረ ክገልጸልካ እንተኾይነ ግን ምስ ብደግሓሳኤ ተፈላሊና ኢና ክብለካ ኣይክእልን ኢየ። ምኽንያቱ እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ግንባር ኢዩ ፈሪሱ እምበር ኣብ ምብታኽ ዝበጻሕናሉ ጉዳይ ኣነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ወላ እኳ መጀመርያና ኮይኑ ብምፍራስ ናይቲ ግንባር ሕማቕ እንተተሰምዓና እቲ ናይ ሽዑ ምፍልላይ ምስዚ ናይ ሕጂ ምስ ድሕነት ዘጋጠመና ምፍልላይ ክወዳደር ከሎ እቲ ዝቐለለን ኣብ ሓጺር ግዜ ክፍወስ ዝኽእልን ኢዩ።

ነቲ ብሃገረይ ኢዩ ተጀሚሩ ዝበልካዮ ግንባር ክትቅጽልዎ ዘይከኣልኩምሉ ምኽንያት ግን ብጭቡጥ እንታይ ኢዩ?

ንሕናን ብደግሓሳኤን ብሓደ ኴንና ከይንቕጽል ዝገብር ሽግር ብወገን ወተሃደራዊ ኣዛዚ ብደግሓሳኤ ኢዩ መጺኡና። ኣነ ንወተሃደራዊ ኣዛዚ ብደግሓሳኤ ተኪኤ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ናይቲ ግንባር ምስ ኮንኩ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ብድግሓሳኤ ካብኡ ተኣልዩ ኣብ ክፍሊ ዜናን ባህሊን ናይቲ ግንባር ኢዩ ተመዲቡ። ንሱ ግን ነዚ ኣይተቐበሎን። ስለዘይተቐበሎ ከኣ ዝወጹ ውጥናት የፍሽሎም ነይሩ፣ ዝሰራሕናዮም ስርሓት ኮነ ኢሉ የፍርሰልና ነይሩ። ኣብ ባህሊን ዜናን ናይቲ ግንባር ተመዲቡ እናሃለወ ተጠውዩ ከኣ ከም ወተሃደራዊ ኣዛዚ ክኸይድ ይፍትን ነይሩ። በዚ ስለዘይተጠዓዓምና ከኣ በቦታና ሒዝና። ሕጂ ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ ግን እቲ ሽዑ ዘጋጠመ ምፍልላይ ክስገር ይኽእል ነይሩ። ምናልባት ንሳቶም ልብም ኢሎም፣ ንሕና እውን ልብም ኢልና ነቲ ጉዳይ ሒዝናዮ ኔርና እንተንነብር እቲ ሽግር ክስገር ይኽእል ነይሩ ኢለ ይኣምን። ብመሰረቱ ነቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝረአ ናይ ምፍልላይ ተርእዮታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ርክብና ተመሊስካ ክትግምግሞ ከለኻ፣ ካልእ ዝኸበደ ኣደራዕን ወጽዓን ዘኸትል ምፍልላይ እውን ምስ ኣጋጠመካ፣ ምፍልላይ ምደፍኤን ብደግሓሳኤን ኣኽቢድካ ዘይርአ፣ ዘየኳሪን ዘየዛርብን ኮይኑ ኢኻ እትረኽቦ። መቸም ድሕሪ’ቲ ምፍልላይ ብደግሓሳኤ እንታይ ይብሉና ነይሮም ኣይንፈልጥን!! ንሕና ግን ንሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን (ከምቲ ድሕነት ንዓና ዝበሉና) “እዚኣቶም ጸላእቲ ኢዮም!” ኢልናዮም ኣይንፈልጥን። ስለዚ ምስ ብጾት ሳሆ ዝነበረና ርክብ ናብ ንቡር ዘይምለስ ኣይኮነን።

ሕጂ ዝምድናኹም ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ?

ሽዑ ምስ ተፈላለና ክሳብ ሕጂ ብጭቡጥ ዝግለጽ ርክባት ኣለና ኣይንብልን። ዘየምልስ ጸገም ግን የብልናን።

ኣብ ኪዳን ኣባልነት የብልኩምን። ኣብዚ ምትእኽኻብ’ዚ ክትጽንበሩ ሓቲትኩም ወይ ተሓቲትኩም ትፈልጡ’ዶ? ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኣቕሪብኩሞ ዝነበርኩም ናይ ውክልና ሕቶ እውን ምስቲ ባይቶ የሰሓሕበኩም ኢዩ ነይሩ? ተፈቲሑ’ዶ?

ቀዳማይ መሪሕነት ምደፍኤ ኣብ ኪዳን ከይኣተወ ስለዝጸንሓና፣ እቲ ውድብ ሓደ ካብቶም ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለው ውድባት እንከሎ ኢና ተረኪብናዮ። ንሕና ምስ መጻእና እውን ኣብ ኪዳን ክንኣቱ ሓቲትና ይኹን ተሓቲትና ኣይንፈልጥን።

እቲ ናይ ባይቶ ውክልና ጉዳይ’ከ?

ምደፍኤ ሓደ ካብ መስረትቲ ሃገራዊ ባይቶ ኢዩ። ሃገረይን ደቀምሓረን ኢዮም መስለኒ ወከልቲ ምደፍኤ ኮይኖም ኣብቲ ባይቶ ጸኒሖም። ሃገረይ ካብ ምደፍኤ ተሰናቢቱ ከብቅዕ ምስኡ ዝደናገጹ ገለ ሰባት ነቲ ንምደፍኤ ዝተዋህበ መንበር ሒዙ ክቕጽል ይፈቕዱሉ ነይሮም። ንሕና ድማ ብተደጋጋሚ ናብ ሰክረታርያ ባይቶ ደብዳበ ጽሒፍና፣ ብኣካል ከይተረፈ ቀሪብና ምስቲ ሰክረታርያ ተዘራሪብና ኢና። ብመሰረቱ እቲ ባይቶ ኣብ ኮታ ኢዩ ዝውስን እምበር ኣብ መን ይወከል እቲ ዝውከል ውድብ ኢዩ ዝውስን። እቲ ውድብ ዝመረጾ ሰብ ክውክልን ክቕይርን ይኽእል ኢዩ። እቲ ባይቶ ዝሃብካዮ ኢዩ ክቕበል ዘለዎ። ወከልተን ዝቐያየራ ከማና ዝበላ ውድባት ኣለዋ። ስለዚ እዚ ጉዳይ’ዚ መዕለቢ ክግበረሉ፡ ናትና ሰብ ክንገብር ሓቲትና ግን ዝሰምዓና ሰብ ኣይረኸብናን። ኣባላት ሰክረታርያ ባይቶ ኣብ ስመር ሩም ኣብ ዝቐረቡሉ ግዜ እውን ኣነ ባዕለይ ቀሪበ፣ ስመይ ገሊጸ፣ “ናትና ሕቶ ከማን ኣሎ ዘይተመለሰ!” ኢለዮም ኢየ። “መዕለቢ ክንገብረሉ ኢና” ጥራይ ኢዮም ዝብሉና ነይሮም። ክሳብ ሕጂ ዝሃቡና መልሲ ግን የለን። ብኣካል ኣብ ፈጻሚት ቀሪብና ተዛሪብና። ብዙሕ ግዜ እውን ደብዳበ ጽሒፍና። ብዓል ጸጋይ ዮሃንስ፣ ፍረወይኒ፣ ኣብርሃም ነጋሲ ንኣኼባ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ኣነ ባዕለይ ብኣካል ረኺበዮም ኢየ። እቲ ባይቶ ብጽፈትን ቅንዕናን እንተኸይዱ ኣብ ትሕቲኡ ኴንና ክንመሓደርን በቶም ዘውጽኦም መምርሒታት ተቐይድና ክንከይድን ፍቓደኛታት ምዃንና ደብዳበ ጽሒፍና ብኣካል እውን ቀሪብና ሓቢርና ኢና። ዝተዋህበና መልሲ ግን የለን። ሎሚ መዓልቲ ከይተረፈ ንፈጻሚት ረኺበዮም ነይረ። ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ ክህቡና ኣይከኣሉን። እቲ ጉዳይ ንሰክረታርያ ባይቶ ኢዩ ዝምልከት ይብሉና፣ ንሱ ድማ ኣብ ደገ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ባይቶ ግቡእ ምላሽ ሂቡ ናይ ውክልና ቦታና ከም እንረክብ ኣብ ክንዲ ዝገብር መልሲ ብዘይምሃብ ንሕቶና ኣብ ደውታ ኣእትዩዎ ኣሎ።

ስለዚ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ኤሃባደለ ኣይተሳተፍኩምን ማለት ኢዩ?

ኣይተሳተፍናን!!

ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ብሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጸውዑ ኣኼባታት ተሳቲፍኩም ኔርኩም። እዚ ኣኼባታት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጐ ውድባት ሓባራዊ መረዳእታ ንምፍጣር ዝተኻየደ ፈተነታት ምዃኑ ኢዩ ዝንገር። ምስዚ ብምትእስሳር ከልዕሎ ዝደሊ ርእይቶ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ “ህዝቢ ንመራሕቲ ውድባት ‘ኣብ ዙርያ ጣውላ ኮፍ ኢልኩም ተዘራረቡ፣ ነብስኹም ፈትሹ’ ክብሎም ከሎ ኣይሰምዕዎን ኢዮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ ግበሩ ክብሎም ከሎ ግን እታ ቁጠባዊ ሓገዝ ከይትተርፎም ክብሉ ወላ ፍረ ኣይሃልዎ እንተወሓደ ኮፍ ኢሎም ይዘራረቡ ኢዮም” ዝብል ኢዩ። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ከመይ ትርእዮ?

እቲ ኣበሃህላ ሓቂ ኢዩ። እቲ ህዝቢ ሕሰሙን መከርኡን ይገልጽ ክሳብ ዘሎ እቲ ኣውያት ህዝቢ ክሰምዕ ዘለዎ እቲ ሓይልታት ተቓውሞ ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ከድሕን ኢየ ኢሉ ተወዲቡ ዘሎ ንሱ ስለዝኾነ። እዚ ሓይልታት’ዚ ርእይቶ ህዝቢ ይሰምዕ ኢዩ ንብል እንተሃሊና ድማ በቲ ህዝቢ ዝብሎ መሰረት ክጥርነፍ ኢዩ ዘለዎ። ህዝቢ ይዛረብ ኢዩ ዘሎ!! ሓይሊ ህዝቢ ከኣ ምዝራብ ኢዩ። ኪኖኡ ክሓልፍ ኣይክእልን። ተበግሶ ውሰዱ ኢዩ ዝብለካ!! ሓደ እንዶ ኩኑ ኢዩ ዝብለካ!! እቲ ሽግር ግን ኣብቲ ሓይልታት ኢዩ ዘሎ። ቅድም ነዚ ስርዓት’ዚ ክነፍርሶ ኣለና ኣብ ዝብል መሰረታዊ ነገር ኣድሂቡ፣ ፍልልያቱ ኣጽቢቡ፣ ዘለዎ ሕቶታት (ሃይማኖታዊ ይኹን ብሄራዊ ሕቶታት) ምስ ህዝቡ ኮይኑ ክርእዮ ወሲኑ ኣብ ክንዲ ዝቃለስ ነናቱ ኣጀንዳ ከቐድም ኢዩ ዝደሊ። ናይ ውልቀ ውድባት ኣጀንዳ ሒዝካ ናብ ዘተ እንተኣቲኻ ድማ ይትረፍ ሓደ ክትከውን ክትቀራረብ እውን ኣይትኽእልን። ሕቶ ህዝቢ ኢኻ ክተቐድም ዘለካ። ደሓር ከኣ ሕሱም ሓድሕዳዊ ምጥርጣራት ኣሎ። እቲ ምጥርጣራት ኣብቲ ሓይልታት ሰሪጹስ ባህሊ ኮይኑ ኢዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ካብቲ ተኣኪብካ ክስራሕ ዝኽእል ቁምነገር ንላዕሊ እቲ ምጥርጣራት ኢዩ ብዝያዳ ከም ዓቢ ነገር ዝውሰድ። ሕሉፍ ሓሊፍካ ንጥርጣረ ከም ጭብጢ ናይ ምውሳድ ሕማቕ ዝንባለታት ኣሎ። ንዝመሰለካ ነገር ከም ክውን ጌርካ ምውሳድ ኣሎ። እቲ ሓይልታት ተፈራሪሑ ኢዩ። እዚ ከኣ ካብ ዘይምቅርራብን ንሓድሕድካ ምጥርጣርን ዝመጸ ኢዩ። ኩለን ውድባት ነናይ ባዕላተን ኣጀንዳ የቐድማ ምህላወን ከኣ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ኣሎ።

ከም መዛዘሚ ሓንቲ ንመንእሰያት ትምልከት ሕቶ ከቕርብ። ዓንተቦ “እዚ መንእሰይ’ዚ ካብ ሃመማ ዓጽሚ ከውጽእ ይኽእል ኢዩ” ኢልካኒ ኔርካ። ኣነ ግን ኣብዚ ናተይን ናትካን ወለዶ ዝዕዘቦ ርኡይ ሽግር ኣሎ። እቲ መንእሰይ ኩሉ ግዜ ንውድባት ንምንቃፍ ቀረባ ኢዩ። ነቲ ኣብ ውድባት ዘሎ ሕጽረታት ግን ብግቡእ ዘለለዮ ኣይመስለንን። ንውድባት እናነቐፍካ ብግብሪ ግን ኣብ ናይ ውድባት ታሪኽ ምንባር ከም ዘሎ ኣብ ከም ንዓኻትኩም ዝመስሉ ናይ መንእሰይ ሓይልታት ዝረኣዩ ድኽመታት ከም ኣብነት ክውሰዱ ዝከኣል ኣይመስለካን?

እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ መጀመርያ ክጸሪ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ኣሎ። እቶም ዓበይትን ገዳይምን ተቓለስቲ ነቲ መንእሰይ “ጽልዋታት ህግደፍ ኣለዎ” እናበሉ ክሓምዩዎ ንሰምዕ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ሕጂ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ንህግደፍ ዝወለደ ሓይልታት ኢዩ። ኣብ ውድድርን ምንጽጻርን እንተኣቲኻ ኩሉ ግዜ ሽግር ኣሎ። ነቲ መንእሰይ “ብፕሮፖጋንዳ ሻዕብያ ዝተመረዘ ኢዩ!!” ክብልዎ ከለው ኮነ ኢሎም ከዋስንዎ ወይ ከጓንዩዎ ኢሎም ዝዛረብዎ ዘረባ ደኣ እምበር ሓቅነት ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ኣብ ታሪኽ እንተመጺእካ፣ ተሓኤ ውላድ ሓራካ ኢያ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ህዝባዊ ሓይልታት ከኣ ካብ ተሓኤ ኢዩ ተወሊዱ። ደሓር ህዝባዊ ግንባር ኢሉ ማዕቢሉ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ህግደፍ ኮይኑ ሃገር ይገዝእ ኣሎ። ስለዚ እዚ ሓይልታት’ዚ ባዕሉ ንህግደፍ ዝደቐለ ሓይልታት ኢዩ። እዚ ወለዶ’ዚ እኮ ንህግደፍ ኣይፈጠሮ! ኣየምጽኦ!! ህግደፍ ናብ ሳዋ ኣውሪዱ ኣብ ዕሩቕ ዝባኑ ማይ እናፍሰሰ ብጊንድዐ ገይሩ ዝጀፍዖን ዝቐጥቀጦን ወለዶ ኢዩ። ስለዚ እዚ መንእሰይ’ዚ ጽልዋ ህግደፍ ዘይኮነ ጽልኣት ህግደፍ ኢዩ ዘለዎ። እኳ ደኣ እዚ ወለዶ’ዚ ንህግደፍ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጦ።

ብዘይካ ዘረባ መንእሰያት ሰሪሖሞ ዝበሃል ቁምነገር ከም ዘየለ ኣነ እፈልጥ ኢየ። ኣነን ንስኻን መንእሰያት ስለዝኾንና ጥራይ ነዚ መንእሰይ ወለዶ ኣተዓባቢና እንተገለጽናዮ ትርጉም የብሉን። እቲ መንእሰይ ነቲ ስርዓት ደሓን ይፈልጦ ኢዩ ንበል – ወላ ዘይፈለጥዎ መንእሰያት እውን እንተሃለው!! – ኣነ ዝብል ዘለኹ ግን እንተወሓደ እቲ ክቃለስ ኢየ ኢሉ ተወዲቡ ዘሎ መንእሰይ ንተመኩሮ ውድባት ኣብ ምልላይ ተጸጊሙ ኣሎ። ሓቀይ ድየ ተጋግየ?

ንሱ ድኣ እወ ተጸጊሙ ኣሎ!! ነቲ ስርዓትን ተግባራቱን ኣለልይዎ ኢዩ ወላ እንተበልና፣ ንውድባት ምንቃፍ እቲ ዝቐለለ ስራሕ ኮይኑ ረኺብዎ ኣሎ። ካብኡ ተማሂርካ ንዕኡ ከይደገምካ ካልእ ዝሓሸ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ግን ሽግራት ኣለዎ። እዚ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ኣብኡ ድኻማት ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ሽግራት የብሉን ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ሽግራት ግን እንታይ መስለካ! – እቲ ስርዓት ሰሌዳ ከይቀረበ በብቑሩብ ዘእትወልካ ሕማቕ ባህልታት ኣሎ – መቸም ኣብ ኤርትራ ብዙሕ እንዲና ርኢና!! ዘይሰራሕካዮ ክተቋምት ትደሊ!! ክተጥፍኦን ክተጥቅዖን ዝደለኻ ሰብ ኣቐዲምካ ተውርየሉ!! ንሓደ ሰብ ባዕልኻ ተዕብዮ ኣብ ምቕንጻሉ ከኣ ባዕልኻ ትዋፈር!! እዚ ድማ እቲ ስርዓት ኮነ ኢሉ ዝተዋፈረሉን ኣብቲ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ መንእሰይ ኣብ ምስራጹ ዝተዓወተሉን ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ነዞም ነገራት እዚኣቶም ከም ዕንቅፋት ናይቲ ቃልሲ ጌርና እንተርኢናዮም ኢዩ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዝመጽእ እምበር “እቲ መንእሰይ! እቶም ዓበይቲ!” እናበልና ናብ “ንሕናን ንስኻትኩምን!!” ዝዓይነቱ ዘየተሓቛቑፍ ኣተሓሳስባ ምእታው ኣየዋጽኣናን ኢዩ። እቲ መንእሰይ ነቶም ዓበይትን ገዳይምን ከም ወለዲ ክርእዮም ኣለዎ። እቶም ዓበይቲ እውን ነቲ መንእሰይ ከም ውላዶም ክርእዩዎ ኣለዎም። ከምቲ ንወለዲ ገዲፍካ ዝግበር ነገር ዘየለ፣ ንዉላድካ ገዲፍካ ዝግበር ነገር እውን የለን።

ሕቶታተይ ወዲአ ኣለኹ። ስለ’ቲ ዝሃብካኒ ግዜ የመስግነካ! የቐንየለይ!!

ኣነ እውን የቐንየለይ!!

 

ኣማኑኤል ማህደረ

[email protected]

ታሕሳስ 2014