ዜና ዓርቢ ሓርነት

 06 ታሕሳስ 2014


ዜና ዓርቢ ሓርነት


ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀዳምን ሰንበትን ህዝቢ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ሓቢሩ ሓግሒጉ ንኸኣልዮ ዝጽውዕ መልእክቲ ዝሓዘ ስእላዊ ጽሑፍ (ግራፊቲ/graffiti ) ን ፖስተራትን ስቲከራትን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ስኢሎምን ለጢፎምን። 



ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ ብዝሓበሩዋ መሰረት እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ክኸውን ከሎ ሓደ ካብቲ ግራፊቲ ዝተሰኣሎ ቦታ ድማ ኣብ ፊት ቤት መግቢ መሶብ ወርቂ ጥቃ ካማሳሪያቶ ሓማሴን ዝፍለጥ ቦታ ምኾኑ ሓቢሮም። እቲ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ድማ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ”፣ ”ተለዓል” ን ”ዓርቢ ሓርነት” ዝብል ይርከቦ። እዚ ንለውጢ ዝጽውዕ ስእላዊ ጽሑፍ (graffiti) ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኣብ ኤርትራ ይሰኣል ከም ዘሎ ሓቢሮም።



በቲ ሓደ ሸነክ ድማ፡ ቀዳም ምሸት ኣብ ዘተፈላለያ ለይታዊ ትልሂት ክዘናግዑ ዘምሰዩ ናብ ማኪንኦም ምስተመልሱ ”ሓውካ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ስቲከር ከምዝለጠፉሎም ሓቢሮም። ክምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ሕዝቢ ዝእከቦሎም ቦታትት ዘተፈላለየ ጽሑፍ ዘለዎ ፖስተራት ለጢፎም ከም ዝሓደሩ ሓቢሮም።



ኤርትራና ክውንቲ ንኽትከውን ሂወቶም ዝኸፈሉ፡ ኣካሎም ዝሰንከሎን ደሞም ዝኻዓውን ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝዳነየላ፡ ሃገር ፍትሕን ዲሞክራስን ድኣ’ምበር፡ ኤርትራዊ ብፍርሒ ተጎቢኡ፡ ብግፍዕን ምልክን ዝመሓደረላ ሃገር ክትከውን ኣይኮነን ዝነበረ። ስለዚ ነዚ ካብ ጻት ናብ ጻት ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ሚሒኻ፡ ራእን ትምኒትን እቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታትና ንምትግባር፡ እዋኑ ዝጠልቦ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።



ዓርቢ ሓርንት ኣብ ዕሰርተ ሓደ ሕዳር 2011 (11/11/11) ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝካየድ ፖርጀክት እዩ። ክሳብ እዚ ዕለትውን ብርክት ዝበሉ ንለውጢ ዝጽውዑ ንጥፈታትን ቃል መሕተትን ኣካይዱ ኣሎ። ብዘይ ደገፍ ገንዘብ ወልሓደ ክግበር ስለዘይክኣል፡ ኩሎኩም ነዞም ተስፋ ሃገር ኮይኖም ዘለው ደለይቲ ፍትሂ ካብ ኤርትራ ክንሕግዦም ብትሕትና ንሓትት፡፡ ናይ ፐይፓል ሕሳብና ደማ እንሆ፡ http://goo.gl/LKlRJL


06 ታሕሳስ 2014

አፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

 

Political majority will examine justice ministers in Eritrea case

Parliament calls for investigation of Attorney Frederiksen and predecessor Hækkerups share in Eritrea case.

Right now requires an examination of the Justice Minister Mette Frederiksen (S) and her predecessor Karen Haekkerup (S) involvement in the so-called Eritrea-case.

The proposal meets the backing of a political majority consisting of Unity, SF and the Danish People’s Party, writes Berlingske Monday.

Frederiksen claimed Friday Immigration a statement on Eritrea report, but a majority in Parliament considers that there should also focus on the two successive Ministers of Justice responsibility in the matter.

Read also left wants Ombudsman into Eritrea case

– That’s fine with a statement from the Danish Immigration Service, but we also want an explanation of the minister’s role. The minister is trying to do this for all sorts of other people’s problem. She must take political responsibility themselves.

– It is Mette Frederiksen, who has approved the report and praised it in a press release. Therefore we charge the Minister a statement, said Liberal spokesman, Karsten Lauritzen, Berlingske.

Professor pulled quotes back

It all started last weekend, when Professor Gaim Kibreab, the only named source in the report of the Danish Immigration Service, withdrew from the report because he felt betrayed and abused by the Danish officials.

Read also the Parliamentary Ombudsman man contemplating going into the Eritrea-case

The report was prepared by the Immigration Service on the basis of a so-called fact-finding mission to the East African country to investigate the security situation.

Specifically, the report noted that it is no longer risky for people of Eritrea to escape from the country’s so-called national service, which is a mixture of military service and work for the state and the government.

Political bestilingsarbejde?

The report’s conclusion means in practice that a number of asylum seekers can be sent from Denmark to Eritrea without endangering their lives.

– There is no doubt that it would be appropriate to have a detailed knowledge of how this case has been handled in the ministry, says foreigners spokesman Karina Lorentzen (SF).

Also read Justice requires statement on Eritrea-report

She points out that there are now suspicions that the Immigration Service has attempted to provide what the government wanted, writes Berlingske.

Neither Immigration or Justice Minister Mette Frederiksen has returned to the newspaper’s inquiries Sunday.

 

 

 

ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ህዝቢ ኤርትራ ኮ ተዋሪዱ
ዝመርሖ ድዩ ተሳኢኑ ዕንዱ፡
ሕዋቱ ኣሓቱ ደቁ እንዳተሓርዱ፡
ካን ኮይንዎ ድርባይ ኮይኑ ተሪፉ ዓኒዱ፡

ከም ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ዓለም መጠን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንመሰሉ ኩሉ ግዜ ምስ ተቓለሰ’ዩ። ን100 ዓመት ዝኣክል ካብ መግዛእቲ ጣሊያን ኣስዒቡውን መግዛእቲ እንግሊዝ፡ ቀጺሉ ብሃይለስላሴ ክሳብ መወዳእታ ናይ ደርጊ ምዕናው ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ብቅልጽሙ ሓራ ዘውጸኤ ህዝቢ እዩ።

ድሕሪ ናትነት ልኡላውነቱ ምስ ኣረጋገጸን ናብ ባርነት ቀይዲ ኢሰያስ ምስ ተቖረነን ግን፡ ኣይግድን ንመሰሉ ክካላኸል ኣይካኣለን ምስ ሓራዲኡ ከሳሲ መሪጹ። እቲ ሕሉፍ ጅግንነት ተሞሮኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣለዎ ዝባሃል ደኣ ኣበይ ኣቲዩ እቲ ናይ ኤርትራውያን ውደባ መሪሕነት ብቕዓት? ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ?

ኣመል ምስ መግነዝ ከምዝባሃል፡ ኤርትራውያን ራዛ ናይኣቡኡ ሓዛ ግዲ ኮይንዎ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ እንኮ ሓደ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እንዳሃለወ ክንሱ ብኣልማማ ንኹሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ እንዳጨፍለቖ፡ ልዕሊ 30 ውድባት ኤርትራውያን ፈጢሮም ሓድነት ከይፈጠሩ ክምክትዎ ደሊዮም። ልክዕ ከምቲ ኣብ 50ታት ዝነበረ ኩነታት ሳኣን ሓድነት ኤርትራውያን ንኸይሳማምዑ ብዝተፈላለየ ገለ ብኣንድነትን ብኤርትራውያን ንኤርትራውያን ብኣራቢጣ እስላሚያን ወዘተ. ክሳብ ካብ 10 ዘይውሕዳ ወደባታት ፈጢሮም ተጓዛዝዮም ፍሬ ከየፍረዩ ክሳብ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ኤርትራ ከም ትቑረን ኮይና። ብሰንኪ እቲ ሓድነት ኤርትራውያን ዘይምፍጣሮም ህዝቢ ኤርትራ ተገዲዱ ንሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ብ1961ዓ.ም. ብረት ክዓጥቕ መንእሰይ ኤርትራ ወሪዱ። ኣብቲ ብረታቂ ቃልሲ እውን እንተኾነ ብኽንደይ ሓርጎጽጎጽን ሽርሒታትን መቕዘፍቲ ንጹሃት ኤርትራውያን ብመሪሕነት ናይዘን ክልተ ውድባት ብጀብሃን ሻዕቢያን እንዳተፈዘመ ምስ ተንኮላቶምን ገበናቶምን ን30ዓመት ዝኣክል ንኽንድኡ ዓመታት ክወስድ ዘይግቦኦ ዝነበረ ቃልሲ እቲ ኢሉ በቲ መቸስ ብ1991ዓ.ም. ናጽነት ኤርትራ ብቕልጽም ደቁ ተጨቢጡ ሰውራ ኤርትራ ኣብቒዑ።

ኣብቲ መሪር እዋን እቲ ጽንኩር ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝነበረሉ ሰውራ ኤርትራ ህዝባዊ ግንባር ክዕወት ዘኽኣሎ ንመይኑ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ኲናት ሜዳ ኤርትራ ምስ ባሓተ ተቓሊሱ ኣይምተዓወተን ህዝቢ ኣብ ጎኒ ደቁ ከም ማይን ጸባን ኰይኑ እንተዘይ ሕወሶ።

ልክዕ’ዩ ህዝባዊ ግንባር መካናይዝ ዝኾነ ውድባዊ ኣሳራርሓ ስለ ዝነበሮ ክዕወት ዘኽኣሎ ዘይሳሓት ሓቂ’ዩ። ነዚ መካናይዝ እዚ ሞቶር ኰይኑ ዘስረሖ ዝነበረ ብናይ ሓደ ሰብ ርእሲ ናይቲ ውድብ የንቃሳቕሶ ብምንባሩ ኢሰያስ ኣፈወርቂ በታ መካናይዝ ዝኾነት ውድባዊ ሞቶረ ናይ ህዝባዊ ግንባር ናይ ብዙሓት ርእሲ ተዋሃሂዱ ነቲ ሞቶረ ዘይምስርሑ ግን ነቲ ናይ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኣካላዊ ሞቶር ህዝባዊ ግንባር ነቲ ሓረግ የሕሪሩ ናብቲ ናብ ድሕሪ ምሕራር ሓራ ኤርትራ ምውጻእ ናይ ናጽነት መስርሕ ናብ ውልቀ ምልኪ ባርነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክብሕቶ ዕድል ኣይብረኸበን።

ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝባዊ ግንባር ከ ምተዓወተ’ዶ?
ከም ዝመስለኒ ኣይፋሉን ህዝባዊ ግንባር ኣይምተዓወተን። ስለምንታይሲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ምትላል ሰባት ክእለት ከመይ ገርካ ተማሓድሮምን ናይ ምእዙነት ኣብ ትሕቲ ሰባት ዝፈጥር ምውህሃድ ክእለት ናብ ቻይና ኣብ ዝኸደሉ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኮርስ ዝወሰደሉ ፍልጠት ቀሲሙ ኣብ ግብሪ ዘውዕሎ ዘሎ ሰብ እዩ። ነቲ ዝተምሃሮ ናይ ማኦ ኣገባብ ዕላማ ተኸቲሉ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከስርሖ ዘተግበሮ ሜላታት ተጠቒሙ ንሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ከምድላዩ ምኡዙዛቱ ከም ዝኾኑ ዝገብሮምን ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዘሎን። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ን30 ዓመት ውሽጡ ውሻጠኡ ዝነበረ ግዕዘይያት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጀጋኑ ተጋደልቲ ንኽንደይ ምሁራትን በላሕትን ዝነበሩ ጀጋኑ ኤርትራውያን ንህዝባዊ ግንባር ጥራሕ ዘይኮነስ ንመጻኢት ኤርትራ እውን ዓቢ ግደ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት በቲ ዝነበሮ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተንኮላዊ ብልሓት ተጠቒሙ ግን ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ምሕያራትን ምቕንጻላትን ብኢሰያስ ዝተፈጸመ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባርን ድሕሪ ናጽነትን እዚዩ ኢልካ ዝትንተን ኣይኮነን። ከምዚ እንዳገበረ ዝመጸ መራሒ ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ዝማሕድሩ ዘለዉ ሓለፍቲ ናይ ኢሰያስ መትከል ዝኽተሉ እምበር፡ ናይ ተጋደልትን ናይ ህዝብን ጸገም እንታይ ዓይነት የጓንፎ ኣሎ ህዝቢ ዝሪኡን ዝሓስቡን መረሕቲ ኣይኮኑን፡ ኢሰያስ ያሃሉ ጥራሕ ክነብር ዝብሉን ዝሓስቡን እዮም።

በቲ ዝነበረ ዱልዱል ዝኾነ ውዳበ ሓፋሽ ውድባት ሓደ መርኣያ ናይቲ መካናይዝ ዝኾነ ናይ ህዝባዊ ግንባር ውድባዊ ኣሳራርሓ እዩ። ቀጻልነት ናይቲ ዝሓለፈ ሓፋሽ ውድባት ነዚ ናይ ሕጂ መልክዑ ቀይሩ ዝመጸ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ህግደፋዊ ውዳበ ስጡም ዝኾነ ናይ ኣባልነት ተሰታፍነት ሓንጎሎም ሓጺቡ ብርእሲ ኢሰያስ ከም ዝቃሳቐሱ ገይሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣረመናዊ ምሕደራ ሪኦም ከምዘይ ራኣዩ ገይሩ’ዩ ሰሪሑዎም ዘንቃሳቕሶም ዘሎ።

ወዮ ደኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እቲ ክእለቱ ንተንኮልን ንኽፍኣትን ኰይኑ እምበር፡ ከምቲ ለይትን ማዓልትን ዝሰርሖ ዘሎ ንጽቡቕ ድልየትን ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ነይርዎ እንተዝኸውን ኤርትራ ሃገርና ኣይከምዚ ዘላቶ ሕጂ ህዝባ ኣብ ባርነት ኣብ ውልቀምልኪ ኣይምሃለወትን። ማዕረ ኽንደይ ክእለት ኣለዎ እዩ ግን ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ገይሩ ዝገዝኦ ዘሎ የታሓሳስበካ’ዩ። ካብኩሉ እቲ ዝገርመካ ነገር እንተሎ ነቲ ብልሓት ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላታት ነቲ ክፍኣት ተግባራቱ ንልዕሊ 46ዓመት ከይተበትከ ስልቲታቱ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዩ። ስለምንታይ ኤርትራውያን ክልተ ዓይነት ብልሓት ክጥቐሙ ዘይካኣሉ። ወይ ከምታ ንሱ ዝጥቀመላ ሜላ ተጠቒምካ መስርሕካ እንዳዋፈርካ ነቲ ዝሓስቦን ዝኣልሞን ዘሎ ስልቲ ኣቐዲምካ ፈሊጥካዮ ስለ ዘለኻ ነብስኻ ክትካላኸል ትኽእል። ስለምንታይ ሓደ ዓይነት ምስሊ ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ። ኣብታ ካልኤቲ ኣብተን ውድባት ኤርትራውያን ዘሎ ሕምቀት ንህዝቢ ወዲበን ክጥርንፎኦ ስለ ዘይካኣላ፡ ከምቲ ናይ ህግደፍ ኣወዳድባ ሜላ ክኽተላ ኣለወን ብዲሞክራሲያዊ መትከል ኣሳራርሓን ንኹኩ ብማዕረ ዘሳትፍን መሰል ኤርትራዊ ዝሕለወሉ ክኾውን ኣለዎ።

ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ንመጻኢ ኣብ ሕቶ ምልክት ንህላወ ኤርትራ ትሃሉ’ዶ ኣይትሃሉ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት እያ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ምስጣሕ ዘላ። ኤርትራ ሃገርና ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ገደል የጽድፋ እንዳሃለወ ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ እቲ ስርዓት መይቱ ንጉድጓዱ ዘእትዎ ሲኢኑ እንዳሃለወ ሳኣን ዝምክቶ ተቓወምቲ ሓይሊ ሲኢኑ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ንኸይካላኸል ፋሕ ጭንግራሕ ኣቲዎ ዳራኣየን ዳሰምዔን ይጸንት ኣሎ። ነቲ ንቡር ሂወት ዝባሃል ተፈጥሮኣዊ ከም ሰብ ምንባር ናብራ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ምንባር ተሓሪምዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዘታሓሳስበካ ነገር እንተሎ ናይ ኤርትራውያን ውደባዊ ብቕዓት መካናይዝ ዝኾነ ወዲቡን ጠርኒፉን ሓደ መሪሕ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ራኢ ስለ ዘይብሉ ካብቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ውድባት ኢና ባሃልቲ ንህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዘይምኽኣሎም ብሓቆም ዲዮም ብዘይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኤርትራውያን ህዝቢ ጠርኒፎም ክመርሑ ዘይክሉ? ይኽእሉ እንተትህልዉ ንምዉት ሬሳ ዶ ዳኣ ምቕባሩ ይስእኑ እዮም? እዩ ዘብለካ።

ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ጸብጺብካን ጸባጺብካን ዝውዳእ ኣይኮነን፡ በንጻሩ እኳዳኣ እንዳሓደረ ይምእርር።
ብፍላይ ኣብ ናይ ለውጢ ተስፋ ኣብ ዝቃላቐለሉ ወቕቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ ነቲ ጨካኒ ዝኾነ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ትንፋስ ዝሰኽዑሉ ባእታታት ኣይተስኣኑን። ብኢድ ተዛዋወሪ ዝግበር ሽርሒታት ገለ ካብቶም ደለይቲ ፍትሒ ኢና ባሃልቲ ነቲ ናይ ለውጢ ተስፋ ሽታ ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ተስፋ ከይህብ ዘዔክሱ ሓደሽቲ ዕላማታት ኣላዓዒሎም ናብ ሓደ መስመር ዘየኺደካ ዕላማ የጫልዱ’ሞ፡ ነቲ ስርዓት ከኣ ትንፋስ ክኾንዎ ይገብሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ በቲ ባርነታዊ ግዝኣተ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሪርዎ ህዝቢ ሎምስ ያኣክል ደጊም ዝሓለፈ ኢሉ ኣብ ዝላዓዓለሉ ዘሎ ትንሳኤ ጠሊ ንለውጢ ዝኾነ ምንቅስቓስ፡ ብገለ ነውራማት ዝኾኑ ኣብ ስደት ዘለዉ ኣብዚ እዋን እዚ ብኣውራጃ ክንጥርነፍ ኣለና፡ ክንደይ ግዜ ብዝተፋላለየ ንለውጢ ዘይፈተና፡ ሕጂ ግን ያኣክል በዚዩ መፍትሒና ዝብሉ ዓይነታት ነቲ ድኽመቶም ዝጎልሕ ዓቕመ ክእለት ህዝቢ ወዲቦምን ጠርኒፎምን ክመርሑ ዝኽእሉ ብቕዓት ዘይምህላዎም ብምዃኖም ከየስደመመና ኣይተረፈን።

ውድቀት ን ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ብፍቓዱ ኩሉኣለም
2014.12.07

ESMNS and EYSC-NA Joint Task force for COI-Eritrea

ESMNS and EYSC-NA Joint Task force for COI-Eritrea – ሓባራዊ መግለጺ ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ምጽራይ ገበን ኣብ ኤርትራ
PDF: ምሉእ ትሕስቶ…ESMNSandEYSC-NAjointCOIproject1

 

ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን መዓሾ ተስፋማርያም ዝርከቦም 11 መሰጋገርቲ ሰባት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን መዓሾ ተስፋማርያም ዝርከቦም 11 መሰጋገርቲ ሰባት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

ፖሊስ ጀርመንን ጥልያንን፣ ሊብያ መዋፈሪኦም ገይሮም፣ ክሳብ 3 ሽሕ ዶላር ንሓደ እናኣኽፈሉ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ዝሓዛ ጀላቡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ከሰጋግሩ ምጽንሖም ዝኸሰሱዎም፣ 29 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ መዓሾ ተስፋማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝርከቦም 11 ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ስደተኛታት ከምዝኣሰሩ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ሓቢረን።

እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፣ ኣብ ምፍናው ናይታ ብ27-28 ሰነ ናይዚ ዓመት’ዚ 244 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ፣ ሃለዋታ ጠፊኡዎም ስድራቤት ናይቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ተሳፈርቲ ክጭነቑ ዝጸንሑ፣ እንተኾነ ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ‘ዚ ኣብ ወሽመጥ ሲሲልያ ምጥሓላ ዝንገረላ ዘሎ ጃልባ ኢድ ከምዘለዎም ከምዝጥርጠሩ እቲ ዜና የመልክት።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ መዓሾ ተስፋማርያም ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ምስ ሰገረ ኣብ ጀርመን ተታሒዙ ብመርመርቲ ፖሊስ ድሕሪ ምልፍላፉ፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ካብ ሲሲልያ ክሳብ ሮማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብፖሊስ ተታሒዞም ዘለዉ ብዕድመ ኩሎም መንእሰያት ምዃኖም ዝእመነሎም ኤርትራውያን ጥርጡራት ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ዓብደለጢፍ መሓመድ

ማሓመድ ስዒድ ማሓመድ ካር

ክብሮም ካሕሳይ

ዑመር ኢብራሂም

ማርሳላ ክብሮም ካሕሳይ

ፍሊጶስ ኣብርሃ

ዓሊ ዓብደላ ማሓመድ

ኤፍሬም ጎይቶኦም

ሓደ ንገዝኡ መጽንሒ ናይቶም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ገይሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዓንደብርሃን የማነ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነበር ሰብ ‘ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ‘ሎ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ርጉጽ እንተደኣ ኮይኑ፣ እዚ ዜና ‘ዚ፣ እታ ብ 27/28 ሰነ ካብ ሊብያ ምስ ተበገሰት ኣበይ ከምዝኣተወት ሃለዋታ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ዝበዝሑ ካብቶም 244 ተሳፈርታ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝእመነሎም ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት ጃልባ ከምዝጠሓለት ዝእምት ናይ መጀመርያ ወግዓዊ መርድእ እዩ።

ድሕሪ ህልቂት ናይቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ 367 ኤርትራውያን ኣብ ሓደ እዋን ዘህለቐ ትራጀዲ፣ በብጉጅለ ይኹን ብውልቂ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክጠፍኡ ‘ኳ እንተጸንሑ፣ እዚ ድሕሪ ፍጻሜ ላምፐዱዛ ዝዓበየ ጃምላዊ ቅዝፈት ኤርትራውያን ምዃኑ ድማ ይእመን።

 

ካብ ኣሰና