ኣበይ ኣለኺ ዱላ ኤርትራውያን?
ኣበይ ኣለኺ ዱላ ኤርትራውያን?
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 26 ሕዳር 2014 ዓ.ም.
“ዱላ ግርም መድሃኒት ኢያ! ደርግ ብዱላ ምስ ተደሰቐ ኢዩ እሺ ሐራይ ኢሉ ኣብ ኣትላንታ ዝተባህለት ከተማ ብሰላም ንክዘራረብ ተቐሲቡ። ሕጂ’ውን ክሳብ መንግስቱ ሃይለማርያም ስዩም ዝብልን ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ዝኸውንን ብዘተ ዘይኮነስ ብዱላ ጥራይ ክዝበጥ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ምንታይ ሰላም ንደርግ መዘናግዒ ገበጣ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝጀመሮ ጉዳይ ኣይኮነን። እምበኣር ሃባርም ደቀይ፡ ደቂ ኤርትራ! ሓደራኹም እዛ ዱላ ካብ ኢድኩም ኣይትፍለዩዋ” ቃል ሓርበኛ ኣቶ ብሃይማኖት ዝተባህሉ ኣቦ ተቐማጣይ ሽላሎ ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተዛረብዎ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ መደብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ቀቅድሚ ዜና ዝንበብ ዝነበረ ወርቃዊ ቃላት ሓርበኛ ኤርትራዊ ኣቦ ኢዩ።
በዛ ዱላ እትብል ወርቃዊት ቃል ኣቦይ ብሃይማኖት ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክጅምር እከለኹ ድማ መዓሙቕ ባሕሪ ልበይ ባህ እብለኒ። ሎሚ ኤርትራዊ ሰብ፣ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሃይማኖቱ ክኣምነሉ ዝግበኦ ሰረተ-እምነት፤ ንገበነኛ ኢሳይያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ብዱላ ምዝባጥ ዝብል ጥራይ ክኸውን ይግባእ። ኣበይ ኣላ ግን እታ ዱላ?
እቶም ካብ ምንጋጋ ኣረሜን ኢሳይያስ ፍትሒ ንምርካብ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ጥራይ ኢዩ መፍትሒ ዝብሉ ዘለዉ መራሕቲ ናይ ገለ ሰልፊታትን ውድባትን፤ ውሑዳት ተበለጽቲን ብጥንታዊ ማሕላ ዝጸንዑ እሙናት ደቂ ዕቁብ ኢሳይያስ ምዃኖም እናተፈልጡ ይመጽኡ ኣለዉ። ሰላም ኣብ መቓብር ኢሳይያስ እትጥጥዕ ተኽሊ’ምበር፣ ንሱ ብሂወት ኣብ ዘለወሉ ግዜ እትዝራእ ፈልሲ ኣይኮነንትን። ክቡራት ኣሕዋተይ! ዱላ ኤርትራውያን ግን ኣላ’ዶ? መን’ከ ይሓዛ? ወ.ዘ.ተ… ዝብሉ ሕቶታት ክምለሱ እዋናዊ ጉዳይ ኢዩ።
ዓመተ-2014፣ ኣብ ዱሮ ንሓመድ ድበ ኢሳይያስ ኢና ዘሎና። ሎሚ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝነበሮ እምነት ጸንቂቑ ኢዩ። ንሱን ኩሉ መንግስታዊ ትካላቱን ከኣ ብደምህት ይሕሎ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ኣፈርክቡ፡ ከም ኮቦሮ ጥሪ ክህረም ምተገብአ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወገን ናቕፋ ይኹን ሳዋ፣ ብወግን ደቡብ ይኹን ምብራቕ ኣብ ዘዝኸፈቶ ኣኼባትት ብህዝቢን ብሰራዊትን ንርእሱ ዘናውጹ ሕቶታት ክለዓሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ቀደም ከም ሓደ ወረጃ መራሒ፣ ከም ነቢዪ ከይተረፈ ዝረኣየሉ ዝነበረ ግዜ ሎሚ የለን። ስለዚ ኩላትና ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ዕምሪ በላዒና ኢሳይያስ ኣራዊት ንምሕጻር ሎሚ ደዱላና ሒዝና ንዕደም ኣሎና። ሎሚ ኢሳይያስ ብዘይካ ናይ ክፍኣት ውጥን ምሕንጻጽ፡ ኣብ ምሕደራ ኤርትራ የለን። ኣብዚ ዱላ ኣድላዪ ኮይኑሉ ዘሎ ግዜ፡ ንኤርትራ ኣብ ውሽጢን ኣብ ደገን ብኩሉ ሸነኻት ዘመሓድሩዋ ዘለዉ፡ የማነ ገብረኣብን ሓጎስ ክሻን ኢዮም።
ከምቲ ብዕራይ ሰነ ነቲ ግናይ ወርሓት ፉፍፍፍ! እናበለ ጥራይ ዝሓልፎ፤ ኣባ-ጓይላ ጭፍራ ህግደፍ ኢሳይያስ ድማ ነቲ ዘለዎ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን መዋጥር ንምስጋር ዘየሎ ክነሱ፤ ኣብ ፈቐዶ ዲጋታት ኣለኹ እናበለ ክሰሓግ ክንሰምዖ ወሪሕና ኢና።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመን ኣፍ-ኣርክቡ ንሕና ደቂ ሔማ ኤርትራ’ምበኣር እንታይ ንግበር? ቅድሚ ኩሉ ጉዳያትና ኣብ ጉዕዞና ንሓርነት፣ መጓዕዝትናን ዘይመጓዓዝትናን ሰባት ከነለሊ ምተገብአ። ካብ ኣካይዳ ውሕጅ ዝኾነ መንገዲ ደምበ ተቓውሞ፡ ምህሮ ክቕሰም ምተገብአ። እወ! ኣብ አኢድና ዱላ ኣቦይ በሃይማኖት ሒዝና፡ ካብ ዘረባን ጽሑፋትን ናብ ግብሪ ክንሰግር ንሕተት ኣሎና። ካብ ፋሕ-ፋሕ ምባል፡ ምውንጃልን ብትሕቲ ሃገራውነት ብኣውራጃ ምዝራብን፣ ናብ ዝጸበበ ደምበ ክንጥርነፍ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ኣይንህመም ህዝበይ! ንስመር፣ ኣብ ሓደ መስርዕ ንወደብ፤ ኣብ ሓደ መንደቕ ንልገብ!!
መልኣከ-ሞት መራሒ ህግደፍ; ድምጹ ብማይክሮፎን ኣብ ዝሰማዕናሉ ኣብ ዓመተ 2014፣ “እንጣጢዕ ንዘርእ ኣሎና” ክብለና ወሪሑ። ኣብ ግራት እንጣጢዕ ዝተኻዕወ ዘርኢ ድማ፣ ኣብ ግራት ሽዕበት ከም ዝተዘርአ ስርናይ ብርንሃዮ ክኸውን ዝከኣል ኣይኮነን። ብድሕሪ ቃለ-ኑዛዜ ኢሳይያስ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2014፣ ጽባሕ ቢጊሓት ኣብ ጽላል ቀባሮ ወዛሕዛሕ ክንርኢ ኢና’ሞ፣ እቶም ብግዝያዊ ረብሓን ብትውልዲን ኣብ መስርዕ ኢሳይያስ ዝለገብኩምን ብኣግኡ ጸሊም መንጠሊና ዓድጉ ክንብለኩም ንደሊ።
‘ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፣ ወዲቓ ዘይትስበር ሞይታ እውን ዘይትቕበር’ ዝብል፤ ንስም ዝገልጽ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ዝነበረ ኣብ እትዝክረሉ ግዜ፣ ሓርበኛታት ኣቦታትና እኒ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ዓሊ፣ ወልደኣብ ወልደማርያም፣ ዓብደል ቃድር ከቢረ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ወ.ዘ.ተ… ዝገደፉልና ካብ ስም እትዓቢ ሓያል መሳርሒ፣ ዘይትወድቕን ዘይትስበርን ሃብቲ ከም ዘላትና የዘኻኽረና። እምነት ኢያ! ነንበይኑ መልክዓት ዘለዋ ባህርያዊት ህያብ ኢያ።
እምነት ምስ ፍቕሪ ሃገር፣ ሃይማኖታዊ ክብሪታትን ባህርያዊ ፍቕሪን ዝተሓዋወሰት ህያብ ኢያ። እምነት ንዓና፣ ልዕሊ መዳፍዕን ልዕሊ ሚሳይላትን ኢያ። እምነት ንኤርትራውያን ንጊንጢ ኩነታት ብተኣምር እትቕይር ዘይትበርስ ባህርያዊት ህያብ ደቂ ሰባት ኢያ። ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብጭፍራ ህግደፍ ዝተመንዝዐ ሓርነትና ንምርካብ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን፤ ብርግጽ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ብዘይ ዱላ ክንስዕሮ ኢና ኢልና’ዶ ንኣምን ኢና?
ገለ ምንቅስቓሳትን መራሕተንን ንጉዳይ ተቓውሞ ከም መንበሪ ወረቐት ወይ ፍቓድ ንግዲ ጥራይ ኢዮም ዝጥቀሙሉ’ምበር ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ክርቢት ሰውራ ክሽርጥጡ ሓሊሞም’ውን ኣይፈልጡን ኢዮም። ካብ ኣብ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ዘራጊቶ እዋን ንክነብሩ ዝመርጹ፤ ሓርነት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ህንጻ ቅዋማዊ መንግስቲን ማዕርነታዊ ኣነባብራን ኣለርጂ ዝገብረሎም ሰባት ኣይሰኣኑናን ኢዮም’ሞ ዱላ ንሓዝ።
ብሕልና ምግዛእ ምልክት ሰብኣዊ ክብረት ኢዩ። ወዲ ሰብ ብመልሓሱ ዚዛረቦን ብሕልንኡ ዝፈርዶን ማዕረ ምስ ዘይከውን፣ ሕልና ኣልቦ ፍጡር ይበሃል። ሎሚ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ዝሰሓገሉ ዘሎ እዋን ወዲነይ-ወዲነየ፤ ሓያሎይ ደቂ ሃገር ገለ ብረብሓ ገለ ከኣ ብክቱር ፍርሒ ንሕልንኦም ጸቒጦም ዓይኖም ንዝረኣየቶ ንክምስክሩ ኣይከኣሉን። ኣብ ወጻኢ ካብ ዘለዉ ብዙሓት ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ገዲም ወዲ ዕቁቦም ስለዝቖጸርዎ፤ ውሑዳት ድማ ኣብ ግዜ ሰውራን ብድሕሪ ናጽነትን ኣጸቢቖም ዝጠዓስሉ ብኢድ ኢሳይያስ ገበናት ስለዝፈጸሙ፤ ብዛዕባ ዕላማን መንገዲን ህግደፍ ሕልንኦም ዝወሰኖ ፍርዲ ክዛረቡሉ ኣይደለዩን።
ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ንኢሳይያስ ከም ወዲ ኣውራጃኦም ስለዝመስሎም፡ ንሱ እንተወዲቑ ብካልኦት ኣውራጃታት ወይ ሃይማኖት ከይንግዛእ ካብ ዝብል ዘይበሰለ ሃምቦ-ሃምቦ ሓሳባት ኣብ ጎድኒ እዚ ዝቦኽቦኸ ስርዓት ተጣቢቖም ይርክቡ ኣለዉ።
ገለ’ውን ንኢሳይያስ ከም ወዲ ሃይማኖቶም ስለዝቖጽርዎ፣ ንሱ እንተዘየለ ብካልኦት ሃይማኖታት ክንግዛእ ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምድጋፉ መሪጾም። ሎሚ ገበነኛ ኢሳይያስ ካብ ሰዓት ኣፍ-ኣርክቡ ተመሊሱ ትንፋስ ክዘርእ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘሎ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዝርካቡ ሓይልታት ምክልኻልን ኣጸቢቑ ስለዝተለለየ፣ ኣብ ደገ ብዝስማዕ ጣቕዒት ተበለጽቲን ዘይንቑሓትን ንትርግታ ልቡ ከህድእ ዝከኣል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ኤርትራ ዘረባ ተፈንዩ ኢዩ። ሰብ ብዛዕባ ህግደፍ ቃሕ ዝበሎ ዝዛረበሉ ግዜ ተኸሲቱ ኣሎ’ሞ፡ ዱላ ንሓዝ ህዝበይ።
ከምቲ መሬት ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ሓዲራ በብቑሩብ ከብዲ ኣድጊ ትኸውንን ጸሓይ ኣዱንያ ትበርቕን ከኣ፤ መንነትን እንታይነትን ኢሳይያስ እናበርሀን እናተቐልዐን ክመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና። ከምቲ ደጋጊምና ዝጸሓፍናዮ፤ ኢሳይያስ ወገን፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ወረዳ፣ ዓዲ፣ ሃይማኖት ዘይብሉ ኣረሜን ሰብ ኢዩ።
“ተሓቢኤን ይጠንስኦ’ሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ከም ዝበሃል፣ ኢሳይያስ እቲ ቅድሚ ኣርበዓ ዓመታት ኤርትራውያን ንምጽናት፣ ነዛ ሃገር ድማ ቡሶላ /ኮምፓስ/ ከም ዘይብላ መርከብ ናብ መኣዝኑ ዘይፍለጥ ግብ ዝበለ ጸልማት ንምድቕዳቕ ተሓቢኡ ዝጠነሶ ሰባብ ድቂ፤ ሎሚ ኣብ ዘመን ሳልሳይ ወለዶ ኤርትራ ብጥጅእ ደምህት ተጋሂዱ ኣሎ።
ናብቲ እንብህጎ ርሻን ሓርነት ንምብጻሕ፣ ‘ጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣከለጉዛይ፡ ሓማሴንን፡ ሰራየን ቆላን ከበሳን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ትግረን ትግርኛን ወ.ዘ.ተ… ከይተበሃሃልና፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ መንገዲ ክንጥምት ይግበኣና። ኢሳይያስ ቅድሚ ትማሊ፣ ትማሊን ሎሚን ከመይ ዝኣመሰለ ሕብርታት ይቐያይር ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ድማ ሕሩድን ዕጣንን ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
ንሕና ደቂ ቆላን ከበሳን ኤርትራውያን ዘይነጽፍ ፈለግ ኣሎና። ናይ ሎሚ መንነትና፣ ተግባራት ህግደፍ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ዝሓምሮጎ ሓበጀራዋይ’ኳ እንተመሰለ፤ ኣይተረኮነን። ካብ ኤርትራዊ ክውንነት፣ ስነ-ምግባርን ባህሊን ዝሓከለ ዕሉል ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ እተን ንኣርበዓ ዓመታት ዝቓንየን ዝነበረ ስልኪታት ክራሩ ተበታቲኸን ኢየን። ሎሚ ኣብ ኣፍ-ኣርክቡ ዕምሩ ኣትይሉ ኣብ ዘለወሉ ተሃዋሲ ግዜ ድማ በታ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ዘይተበትከት ስልኪ ክራሩ ገይሩ ናይ ቀደም ደርፊ ንክደርፍ ዝመጣጠር ዘሎ ዘይክውንነታዊ ፍጡር ምዃኑ፡ ካብ እንግንዘብ ኣይወሓደን።
‘ተካል ሓሙ ሸዊት ሓጋይ ይእዝዝ’ ከም ዝተባህለ፤ ኣብ ኣፍ መቓብር ዝበጽሐ ውጹዕ ድማ ዘይእዝዞ ነገር የለን። ኢሳይያስ ካብ ቃሬዛ ንምምላስን ነቲ ኣብ ቀብሩ ንክብላዕ ዝተኣዘዘ ቋሬጣ ንምድንጓይን፣ ካብን ናብን የዕለብጥ ኣሎ። ሎሚ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት እናተቐየረት ትኸደሉ ዘላ ዘመነ-ዓውላማ፣ ኢሳይያስ ብሂወት ኣብ ልዕሊ መሬት ክሳብ ዘሎ፤ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ባኒን ፍትሒን ክመጽእ ማለት ዘበት ኢዩ። እሞ ኣንታ መንእሰይ ዓይኒ ከተማ፡ ነታ ከም ጽላተ ሙሴ ዝጠፍአት ዱላ ኣቦይ በሃይማኖት ሓቢርካ ድለያ’ሞ ንፍትሒ ቀልስ።