ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ መርማሪት ኮሚሽን ብባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ዝተመስረተ ሬዞሉሽን 26/24

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ መርማሪት ኮሚሽን

ብባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ዝተመስረተ (ሬዞሉሽን 26/24)

ሓበሬታ ንኸተቕርቡ ዝግበር መጸዋዕታ

20 ሕዳር 2014

መእተዊ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ባይቶ መሰል ደቂ ሰብ (HRC) እቲ ሞንጎ ሃገራት ዝዓዪ ዝለዓለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣካል ኣብ ቤት ጽሕፈት እዩ። እዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሙሉእ ዓለም ንመሰል ደቂ ሰብ ጎስጋስ ዝገብርን ካብ ግህሰት ንኽሕሎን ሓላፍነት ኣለዎ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2014 ዝተኻየ ደመበል 26 ኣኼባ፣ HRC ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ንምምርማር፣ ዕላምኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር፣ ሓንቲ ናይ መርማሪት ኮሚሽን (ኣብ ዝቕጽል “መርማሪት ኮሚሽን” ተባሂላ ክትጥቀስ እያ) ንኸትቕውም ወሲኑ። እቲ ዝምርመር ጉዳያት፣ ነዚ በዛ ፍልይቲ ጸብጻብ ተቕርብ ኣካል ቀሪቡ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ኤርትራ እዩ (ሬዞ ሉሽን 26/24)።

ናይዛ ኮሚሽን ዕላማ ምርመራ፣ ብዝተኻእለ መጠን መሰል ደቂ ሰብ ንምግሃስ ዝግበር ፍሉይ ኣሰራርሓ ወይ ድማ ሜካኒዝም ንምልላይ፣ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሓፈሻዊ መሰል ደቂ ሰብ ክምሓየሸሉ ዝኽእል ሓሳባት ምቕራብ፣ ኣብ መጻኢ እዋን ነቲ ሕጋዊ ተጠያቕነት ምርግጋጽ ተርኣ ከበርክት እያ። እዛ ኮሚሽን ነዚ ስራሕ ክትሰርሕ ኮላ፣ ኣብቲ ዓዲ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ከም ዝፍለጥ እዉን እጃማ ከተበርክት እያ።

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ተዋሂቡዋ ዘሎ ሓላፍነት፣ ክሳብ ነቲ እታ ፍልይቲ ኣካል ዝኾነት ኣቕራቢት ጸብጻብ ዘርዚራቶ ዘላ፣ ኤርትራ ነጻ ካብ እትወጽእ ጀሚራ ዝተገብረ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ፣ እዉን ዝምልከት እዩ።

እዚ ምርመራ ዝግበሮ ሕጋዊ ደረታት፣ ነቲ ኤርትራ ከማልኦ ኢየ ኢላ ተሰማሚዓቶ ዘላ ኩሉ ግቡኣትን ዓለምለካዊ ዉዑላት መሰል ደቂ ሰብ መሰረት ዝገብር ክኸውን ከሎ፣ ከምኡውን ብሓፈሻዊ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ናይ ህዝብታት ባህላዊ ሕግን ልምድን እዉን ይምልከት እዩ።

ኣባላት ናይዛ ትምርምር ኮሚሽን፡

  • ኣቶ ማይክ ስሚዝ፣ ኣቦ ወንበር
  • ወይዘሮ ሸይላ በ. ኪታሩን፣ ከምኡውን
  • ኣቶ ቪክቶር ዳንክዋ

እዞም ኣባላት ትምርምር ኮሚሽን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰራሕተኛታት ኣይኮኑን፤ ነዚ ዝሰርሕዎ ስራሕ ደሞዝ የብሎምን፣ ካብ ጽልዋ ካልኦት ኣካላት ነጻ ኮይኖም ዝሰርሑ ሰብ ሙያ እዮም።

ኣዛ ኮሚሽን ነቲ ውጽኢት ምርመራኣ ምስ እቲ ኩነታት ዝመሓየሸሉ ሓሳባት ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ብጽሑፍ ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ከተቕርብ እያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 እታ ኮሚሽን ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ናይ ቓል ጸብጻባ ከተቕርብ እያ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ነቲ ሙሉእ ኣኼባ እዋናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ እያ፣ ኣብኡውን ናይ ቃል ጸብጻብ እዩ ዝቐርብ።

ሓበሬታ ንኸተቕርቡ ዝግበር መጸዋዕታ

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ተገዳስነት ንዘለዎም ውልቀሰባት፣ ጋንታታትን ማሕበራትን፣ ኤርትራ ነጻ ካብ ዝወጸትሉ እዋን ጀሚሩ፣ ዝተኸሰተ ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ ዘረጋግጻ ሓበሬታታት ይኹን ዶኩሜንትታት ንኸተቕርቡ ትዕድም ኣላ።

እዛ ትምርምር ኮሚሽን ነቲ ተቕርብዎ ኩሉ ጸገማት ዝገልጽ ሰነዳት ብግቡኡ ኣዳልያ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ንባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ንምቕራብ ምእንቲ ክትክእል፣ ነቲ ዝቐርበላ ሰነዳት ክሳብ ዕለት 31 ጥሪ ንምቕባል ናይ ጊዜ ገደብ ወሲና ኣላ።

ንጥፈታት ምቕራብ ሓበሬታ

እቲ ዝቐርብ ሓበሬታ ብመልክዕ ጽሑፍ ክኸውን ኣለዎ፣ ምስ እቲ ሰዳዳይ ንራኸበሉ ኣድራሻ እዉን ክጥቀስ ኣለዎ። ሓበሬታ ትሰዱ ማሕበራት ከምኡውን ዉልቀሰባት ነቲ ትህብዎ ሓበሬታ – ወይ ድማ ሓደ ክፋል ናቱ – ብምስጢር ክተሓዝ ትደልዩ እንተኴንኩም ንኽትጠቕሱ፣ ብኽብረትኩም ንልምነኩም ኣለና። እቲ ጉዳይ ኸምኡ እንተኾይኑ፣ መንነት ናይቲ ጸሓፋይ ወይ ጸሓፊት ሓበሬታ ከምኡዉን መንነት ናይቶም ኣብቲ ሓበሬታ ዝጥቀሱ ዉልቀሰባት ንኸይቕላዕ፣ እቲ ሓበሬታ ምስ መጸና ኣድላዪ ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።

እቲ ዝቀርብ ሓበሬታ ብቋንቋ እንግሊዝኛ እንተኾይኑ ካብ 10 ገጻት ክልዕል የብሉን። ካብኡ ዝተረፈ እዉን ሓበሬታታት ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ንቕበል ኢና፣ በዘን ቋንቋታት ዝቐርብ ሓበሬታ ካብ 5 ገጻት ክሓልፍ የብሉን። እታ ትምርምር ኮሚሽን ምናልባሽ ነቲ ዝቐረበ ሓበሬታ ዝምልከት ሕቶ እንተለዋ፣ ምስ እቲ ሓበሬታ ዝሰደደ ዉልቀሰብ ክትራኸብ እያ።

ቪዲዮ፣ ኣውድዮ ወይ ድማ ስእልታት ዝምልከት ኣቕሑት ብኢ – ሜይል ክለኣኽ የብሉን። ናይ እታ ትምርምር ኮሚሽን ቤት ጽሕፈት እዚኤን ተጠቒሰን ዘለዋ ነገራት ብኸመይ መገዲ ክለኣኻ ከም ዝኽእላ ክትሕተት ኮላ ክትነግረኩም ትኽእል እያ።

ሓበሬታ ዝስደደሉ መራኸቢ ኣድራሻ

ብኢ – ሜይል፡ [email protected]

ብደብዳበ ዝስደድ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር ኮሚሽን

UNOG-OHCHR
8-14 Rue de la Paix
CH-1211 Genf 10
Schweiz

ብዛዕባ ሬዞሉሽን ባይቶ መሰል ደቂ ሰብ ከምኡውን ካልእ ብዛዕባ እታ

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት መሰል ደቂ ሰብ ትምርምር ኮሚሽን ኣብዛ ትቕጽል መርበብ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡
http://www.ohchr.org/EN/HRBodies/HRC/CoIEritrea/Pages/commissioninquiryonhrinEritrea.aspx
About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.