ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ፡

ሃብተማርያም ኣብራሃ
ሎንዶን-ዓዲ እንግሊዝ
ሕዳር 16 2014

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሰናይኩም እምነ። ብፍላይ ድማ ዝነኣስኩም ዝተፈተኹም ጀጋኑ ደቀይ! ኣብቲ ብረዚን ዝናር ተተሓሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ቃልሲ ዓወት ንክትረኽቡ እምነየልኩም። ኣነ ከም ትማሊ ሎሚ’ውን ኣብ ጎድንኹም ኣለኹ።

ከምቲ ‘ሚያዝያ ቀጥ ኣቢልካ ምሓዝያ’ ዝበሃል ተረት ኣቦታትኩም ድማ፡ ነዚ ሒዝኩሞ ዘለኹም ሃገራዊ ጉዳይና ቀጥ ኣቢልኩም ንክትቅጽልዎን ናብ ፍጻሜ ንከተብጽሕዎን ንእግረ መንገደይ እላበወኩም። ስመሩ ሓደ ኩኑ ክቡራት ደቀይ። ብዘይ ሓድነት ዝጭበጥ ዓወት ስለዘየለ ድማ፡ ሓርበኛታት ኣቦ ሓጎታትኩም፡ ስለ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ክልተ ሃይማኖታት ኣስላምን ክርስትያንን ብሓደ ስጋ ሓሪዶም በሊዖም ኢዮም።

እነሆ እዚ ብጻዕዳ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ብጸሊም ኢዱ’ውን ንሰውርኡ ን30 ዓመታት ዘገልገለ ሓርበኛ ህዝብኹም፡ ዘይጻምኡ ረኺቡ። ናይቲ ንጉዳይና ብጽኑዕ ቀይዲ ሒዝዎ ዘሎ ጨካን ግዝኣት ኢሰያስን ጉጅለ ህግደፍን ፍሉጥ ዝኾነ ነገር ኢዩ።

እቲ መመሊሱ መስደምም ኮይኑና ዘሎ ጉዳይ ግን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝረአ ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ሒቕታ ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። ከምቲ ኣኽላባት ኣብ ዓጽሚ ዝበኣሱ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ እነሀዉ ኣብ ክንዲ ሓቢርካ ጸላኢኻ ሓሕ…ሕ ምባል፡ ንሓድሕዶም ምንኻስ ስርሖም ገይሮሞ ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ እዚ ደምበ እዚ ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ ጸጽባሕ ህግደፍ ንምውዳቕ ኣይትሓዙኒ ዝብል ጭርሖታት ከም ዝነበሮ ንዝክር።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ፈኸራ ብዘይካ ዓፍራ ዘፍረዮ ነገር ኣይነበረን። ሎሚ ሙሉእ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ረዚን መስገደል ህግደፍ ተቖሪኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ብጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ላግጺ ኣምበይመድለየን። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ብሓበራ ሞት ኢሳይያስ ንክቀላጠፍ፡ በብሃይማኖቱ ይጽሊ ኢዩ ዘሎ። እዚ ጸሎት እዚ ከኣ፡ ጋህዲ ክኸውን ኢዩ። ኣብ ክንዲ ንሓድሕድካ እሂን ምሂን ተበሃሂልካ፡ ከምቲ ክቡራትን ለባማትን ወለዲ ዝብልዎ፡ ናይ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ፣ ናይ ሩባ ዘሎ ከኣኒ ውሕጅ ይበቁጾ ምብህሃል፡ ሓድሕዳዊ ኲናት በዚሑ ንርእዮ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ተስፋ ነይሩዎ ኢዩ።

እቲ ተስፋ መመሊሱ ስለዝቐሃመ ግን፡ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ኢድ ደምበ ተቓውሞ ከም ዝወጸ ተጋሂዱ ኣሎ። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ ውድባት፡ ባይቶ ይኹን ሓድሽ ኣስማትን ውዳበታትን እንተተኣከበ፡ ንሓንቲ ስጉምቲ እውን ትኹን ምንቕ ክብል ኣይክእልን ኢዩ።

ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ መስገደል ዘሎ ህዝቢ ምትእስሳር ስለዘይብሉ። ከም ተመኩሮና፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ መመሊሱ እናሓየለን እናተወደበን ዝኸይድ፡ መመሊሱ እና ተዳኸመን ፋሕ-ብትን እናበለን ክኸይድ ኢዩ ዝረአ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ካብ ዓሚ ሎሚ ይሓይሽ ድማ፡ ካብ ዓሚ ሎሚ ይገድድ እናበልና ንኸይድ ኣለና። ከም እንዝክሮ ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ኪዳን ኣብ ግዜ ምሕዝነት ከመይ ነበረ? ብድሕሪ ምምስራት ኪዳንን ኮሚሽንን’ከ እንታይ ይመስል ነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደገን ውሽጢን ከመይ ዝኣመሰለ ሞራልን ኒሕን ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ትዝታና ኢዩ።

ብኣንጻር ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ከኣ፡ ሞራልን ሕልናን ህግደፍን ደገፍቶምን ባይታ ዘቢጡ ከም ዝነበረ ኩሉ ዜጋ ዝምስክሮ ኣማን ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ኢሉ ኢሉ ከም ሓደ ሃገራዊ ቅርሲ መጠን፡ ባይቶ መስሪቱ፡ ህላውኡ ኣብ ዘረጋገጸሉ ግዜ፣ ዓወት ንጽባሕ’ዶ ድሕሪ ጽባሕ ትባሃል ነበረት። ብዘይካ ምብታን ምርጋእ ዘይተዓደለ ደምበ ተቓውሞ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 600 ዜጋታት ተኣኪቦምን መሪሕነቶም መሪጾምን ከብቅዑ፡ ኣይ ዓመት ኣይ ክልተ ዓመት ብዘይ ጠቅም ዘረባታት ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ-ፋሕ በለ።

ምፍራስ እዚ ዓቢ ዋርካ ድማ ኣብ ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ በዚ ከምዚ መዓልቲ ክዕረ ኢዩ ናብ ዘይበሃለሉ ደረጃ በጽሐ። ከምቲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ‘ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ’ ዝበሃል ምስላ፡ ሎሚ ብድሕሪ ፈጺሙ’ውን ዘይጽገን ባይቶ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምትእኽኻብ ሃገራዊ ባይቶ ዝብል ዜናታት ከም ጽውጽዋይ ንሰምዕ ኣለና። ክቡራት ደቂ ኤርትራ! ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሸውየስ ገለ መራግእቲ ክትፈጥሩን ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና ከተድሕኑን ምተገብአ። ኣበይ ኣሎ ባይቶ? ኣበይ ኣሎ መሪሕነት ባይቶ? ስራሓት ባይቶ’ኸ ብከመይ ክድህሰስ ይከኣል? ሎሚ ብድሕሪ እቲ ኣብ ከውሒ ከም ዝወደቐ ዕትሮ ናብ ኣጋልዕ ዝተቐየረ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ሰረቱን ጽላሉን እንታይ ዓይነት ሓድጊ ኣሎዎ? ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራውያን ዳግማይ ክርከብ ዘይክእል ዕድል ኢዩ ተጣሊዑሉ ዘሎ።

ንከምቲ ዝኣመሰለ ህንጻ ርእሰ-ቅትለት ምግባር ድማ፡ ብዘይካ ቅድድም ንኮረሻ ስልጣን ካልእ ዘይንፈልጦ ቁንቁኛ የብሉን። ሎሚ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋማይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ኩነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። እታ ኣብ ክሳድ ኢሰያስ ዝኣተወት ገመድ ከኣ፡ መመሊሳ ትሽንቆቕ ከም ዘላ፡ ምስክር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። እሞ ደምበ ተቓውሞ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዝበሰለ ጉዳይ ኣብ ክንዲ ብዘይ ወዓል ሕደር ነኺስካ ናብ ጥቕሚ ህዝቢ ምውዓል፡ ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ፈኑ ዝዓይነቱ ሕሉብ ዓረም፡ ባይቶ ኣኼባታት ይገብር ኣሎ ይብሉና ኣለዉ። ንመስደምም ዝኾነ ነገር ኢዩ።

ከምቲ ‘ንሱ ዝሞተ ዓሚ ሰነ፡ ኣነ ዝሰማዕኩ ሎሚ ቅነ’ ዝበሃል፣ ሃገራዊ ባይቶ ዓሚ ሞይቱን ተቐቢሩን ክነሱ፡ እቶም ዕሩባት ሕልና ኣሎ እናበሉ ተኣኪቦም እንተበሉና፡ ንነፍስኻ ምትዕሽሻው ጥራይ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ንግስነት ኢትዮጵያ፡ ጓል ሃጸይ ምነሊክ ንግስቲ ዘውዲቱ ሞይታ ክነሳ፡ ኣላ ይበሃል ነበረ። እቶም ጥበበኛታት ብሄረ ኣምሓራ ንግስትና ኣላ እናበሉ ንሓሙሽተ ዓመታት “ዝባን ንግስቲ ዘውዲቱ” ከም ዝበሃል ይገብሩ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይነግረና። ስለዚ ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ጉዳይ ሞት ንግስቲ ዘውዲቱን ሓደ ኢዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይኮነን።

እሞ’ኸ እንታይ ይገበር፡ ናበይ ገጽና ንኺድ? ህግደፍ ኣማን ብኣማን፡ ነቀይ ነቀይ ካብ ዝብል ነዊሕ እዋን ገይሩ’ኳ እንተኾነ፣ ሕጂ ግን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ክወድቕ ኢዩ። ኣዋድቓ ከየኽፍእን ኣብ ጻዕረ-ሞቱ ደም ንጹሃት ንከንቱ ከየፍስስን ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጠቕላላ ካብ ሎሚ ንደሓር ናይ ሰላም ኣየር ኣብ ሃገርና ንክነፍስ ካብ ሎሚ ሓደ ኣካል ኮንካ፡ ንሓድነትካ ዘምር።

ኣብ መደምደምታ፡ ባይቶ በታ ‘ኣይቀበጹ’ ትበሃል ኣብ ቆላ ሰራየ ዝነበረት ዓዲ ክምስሎም ምደለኹ። ዘመነ ድርቂ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ። ሓደ ቀውዒ እቶም ዓዲ ‘ኣምላኽ ይከኣሎ ዘይሰኣኖ ኢዩ’ሞ ወላ ቀውዒ ይኹን እዝግዮ ኢልና ንጸሊ’ ተበሃሂሎም ናብ ዶጎል ዓዲ ወረዱ። ‘እዝግዮ’ ክብሉ ዝረኣዮም ሓደ ሓላፍ መንገዲ፡ ቀሪቡ ምትእኽኻቦም ምስ ነገርዎ፣ ሎሚ ቀውዒ ደኣ መኣስ ስለ ማይ ኮይኑ ዝጽለ። ሎሚስ ስለ ኣንበጣ ኢዩ ዝጽለ ኢሉ “ኣይቀበጹ” ዝብል ስም ኣጠሚቑዎም ሓለፈ ይበሃል።

እምበኣርከስ ጉዳይ ባይቶን ጉዳይ ዓዲ ኣይቀበጹን ሓደ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ብሓደ ቅልጽም ነዚ ጨካን ስርዓት ምድምሳስ፡ ንሓድሕድካ ምውንጃል ምምራጾም ንመስተንክር ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለኻ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ፡ ጸቒጡካ ንዘሎ ፍርሒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ያዕ ኢልካ፡ እምኒ ወንጭፍ ሓዝ፣ ንግንባር ጎልያድ ፈጊጽካ ድማ ነናብ ገዛና ኣእትወና። ኣጆኻ ህዝበይ! ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ’ሞ ደጊም ኣራግጻኻ ኣይትቐይር።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ውድቀት ንጨካን ስርዓት ኢሰያስ

About the Author
  1. Ramazan Reply

    Your answer lifts the ineetliglnce of the debate.

Lämna ett svar till Ramazan Avbryt svar

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.