መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍተ-ሞት ሓርበኛ ሃገራዊ ዶ/ር ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ-ቨካሮ)

መግለጺ ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍተ-ሞት ሓርበኛ ሃገራዊ ዶ/ር ተወልደ ተ/ማርያም (ወዲ-ቨካሮ)

ናይ ጥዕንኡ ኩነታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑ፡ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ቀዳምነት ሂቡ፡ ህዝብና ብሓድነት ንምልኪ ስርዓት ህግደፍ ንምልጋስ ከይሰልከየ ኣብ ሙሉእ ዓለም ህዝባዊ ምልዕዓል ዘካየደ ሓርበኛ ኤርትራዊ፡ ብሕማም ምኽንያት ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ዝተሰመዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ዶ/ር ተወልደ፡ ንዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን፡ ንጹህ ሕልናን ሓልዮት ህዝብን፡ ብግብሪ ዘመስከረ ኣብነታዊ ሓውን ኣቦን ኢዩ ነይሩ። ብወገን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ፡ ዘይተጸበናዮን ዘይተዳለናሉን ሞት ናይ ኣቦናን፡ ኣያናን፡ ሓውናን ሓርበኛ ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ምስ ሰማዕና፡ እቲ ሓዘንን ክሳራን ንስድርኡን ቤተ-ሰቡን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንሃገርን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ኢዩ ዘስተብህል። ነቲ ካብ ግዜ ንእሰነቱ ኣትሒዙ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ብተወፋይነት ኣብ ዝተቓለሰሉ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ጎኒ መላኺ ስርዓት ኮይኑ ዝተሓባበሮ ንህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ሓቲቱ፡ ንጥልመት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብምኹናንን ብምቅላዕን ንድሕነት ሃገርን ፍትሒ ህዝቡን ብግብሪ ዘመስከረ ታሪኻዊ ዜጋ ኢዩ።

ግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፍትሕን ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስ ዶ/ር ተወልደን መሳርሕቱን ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዓራቱ ከሎ ብዛዕባ ሓድነት ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንምሕያልን ንምስፋሕን ዝዕላምኡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 30 መዓልታት፡ 2 ግዜ ተራኺባ ነይራ። ብዛዕባ ጉዳይ ሃገር ኣብ ዝተላዕለሉ ግዜ ንሕማሙ ረሲዑ፡ ነቲ በብከተምኡ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ጥርናፈን ምትእስሳርን ብዙሕ ከምዘሐጎሶን “ኣጀኹም እዞም የሕዋተይ” ኢሉ እቲ ዝነበሮ እምንት ናይ ለውጢ ገሊጹ። ዶ/ር ተወልደ ነባሪ ታሪኽ ስለዝሰረሐን ስለዝገደፈን፡ ብመንፈስ ምስ ኩልና ነባሪ ኢዩ። ከይተሓለለ ንህዝቡ ንምጥርናፍ መጸዋዕታ ኤርትራዊ ሓድነት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዘካየዶ ዑደት መልእኽቱ ንናይ ብዙሓት ህዋሳትን ሕልናን ተንኪፈን፡ ህዝቢ ኣብ ምልዕዓል ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ዜጋ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን።

ነቲ ኣያናን፡ ሓውናን ዶ/ር ተወልደ ዝደኸመሉ ዕላማ ኣብ መዓልኡ ንምብጻሕ ከኣ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ዝሓለፊ ግዜ ብዝለዓለ ብተወፋይነት ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ብሐድነት ክሰርሕ ንምሕጸን። ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ፍትሕን ሰሜን ኣሜሪካ ንኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ህዝቢ ጠርኒፈን ዘሎዋ 15 ከተማታት ብምምእካል፡ ንስድራ-ቤት ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም ጽንዓት ክህቦም፡ ንነፍስሄር ዶ/ር ተወልደ ከኣ መንግስቲ ሰማያት ከዋርሶ፡ ምንዮትናን ጸሎትናን ነብጽሕ።

ጅግና ሓላፋይ ኢዩ! ታሪኹ ግን ዘለዓለማውን ነባርን ኢዩ!

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣሜሪካ
10/23/2014

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.