‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’ ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ቀዳማይ ክፋል

‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ’
ላልማየ ላሎ! ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡

ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
ቀዳማይ ክፋል

02 ጥቅምቲ 2014

ሎሚ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፡ ንነዊሕ ዓመታት ተሓቢኡሉ ካብ ዝነበረ መጋረጃ ወጺኡ ኢዩ ዝላለየና ዘሎ። ግዜ ዝወለዶ፡ እቲ ዕፋፈቱ ከም ተመን መስከረም ዝቐየረ ገብሩ ብወግዒ ምስ ኤርትራውያን ተላልዩ ኣሎ። ዘረባ እናጸላእና ከኣ፡ ንነዊሕ ዓመታት ተጠኒሱ ዝነበረ ጉዳይ

“ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ” ዝስሙ ዕንዱ ተወሊዱ። ከይፈቶና ከኣ፡ መንገዲ ገዲፍና ናብ ጓል መንገዲ ንክንኣቱ ተገዲድና ኣለና።

ሎሚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓደ ቃና ኣንጻር ጨካን ስርዓት ህግደፍ ክቃለስ ምተገብአ። ብፍላይ ከኣ እዚ ቅንያት እዚ ልዕሊ 360 መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ ዝሃለቑሉ ግዜ ስለዝኾነ፡ ብሓባር ኣብ ረዚን ሓዘን ኣብ ዘለናሉ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጓል መንገዲ ኣጓኒፉና ኣሎ።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ‘ደቂሰ ነይረ፡ ተበራቢረ’ ብዝብል ሓድሽ ላልማየ ላሎ ኣዛሪቡና ኣንቱም ሰባት! ከምቲ ‘ልዕሊ ጳጳስ ካቶሊክ ምዃን’ ዝብል ኣበሃህላ፡ ልዕሊ ኤርትራውያን ኤርትራዊ ዝኾነ ሊቅ ተቐልቂሉና ኣሎ። ቅድም ገዲም ተጋዳላይ ህ.ወ.ሓ.ት. ደሓር ከኣ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዝነበረ፣

ቀጺሉ’ውን ብስም ‘ዓረና’ ዝፍለጥ ወግዓዊ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፤ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓላዪ ኤርትራ፡ ፈላስፋ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ከይሓነኸ ነጊሩና ያኢ!

መጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ዛጊት ናብ ኢደይ ኣይበጽሐትን። እንተኾነ ግን ካብቲ ቃለ መጠይቑ ከም ዝሰማዕኩዎ፡ ምስቲ ቅድም ደርሆ ድያ ተወሊዳ ወይስ እንቋቑሖ ዝብል ሓሸውየ ዝመሳሰል ትንታነ ሰሚዐሉ። ብድሕሪ ምንባበይ እውን ከም ኤርትራዊ ዜጋ መጠን፡ ንጉዳይ ሃገረይ ብዝምልከት ታሪኽ ህዝበይ ብዓቕመይ ክነግር ሓላፍነት ኣሎኒ። ንከምዚ ዝኣመሰለን ብድዐ፡ ኣጠማምታ ቅንጅት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ምትእኽኻብ ደምህት ኣብ ደጎልናን ዝምልከት እዋናዊ ኣኼባታት ንክግበር በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እጽውዕ ኣለኹ።

ብስስዐ ኣቶ ገብሩ ወላ’ኳ ዝጭለፍ ማንካ ማይ ባሕሪ ኤርትራ እንተዘየሎ፡ ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊ ግን ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕዱር ሕማም ባሕሪ፡ ድጉል ህርፋን ብወግዒ ክምልሰሉ ይግባእ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ ንቡር ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን፣ ጉዳይ ምሕዋይ በሰላ ኲናት 1998-2000፡ ብድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንክልቲኡ ህዝብታት ዝምልከት ጉዳይ’ምበር ንኣቶ ገብሩ ዝምልከት ዛዕባ ኣይኮነን።

‘ደቂሰ ነይረ፡ ተበራቢረ!’ እዚ ሓድሽ ማህሌት እዚ ንዓና ንኤርትራውያን ውድባዊ፡ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ፍልልያትና ብዘየገድስ ብሓፈሻ፡ ንዳሕረዎት ወለዶ’ዛ ሃገር ድማ ብፍላይ ዓቢ ብድሆ ኢዩ። ፍልስፍና ኣቶ ገብሩ፡ ካብ ቅሂሙ ዝነበረ ሓሙኽሽቲ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ቁልዒ ስለዝኾነ ድማ ምስትውዓል ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ። ስለምንታይ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ተወሊዱ? ስለምንታይ ቅድሚ 5፡ 10 ወይ 20 ዓመታት ወ.ዘ.ተ… ዘይተዘርበ?

ኣቶ ገብሩ ካብ ታሪኽ ዘመነ ምነሊክን ወራር ሙሶሊኒን፡ ንቃልሲ ህዝቢታት ኤርትራን ትግራይን፤ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ እዋን ስሳታት፡ ምምስራትን ምፍራስን ፈደረሽን፡ ክሳብ ኲናት ባድመን ውዕል ኣልጀርስን ገምጢሉ ኣንቢብዎ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን ካብ ውሳኔ ዘ ሀግን ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶባትን ዝምልከት ላልማየ ላሎ ኣቶ ገብሩ፡ ወላ’ኳ ከም ጉዳይ ደረቐኛ ውሕጅ፣ ኣብ ክንዲ ዘንቆልቁል የንቃዕርር እንተኾነ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ከም ህዝቢ መጠን ግን ሱርናን መሰረትናን ዝበናቑር ሓድሽ ኣፍራዛ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ልቢ ጌርና ክንሰምዖን ኣብ ክዉንነት ዝተመርኮሰ ውድዓዊ መልሲ ክንህበሉን ግድነት ኢዩ።

‘ዘየደቅስ ነጊሮሙኻ፡ ድቅስ ይሓድሩ’ ንከይከውን፣ ክሳብ እታ መጽሓፍ ናብ ኢደይ እትኣቱ፡ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ መእተዊ ነቲ ዝንቡዕ ታሪኽ ንክኸውን ገለ ንክብል ደሪኹኒ።

ታሪኽ ሓደ ሓደ ግዜ ንክትኣምኖ ብዘጸግም ቋንቋ ይዘባረቕ’ዩ። ቅድሚት ዝነበረ ንድሕሪት፣ ድሕሪት ዝነበረ እውን ንቕድሚት ይገማጠል ኢዩ። ኩሉ ክብርታት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ከኣ ታሪኽ ከም መጋርያ ደምበ፡ ፍቱን ዋና ይደሊ ኢዩ። ታሪኽ ተዃዕኒኑ ጥንቅልዒት ደቂሱ ንክነብር፡ ዘይታኸስን ዝወራረስን ጓሳ የድልዮ ኢዩ። ዋና ዘይብሉ ታሪኽ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ጽውጽዋይ ስለዝቕየር፡ ከምዚ ናይ ኣቶ ገብሩ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ፈላስፋታት እንተተራእዩ ዘገርም ኣይኮነን።

ከምቲ “ደቂ ኣሓኻ ጥንቅልዒት ቀርነን፡ ሽያኽ ሓርማዝ ዝሰትያ ደኒነን፤ እቲ ምንታይ ንዓኻ ኣሚነን” ዝብል ማሰ ቀዳሞት፡ ታሪኽ’ውን ኣብ መንጎ ብዙሓት ሕምሩግ ተርእዮታት ከም ጽሩይ ወርቂ ተኾሊዑ ንክነብር እሙን ዋና የድልዮ ኢዩ። ኣቶ ገብሩ ሎሚ ቅነ ብዛዕባ እታ ዝደረሳ መጽሓፉ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ ጉዳም ዝኾነ ጽውጽዋይ- ወደኮይ ጽልማይ ኢዩ ክነግረና ቀንዩ።

ኣቶ ገብሩ ብዛዕባ ታሪኽ ሃገሩ ክጽሕፍ ዝኾነ ይኹን ቅሬታ የብልናን። ኣብ ገዛእ ጉዳይና፡ ንሱ ዋና ንሕና ጓኖት፡ ንሱ ኡስታዝ ንሕና ድማ ተመሃሮ ንክንከውን ግን ኣይግድን! እዋእ! ከመይ ድያ ኮይና እዛ ኣዱንያ? ‘ደቂሰ ነይረ ተበራቢረ!።’ ሰብ ወይ ሰባት’ከ ይህልዉ’ዶ ይኾኑ ኢሉ እውን ስኽፍ ኣይበሎን። ብሓቂ ትሕዝቶ መጽሓፍ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ከም ቃለ ምልልሱ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ እንተደኣ ኮይና ከኣ፡ ጥሙሕ ገብሩን ደቀ መዛምርቱን ንወለዶ ኤርትራ ዝብድህ ሓድሽ ዓቐበት ክኸውን ኢዩ። እቲ ምንታይ ንቀዳሞትን ዳሕረዎትን ወለዶታት ኤርትራ ዘራኽብ ዕትብቲና ዝበትኽ መላጸ ስለዝኾነ።

ብሰንኪ ፈያር ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንህዝብታት ዝፈላሊ ቀስተ-ደመና ከጋጥም ከኣ ባህርያዊ ኢዩ። ‘ንእሾኽ እሾኽ ኢያ ተውጽኣ፡ ኣራግጻኻ ግን ኣይትቐይር’ ከም ዝበሃል፣ ህዝቢ ኤርትራ ወላ’ኳ ሎሚ ብሰንኪ እሾኽ ዳንዴር ስርዓት ህግደፍ እንተሓንከሰ፡ ጽባሕ ቢጊሓት መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ኣይክተርፍን ኢዩ።

ይ ቕ ጽ ል…

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.