ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….? ሓምሻይ ክፋል

                      ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ….?

ሓምሻይ ክፋል

ሓምሻይ ክፋል ተኸታታሊ ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን! ንመን ድኣ…? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ፡ ድሮ 18 መስከረም የዳልዎን ይዝርግሖን ብምህላወይ፡ ነቲ ዕለት ዝያዳ ከድህበሉ ክግደድ እየ፡፡ ስለ ዝኾነ ነቶም ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ልሳን እቲ ድምጹ ዝተዓፈነ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ፡ ውፉያትን ተባዓትን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ልባዊ ክብርን ዝኽር ብስም ኩሉ ደላይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ይብጸሓዮም፡፡ ኣይረሳዕናዕኩምን ኣብ ከብሕታት ልብና ጽኑዕ መሰረት ኣምቢርኩምን ተኺልኩምን ኢኹም፡፡ እቲ ዝወላዕኩሞ ሽግ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሎሚ  ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከቢድ ባርዕ ፈጢሩ ነቲ ቀታልን መላኽን ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ከንድዶን ክህሙኾን ተቓሪቡ ኣሎ፡፡  ደጊመ ክብርን ዝኽርን ንኹሎም እቶም ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ደው ብምባል ክሳዶም ንሴፍ ዝሃቡ ውፉያት ተቓለስቲ!!

በዚ ኣጋጣሚ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባና ምእታወይ፡ ንኹሎም እቶም ኣብቲ ኣልዒለዮ ዘለኹ እዋናውን ኣዝዩ ተኣፋፍን ጉዳይ፡ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ዝሃቡኒ ግዱሳት ኤርትራውያን ልባዊ ምስጋናይ ይብጸሓዮም፡፡ ብፍሉይ ስለ እቲ ሃናጺ ምኽራን ርእይቶኣን ንኣልማዝ ጓል ኣስመራ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ሂበያ ኣለኹ፡፡ ንኹሉ እቲ ዝመጻኒ ምኽርን ርእይቶን ነቐፌታን ክምልሶም ዝሕተቶም ሕቶታትን ከምልሶም እንተ ዝኽእል ክንደይ ኮን ደስ ምበለኒ፡፡ የግዳስ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ንኹሉ ከከምቲ ዝደልዮ ክትምልሰሉን ክትኮነሉን ዋላ እውን እንተደለኹ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ብዓቢኡ ካብቲ ዘልዓልኩዎ ቀንድን እዋናውን ጉዳይና እውን ከውጽኣናን ኣብ ሓሸውየ ከእትወናን ኢዩ፡፡ ከም ውልቀ ጀማርን ብዙሕ ዝጎድለንን ጸሓፋይ፡ እቲ ክምልሶ ዝኽእል እቲ ዝፈልጦን እቲ ክኸውን ኣለዎ ኢለ ዝኣመንኩሉን ዝቃለሰሉ ዘለኹ መትከላዊ እምነተይን ጥራይ ኢዩ፡፡

ማዕሪኡ ድማ ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ጉዳይና ባዕልና፡ ኣመሪካዶ ወያነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽምቲ ኤርትራ ወይ ዝተበታተነት ኤርትራ ክትህሉ ኢዩ ዝደሊ፡፡ ኣብ ጉዳይ ደምበ ተቓውሞ ኢዱ ዘይኮነ እግሩ እውን የተኣታቱው ኣሎ፡፡ ኢሳይየስ ዝመርሖ ጉጅለ ህግደፍን ወያነ ኢሂወደግን ብማዕረ ኣብ ምድኻም ኤርትራ ተጸሚዶም ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ካልእ ካልእ…… ኣብቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ሓሸውየ ዘእትዉ ዘለዉ ወረታት፡ ካብቲ ቀንዲ ሓዲድ ቃልሲ ኣውጺኦም ሞትን ስቓይን ስደትን ኤርትራውያን ንኽቕጽል ካባ ተቓወምቲ ለቢሶም ጫሌዳ መንገዲ ንዝፈጥሩ ዘለዉ ኣካላት ጭብጥታት ብምስናይ ክድህሶም ክፍትን እየ፡፡ ብዓቢኡ እውን ስለምንታይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ  ኣብ ረግረግ ዓዘቕቲ ተሸኺሉ  ኣይክሰርሕ ኣይ ከስርሕ፡ ኣይክመርሕ ኣይክምራሕ ንቓልሲ ንሓርነት ጅሆ ሒዝዎ ኣሎ ጭቡጥ ሓቂ ሒዘ ተኣማንን ሚዛናውን ብዝኾነ መልክዑ ክትንትኖ እየ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ድማ  ነቲ ሓላኽን በታንን ተለኻኺምና ንጥፋእ ዝሕላገቱ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኢሳይያሲዝምን ንዕኡ ጉልባብ ገይሮም ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ኣካላትን ህዝቢ ክፈልጦም፡ ብፍሉይ እውን እቲ ንቓልሲ ተበጊሱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣይፋልኩምን ቅድም ቀዳድም ገዛና ነጽሪ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዓራትና ዘሎ ጨካን ገበል ንቕተል ኢሉ ፊት ንፊት ንኽገጥሞም ብስም ኤርትራ ንኤርትራውያን ጉዳይና ባዕልና እባ ወዘተ ወዘተ…. ካብ ናይ ቃልሲ መኣዲ ንኸይቦክር ኣመት ንምሃብ ኢየ፡፡ ደጊመ ስለ እቲ ሃናጺ ርእይቶኹም ነቐፌታኹም የመስግን፡፡

ሎሚ 18 መስከረም 2014 ኢዩ፡፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ፍጹም ዘይራኸቡ ዝኽርታትን ፍጻመታትን ዝሓዘት ወርሒ መስከረም፡፡ ሓደ መስከረም መስዋእቲ ክንከፍልን ናጽነትና ብሓሊ ብረት ከነራጋግጾን ጠበንጃ ዘልዓልናሉ እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ወርሒ ኢዩ፡፡ ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን 18 መስከረም ብተመሳሳሊ ከምቲ ንናጽነት መስዋእቲ ክንከፍል ዝተቐረብና፡ ንሓርነትናን ዲሞክራስያዊ ፍትሕን እውን መስዋእቲ ከም ንሕተት ጀጋኑና ስልጣን ናብ ህዝቢ ይረከብ ብምባል ኣብ ሓቂ ደው ኢሎም ክሳዶም ንበሊሕ ሴፍ ብትብዓት ዝሃብሉ ዕለት ኢዩ እውን፡፡ ስለ ዝኸነ ወርሒ መስከረም ንናጽነትን ሓርነትን ከቢድ  መስዋእቲ ክንከፍል ምዃና ብደም ጀጋኑ ኤርትራውያን መብጽዓ ዝኣተናሉ ዕለት ኢያ፡፡ ብኣንጻሩ 18 መስከረም 2001 ናይ ውሑዳን ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ታሪኹ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ምዕፋንን ምሕቃቕን ታሪኽ ጸሊም መዝገብን ደምን ምዃኑ ብግህዶ ዝረኣናሉን ዝፈለጥናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ 18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ጠበንጃን ሓይልን ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ፡ ድምጺ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ጠበንጃ ከም ዝተሎግመ ዝረኣናሉን ዘረጋገጽናሉን ዕለት ኢዩ፡፡ ወርሒ መስከረም ክልተ ዝተፈራረቐ ዝኽሪ ሓበንን ኩርዓትን ዝኽሪ ጭካነን ሓዘንን ኢያ ንዓና ንኤርትራውያን፡፡

ሓምሻይ ክፋል ጽሑፍ ኤርትራ ንኤርትራውያን ንመን ድኣ….? ኣብ ድሮ እቲ ጸሊም ናይ ታሪኽ መዝገብ 18 መስከረም ክዝርግሖ እንከለኹ ብቐጥታ ምስቲ ዘልዓልኩዎ ኣርእስቲ ስለ ዝተኣሳሰር እውን ኢዩ፡፡ እቶም ኣብ 18 መስከረም ብእዉጅ ሕልፈቶም ማሕዩርን ምዕፋንን ዝኾኑ ሃዋርያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ  ሓርበኛታት ኤርትራውያን ብጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝቐረበሎም ናይ ጠቐነ ክሲ እዚ ሕጂ ዜማ ጥራይ ተቐይርዎ ብተደጋጋሚ ክጋዋሕ ንሰምዖ ዘለና ግጥሚ ኢዩ፡፡ በቲ ኢልካ በቲ ኢሳይያሲዝም ኣዕናውን ኣባህራርን ኣጠራጣርን ስነ-ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሕበሩ ድኣ ቀያይሩ እምበር ተፈጥሮ ባህርያቱ ካብ ምፍላም ህዝባዊ ሓይልታት መጀመርያ ሰብዓታት ጀሚርካ ክሳብ እዛ መጠረሽታ ዕለት ሓደ ኢዩ፡፡ ንሓቀኛታትን በላሕትን ምሁራትን ተኣመንትን ተቓለስቲ ብትሕቲ ሃገራውነት ምውንጃልን ምቕታልን፡፡ ጸለምቲ መዝገባት ገድሊ ኤርትራ ታሪኽ መንካዕ የሚን ጀሳውስ ሓምሻይ መስርዕ ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ምስ እትምርምሮ ሓደ ተሓላቒ ኤርትራን ኤርትራውነትን እቲ ካልእ ሸያጥን በታታንን ኤርትራን ኤርትራውነትን ኢዩ፡፡ ብሓቂ ግን ክብረቲ ህይወቱ ሞባእ ንስለ ናጽነት ክኸፍል ንግድልን መስገደልን ዝወፈረ ተጋዳላይ ንኤርትራ ካብ መንጋጋ ጨካናት ገዛእቲ ሓራ ክገብር እምበር ንኤርትራ ክሸይጥን ክልውጥን ዝፍትን ዘይኮነ ዝሓስብ እውን ኣይነበረን፡፡

ሎሚ እቲ ኣብ ሽንጭሮታት ሕሽክብን ዓምበርበብን ውፉያትን ንጹሃትን ተጋደልቲ ንምሕቃቕ ንምቕንጻል ኢሳይያስ ዘተኣታተዎ ኢሳይያሲዝም ንሕድሕድካ ናይ ምብላዕን ዘይምትእምማንን ግናይ ስነ -ሓሳብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዜማታቱ  ክቐያይር ኢና ንሰምዖ ዘለና፡፡ እቲ ግጥሚ ግን መለሳ ዘይብሉ ንሱ ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጡ እንተ ኣቲና ሓው ምስ ሓው ዘቓተለ ጸሊም መዝገብ ስለ ዝኾነ ንታሪኽ ክንገድፎ፡፡ ናብቲ ዓይንና እናረኣየ እዝንና እናሰመዐ ብጸሓይ ቀትሪ ዝተፈጸመ ዝኽሪ ጸሊም መዝገብ 18 መስከረም 2001 እንክንምለስ ግን ኣንቱም ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ እቶም ምሁራትን ንቑሓትን ክሳብ ክንደይ ዲኹም ብኢሳይያሲዝም ስነ-ሓሳብ ገርዚምኩምን ብፍርሂ ተወሪርኩምን ዘብልዩ፡፡ እዞም ንገድልን መስገደልን ተሳጊሮም፡ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብውሕሉል ጥበብ መሪሖም ተዋጊኦም ዘዋግኡ፡ ብዜካ ኤርትራ ንኤርትራውያን ካልእ መዝሙር ዘይበሮም ሓርበኛታት፡ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ኣርእዮም፡፡ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ደፋፊኦም፡፡ ካብ ወያነ ሚሊዮናት ኣቕራሽ ተቐቢሎም ሃገር ክሸጥዋ ሓሲቦም፡፡ ምስ ሲአይኤን መንግስቲ ኣመሪካን ተመሻጢሮም ገለ ካብቲ ቅድሚ ምዕፋን ብልሂ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ዝተነዝሓ ኢሳይያሲዝም ኣባህራሪ መርዝታት ኢዩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ንምጥቃንን ምዕፋንን እዞም ሓርበኛታት ኢሳይያስ ገረብ ብሓኽላ ሜላ እውን ተጠቂሙ ኢዩ፡፡ ብቐረባ ብስጋ ዝራኸቡ ኣሕዋት ዝጸምበረ ዘይሓዊ በሰላ፡፡

ሎሚ ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ምዕፋን ሓርበኛታት መራሕቲ ገድሊ ኤርትራን ተባዓትን ውፉያትን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ቁኑዕ ኣሎ ብምባል ነቶም ሓርበኛታት ክሳብ ኣብ ቁሉዕ ሚድያ ወጺኦም  ብሃገራዊ ክሕደትን ክድዓትን ስሞም ዘጸለሙ ንባዕሎም ኣብ ሸላታት ካርሸሊ ኢሳይያስ ሓይርዎም ኣሎ፡፡ ኢሳይያሲዝም ግናይ ስነ ሓሳብ ግዝያውያን ተሓባበርትን ደቂ ዕቁብን እምበር ናይ መትከል ተቓለስቲ ኣብ ዙርይኡ ክህልዉ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን ኢዩ፡፡ ነቶም ንጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከሓድትን ተሰዓርትን ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዝተዛረቡ ተመሊሶም እንታይ ተባሂሎም ከም ዝተኸሰሱ ናይ ቀረባ ግዜ ዜናታት ኢዩ፡፡ ካብ ምፍላይ ህዝባዊ ሓይልታት ጀሚርካ ክሳብ እዚ መጠረሽታ ዕለታት ዝውሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ሓደ ካብቲ ካልእ እንታዩ ፍልልዮም…?

ፍልልዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ብሓደስቲ ዜማታት ሪሚክስ ስለ ዝግበሩ ጥራይ ኢዩ፡፡ ትሕዝቶ ግጥሞም ግን ሓደ ኢዮም፡፡ እቲ ዝቐትል ዝኣስር ዘይጋገ ብጹእ ወኪል ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን፡ እቲ ዝቃወም ዓገብ ዝብል ድማ ከዳዕ፡ ከሓዲ፡ ጃሱስ፡ ሓምሻይ መስርዕ፡ ልኡኽ ወያነ፡ መጋበርያ ኣመሪካ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ………? ሕጂ እውን እቲ ግጥሚ ዜማ ተቐይርዎ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምጥርጣር ምእንቲ ክኣቱ፡ ነቶም ህግደፍ ብትሕዞን ብዳርባን ከረኻኽበሎም ዘይተኻእሉ ተቓለስቲ ካብ ህዝቢ ንምንጻል ኤርትራ ንኤርትራውያን! ጉዳይና ባዕልና…… ወዘተ ወዘተ ትሕዝትኡ ኣሪጉ ተመንዩ ዝተጓሕፈ ግጥሚ ብሓዲሽ ዘሜ ክድረፍ ንሰምዖ ኣለና፡፡ ኩሎም እቶም ብስውርን ብርእዮን ኢሳይያስ ዘሕቀቖም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ በዛ ዜማታት ትቐያይር ዘላ ሰራም ግጥሚ ኢዮም ጠፊኦም፡፡ ሎሚ እዛ ሰራም ግጥሚ ሸውዓተ መዐሙቕ ክንደብያን አሰራታ ከነጥፍኦን ኣለና፡፡ ብኸመይ ፊት ንፊት ድሎ ብድሎ ብምግጣም፡፡ ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን ኮይና ኢያ፡፡ ዝኾነ ፍልልያት ይሃልወና ኤርትራዊ ንኤርትራ ክሸጣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እንትርፎ ኢሳይያስ!!!

ይ        ቕ        ጽ         ል

ኣይረሳዕናኩምን ወትሩ ኣብ ዝኽርታትና ኣለኹም!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

[email protected]

Tele +251 921924501

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.