ቤት ማሕዩር ብድሆ መሽቆራቑር ሕሰም

ቤት ማሕዩር ብድሆ መሽቆራቑር ሕሰም

By Brhan Tesfa

ቤት ማሕቡስ ብድሆ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ሆስፒታል ሓሊበት ዘሎ ኩርባ ዝተደኮነት ቤት ማእሰርቲ እያ፡፡ ኣብ መንጽራ ድማ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ብድሆ ንረክብ፡፡ ነዛ ቤት ማእሰርቲ ዝተዓደለ ስያመ ብድሆ ዝብል ካብቲ ቀዳማይ ስያመ ቤት ትምህርቲ ብድሆ ዝነቐለ እዩ፡፡ ዝገርም እዩ ዜጋታት ዝግፍዕሉን ዜጋታት ዝህነጽሉን ንክልተ ተጻራሪ ዕማም ዘለዎ ትካላት ዝውክል ሓደ ዓይነት ስያመ፡፡ ማሕዩር ብድሆ ስሩዕ ህንጻ ኮነ ክሊ የብሉን፡፡ ዝርከበሉ ቦታ ሰብ ብዙሕ ዘይደፍሮ ጽምጻዊ ሓውሲ በረኻ እዩ፡፡ ብጀካ ኣብ ሰጣሕ ዘላ ኬላ ከም መእተዊ ኮይኑ ዘገልግል ጌት መሰል መዕገቲ ሓጹር እኳ የብሉን፡፡ ንሸነኽ የማን ካብ ኬላ ትርከብ ከም ቤት ጽሕፈት ኮይና እተገልግል ኮንተኔርን ካብኣ ፍንትት ዝበላ ቑንጣሮ ህድሞታት መንበሪ ሓለዋ እቲ ቤት ማሕዩር ዝነብሩለን እየን፡፡

ቤት ማሕቡስ ብድሆ ቅድሚ 4 ዓመት ክትምስረት ከላ ነቑጣ ስታፍ ቁጽጽርን ስነስርዓትን ሰሜን እዝን ምክትታል ዶባትን ኮይና ንምግልጋል ዓሊማ ቆይማ፡፡ ብዘይካ ብሃታሃታ ዝተሰርሓ ዉሑዳት ሃዳሙን ኮንተኔርን ካልእ ኣይነበራን፡፡ ብወጅሃላይ ኣቃውምኣን ኣብ ለጋስ ቦታ ብምዃናን ብዛዕባ ህላወኣ ብዙሕ ዘድህበላ ኣይነበረን፡፡ እቲ እዚ ሰሜንን ምክትታል ዶባትን እውን ፈለማ ከምዝሓሰቦ ከም ቤት ጽሕፈቱ ብዙሕ ኣይተጠቐመላን፡፡ ተኽለ ማንጁስ ሞጎስን ሽመትን ብውልቀ መላኺ ረኺቡ መተካእታን ካልኣይን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተሓሲቡ ንዝቖመ “ህዝባዊ ሰራዊት” ከቑምን ክመርሕን ሽመት ምስተዓደሎ ቤት ማሕቡስ ብደሆ ምስጢር ኣደባባይ ኮይኑ፡፡

መቐናቕንቲ ተኽለ ማንጁስ ዝኾነ ጀነራል ፍሊጶስ ዘማሕደረን ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይ ስርዋ፡ ዓዲንፋስ፡ ዓላ …ወዘተ ኣብያተ ማእሰርትታት ሰራዊት ተኽለ ማንጁስ ማለት “ዕጡቕ ህዝቢ” ዝገፈፎም ኮኑ ኣጽንሑልና ዝበልኹም እሱር ፍጹም ከይትቕበሉ ዝብል ጥብቂ ትእዛዝ ስለዘውረደ ተኽለ ማንጁስ ንግዳያቱ ዝኸውን ስፍራ ከናዲ ተጓይዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ነተን ዝጸንሓ ኣባይቲ ብድሆ ትሕቲ መሬት መሐየሪታት ኣብ መወዳእታ 2012 ከምዝገፍሕ፡ ከምዝዓሙቕን ብመጠን ከምዝውስኽን ገይሩ፡፡ በዚ ከኣ ቤት ማሕቡስ ብድሆ ካብ ተኽለ ማንጁስን ጨፈርቱን ዝኾረዩ ውልቀሰባት ዝጭወይላ ቦታ ናብ ሓፋሽ ዝከላበተላ ስፍራ ተቐይራ፡፡

ደቂ ተባዕትዮ ዝዳጎንለን 3 ትሕቲ መሬት ሸላታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዳጎናሉ ሓደ ሸላ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኩርባ ተደኲነን ይርከባ፡፡ እቲ ትሕቲ መሬት ወይ ኣንደራት ብእምኒ ተነዲቑ ፎኪስ ቶኖኮ ዝተሃርመ እዩ፡፡ ምድርቤቱ ሓመድ፡ ናሕሲ ድማ ብሓመድ ዝተደብደበ ብርብራብ ቐላሚጦስ ዝቖመ እዩ፡፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝዳጎንለን ኣንደራት የማነይቲ፡ ማእከለይቲ፡ ጸጋመይቲ ተባሂለን እንክጽውዓ እታ ናይ ደቂ ኣንስትዮ “እንንዳ ኣዋልድ” ይብሉዋ፡፡ ስፍሓት ኣንደራት ደቂ ተባዕትዮ ሕድሕዱ 4 ብ15 ሜትሮ ኮይኑ ዕምቆቱ ንምድሪ 2 ሜትሮ እዩ፡፡ እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 4 ብ7 ሜትሮ እዩ፡፡ ነብሰወከፍ ኣንደር 20 ብ30 ሳንቲ ሜትር ዝምግፍሑ መሳኹቲ ኣለዎ፡፡

ነፍሲወከፍ ናይ ተባዕትዮ መሐየሪ ኣንደር ኣጸቓቒጦም ክሳብ ክሳብ 100 እሱር ይዳጉንሉ፡፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን (መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2014) ግን ጀነራል ፍሊጶስ ክቐናንሰሎም ብዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኣብታ የማነይቲ ኣንደር 60 እሱራት፡ ኣብ ማእከለይቲ ኣንደር 90፡ ኣብ ጸጋመይቲ ድማ 68 እሱራት ሒዘን ይርከባ፡፡ ኣብቲ “እንዳ ኣዋልድ” ድማ 26 ደቂ ኣንስትዮ እሱራት ኣለዋ፡፡

ኩነታት እቲ ቤት ማሕቡስ ኩሉ ኣንደራት ጸልማት እዩ፡፡ ብፍላይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣንደራት ማዓጹን ኩሉ ሻዕ ዕጹው ስለዝኾነ ብርሃንን ኣየርን ዝበሃል ኣይኣትዎን፡፡ እታ ኣብ ኣፍ ደገቤት ተንጠልጠለት ናይ 20 ዋት ልቺ (ኣንፑል) ከም ኩሉ ናይ ኣስመራ ውልዕ ህልም ምባላ ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ እቲ ኣንደር ክተብርህ ዓቕሚ የብላን፡፡ እተን ናእሽቱ መሳኹቲ ብደጊአን ዝተሸፈና ስለዝኾና እኹል ዝኣቱ ኣየር የለን፡፡ በዚ ምኽንያት ትንፋስ እሱራትን ረሃጽ ኣካላቶንም ዝፈጥሮ ጨና ኣይኮነን ነቲ የዋህ ኤርትራዊ ዜጋ ነቶም ህዝቢ ዘሳቑዩ ጸላእቲ ህዝቢ ዝኾኑ መራሕቲ እኳ ኣይትምነየሎምን፡፡ ምስ ሽታ እቲ መዕቖሪ ሽንቲ ማይ ዝጥቀምሉ ኣብ ናሕሲ እቲ ኣንደራት ዝንጥልጠል ቆራዕራዕ ጎማታት መትሓዚ ማይ ተሓዊሱ ከኣ ክትዛረቦ እውን ዘጸይፍ ጨና እዩ ዘለዎ፡፡

ምሕደራ ቤት ማሕቡስ ብድሆ ብቐንዱ ኣብ ትሕቲ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ኮይኑ ክመርሖ ዝጸንሐ ከኣ ሌ/ኮሎኔል ወዲ ምስግና ሓላፊ ስታፍ እዚ ሰሜን ነይሩ፡፡ ካብ ምምስራቱ ክሳብ መጀመሪያ ዓመት 2014 ሜጀር እዮብ ኣርአያ ናይ ቀረባ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ፡፡ ገዲም ተጋዳላይ ባባ ዑስማንን ስምረት ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣባላት ስታፍ ምምሕዳር ጸኒሖም፡፡ ብዘይካዚኦም እሱራት ዝምዝግቡ ዓቕሚ እሱራት ዝጽብጽቡ 5 ፐርሶኔላት ኣለው፡፡

እዞም ብተኽለ ማንጁስ ተመዚዞም ሓለፍቲ እቲ ቤት ማሕቡስ ዝጸንሑ ካብ በዓል ወዲ ምስግና ጀሚርካ ብምሉኦም ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ብምሉኦም ኣሲርዎም ኣሎ፡፡ ከም መተካእታ ሓላፊ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ድማ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ነበር ዓንዶም ዝበሃል ብግዝያዊነት ነቲ ቤት ማሕቡስ ክመርሕ ጀነራል ፍሊጶስ መዲብዎ ኣሎ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ብተኽለ ማንጁስ ስለዝተደኮነ ጥራይ ቀስ ብቐስ ንከፍርሶ ከም መደብ ሒዝዎ ከምዘሎ እቲ ግዝያዊ ሓላፊ ዝተመዘዘ ዓንዶም የውሪ እዩ፡፡

ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ተመዲቦም ክሳብ ግዚኦም ክምርምሩ ዝጸንሑ መርመርቲ እሱራት ብድሆ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ እዚ ሰሜንን ምክትታል ዶብን ዝመላለሱ በዓል እድሪስ፡ ዮውሃንስ (ጆን)፡ ወልዱን ተስፋልደትን እዮም፡፡ ብፍላይ እድሪስ ብትዕቢቱን ጭካንኡን ኣብ ኣስመራ ዝተለለየ ሰብ እዩ፡፡ እድሪስ ምስ ንኡስ ዕድሚኡ፡ ድሕረ ባይትኡን ባህሪያቱን ዝጋራጮ ተግባራት ይፍጽም ጸኒሑ፡፡ ተጻዋቲ ኩዑሶ ጋንታ ሰላም ዝነበረ እድሪስ ኣባል 9ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት እዩ፡፡ ምጽዋት ኩዑሶ ምስ ሓደጎ ናብ ድለላ ገዛ፡ መኪናን ወርቅን ኣትዩ ኣብዚ እንዳነጠፈ እንከሎ ምስ ወርቂ ብዝተኣሳሰረ ጉዳይ ተኣሲሩ ነይሩ፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ምቅብባል ወረ ንኣባለት ጸጥታን ስለያን ተኽለ ማንጁስ ዝጀመረ እድሪስ በዚ ዝጀመሮ ለክበጥበጥ ከይደንጎየ ኣባል ስታስ ስለያ “ህዝባዊ ሰራዊት” ኮይኑ፡፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ ተጸጊዑ ኣብ ምጭፍጫፍን ምግፋዕን ህዝቢ ኣስመራ እጅግኡ ሰብሲቡ ተታሒዝዎ፡፡ እሙን ኣፈጻሚ ብምርካቡን ብእከይ ግብሩን ዝተሓጎሰ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ቪላጆ መንበሪ ገዛን መንቀሳቐሲት መኪናን ዓዲልዎ ነይሩ፡፡

ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ብምሻሙ ዘይቀደዎ እድሪስ ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኩሎም ደቂ መዛምርቱ ኣብ ትሕቲ እሱርቤት ፍሊጶስ ኣትዩ ከምዘሎ ስለዝተፈልጠ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣስመራ ሕጉስ እዩ፡፡

እሱራት ብድሆ ምኽንያት መእሰሪኦም እንታይ እዩ፡፡ ዶብ ክትሰግሩ ሓሲብኩም ተረኺብኩም፡ ካብ ኣሃዱታትኩም ኮብሊልኩም፡ ካብ ማእቶትን ሓለዋን ከባቢ ኣብኩርኩም፡ ካብ ምዕጣቕ ህዝባዊ ሰራዊት ተሓቢእኹም፡ ብሃይማኖት ስብከት ዝሕመዩ፡ መንቀሳቐሲ ዘየጽንሑ መንእሰያት፡ ዘይዓጠቑ ሳዋ ዘይወረዱ ልዕሊ ዕድመ ዜጋታት፡ ዝብል እዩ፡፡

ብፍላይ ከኣ ልዕሊ 17 ዝዕድሚኦም ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ነፍሰ-ወከፎም ዓመታዊ 700 ናቕፋ ንመንግስቲ ግብሪ ክኸፍሉ ይግደዱ እዮም፡፡ እዚ ግብሪ እዚ ካብቲ ዝተገልጸ ዕድመ ንላዕሊ ዝኾነ/ነት ዋላ ሓደ ስድራ ይኹኑ፡ ስራሕ ይሃለዎም ኣየሃልዎም ብዘየግድስ ክኸፍሉ ይግደዱ፡፡ ንዓዶም ከይወጹ እውን ይዕገቱ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንኢትዮጵያዉያን ዝተኣወጀ ሰዓት እቶእቶ ኣሎ፡፡ ካብ ሚሸት ሰዓት 8፡00 ንደሓር ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ኢትዮጵያዊ ተሓታቲ እዩ፡፡ ስለዚ ዓመታዊ ግብሪ ዘይከፈሉ ዓቕሚ ዝሰኣኑን ኣብ ሕላፍ ሰዓት እቶ እቶ ዝተረኸቡን ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ምስቶም ግፉዓት የሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብድሆ ዝእሰሩ ኣለው፡፡

እቲ ካልእ መእሰሪ ምኽንያት ኣብ ሃገርና ምህናጽ ኣባይቲ ጠጠው ካብ ዝብል ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ ንዝነበሮ ስሜንቶ ከይበላሸዎ ወይ ንዝተጀመረ ክምልእ ክልስን ክነድቕ ዝጸንሐ ወናኒ እቲ ህንጻን ብሞይኡ ዝሰርሕን ኤርትራዊ ተታሒዙ ይእሰር፡፡ እቲ ካልእ ኣብዚ እዋን ገኒኑ ዝረአ ዘሎ ስርቂ፡ ክትራን፡ ባእሲ፡ ሓወላ፡ ኮንትሮባንድ፡ ኣብ ምሻጥን ምዕዳግን ዝተሸጠ ኣቑሑት፡ ናይ ሲና ገንዘብ ተቐቢልኩም ዝብሉ መእሰሪ ምኽንያታት እውን ኣለው፡፡ ኮታስ ብድሆ ኩሉ ንእትግፍጦ እሱር እትብይነሉ ሕጋዊ መስርሕ ዘይብላ ተኽለ ማንጁስን ጭፍርኡን ንዝደለይዎ ሰብ ዘበስብሱላ ስፍራ ኮይና እያ ጸኒሓ፡፡

ሕዩራት ብድሆ ከም ብዊንቶኦም ዝሰፈሩዋ ኩሉ ዘድልዮም ናይ መነባብሮ ኣቑሑት ካብ ጅበኦም ኣውጺም ክዕድጉ ይግደዱ፡፡ ድስቲ ኩስኩስቲ፡ ኩባያታት፡ ጀሪካናት፡ መደቀሲኦም ተንኮቦት፡ ኣዋጺም ብሰልዶም ይዕደገሎም፡፡ እንክሓሙ ዝጥቀምሉ ፈውሲ (መድሓኒት) ከይተረፈ ካብ ጅብኦም ክዕደገሎም ይእዘዙ፡፡ እንተዘይብሎም እሱራት ኣዋጺኦም ይዕድግሎም፡፡ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ድማ ኣይፍቀደሎምን፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ’ውን ኣይቀርቡን፡፡

መግቢ እሱራት ንጉሆ ሓንቲ ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ሓንቲ ኩባያ ሻሂ፡ ምሳሕን ድራርን ንነፍሰ ወከፍ እሱር 2 ባኒ ወዲ ዓከር ምስ ብማይ ዝተጀለሐ ጸብሒ ዓደስ ይቐርበሎም፡፡ እሱራት ዕድል እንተገይሮም ዝተሓተ ኣብ ክልተ ሰሙን በቢጉጅለ ይሕጸቡ እዚ ከከምኩነታቱ’ምበር ስሩዕን ግዴታን ኣይኮነን፡፡ ብዙሕ ግዜ ይትረፍ ንምሕጻብ ዝስተ ስኢኖም በዝሒ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣንደር ዝፈጠሮ ጸቕጥን ሃሩርን ብሕጽረት ዝስተ ማይ ብሓያል ጻምእ ተሰኒፎም ሃላዋቶም ኣጥፊኦም ዝወድቅሉ እዋናት ኣሎ፡፡ እቲ ማይ ብቦጥ እዩ ዝቐርበሎም፡፡

ኣደቓቕሳ እሱራት ኮርቴሎ ብዝበሃል ዓይነት እዩ፡፡ መደቀሲ ቦታ ጸቢብዎም መገላበጢ ስኢኖም ዓቕሎም ጸቢብዎም ዶው ኢሎም ኣብቲ መንድቕ ተጸጊዖም ቀም ከብሉ ይፍትኑ፡፡ እሱራት ተፈጥሮ ዝለገሰትሎም ጽሩይ ኣየርን ጸሓይ ብርሃንን ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን፡፡ ንጉሆን ኣጋምሸትን በቢ20 ተኸፋፊሎም በቢእብረ ብየማን ብጸጋም ብድሕሪት ብዕጡቋት ተዓጂቦም ናብ ሽቓቕ እንክኸዱ ጥራይ ንኣስታት 10 ደቓይቕ እዘን ተፈጥራዊ ሂያባት ንእግረ መገዶም ይረኽቡ፡፡

ንበዓል ጸጋ (ገንዘብ) ካብ ማሕዩር ብድሆ ምውጻእ ቀሊል እዩ፡፡ 10 ሺሕ ናቕፋ ኣብ ኢድ ሓለፍቲ እቲ ቤት ማሕዩር ምጭባጥ ጥራይ እዩ ዘድልየካ፡፡ ሰልዲ እንተለካ 10 ሺሕ ናቕፋ ጉቦ ብምኽፋል ይትረፍ ንኣዋርሕ ንዓመታት ካብ ምእሳር ዋላ ንሓንቲ ካብቲ ቦታ ምድሓን ዓቢ ዕድል እዩ፡፡ እንተዘይብልካ ግን እንታይ ትገብር፡፡

ስለዚ ማሕዩር ብድሆ ካብተን ኣብ ከተማና ኣስመራ ምልኪ ውልቀ መራሒ ሃገርና ዝሃነጸንን ዝወለደንን መሽቆርቆራት ሕሰም እያ፡፡ ኣካል ናይቲ መሰላትን ሰብኣዊነትን ዜጋታትና ብምድሃኽ ህልውን መጻእን ዕድላት ህዝብና ዘባኽን ዘሎ ኣብ መላእ ሃገር ዘስፋሕፈሐ ስርዓተ ማሕቡስ ድማ እያ፡፡

ካብ ተሞኩሮ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን

ካብ ተሞኩሮ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን

ሎሚ ዓመት ኣስታት 22 ሺሕ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት 27 ዙርያ ተመሪቖም፡፡ ምረቐኦም ምስ 6ይ ዙር ፌስቲቫል ሳዋ ብሓባር ዕለት 18 ሓመለ 2014 ተፈጺሙ፡፡ ኣብ ምረቓ ኣባላት 27 ዙርያን መኽፈቲ በዓል 6ይ ዙር ፈስቲቫል ሳዋን ፕረዚዳንት ኢሳያስ ተረኺቡ መደረ ኣስሚዑ፡፡ ኣብ መደርኡ “ኣይለመድኩዎን ግን እስከ ንዝጸሓፍኩዎ ብዘይመነጸር ቅድሚ ምምዳረይ” ብምባል ንሕብራዊ ቀለማት፡ ወትሃደራዊ ሰልፍታትን ምስቲ ሰልፍን ሕብርታትን ተሓዊሱ ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስ ሳዋን ኣመልኪቱ ብመልክዕ ሞዛይክ ሓጺር መደረ ካብ ጽሑፍ ወጻእ ብቃል ዘስምዐ ፕረዚዳንት ኢሳያስ፡ ቀጺሉ ናብ ናይ ጽሑፍ መደረኡ ብምእታው ካብ 26 ዙርያ ጀሚሩ ትምህርቶም ክቕጽሉ ዕድል ዘይረኸቡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ተመረቕቲ መንእሰያት ሳዋ ዝተመሓየሸ ሞያዊ ስልጠና ኪነታዊ ትምህርቲ ክኣትው ተኣሚሙ ምንባሩ እንተኾነ ኣብ ወጻኢታቱ ክብድ ዝበለ ብድሆ ብምጉናፉ ዛጊት ክፍጸም ከምዘይኻኣለ ኣብሪሁ፡፡ ኣስዒቡ እቶም ትምህርቶም ንምቕጻል ዕድል ዘይረኸቡ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት 26ን 27 ዙርያታት ንብሩህ መጻኢ ዕድሎም ብዓቕሊ ክጽበዪ ከምዝግባእ ብተስፋ ተማባጺዑ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ኢሳያስ “ይሓስቦ ኣለኹ፡ ሓሲበዮ ነይረ፡ ብትዕግስቲ ተጸበዩ፡ ዓቕልን ኣኻእሎን ይሃልኹም፡ ስራሕ ሎሚ ብሩህ መጻኢ…” ወዘተ ብዝኣመሰሉ ዉሩቓት ቃላት ካብ ዘታልለና ክንደይ ዓመታት ኣቑጺሩ? ዘተግበሮም’ክ ኣለው’ዶ? ምልስ ኢልና ምስ እንሓትትን እንምርምርን፡ ሓቁ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፡፡ እቲ ሓቂ ከኣ ካልእ ኣይኮነን፡፡ ከም ማይ ዘይዕሞኽ፡ ከም ግመ ዝበንን፡ ክትሰምዖም ጥዑማት ዉሩቓት ቃላት ኢሳያስ ጥራይ እዮም፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ዘይበሎ እሞ እንታይ ኣሎ; መገዲ ክጸርግ ሓሲበ ነይረ፡ ደሞዝ ሰራዊት ክገብር ሓሲበ ነይረ፡ ምግቢ ውሕስና ከረጋግጽ መርሓ ጎደና ሓንጺጸ፡ ማርሳታትን ወደባትን ክሃንጽ እየ፡ ናጻ ዞባ ክኸፍት ኣንቂለ ነይረ፡ ጸጋታት ባሕሪ ናብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል መደባት ሓንጺጸ ነይረ፡…. ነይረ….!ነይረ…! ነይረ…! ግን ከኣ ብሰንኪ እከለ…ብሰንኪ እከሊት ብድሆታት ገጢሙኒ ከይፈጸምኩዎ ተሪፈ፡፡ ሕጂ”ውን ግን እቲ ሓሳባይ ኣብ ቦትኡ ስለዘሎ ብዓቕሊ ተጸበዩኒ፡፡ ዝብሉ መወዳእታ ዘይብሎም መብጽዓታት ካብ እንሰምዕ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና፡፡ ሓሲበ”ምበር ኣተግቢረ ዝብለና ናፊቕና፡፡

ንኢሳያስ ዝብድሁ ግን ከኣ ካብ ስልጣኑ ዘይድርብዩ ብድሆታት እንታይ እዮም; ኢሳያስ ደጋጊሙ ካብ ዝገልጾ ብድሆ ሓደ ሕጽረት ቁጠባ ባጤራ እዩ፡፡ እዚ እናተደጋገመ ዝግለጽ ሕጽረት ባጤራ ንዓና ንኤርትራውያን ርዱእ ኣይኮነን፡፡ ተፈጥራዊ ጸጋታት እዛ ሃገር ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እቲ ካብ ትሕቲ ከርሲ መሬት ዝርከብ ዘሎ መዓድናዊ ጸጋታት ወርቂ ቢሻ ይኹን በቢሰሙኑ ብባጽዕ ኣቢሉ ብመራክብ ምስሪ እንዳተጸዓነ ሰሙናዊ ብቶናት ዝግመት ምስ ሓመዱ ብኣሚት ሚሊዮናት ዶላር ዝሽየጥ ካብ ኳዕቲ ቢሻ ዝወጽእ ዘሎ መዓድን ሽይጣቱ ኣበይ ይኣቱ ኣሎ? መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ እዩ፡፡ እንታይ ይፍለጥ ኢሳያስ መልሲ ኣይስእንን፡፡ ከይሓፈረ ንሕድሕድ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 500 ናቕፋ ክኸፍል ጀሚረ ብምህላወይ ኣብኡ የውዕሎ ኣለኹ ይብለና ይኾን፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣብ መበል 23 ዓመት ጽንብል በዓል ናጽነት ከይተረፈ ብዕሊ ካብ ዝግለጽ ዛጊት ሰለስተ ወርሒ ዘቑጸረ ንምድላዋቱ ዝምልከት ፍጹም ዘይተሰምዐ “ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም” ኣመልኪቱ ኣብ መድረኽ ብሓሶት ዝተመባጽዐ፡ ነዚ ናይ 26ን 27ን ዙሪያ ግዳ ክሳብ ክንደይ ክእመን ይከኣል; ኩሉ ክሓስቦ ይግባእ፡፡ ብሓቂ ክንዲዚ ዝኣክል መንእሰይ ኪነታዊ ሞያ ክስልጥን ተሓሲቡ ነይሩ ድዩ; እንተተሓሲቡ ክእመን ይከኣል ዶ; እስኪ ክንሪኦ እንዲና ተባሂሉ ንግዜ ዝሕፍ እውን የብሉን፡፡ ምንዳፍ ሓዱሽ ቅዋም ካብ ዝዝረብ ሰለስተ ወርሒ ኣቑጺሩ ክንሱ ክሳብ ሕጂ ንምልከት እውን ይኹን ዝተረኣየ ምንቅስቓስ የለን፡፡

ተዓለምቲ ኣባላት 27 ዙርያ ድሕሪ ምረቓኦም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ነናብ ስድራቤቶም ክኸዱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ንዕለት 5/09/2014 ግን ንሳዋ ክምለሱ ተኣዚዞም፡፡ ንሳዋ ንክምለሱ ከም ምኽንያት ዝተገልጸሎም ውጽኢት ምርመራ ማትሪክ ክንገሮም ምኻኑ እዩ፡፡ ካብ 22 ሺሕ ተምሃሮ እቶም 20 ሚእታዊት ትምህርቶም ንምቕጻል ነጥቢ እንተረኺቦም እቶል 80 ሚእታዊት ዝኾኑ ግና ተረፍቲ ምኾኖም ርዱእ እዩ፡፡ እቲ ጻውዒት ግን ኩሎም ናብ ሳዋ ክምለሱ እዩ፡፡ ኣብዚ ክምዘን ዘለዎ እቲ ትእዛዝ ፍትሓዊ ዘይምኻኑ ጥራይ ዘይኮነ ፍጹም ዘይእመን ተቐባልነት ዘይብሉ ምትላል ምኻኑ እዩ፡፡

ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም እንኮላይ ኣብታ ኣህጉርና ኣፍሪቃን ጎረባብትና ሃገራትን ንተመርመርቲ ጀነራል 8ይ ክፍሊን ን12 ክፍሊ ማትሪክ ምርመራ ዝገበሩን ተምሃሮ ውጽኢታቶም ንምንጋር፡ ናብ ዩንቨርስቲታትን ኮለጃትን መእተዊ ነጥቢ ንምግላጽ፡ ንቀጻሊ ናብ ዝመሃርሉ ዩኒቨርስቲታትን ኮለጃትን ምደባታቶም ንምፍላጥ ነናብ ኣብያተ ትምህርቶም ምእካብ ኣየድልን፡፡ ኣብ ገገዝኦም ከለዉ ብመራኸቢ ብዙሃንን ብመርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ትምህርትን ይግለጸሎም ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ድማ ተምሃሮን ስድራቤታቶምን ናይ ግዜ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ጉልበትን ካልእን ብኽነት ይኹን ካብ ከልበትበት ይድሕኑ ማለት እዩ፡፡ እዚ ድማ ዘመን ዝፈጠሮ ውጽኢት ምዕባለ ቴክኖሎጂ ናብ ረብሓ ዜጋታትካ ንምውዓል ብግብሪ ምስራሕ ማለት እዩ፡፡

መንግስቲ ኢሳያስ ግን ንዓመት መመላእታ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ሰዋ ክመሃሩን ወትሃደራዊ ታዕሊማት ክወስዱን ዝጸንሑ ብዓስርታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ድሕሪ ዕላዊ ምረቕኦም ንሓደ ወርሒ ምስ ወለዶም ጸኒሖም ውጽኢቶም ንኽንገሮም ካብ ዓዓዶም ናብ ሳዋ ክውርዱ ምእዛዝ ንሃልኪ ወጻኢታት፡ ንድኻም ተምሃሮ፡ ንጸገማት ስድራቤት፡ ንናይ ግዜ ብኽነት ኣብ ግምት ዘየእቱ ዘመኑ ዝሓለፎ ዕውር ውሳነ እዩ፡፡ ልክዕ እዩ ብኣገላልጻ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ነቲ ብጀካ ኣብ ሃገርና ኣብ መላእ ዓለም ንኣህዛብ ዓለምና ልዑል ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ኢንተርኔት “ንፋስ” ስለዝኾነ ብዙሕ ከምዘይግደሰሉ ብወግዒ ነጊሩና እዩ፡፡ ሕራይ እሞ ብመርበብ ኢንተርኔትስ ይትረፍ እሞ ተምሃሮ ኣብ ከባቢታቶም እንከለው ውጽኢታቶም ብመራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ከባቢታቶም ምጥቃዕን’ከ እንታይ ስለዘጸገመ እዩ ንሳዋ ክወርዱ ዝተደልየ?

እቶም ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ናቕፋ ንሃሩር ቀትርን ቀዛሕታ ለይትን ተሳጢሖም ዝርከቡ ኣስታት 6 ሺሕ ዝኾኑ ኣባላት 26 ዙርያ ተመሪቖም ነናብ ስድራቤቶም ምስተለቁ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን “መንግስቲ ካልኣይ ማትሪክ ክትገብሩ ፈቒዱ ስለዘሎ ንሳዋ ተመለሱ” ዝብል መምርሒ ምስ ወረደሎም እክብ ኢሎም ወለዶም እውን ብግሩህ ልቦም ንሳዋ ኣፋንዮምዎም፡፡ ሳዋ ምስኣተው ብኡ ንብኡ ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ሓለዋ ኣትዮም፡፡ ቀጺሎም ብዕለት11/10/2013 ብ/ጀነራል ወዲ መምህር ኣኪቡ ናብዚ ዝተጸዋዕኹምሉ ቀንዲ ምኽንያት ድሕሪ 7ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ተቋሪጹ ዝነበረ ኣካል ወትሃደራዊ ታዕሊም ዝኾነ እግሪ ጉዕዞ ክትገብሩ ኢኹም” ዝብል መግለጺ ሂብዎም፡፡ ብቀጥታ ብ4 ብርጌዳት ተወዲቦም ን5 ንምሕምባስ ባሕሪ ወሲዶም፡፡ ቀጺሉ ካብ ሳዋ ንኣፍዓበት ን19 መዓልቲ ብእግሪ ተጓዒዞም ዕለት 03/11/2013 ኣፍዓበት በጺሖም፡፡ ይትረፍ ንህጻውንቲ ንዓበይቲ እውን ኣዚዩ ኣጸጋሚ ዝኾነ ናይ ባርካ እግሪ ጉዕዞ ገለገለ ቆልዑ ብኣጻምእ ማይ፡ ነብሰ-ድርቀት (ዲሃይድሬት) ገይርሎም ሂወቶም ዝሰኣኑ ከምዘለው ጋህዲ እዩ፡፡ ገለ ካብኦም ዓቕሎም ኣጽቢቦም ብጸምጸም ኣጻምእ በረኻታት ናቕፋን ሳሕልን ክጠፍኡ ብስእነት ማይን ምግብን ኣብ ጉዕዞ ዝሃለቑን ዕድል ገይሮም ክኣ ነዊሕ ተጓዒዞም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተዉ ከምዘለው ይፍለጥ፡፡

ንጉዕዞ ካብ ሳዋ ዝተበገሱ ኣባላት 26 ዙርያ 13 ሺሕ ነይሮም ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ጎዲሎም ናብ ትሕቲ ፍርቂ ቀኒሶም ብ4 ብርጌዳት ዝተሰርዑ ኣስታት 6 ሺሕ ተምሃሮ ኣብ ኣፍዓበት ሩባ ሓዳይ ብዘይዝኾነ ስራሕ ኮፍ ኢሎም ከምዘለው ይፍለጥ፡፡

ስድራቤታት ተዓለምቲ 26 ዙርያ ኣብ ልዕሊ ደቆም ብዝበጸሐ ስቓይ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ኮለል እንዳበሉ ጥርዓናት የስምዑ እኳ እንተነበሩ ሰማዒ ስኢኖም፡ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ ጫቑጫቕ ምስ በዝሐ ዝተሰከፈ ጉጅለ ኢሳያስ ተገዲዱ ነቶም ኣብ ሩባ ሓዳይ በረኻ ተደርብዮም ዘለው ህጻውንቲ ደቆም ክረኽቡ ኣፍቂዱ ነይሩ፡፡ ክሳብ ዝፍቀድ ግን ንብዓተን ተነጺፈን ዝሓደራ ኣዴታት፤ ብጓሂ መዓንጣ ከብዶም ተጠዊፎም ዝነብሩ ኣቦታት ብዙሓት እዮም ነይሮም፡፡

ስለዚ ስድራቤት ኣባላት 27 ዙርያ “ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ” ከምዝበሃል፡ ካብ ኣባላት 26 ዙርያ ምምሃር የድሊ፡፡ እንተዘይኮይኑ እቲ ታሪኽ ክደገም ምኻኑ ዘጠራጥር የብሉን፡፡ ካብ ጌግኡ ዘይመሃር ንፋዕ የብሉን እዩ እሞ ሃየ ነስተውዕል፡፡ ብ26 ዙርያ ዝተጀመረ መዓስከር ሩባ ሓዳይ ወይ ከኣ “እዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት” ሩባ ሓዳይ ኣፍዓበት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ምዱብ ኣሃዱታት ሰራዊት ንዘጋጠመ ገዚፍ ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ንምምላእ ዝተሓስበ ውጥን እዩ፡፡ ነዚ ውጥን ዘተግብርን ዝዕልምን ነዞም መንእሰያት ዝሕሉን ሓይሊ ካብ ኣሃዱ ክ/ሰራዊት 84ን ሓልሓለ ካብ ትበሃል ዓላሚት ኮማንዶ ዊዓን ዝተወጻጽአ ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ናብ ሳዋ ተላኢኹ ንኣባላት 26 ዙርያ ተቐቢሉ ምምራሕ ቀጺሉ እዩ፡፡ ነዚ ካብ 84ን ካብ ታዕሊም ክፍሊ ኮምናዶ ሓልሓለን ተወጻጺኡ ዝተልኣከ ሓይሊ ዝመርሕ ሌ/ኮሎኔል ሙሳዝጊ ሃይለ ወልደንኪኤል ወይ ከኣ ብመርዓዊ ዝጽዋዕ ሰብ እዩ፡፡ ንሌ/ኮሎኔል ሙሳዝጊ (መርዓዊ) ብላዕለዋይነት ዝመርሖን ነቲ “እዚ ሃ/ኣገልግሎት” ክመርሕ ብፕረዚዳንት ኢሳያስ ዝተመዘዘ ሓላፊ ከኣ ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረሂወት (ወዲ መምህር) እዩ፡፡

ማማ ትሓመና ኣላ፡ ብምሕረትኣብ ሚኪኤል

ማማ ትሓመና ኣላ፡  ብምሕረትኣብ ሚኪኤል

Mama Tihamena Ala by Mihreteab Michael

 

 

መጋርያ ባድመ ብልጭ-ብልጭ! 1ይ ክፋል

መጋርያ ባድመ ብልጭ-ብልጭ!
1ይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 14 ነሓሰ 2014

ግዜ መረስዕ ስለዝኾነ፣ የረሳስዕ ኢዩ። ኲናት፣ በሰላ ኲናትን ወረ-ኲናትን ግን ኣብ ዕታር ዓመታት ዝርሳዕ ኣይኮነን። ባድመ ኢልና ክንሓስብ እንከለና፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ዝተኣጉደ መጋርያን ዝሃለቐ ህይወትን ኢና እንዝክር። ብዛዕባ ጉዳይ ባድመ ብዙሕ ግዜ ተዘሪቡን ተጻሒፉን ኢዩ። እቲ ኣብዚ ክንብሎ ዝደለና ጉዳይ፣ ‘ዕሉል ቁንጪ ሓሰር ተጎልቢቡ ሓዊ ይስሕን’ ከም ዝበሃል፤ ኲናት ባድመ ኮነ ተባሂሉ ብመደብን ድሌትን ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተፈጀረ ታይም ቦምብ ምንባሩ ንምንጻር ኢዩ።

ሽዑ ኢሳይያስ ገለ ነገር ክሰርሕ ይውጥን ስለዝነበረ ኢዩ ከኣ፡ ብኣዝዩ ስዉር ዝኾነ መንገዲ፣ ብድሕሪኡ ዝተረኽበ ናጤባ ንምምሳል ናብ ሱዕድያ ገይሹ ነበረ። ነቲ ኲናት፡ ንሓደ ጀነራል መደብ ስራሕ ሂቡ ኣባሪዕዎ። እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ክሰርሖ ዝሓንጸጾ መደብ ድማ፡ እነሆ ሎሚ ብድሕሪ ደርዘን ዓመታት ብጋህዲ ርኢናዮ።

ወላ’ኳ ካብቲ ኲናት ደው ዝበለሉ ግዜ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 14 ዓመታት ሓሊፉ እንተኾነ፣ እቲ መጋርያ ባድመ ግን ገና መመሊሱ ብልጭ-ብልጭ ይብል ኣሎ። ዶብ ናይዚ ክልተ ህዝቢታት ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ብንጹር ዝተሳእለ ኢዩ። ወላ’ኳ ብድሕሪ 2000 ዓ.ም. ካብ ስምምዕ ኣልጀርስ ንደሓር እቲ ዝምድና ግንባራት፡ ኣይሰላም ኣይኲናት እንተሃለወ፣ ሓሙኽሽቲ ባድመ ግን ክሳብ ቀብሪ ስርዓት ህግደፍ ብቐሊሉ ዝጠፍእ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ፡ ክልተ ታሪኻት የለን። ታሪኽ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ከኣ ሓደን ሓቀኛን ታሪኽ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። እቶም ብ1902 ዓ.ምሕረትን ድሕሪኡን ኣብ መንጎ መግዛእቲ ጣልያንን ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ዝነበረ ሃጸይ ምነሊክን ዝተሓንጸጹ ዶባትን ዝተገብሩ ውዕላትን ኣብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ተሰኒዶም ኣለዉ። በቲ ንጹር ሕንጻጽን ብድሕሪ ኲናት ባድመ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘ ሀግ ዝተዋህበ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ብይንን መሰረት፤ ባድመ ሉኣላዊት መሬት ኤርትራ ምዃና ዘጠራጥር ጉዳይ የለን። ኣብ ዘርከብናሉ ዘመናዊ ታሪኽ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ብዶብ ዝተበገሰ ዓቢ ግርጭትን እምባጋሮን ኣይነበረን።

ብኣንጻሩ’ኳ ድኣ ኣብ ኤርትራ ገዛእቲ ሓይልታት ብዘተኣታተዉዎ ጉዳይ መሬትን ካልእ ጠንቅታትን ዝመበገሲኡ ኣብ መንጎ ዓድታት፣ ብሄራት፣ ቀቢላታትን ወረደታትን ካብ ግዜ ምምሕዳር መሳፍንቲ ክሳብ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያን ደርግን፤ ቀጺሉ’ውን ክሳብ ግዜ ናጽነትን ዝተራእየ ባእሲን ውግእን ነይሩ ኢዩ። ኮር ተገልበጥ! እዚ ብናጽነት ኤርትራ ዝተጣዕሰ ጃንዳ ዓዋሉ ህግደፍ ከኣ፡ ሜላ ቀዳሞት ገዛእቲ ብምኽታል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ ኣገባብ ከፋፊልዎ ኢዩ። ብቀንዱ ድማ ምብራዕ ኲናት ባድመ።

ድሕሪ’ቲ ኩሉ ሕቡእ ኣጀንዳን ኣሽካዕላልን፣ ቅድድም ንህንጸት ኮረሻ ስልጣን ኢሳይያስን’ምበኣር፣ ምምራሕ ናብ መኣዝን ኲናትን ሕንፍሽፍሽን ክስዕብ ናይ ግድን ኮነ። እቲ ምንታይ ኢሳይያስ፣ ካብ ኣበጋግስኡ ኣብ እንርእየሉ ግዜ፣ ብንግሆኡ ትልሚ ዳንዴር ዝተለመ፣ ንኤርትራን ኤርትራውያንን በብቑሩብ ንምጽናት ሕቡእ ካራ ተኾልኲሉ ንሜዳ ዝተበገሰ፤ ቁሩሕ መንደላይ ተመን ስለዝኾነ ኢዩ።

ስለዚ እቶን መቕዘፍቲ ኲናት ባድመ፡ ገና ኣይዓረፈን። መምስ ሓድሽ ፖለቲካዊ መቐይሮ፡ እቲ ድጉል መጋርያ ብልጭ-ብልጭ ክብል ንርእዮ ኣለና። እቲ ሓደገኛ ኲናት ብስትራተጂያዊ ሕንጻጽ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ዓምበርቦብ፤ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ግድን ክመጽእ ዝነበሮ፤ ወይ ከም ታይም ቦምባ ኣብ ሰዓቱ ክፍጀር ዝነበሮ ሕንጹጽ መደብ’ምበር ናጤባ፡ ወይ ነጎዳ ሓጋይ ኣይነበረን።

ጠንቂ እቲ ኲናት ሕቡእ ድሌት ውልቀ-ምልካዊ ኢሳይያስ ምዃኑ ካብቲ ክኸዶ ዝጸንሐ ጉዕዞ ዘይተረድኦ ኤርትራዊ እንተሎ፣ ከም ፈረስ ማይ ኣባ-ሻውል የማነ-ጸጋም ዘይጥምት ሰብ ጥራይ ኢዩ። ብከመይ መንገዲ ከም ዝበርሃሉ እንድዒ! መበገሲ ኲናት ባድመ እቶም “ንክረዳድኡ” ብዝልብ ምኽንያት ናብ ውሽጢ ባድመ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ልኡኻት፤ ብሚሊሽያ ወያነ ምስ ተቐትሉ ኢዩ’ኳ ዝብል መመኽነይታ እንተቀረበ፤ ናብቲ ዝሰዓበ ዕንወት ንምብጻሕ ግን ሕቡእ ተንኮላት ኢሳይያስ ዝወልዖ ኲናት ጥራይ ኢዩ ዝነበረ። እቶም ብሚልሽያ ወያነ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ዜጋታት ኤርትራ፡ ኣስማቶም መነመን ይበሃሉ ነይሮም? ዓዶምን ስድራ ቤታቶምን’ከ ኣበይ ይርከቡ? ፈለጥቶም’ከ በዓል መን ነበሩ? ዝብሉ ሕቶታት ዛጊት ክሳብ ሎሚ መልሲ ኣይተረኽበሎምን። ስለዚ እቶም ተቐቲሎም ዝተባህሉ፡ ሰባት ድዮም መናፍስቲ፡ ዛጊት ዝተረጋገጸ ጉዳይ የለን።

እቲ ሓንሳብ ዝተተኮሰ ነታጒ ኢሳይያስ ከኣ፣ እነሆ ጥሚቑ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን /ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ/ የበሳብስን ይብትንን ኣሎ። እቲ ድጉል ሓሙኽሽቲ ኲናት ድማ፡ ጠንቂ ምምዝባል ኤርትራውያን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። እቲ ብዕለት 12 ግንቦት 1998 ወጋሕታ ሰዓት 05:30 ብብርጌዳት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተጀመረ ኲናት ባድመ፡ ንኩላትና ኤርትራውያን ሃንደበት ኮይኑ ተሰሚዑና። ሽዑ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ሓላፊ ጠቕላላ ስታፍ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ብዛዕባ እቲ ምጅማር ኲናት፦

“ኣነ ኣብ ባድመ ኲናት ከም ዝተጀመረ ምስ ህዝበይ ብረድዮን ተለቪዥንን እየ ሰሚዐዮ” በለ። ብዙሓት ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ሰብ መዝታትን ሜጀር ጀነራላትን’ውን ብዛዕባ እቲ ኲናት ሽዑ ምስ ተባርዐ ከም ዝሰምዑ ተዛሪቦም ኢዮም።

ኲናት ባድመ ገና ኣይቀሃመን። ፖለቲካዊ ንፋስ ኣብ ዝሕይለሉ ግዜ ከኣ፡ እቲ ድጉል መጋርያ ብልጭ-ብልጭ ክብል ንዕዘብ ኣለና። ንሕና ኤርትራውያን “ኲናት ባድመ መን ጀመሮ?” ዝብል ግድል ብሓቂ ከይፈታሕና ናብቲ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽን ሎሚ ዘሎ በሰላ ንምሕዋይ ዝግበር ተጋድሎን ንጹር መንገዲ ክንሕዝ ዝከኣል ኣይኮነን። ነቲ ብዕለት 13 ሚያዝያ 2002 ናብ ዘ ሀግ ዘምርሐ ጉዳይን ከምኡ’ውን ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዕለት 21 ታሕሳስ 2005 ዝሃቦ ምስክርነትን መንግስቲ ህግደፍ ብወግዒ ዝተቐበሎ ውሳኔን ደጋጊምና ንርአ። ካብኡ ንደሓር ምህውታት ኣየድልን ኢዩ።

ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ምስሕሓብ ብዛዕባ ባድመ ከም ዝነበረ ዚዝከር ኢዩ። ግን እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ወይ ኣብተን መጀመርያ ዓመታት ናጽነት ብመሰረት ሕጋዊ መግዛእታዊ ካርታ ብሕውነታዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝነበሮ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። ክሳብ ናብ ሓዊ ዝቕየር ግን ብዓቢ ቆላሕታ ኣይተራእየን። እቲ ንክትኮስ መዓልታት ዝጽበ ዝነበረ ነታጒ ኢሳይያስ ተፈጂሩ ኢዩ። ሽዑ እቲ ሓዊ ብቕጽበት ከም ሳዕሪ ኣንቶረ፣ ናብ ገምሃሎ፣ ወረዳታት ኣድያቦ፣ ገዛ ገርህላሰ ወ.ዘ.ተ… ክባራዕ እንከሎ፤ በብግዚኡ ካብ ባድመ ብዝነጠረ ቁልዒ’ውን ኣብ ግንባራት ጾሮና፣ ዛላንበሳን ቡሬን ወ.ዘ.ተ…ንፋስ ከም ዝኣተዎ ረመጽ ብዝለዓለ ናህሪ ተባርዐ። ኩላትና ዜጋታት ኤርትራ በቲ ዝተረኽበ ትራጀዲ ቃዚንናን ኣስተንቲንናን ኢና። ምስ ግዜ ዘይበርህ ጉዳይን ምስጢርን ስለዘየለ ግን እቲ ኲናት ሓደ ካብ ጸወታ ቸዝ ኢሳይያስ ኢዩ ነይሩ።

‘ናብ ቤተ-ክርስትያን ትብል ጽግዕ ጽግዕ፣ ክትጸድቕ’ዶ ደልያ ዘይከተዘንግ’ ከም ዝበሃል እምበኣር፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ግዜ ምስላፉ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ሜላን ኣተሓሕዛን፣ ንስለ ናጽነትን ፍትሒን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፣ ንስለ ስልጣኑን ውልቃዊ ምልኩን ከምኡ’ውን ስለቲ ገና ተቐቢሩ ዘሎ ሕቡእ ሕልሙን ምንባሩ እነሆ ከም ጸሓይ ጾመ-ኣርበዓ በጣዕጣዕ ኢሉ ተራእዩ ኣሎ።

ንሕና ዝበዛሕና ኤርትራውያን ረሳዕቲ ኢና። ግርህነትናን ረሳዒ ባህልናን ግን ንጎሓላሉ ጠቒሙ። ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ኣገምጊሙና ይርከብ ኣሎ። ብዛዕባ ብዙሓት ጉዳት ጸይቀ-ዕሉል ኢሳይያስን ስርዓተ-በጋሚንዶ ህግደፍን ተጻሒፎም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ግን በታ ናይዛ ዳሕረወይቲ ጸወታ ጥራይ ክንደጋግም ንግደድ ኣሎና። እቲ ምንታይ ኣይሽንኳይዶ ናይ ቅድሚ ዕስራታት ዓመታትሲ፣ ናይ ቀረባ ዓመታት’ውን ዘይንዝክር፡ ዓቢ መደምሰስ ዝወሓጥና ህዝቢ ብምዃንና።

ጉዳይ ባድመ፣ እቲ እንኮ መዓልቲ ንክፍጀር ተቐቢሩ ዝነበረ ፈንጂ ኢሳይያስ፣ ኣብ ክፍላ ግንቦት 1998 ተተኮሰ። ውግእ ባድመ ንረብሓ ውልቀ-ምልኪን ምጽናት ኤርትራውያንን ንክኸውን ነዊሕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ፣ ብለቢቶን ማይ ብሑቕን ሳሕል ዝተለውሰ፣ መጎጎ ቤተ መንግስቲ ህግደፍ ዝሰንከቶ ገዲም ጥጅእ ኢሳይያስ ዝነበረ ተወሰጥ ኢዩ። ሓድጊ ኲናት ባድመ ከኣ፣ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ፣ ማእሰርቲ ናይ ኢሳይያስ ዝደልዮም ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፣ ጥሜትን ራዕድን ንመላእ ህዝቢ፣ ሞት መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ መቕዘፍቲ ላምፐዱዛ፡ መሸጣ ኩሊት ሲናይን ጥፍኣት ንኤርትራውያንን ኮነ። ሎሚ’ውን ካብቲ ን14 ዓመታት ተደጒሉ ዝጸንሐ ጓህሪ፡ ብልጭ-ብልጭ ንጣራት ንዕዘብ ኣለና።

 

ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ!
ይቕጽል…

 

 

 

Eritrea: The briefing’s major findings and recommendations

Asmara (HAN) August 10, 2014Humanitarian news and views of International Crisis Group. Eritrea’s youth exodus has significantly reduced the young nation’s human capital. While this has had advantages for the government – allowing the departure of those most dissatisfied and most likely to press for political change – the growing social and political impact of mass migration at home and abroad demands concerted domestic and international action.

Eritrea: Ending the Exodus?

“The state’s demand for the sacrifice of individual ambition to the greater good of the Eritrean nation… causes more and more Eritreans to leave the country, even if that means risking their lives”. Cedric Barnes, Crisis Group’s Horn of Africa Project Director

Authoritarian rule, social malaise and open-ended national service drive thousands of young people to flee Eritrea every month, exposing the shortcomings of a leadership that has lost the confidence of the next generation. The International Crisis Group’s latest briefing, Eritrea: Ending the Exodus?, shows that while the government turned this flight to its advantage for a time, the scale – and attendant criminality – of the exodus are now pressing problems.

The briefing’s major findings and recommendations are:

  • As in the past, Eritreans are fleeing for political and economic reasons, including to sustain the communities they leave behind. But through their remittances, as well as a tax that many in the diaspora pay the state, they help prop up the very system they escaped.
  • Regional and wider international policies to further isolate Eritrea’s uncompromising leadership are counterproductive. Together with the border conflict with Ethiopia, they provide the regime with justification to maintain Eritrea’s “state of exception”, including an unending national service, a closed political system and the continued deferment of constitutional rights, especially individual social and economic freedoms.
  • The Eritrean government, with help from international partners, especially the EU and UN, should work toward gradual demobilisation and restructure the country’s economy to enhance job prospects for the young.

“The exodus is symptomatic of social malaise and growing disaffection with the regime” says Cedric Barnes, Horn of Africa Project Director. “The state’s demand for the sacrifice of individual ambition to the greater good of the Eritrean nation – resigning oneself to indefinite national service – causes more and more Eritreans to leave the country, even if that means risking their lives”.

“The impact of the exodus on final-destination countries demands a new approach to the current Eritrean government. In a Europe where immigration policies are increasingly in question, the Eritrean problem cannot be ignored”, says Comfort Ero, Africa Program Director. “For all sides, finding ways to end the exodus could replace continuing sterile confrontation with fertile ground for cooperation”.