መጋርያ ባድመ: 2ይ ክፋል
መጋርያ ባድመ:
2ይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/ 19-08-2014
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ብጉዳይ ባድመ ዝተላዕለ ግጭት’ኳ እንተዘይነበረ፣ ክልቲኡ ውድባት ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያኔን “ባድመ ትብጽሓና ኢያ” ናይ ምባል ወጠጥ ከም ዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብዛዕባ እጄታ ባድመ፡ ብዛዕባ “መረብ ምላሽ፡” “ሓሸዋ ምላሽ” ዝብል ዕግርግር ወላ’ኳ ጸጸኒሑ ዝስማዕ ትርኽ እንተነበረ፡ ባድመ ኣብ ኢድ ሰውራ ኤርትራ ብድሕሪ ምእታዋ፡ ቅድም ብተ.ሓ.ኤ. ደሓር ከኣ ብህዝባዊ ግንባር ትመሓደር ከም ዝነበረት ኩሉ ህዝቢን ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝነብር ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ ክልቲኡ ውድባት ኤርትራ ዝፈልጦ ዝነበረ ሓቂ ኢዩ። ብእዋኑ መሰረታዊ ፍታሕ ስለዝይተገብረሉ፡ እቲ ምስሕሓብ ድሕሪ ናጽነት’ውን መሊሱ ገዲዱ’ምበር ኣይሃድአን።
መንገዲ ገዲፉ ናብ ጓል መንገዲ ዝህውትት ኢሳይያስ፣ ንጉዳይ ባድመ ብዝምልከት መሰረታዊ ፍታሕ ንምግባር ቅሩብነቱ ኣርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። ከምኡ’ውን መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንጉዳይ ባድመ ብዕቱብነት ርእዮሞ ኣይፈልጡን ኢዮም። ወላ’ኳ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ (ዓቢ ጸላኢ ክሳብ ዝሰዓር ብዛዕባ ባድመ ኣይንዛረብ ዝብል ሜላ እንተነበረ) መሰረታዊ ፍታሕ ግን ክግበር ነይሩዎ። ካብ 1991 ክሳብ ግዜ ረፈረንደም ስለምንታይ ቆላሕታ ከም ዘይተገብረሉ ድማ ዘስደምም ጉዳይ ነበረ።
ኣብ ከባቢ ባድመ ኲናት ንክባራዕ ድሌት ኢሳይያስ ከም ዝነበረ፣ ምብራዕ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ሕንፍሽፍሽ ንክፍጠር ድሒሮም ብዝተራእዩ ፍጻሜታት ክረጋገጽ ይኽእል ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብ መጋርያ ባድመ ብዝተበገሰ ሃልሃልታ ሆየ ንክልብለብ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነትን ኤርትራዊ መንነትን በብቑሩብ እናተዳኸመ ኣላሽ ናብ ምባል ንክበጽሕ፤ ዘዝጨነቖ ወደባት ኤርትራ ድማ ሃገሩን ዝፈትዎም ስድራ ቤቱን ጠንጢኑ ናብ ስደት ንክምርቀፍ ኢሳይያስን ፍሉያት ኣጫፈርቱን ኣቐዲሞም ብሕቡእ ኣኼባታት ወዲኦሞ ነይሮም ኢዮም።
ብናታቶም ኣረኣእያ እቲ ን”ንግስነት” ኢሳይያስን “ወራስ ዓራት ወዱ ኣብርሃም”ን እሺ ይርሓሰና ኢሉ ዝቕበል፤ እዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ዘይምዃኑ ኣጸቢቖም ገምጊሞምዎ ዝነበረ ጉዳይ ኢዩ። ናብቲ ዝደልዩዎ ጥርዚ ሃረም ንምብጻሕ ከኣ ብዙሓት ፖሊሲታት ክሕንጸጹ ነበሮም።
ኲናት ባድመ እሉኽ ጥጅእ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስለዝነበረ፣ ኣብ 1994 ኣብ ከባቢ ባድመ (ዴዳ፣ ሸሸቢት፣ ዓዲ ሃኪን፣ ጽላለ፣ ሃዳሙ፣ ማይ ቆቓሕ፣ ሽላሎ፣ ሓበላ፣ ግርመ፣ ሻምብቆን ተኾምብያን) ንዝነበረ ሓዊ-ሓዊ ዝጨኑ ዕጡቕ ሚሊሽያን ዞባዊ ሰራዊትን፣ ብረት ናይ ውምራድ ትእዛዝ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሳይያስ ተመሓላለፈ። እዚ ከኣ፡ ብድሕሪ ምብራዕ እቲ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ንክሰዓር ቀዳማይ ስጉምቲ ነበረ። እቲ ኮነ ተባሂሉ ሰራዊት ኤርትራ ንምስዓርን መንእሰያት ንምህላቕን ዝተወስደ ተኸታታሊ ስዉር ስጉምትታት ድማ ኣብ ዝቕጽል መደባትና ከነቕርቦ ኢና።
ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣባል ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝነበረ፡ ደሓር ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዝኾነ ተጋዳላይ ኪዳነ ወልደስላሴ /ኪዳነ ቆራይ/ ኣማሓዳሪ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆን ከባቢኣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ብዛዕባ ምውራድ ብረት ንኩሉ ሚሊሽያ፡ ዞባዊ ሰራዊትን ህዝቢን ኣብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ኣኪቡ “ነፍስ-ወከፍ ዓጢቕኩሞ ዘለኹም ብረት ብህጹጽ ኣውርድዎ” ዝብል ቀጢን ትእዛዝ ኣመሓላለፈሎም። ህዝቢ ካብቲ ዝነበረ ናይ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ምስሕሓብ ተበጊሱ ከምዚ ክብል ሕቶታቱ ኣቕረበ፦
“ስለምንታይ ኢኹም ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ብረት ኣውርዱ ትብሉና ዘለኹም። ወያነ መመሊሳ ብረት ተዕጥቕ ኣላ፣ ንስኹም ድማ ብረት ኣውርዱ! ትብሉና? ብረት ምውራድ እንተኾይኑ ክልቴና፣ ምዕጣቕ እንተኾነ ድማ ኩላትና ደኣ ክንዓጥቕ ይግባእ እምበር ንበይንኹም ጥራይ ኣውርዱ ማለትሲ ኣይግድን! ብዛዕባ ጉዳይ ባድመ ከኣ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ተራኺቦም ፍታሕ ይግበሩሉ። ስለምንታይ ምትፍናን? ስለምንታይ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ንጥምዘዝ ኣሎና?” ዝብሉ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣቕረቡሉ።
ግን ኢሳይያስ ዝቐበሮ ነታጒ ኣብ ሰዓቱ ክትኮስ ስለዝነበሮ፣ ትእዛዝ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ብረት ወሪዱ ብኤነ-ትረታት መካይን ተተጻዒኑ ናብ ኣስመራ ክፍሊ ዕቃበ ብረት /ኤምዳድ/ ተኣከበ። እቲ ብረት ምውራድ ሓደ ካብቶም ስዉራት ስራሓት ኢሳይያስ ነበረ። እንተኾነ እቲ ምስሕሓብ መመሊሱ ገደደ’ምበር መህድኢ ኣይረኸበን። ኣነ ኣብ 1996 ካብ ስራሕ መንግስቲ ህግደፍ ብድሌተይ ብድሕሪ ምጥያሰይ ናብ ስራሕ ምእራይ ዕንድዳ /Gum Arabic/ ናብቲ ከባቢ /በርቂ ላጽያ፡ ውድቢ፡ ሸሸቢት፡/ ወፊረ ስለዝነበርኩ፡ እቲ ዝነበረ ምስሕሓባት ብኣካል ተኻፊለዮ ነበርኩ። ብሰንኪ’ቲ ምስሕሓብ ድማ ብዙሕ ክዕመም ዝነበሮ መደባት ይዘናበል ነበረ። ብፍላይ፡ ኣብ 1995-96 ሙስጣፋ ኑር ሑሴን ሓድሽ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ጋሽን ባርካ ኮይኑ ተመዚዙ ኣብ ዝመጽኣሉ ዓመት፣ እቲ ግርጭት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ደየበ። ነቲ ብሰንኪ ምስሕሓብ ኣብ ስራሓት ምእራይ ዕንድዳ ዘጓነፈኒ ጸገም፡ ናብ ኣማሓዳሪ ዞባ ደብዳቤ ጽሒፈ ነይረ እየ።
ሓለፍቲ ምምሕዳራት፣ እንተላይ እቲ ሽዑ ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ኣውራጃ ኮይኑ ተመዚዙ ዝነበረ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ /ወዲ ተኽልያ/ ንዝርርብ ሰላም ምስ ኣሕዋት ትግራዎት ክሳብ ከተማታት ዓድዋን ሽረ እንዳ-ስላሴን ተመላሊሶም ነበሩ።
ውዲት ኢሳይያስ ብድሕሪ መጋረጃ ሕቡእ ስለዝነበረ ግን ጉዳይ ባድመ መመሊሱ ድኣ ተሸንከረ’ምበር መሰረታዊ ፍታሕሲ ኣይተገብረሉን። ምኽንያቱ ነቲ ዝፈልሕ ዝነበረ ማይ ውዑይ መመሊሱ ሸረኽረኽ ከም ዝብል ይግበር ስለዝነበረ። ብወገን መንግስቲ ህግደፍ ብመሰረቱ መፍትሒን መህድኢን ክግበረሉ ይድለ ኣይነበረን። እንተዝድለስ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ምተዘርበሉን ነባሪ ፍታሕ ምተገብረሉን። ስለዚ እቲ ሰዓቱ ምስ ኣኸለ ክፍጀር ዝነበሮ፣ ኢሳይያስ ክጥቀመሉ ክብል ካብ ነዊሕ ዓመታት ዘጻወዶ ናይ ባድመ ፈንጂ (ታይም ቦምብ) ኣብ ሰዓቱ ኢዩ ተተኲሱ’ምበር ሃንደበት ኣይነበረን።
ቅድሚ ምጅማር ውግእ ባድመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝንጋዕ ክብል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍስ-ሄር መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ዓዲ ምሩግን ጉዳይ ሚሊሽያን ናይ ሃጠው-ቀጠው ደብዳበታት ይጸሓሓፍ ነበረ።
ቅዳሕ ናይቲ ንምብራቕ ኣምሲልካ ንምዕራብ፤ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ዝዓይነቱ ቀዳማይ ወቀጥ ደብዳቤ፡ ከምዚ ይብል፦
“ብጻይ መለስ
ከመይ ቀኒኻ፣
ሎሚ ክጽሕፈልካ ዝደረኸኒ፣ ኣብ ከባቢ ባዳ ዘሎ ኣተሓሳሳቢ ኩነታት’ዩ።
ኣብ መንጎና ዘሎ ዶባት፣ ብልማድ ዝተፈልጠ’ምበር፣ ብልክዕ ሕንጻጹ ዝተነጸረን፣ ኣረጋጊጽና ዝፈለጥናዮ’ዩ ኪበሃል ኣይከኣልን። ምስ ካልኦት ናይ ሎሚን መጻእቲን ዝምድናታትና ከኣ፣ ብዙሕ ኣቓልቦ ጌርናሉ ዝጸናሕና ጉዳይ ኣይኮነን። ንሓዋሩ’ውን ኣገዳስነቱ ወይ ኣከራኻርነቱ ዘሻቕል’ዩ ኣይብልን። እዚ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ግን፣ ሓሓሊፎም ኣብ ነንበይኑ እዋናት፣ ብዝተፈላለዩ ቀለልቲ ምኽንያታት፣ ምስሕሓባት ኪርኣዩ ጸኒሖም ኢዮም። ብዓቕሞም ከኣ፣ ኣብ ከከባቢኦም ብዝርከቡ ሓለፍቲ ብሕውነታዊ መንገዲ ንምርግጋኦምን ንምፍታሖምን ኪፍተን ጸኒሑ’ዩ። ኣብዚ መወዳእታ እዋን፣ ኣብ ‘ዓዲ ምሩግ’ ብሰራዊትኩም ብሓይሊ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን፣ ናይ ብሓቂ ዘጉሂ ኢዩ።
እዚ ጉዳይ፣ ክሳብ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ዘብጽሕ ምኽንያት ኣይነበሮን። ክሳብ ክንድዚ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣገዳሲ ጉዳይ እንተነይሩ’ውን፣ ብሕውነታዊ መገዲ ምርድዳእ ንምፍትሑ ኣምበይምሸገረን። ብሱሩ ሕንጻጻት ዶባት ምስኣል ዘድሊ እንተኾይኑ’ውን፣ ብዝሓሸ ኣገባብ ሃዲእካ ኪፍታሕ ዝከኣል’ዩ።
እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ፣ ምኽኑይ ናብ ዘይኮነ ምስሕሓብ ከየምርሕ ምግታኡ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኣየኒ ከኣ፣ ባዕልኻ ዓቃል ስጉምቲ ክትወስደሉ እላቦ።
ምስ ሰላምታ
ብጻይካ
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
16-08-97’’
ትሕዝቶ ናይታ ቀዳመይቲ ደብዳበ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢዩ። ነቲ ብመግዛእቲ ኢጣልያ ዝተሓንጸጸ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን እቲ ዝነጸረ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ብልማድ ዝፈለጥናዮ’ምበር ብልክዕ ሕንጻጹ ዝተነጸረን ኣረጋጊጽና ዝፈለጥናዮ’ዩ ኪበሃል ዚከኣል ኣይኮነን።’’ ኢሉ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀዳመይቲ ደብዳቢኡ።
ብድሕሪ ኲናት ዝቐርብ ዝነበረ መጎተ ግን ‘’ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጹር ናይ ኢጣልያ ሕንጹጽ ዶባት ኢዩ ዘሎ’’ ይብል ነበረ። ብድሕሪኡ’ውን ዝተጸሓሓፉዎ ደብዳበታት ነይሩ ኢዩ። ግን እቲ ዝሳወር ዝነበረ ሓዊ ብባድመ፤ እቲ ናይ ምድህላል ምጽሕሓፍ ድማ ብዓዲ ምሩግን ባዳን። እቲ ስብቆ ኲናት ቀስ-ብቐስ ሸረኽ-ረኽ ክብል ምስ ጀመረ ከኣ፤ እቲ ምእንቲ ኣገደስቲ ሰባት ንምእሳርን ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታንን ዝተተለመ ዘርኢ ክርዳድ፤ ንነዊሕ ዓመታት ተቐቢሩ ዝነበረ ነታጒ ባድመ ተተኮሰ።
ብዕላማ ኢሳይያስ፣ ባድመ ከም ቅብርቲ ፈንጂ ዝገበረሉ ምኽንያት፣ ናብ ሕቡእ ተልእኾኡ ንምብጻሕ፣ ካብ ግዜ ገድሊ /1970-1991/ ዝሞሎቑዎ ተረፍ-መረፍ ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቀባት ንምቕራም፡ ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1998 ምብራዕ ኲናት ብዘስዓቦ ሕንፍሽፍሽ ድማ ነቶም ብዲሞክራሲ ንተኣዘዝ፣ ቅዋም ይዘርጋሕ፡ ሕድሪ ስዉኣትና ንተግብር… ወ.ዘ.ተ… እናበሉ ድቃስ ከሊኦሞ ዝነበሩ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንምሕቃቕ፤ ከምኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ንምብታን፡ ንሱ ከኣ ኣብ መንጎ ኮይኑ ተሓምበለ ንምባልን፤ ዝተኣልመ ጥጅእ’ምበር ጉዳይ ባድመ ዓዚዙ ማለት ኣይነበረን።
ሽዑ እቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ግዜ፣ ኢሳይያስ ናብ ሱዕድያ ገይሹ ነበረ። እቲ መገሻ ከኣ ሜላ ከም ዝነበረ ደሓር በብቁሩብ ጭቡጣት ሓበሬታታት ሰሊኾም ኢዮም። ኢሳይያስ ካብ ግዜ ገድሊ ክሳብ ናጽነት፤ ሓደ ዓቢ ስርሒት ንምክያድ፣ ይገይሽ ነይሩ ኢዩ። ከምቲ ኢብራሂም ዓፋ ንምቕንጻል ውዲት ጠጅኡ ሽዑ ናብ ሱዳን ዝገሸን፣ ናብቲ ሽዑ ኣብ ሶርያ ዝነበረ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር መርድእ ዝሰደደን፣ ውግእ ባድመ ንምውላዕ ድማ ክርቢት ዝሽርጥጥ እንኮ ጀነራል መዚዙ ናብ ሱዕድያ ኢዩ ዝኸደ።
ካብ መገሻ ሱዕድያ ኣብ ዝተመልሰሉ ሰዓት፣ ብቐጥታ ናብ ኤሪ-ቲቪ ቀሪቡ ንብዓት ሓርገጽ ነብዐ። ኣርቲፊሻል ኣዒንቲ ቀይሩ መደረ። ብዛዕባ እቲ ኲናት ሓንቲ ከም ዘይፈልጥ ድማ ዓው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን መሓለን ኣስቆርቆረን።
ኩርቶ ካምሻን ሰንደል ሳእኒን ገይሩ ይዛረበሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ገበነኛ ኢሳይያስ ከምዚ በለ፦
“ካብ መገሻ ሱዕድያ ምስ ተመለስኩ ደኺመ ስለዝነበርኩ፣ ቀ…ም! ኣቢለ ከለኹ ኢዮም ኣተንሲኦሙኒ። ደሓር ‘ወያነ ኣብ ባድመ ውግእ ጀሚሮም’ ምስ በሉኒ ፈጺመ ክኣምን ኣይከኣልኩን’’ ክብል ናይ ኣምሰሉ ዘረባ ኣስመዐ።
እንተኾነ ኣብ ሱዕድያ ኣብ ሆቴሉ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ከምቲ ድሒሩ ዝተሰምዐ፡ ምስ ፍሉያት ሰባት ጥራይ ንከተራኽቦ ክሪስታል ዝተገጣጠማ ናይ መራኸቢ ረድዮ ብትእዛዝ ተተኺላትሉ ነበረት። ኣብቲ ሆቴል ኮይኑ ንኲናት ባድመ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ግዜ፣ ብህጹጽ ወሳኒ መጥቃዕቲ ንኺካየድ፣ እንተኾነ ግን እቲ ናህሪ ካብ ገምሃሎ ንከይሓልፍ ጥብቂ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ድጉላት ምስጢራት ኣለዉ። ኲናት ባድመ ኣብዚ ዓለም ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቐይራትሉ ዘላ ዘመነ-ግሎባላውነት ዝተገብረ ስለዝነበረ፤ እቶም ንሓቂ ክዓባብጡ ዝፍትኑ መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ኪሰልጦም ኣይኮነን። ጉዳይ ባድመ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ዘይቅየር ፍርዲ ስለዝተዋህበሉ፣ ፈሊጡ ንሓቂ ክዓብጥ ዝደሊ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኣዝዩ ዝተጋህደ ጉዳይ ኢዩ።
ኢሳይያስ ኣምሰሉ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት በብቑሩብ ንዕኡ ዝመስሉ ብቅልውላው መንነት ዝሰንከሉ ሓለፍቲን ሓሽከት ሰራዊት ደምህትን ክምልምል ስለዝጸንሐ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክጸንሕ ክኢሉ ኣሎ። እቲ ምህዞን ተንኮላትን ግን ዘይውዳእ ኣይኮነን። ዛራ ሓቂ ጥራይ ኢዩ ዘይውዳእ’ምበር፣ ሓሶትሲ ፈልፋሊ ምንጪ የብላን። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ሎሚ ሓቅታት ህዝቢ ኤርትራን፣ ሓሶታት ህግደፍን ገጽ-ንገጽ ተፋጢጦም ይርከቡ ኣለዉ። ውድቀት መንግስቲ ህግደፍን ሞት ገበነኛ ኢሳይያስን መመሊሶም ጋህዲ እናኾኑ ይመጽኡ ኣለዉ።
ብምብራዕ እቲ ኲናት ብዙሓት ሰባት ሰንቢዶም፣ ሃገር ብምልእታ ኣንቀጥቂጣ። በቲ መደረን መግለጺን ኢሳይያስ ዝሓነነ ህዝቢ ከኣ ብድሕሪ ምፍራስ ግንባራት፣ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝመርሕዎ፤ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓቢ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻየደ። እታ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምስጢር ዝወልዓ ክርቢት ባል-ባል ብምባላ ከኣ፣ ጭድድ ፍንጭሕ ኢሉ ዝሓደረሉ ለይቲ ነበረ። ኣሎ ተካል ዕልልታ፣ ኣሎ ድማ ርሑስ ኣውያት ዝኾኖ ፍጻሜ ምጅማር ኲናት ባድመ እምበኣር፤ ዕሉል ሽፍታ ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ንምብትታን ዕላማኡ ዝሃረመሉ ነጥበ-መቐይሮ ኮነትሉ።
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ደበሳ ኢዮብ ንህዝቢ ኤርትራ