ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ

ሃገርና ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ኣብ ትሕቲ ሕሱም ምልካዊ ጭኮና ይሳቐዩ ኣለዉ። መንእሰያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎት ተቖሪኖም ኣብ ዘለውሉ እዋን፣ ካብ ባርነት ንምምላጥ እግሮም ናብ ዝመረሖም ናብ ስደት የምርሑ ኣለው። ኣብ ዶባት በቲ ሕሱም መግዛእታዊ ስርዓት ክህደኑን ክቕተሉን አንከለው፣ እቶም ካብ ሞት ድሒኖም ንስደት ዘምርሑ መንእሰያትን፣ ኣዴታትን ቆልዑን ድማ ኣብ መንገዲ ስደቶም ዘስካሕክሕ ሓደጋታት የጋጥሞም ኣሎ። ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን፣ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ መጭወይትን ፣ ብሓጺንን ሓውን ምቕጥቃጥን ፣ መቕዘፍትን ፣ መቕተልትን ፣ ኣብ ዕዳጋ-ኣካላቶም ተቖራሪጹ ክሽየጥን፣ ብቤተ-ስቦም 30 -50 ሽሕ ዶላራት ናይ ስልባ/ራንሶም ገንዘብ ክኸፍሉን፣ ምስ ከፈሉ እውን ዳግም ክሽይጡን ከም ኣቕሓ ክልወጡን ይግደዱ አለው።

ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ ሲናይ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ጎዳጉዲ እናተጨፍጭፉ ስርዓታት ናይቲ ዝርከቡሉ መሬት እናረኣዩን እናሰምዑን ክንሶም ንምድሓኖም ዝወሰድዎ ስጉማታት ዳርጋ የሎን ክበሃል ይከኣል። ኣብ ዓለምና፣ ግደፍዶ ናይ ኣሽሓት ሰባት፣ ናይ ሓደ ሰብ መጭወይቲ ምስ ዘጋጥም ዝወሃቦ ቆላሕታን፣ ንምድሓኑ ዝግበረሉ ጻዕርታትን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ኣብ ንርእየሉ ዘለና እዋን፣ ኣሽሓት ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ግን ዝግባእ ቆላሕታን ናይ ምድሓኖም ጻዕርታትን ይረኽቡ የለውን።

ነዚ ኣብ መላእ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ኣብ መንእሰያትን ኣዴታትን ቆልዑን ድማ ብፍላይ ዝወርድ ዘሎ መከራን መቕዘፍትን ግቡእ ቆላሕታ ረኺቡ ንምድሓኖም ኩሉ ዝምልከቶ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን ማሕበራትን ንምኩሕኳሕ ብህጹጽ ግዲኦም ንኽገብሩ ዝጠልብ – ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ – ዓርቢ 23 ግንቦት 2014 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክካየድ ተዳልዩ ኣሎ።

እዚ ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ፣ ንድሕነት መንእሰያት፣ ንድሕነት ኣዴታትን ቆዑን ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብ ሕምብርቲ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዋይት ሃውስ ተበጊሱ ናብ ቦታ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ካፒቶል ሂል ክምርሽ እዩ። እብ ቀጽሪ ባይቶ አሜርካ/ ካፒቶል ሂል መልእኽታቱ ንመላእ ሰበስልጣን እሜሪካን ንመላእ ዓለምን ከመሓላልፍ – ኣውያት ግዳያት ምልክን፣ መጭወይትን፣ ምቕዘፍትን፣ መሸጣ ኣካላት ሰብነትን ክስምዕ፣ ሰልፈይናታት ከም ዜጋታት ናይ ነጻ ሃገራት ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቅናን ዝወርድ ግፍዒ ኣባና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን መቕዘፍትን ምዃኑ ክርኢ፣ ከምቲ ንኻልኦት ዜጋታት ናይ ዓለምና ዝውሃቦም ንኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያን ግዳያት ህጹጽ ቆላሕታ ክረኽቡን ንምድሓኖም ህጹጽ ጻዕርታት ክግበረሎም ክጠልብ እዩ።

መንእሰያትና ካብ ዝወርዶም ዘሎ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን መቕዘፍትን ንምድሓን፣ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ኩሎም ፈተውቲ ኤርትራን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ክሳተፉን፣ ብዘየዋላውል መንገዲ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ግህሰታትን ግፍዕታትን ኣብ ርእሶም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ግህሰትን ምዃኑ ንኹሎም ዝምልከቶም መንግስታትን፣ ትካላትን፣ ማሕበራትን ክጠልቡ፣ ግዳያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይጽውዑና ኣለው።

ዓቢ ሰልፋዊ ጉዕዞ ንድሕነት ህዝቢ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ 23 ግንቦት 2014

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.