ነጋውስ ባሕሪ ነጋሽ – ካልኣይ ክፋል

ነጋውስ ባሕሪ ነጋሽ

ካልኣይ ክፋል

ንጉስቀይሕ ባሕርና’ከ መን እዩ?

ኤርትራ ልዕሊ 1,200 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ገምገም ባሕሪ ኣለዋ፡፡ ከምኡውን ዝተፈላለዩ ዓይነት ዓሳታትን ካልኦት ፍጡራትን ትውንን፡፡ ነዚ ጸጋ እዚ ንምቁጽጻር ከምኡውን ንምምዝማዝ ጸጋታትን ሓለዋን ተባሂሉ ብምውህሃድ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሓይሊ ባሕሪን ኪኢላታት ጆግራፊያዊ ማያት ኤርትራ ምርኩስ ብምግባር ገማግም ባሕርና ኣብ 13 መግፈፊ ናቑጣታት (ብሎክስ) ከምዝምቀል ተገይሩ፡፡ ካብዚ እቲ ሰለስተ ናቑጣታት ገና ኣይተተንከፈን፡፡ ነብሰወከፍ ብሎክ ድማ ናይ 50 ማይል ዝኸውን ርሕቀት ኣለዎ፡፡

እሞከ ደኣ ሕጂ ንጉስ’ዚ ጸጋታት ባሕሪ መን ኮነ? እዞም ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝተገልጹ ኣካላት’ዶ ዋላ ሓዲኦም? ስለምንታይ’ከ ሓደ ንጉስ ተሸይሙሉ? 

ፊውቶራሪ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪ ኮይኑ ተሸይሙ መጺኡ ዘሎ ንብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር) ተኪኡ ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮይኑ ዝተልኣከ ኮሎኔል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊውቶራሪ) እዩ፡፡

ወዲ ፊውቶራሪ ኣብ እዋን ገድሊ ተጋ/ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ኣባል ስለያ 72 ኣብ ትሕቲ ተጋ/ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘመነ ህግደፍ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተመዲቡ ብስም ወትሃደራዊ ኣታሸ ኣብ ሱዳንን ቀጠርን ብስለያ ሰሪሑ፡ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ፕረዚዳንት ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚስጢራዊ ስራሕቲ ተዋፊሩ ክነጥፍ ዝጸንሐን ክሳብ ሕጂ’ውን ዘሎን እዩ፡፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነትብዝተፈላለዩ ጉልባባት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ተዋፊሩ ቀጥታ ብፕረዚዳንት እንዳተመርሐን ልኡኽ ኮይኑን ተቐናቐንቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ዜጋታት ቅንጸላ ተዋፊሩ ኢዱ ብንጹህ ደም ዜጋታት ከምዝተጨማለቐት ብቐረባ ዝፈልጥዎን ገዳይም መጋድልቱን ይገልጽዎ፡፡

ወዲ ፊውቶራሪ ቅያር ወዲ መምህር ኮይኑ ምኽንያት ናብ ሓይሊ ባሕሪ መመደቢኡ ብኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ተቐባልነት ካብ ዘይነበሮ ወዲ መምህር ተሞኩሮ ቀሲሙ፡ ንሜጀር ጀነራል ሑመድ ሓምድ ካሪካረ ብኽብርን ምርድዳእን ሓብሒቡ፡ ቀጥታ ምስ ቀንዲ ለኣኺኡ ፕረዚዳንት እናተራኸበ ንተልእኽኡ ብተኣማንነት ክፍጽም ቀዳምነት ቃል ኣትዩ ተዋፊሩ፡፡ በዚ መሰረት ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ህቡብነቱ ከረጋግጽ ቅጽበታዊ ዝኾኑ ሓያሎ ንጥፈታት ዓሚሙ፡፡

ቀንዲ ልኡኽ ወዲ ፊውቶራሪ ጸጋታት ባሕሪ ኤርትራ ምንጪ ወጻኢ ሸርፊ ምግባር፡ ብባሕሪ ዝኣቱን ዝወጽእን ንብረት ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣካላትን ምስጢራውነቱ ዝሓለወ ርክባትን ሽርሒታትን ምፍጻም እዩ፡፡ ነዚ ዕማም ንምፍጻም ዝተለኣከ ወዲ ፊውቶራሪ ም/ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጥራይ ዘይኮነ ላዕለዋይ ሓላፊን ገባርን ሓዳግን ዞባታት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን መላእ ጸጋታቱን ክኸውን እዩ ተሸይሙ፡፡

ተልእኽኡ ንምፍጻም መታን ክጥዕሞ ድማ ቀዲሙ ካብ ዝወሰዶም ገለ ሓያሎ ስጉምታት፡-

ኣብራስኣማስ ገደም ዝርከብ ናይ ሓ/ባሕሪ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት Head quarter ንነዊሕ ዓመታት ዝነበራ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ካብ”ዚ መእዘዚ ማእከል ምውጻእ እዩ፡፡ ንምብትታን እዘን ኣሃዱታት ምኽንያት ዝኾነ ብወተሃደራዊ ኣቐማምጣን ኣሰላልፋን ተዓቂኑ ዘይኮነ ወዲ ፊውቶራሪ ንዝሰርሖ ሚስጢራዊ ስራሕቲ ካብ ዓይኒ ብዙሓት ንምኽዋልንምናልባት መወዳድርቱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝበሃሉ ሓለፍቲ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ንምርሓቕን ምዃኑ እቶም ንሰሜንን ደቡብን ባሕሪ ፋሕ ዘበሎም ሓለፍቲ ከይተረፉ ድሮ ዝበጽሕዎ ስርሒት እዩ፡፡

ሓላፊ ታዕሊምን ወፍርን (ስርሒት) ሓይሊ ባሕሪ ብምዃን ነዊሕ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ኣሕመድ መሓመድ ዓሊ (ወዲ ሓሊማ) ኣብ ገደም መእዘዚ ማእከል ኮይኑ ንሓይሊ ባሕሪ ክመርሕ እናተገበኦ ንማርሳፋጡማ ሰጒጉዎ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ባጽዕ ዝጸንሐ ኣሃዱ ስኳድሮን ምስ ሓላፊኡ ሌ/ኮሎኔል የማነ ገረዝግሄር (ወዲ ገሬ)ንዳህላክ ልኢኽዎ፡፡

ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ሓይሊ ባሕሪ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ መጀር ተስፉ ስዩም (ማንጃግሮ) ካብ ስርሑን ሓላፍነቱን ወጻኢ ብሕቡእ ምስ ሃገራዊ ድሕነት (ወዲ ካሳ) እንዳተራኸበ ንሓለፍቲ ሓይሊ ባሕሪ ዝምልከት ጸብጻባት ኣብ ምምሕልላፍ ስለዝተረኽበ፡ ንሓለፍቲ ሃ/ድሕነት ተኣማሚኑን ንናይ ሓ/ባሕሪ ስልጣኑ ተጠቒሙን እልቢ ዘይብሉ ሃብቲ ብምስራቕ ስለዝበልጸገ፡ ምስ ጸሓፊት ሜ/ጀነራል ካሪካረ ዝኾነት ውልቀ ሰብ እንዳተራኸበ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ዘይፈልጦ ተግባራት ይፍጽም ስለዝነበረ ተባሂሉ ቅድሚ ወዲ ፊውቶራሪ ብዝነበረ ሓለቓ ስታፍ ሓ/ባሕሪ ወዲ መምህር ተኣሲሩ ከብቅዕ ወዲ ፊውቶራሪ ምስ ነገሰ ቀጥታ ኣፍቲሑዎ ናብ ዝነበሮ ስራሕን ሓላፍነትን ከኣ መሊስዎ ኣሎ፡፡

ዝኾነ ሓላፊ ንወዲ ፊውቶራሪ ከየፍቀደ ምስ ሜጀር ጀነራል ካሪካረ ከይራኸብ፡ ከካብ ምድብ ቦትኡ ብዘይዝኾነ ፍቓድ ወዲ ፊውቶራሪ ናብ እዝ ማእከል ሓ/ባሕሪ (ባጽዕ) ቅልቅል ከይብል፡፡ ብኣኼባ ንባጽዕ ዝመጸ ሓላፊ ዘምጽኦ ጉዳይ ድሕሪ ምውዳእ ብዘይዝኾነ ወዓል ሕደር ናብ ምድብ ቦትኡ ክምለስ ቀጢን ትእዛዝ ኣውረደ፡፡

ብወልዱ ገረየሱስ (ወልዱ ባርያ) ዝመሓደርን ዝምእዘንን ዝነበረ ነዳድን መካይንን፡ ከምኡ እውን ዕረያ መራኽብ ካብ ወልዱ ባርያ መንጢሉ ቀጥታ ባዕሉ ከምዝእዝዞ ገበረ፡፡

ወዲ ፊውቶራሪ ንዕማምን ስልጣንን ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ጥሒሱ ባዕሉ ጸጥታ፡ ባዕሉ ፈቓዲ ወፍሪ፡ ባዕሉ ተቆጻጻሪ፡ ባዕሉ መርማሪ፡ ኮታ ንኩሉ ጸጋታት ባሕሪ ገባሪ ሓዳጊ ባዕሉ ኮነ፡፡

እቲ ብዛዕባ ሞቱን ህለውኡን ዘይተገልጸ ካብ ዝስወር 13 ዓመቱ ዘቑጸረ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ ሰሪሕዎ ካብ ዝሓለፈ ሓደ ንሚኒስትሪታት ዘቑም ሕጊ ምሕንጻጽ እዩ ነይሩ፡፡ ሓደ ካብ ሚኒስትሪታት ድማ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ነበረ፡፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ብሚኒስተር ሳልሕ መኪ፡ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ፡ እንደገና ሚኒስተር ሳልሕ መኪ፡ ሕጂ ድማ ብሚኒስተር ተወልደ ቀላቲ በቢእብረ ተመርሐ፡፡ ዘይቅየር ፕረዚዳንት’ምበር ዘይቅየር ሚኒስተር ኣይነበረን፡፡ ይኹን እምበር ሕጂ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ከም ትካል ድሕሪ ምምጻእ ወዲ ፊውቶራሪ ኣንፈቱ ከምዘጥፍአ መርከበኛ ኣብ ማእከል ባሕሪ ጸምበለል ክብል ገይርዎ ይርከብ፡፡

ወዲ ፊውቶራሪ ኣብ ቀረባ እዋን ንሚኒስተር ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ተወልደ ቀላቲ ከየፍለጠ 50 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኤርትራ ብኢደ ወነኑ ብጅምላ ኣሲርዎም ኣሎ፡፡ ብዘይዝኾነ ኣፍልጡኡ ብጀምላ ናይ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ክማጎትን ከፍትሖምን ክጽዕር ዝግበኦ ሚኒስተር ተወልደ ቀላቲ ንባዕለይ’ከ እንታይ ሒዘላ ብዝመስል ትም ብምባሉ ኣብ ትዕዝብቲ ኣባላቱ ወዲቑ ይርከብ፡፡

ብጅምላ ንዝተኣሰሩ ኣባላት ሚ/ሪ ሃብቲ ባሕሪ ዝኣሰረ ወዲ ፊውቶራሪ ምኽንያት መእሰሪኦም ምጥፍፋእ እዩ ክብል የውሪ ኣሎ፡፡ ኮር ተገምጠል እዚ ኩሉ ባህሪያዊ ሃብቲ ባሕሪ ንግብጺን የመንንእናሸጠ ዝኣከቦ ማእለያ ዘይብሉ ዶላር ኣበይ ኣትዩ ዘይተሓተተን ዘይተኣሰረን ወዲ ፊውቶራሪ ንመሳኪን ኣባላት ሃብቲ ባሕሪ ምእሳሩ ኣባላት ሚ/ሪ ሃብቲ ባሕሪ፡ ሓይሊ ባሕሪን ህዝቢ’ቲ ከባቢን ዓገብ ይብሉ ኣለው፡፡

ሃብትን ጸጋታትን ባሕሪ ናይ ህዝብን ሃገርን እዩ፡፡ ቅድም ክብል ብኮርፐረሽን ሃብቲ ዓሳ ናይ ህግደፍ ትካል ባዕሉን ምስ መሻርኽቱ ወጻኢተኛታትን ጓሕጒሕዎ፡ ሕጂ ከኣ ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ምስ ፕረዚዳንት ወጊኑ ናብ ማሕፎዳኡ ንምእታው ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ፡፡

እቶም ሰሪሖም ናብ ካዝና መንግስቲ ወይ ሚ/ሪ ፋይናንስ ኣታዊ ክገብሩ ዝጸንሑ ኣባላት ሚ/ሪ ሃብቲ ባሕሪ ግና ማሕልፎ ተሓተቲ ኮይኖም ኣብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ገደም ብጅምላ ተኣሲሮም ግዳይ ከቢድ መግረፍትን ስቅያትን ኮይኖም ኣለው፡፡

ልዕሊ 1,200 ኪ/ሜ ንውሓት ዘለዎ ገምገም ባሕሪ ተጎዝጒዙ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ባኒ ስኢኑ ብምጽጋሙ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ዓቕሉ ኣጽቢቡ ብኣቦሓጎታቱ እውን ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ደረጃ ንስደት እናተጓረተ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፡፡ እቶም ብዛዕባ’ዚ ንህልውና ህዝቢ ዝፈታተን ዘሎ ውህብ ኩነታት ዘይረኣዮም ነጋውስ ግን ጸጋታት ሃገር ይዘምትዎ ኣለው፡፡

እቲ ሕንኽ ዘይብል ዓይኒ ዘውጸአ ደረቐኛ ወዲ ፊውቶራሪ ስጉምታቱ ምኹኑይ ንምምሳል ኣብ ልዕሊ ኡሱራት ብዝፍጽሞ መግረፍትን ስነ-ኣእምራዊ ጸቕትን ንምጉልባብ ክብል ምንጪ ወጻኢ ሸርፊ ሃብቲ ዓሳ ምስ ወጻኢተኛታት ሸሪኾም ዘሚቶምዎ እናበለ የውሪ ኣሎ፡፡

ኣብ ልዕሊ ትካሉ ድፍረት ወዲ ፊውቶራሪ ዝተዓዘበ ሚኒስተር ተወልደ ቀላቲ ኤክስፐርት ባሕሪ ንዝኾኑ ኣባላት ሚኒስትሪኡ ብሚስጢር ኣኪቡ ወዲ ፊውቶራሪ ንፖሊሲታትን ኣሰራርሓታትን ሚኒስትሪና ጥሒሱ ንዝፍጽሞ ተግባራት ንምጽናዕ ኣዋፊሩን ንባዕሉ ዑደት ገይሩ ሓድሓደ መጽናዕታት ኣኪቡ ጸብጻብ ናብ ፕረዚዳንት ኣቕሪቡ ዋላ እንተነበረ ኣውንታዊ ግብረ መልሲ ኣይረከበሉን ጥራይ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ሚኒስተር ተወልደ ቀላቲ ዘይሕወሶን ዘይፈለጦን ንጽላት ባሕሪ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ዘለዎ ቦርድ ኣቖመሉ፡፡    

——-ይቕጽል

==========[[[[[[]]]]]]]]]]================

ናብ ሳልሳይ ክፋል 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.