ብሓሶት ምምብጻዕ ንዓና ነውሪ፡ ንውልቀ መራሒና መነባበሪ
ብሓሶት ምምብጻዕ ንዓና ነውሪ፡ ንውልቀ መራሒና መነባበሪ
ካብ ብርሃን ተስፋ
28 ለካቲት 2014
ውልቀ-መራሒና ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ምሕሳው ተርብሖ እንተመሲላ ንእሙንነት ብድሕሪኣ ዝስዕባ መዓልታት ከይገደሶ መልሓሱ ወርዊሩ ንኽዓጽፍ ድሕር ዘይብል ጉዳመኛ’ዩ፡፡ ሎሚ ኣብ እዋን ዕራርቦ ዕድሚኡ ዝጀመሮ ሕማቕ ልምዲ’ውን ኣይኮነን፡፡ ውልቀ-መራሒና ንምድንጋር ከም ሜላ፡ ንሓሶት ድማ ከም ስልቲ፡ ካብ ዝጥቀመለንሲ ካብ 1970ታት፡ 80ታት፡ 90ታት ከም’ውን ኣብ 2014 ዓመት ካብ 21 ክ/ዘመን ሓሊፈን ኣለዋ፡፡ “ኣመል ምስ መግነዝ” ከምዝበሃል ካብ ብገንኡ ዝለመዶ ስለዝኾነ ሓመድ ድበ ምስተደብየ እንተዘይኮኑ ኣብ ርእሲ መሬት ክሳብ ዝሃለወ ክሓድጎ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡
ኣብ እዋን ብረታዊ ገድሊ ንተጋደላይ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረ መብጽዓ ‘ምልዋጥ ኤርትራ ናብ ዓዲ መዓርን ጸባን፡ ወርቅን ጨርቅን፡ ክንገብራ ኢና፡ ከም ጸባ እንዳኣቺ ብምጉዓዝ ዘይኮነ ከም ቦምባ ማይ ነናብ ቤቱ ክንዝርጋሓሉ ኢና፡፡ ንቀጻሊ ወለዶ ናጽነት ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት ንደቅና ዘይሃልቕ ወርቂ፡ ነዳዲን ልችን ክነውርሶም ኢና፡፡ ህዝብና ካብ ድኽነትን ሕሰምን ክነገላግሎ ኢና’ ተባሂሉ ተለፍሊፉሉ፡፡
1991 ናጽነት ክውን ምስ ኮነ ‘ነብሰወከፍ ተጋዳላይ ነቲ ስውእ ይኹን ካብ ብሱል ጥረ ኮይኑ ብሂወት ዝኣተወ ኩሉ ካብታ ንምግዳል ዝወሰነላን ኦርኒክ ዝመልኣላን ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት ናጽነት 24 ግንቦት 1991 ንመዓልቲ ሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ሞስኡ ክሕሰበሉ ኢዩ’ ተባሂሉ ተገሊጽሉ፡፡ እቲ ጅግና ወዲ ህዝቢ ተጋዳላይን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ግን ነታ መወዳድርቲ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቱ ወፊዩ ዝተጋደለን ዝወሰነን ካብ ሃገሩን ህዝቡን ዝጽበዮ ካልእ ፍሉይ ሞሳ ወይ ካሕሳ ኣይነበረን፡፡ ተጋዳላይን ህዝብን ኣማዕዲዩ ዝሪኣን ናብኣ ክበጽሕ ብኹሉንትንኡ ዝተቓለሰላን ዝነበረ ናጽነትን ምትካል ዴሞክራስያዊት ኤርትራን ጥራይ ኢያ ነይራ፡፡ ነዚኣ ብምርግጋጽ ከም ኩሉ ህዝቡ ክሓልፈሉ ደኣምበር ንበይኑ ክብልጽግ ምንዮት ኣይነበሮን፡፡ ነዚኣ ከረጋግጽ ድማ ገድልን መስገደልን ሓሊፉ ከምዝበጽሓ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ጥሙይ ከብዱ፡ ጽሙእ ጎረርኡን ዕሩቕ ዝባኑን ንመስዋእቲ ተቐዳዲሙ ኣረጋጊጽዋ፡፡
ትጽቢት ተጋደላይ ህዝባዊ ግንባር ነታ ከም ማይ ጽምኢ ዝሃርፋ ዝነበረ ናጽነት ሃገሩ ድሕሪ ምርግጋጽ ምስ ህዝቡ ብሓባር ክሓልፈሉ ቅዋማዊ ስርዓቱ ከንግስ ደኣ’ምበር ብዋጋ መስዋእቱን ቃልሱን ብገንዘብ ዝትመን ካሕሳን ካብ ህዝቡ ዝተፈልየ ሓለፋታትን ክረክብ ሕልሚ ኣይነበሮን፡፡ ባዕሉ ጉጅለ ህግደፍ ግን ንስውእን ህልውን ተጋደላይ መዓልታዊ ብዶላር ዝሕሰብ ከምዝኽሕሶ ምስ ኣውረየሉ ብመብዛሕትኡ ተጋዳላይ ሂወትና ብዋጋ ናጽነትን ዴሞክራስን ደኣ’ምበር ብዋጋ ሰልዲ ክጽብጸብ የብሉን ብምባል ብዙሕ ትርጉም ዋላ እንተዘይገበረሉ ካብ ተብሃለስ ሕራይ ኢሉ ድሕሪ መግለጺ ህግደፍ ሓቂ መሲልዎ ዕድመ ገድሉ ብዕለታት ኣብ ምጽብጻብን ንዝበጽሖ ዶላርን ሸርፊ ሽዑ ናብ ዝነበረ ብር ኢትዮጵያ ኣብ ምሽራፍ፡ ኣብ ምድማርን ምርባሕን ከምኡ’ውን መዓልኡ ኣብ ምንታይ ከምዝኾንን ኮፍ ኢሉ የሰላስል ውጥናት ክሕንጽጽ ይውዕልን ይሓድርን ነይሩ፡፡
እንተኾነ ግዳ “ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ” ከምዝበሃል ተጋደላይ ን4 ዓመት ብዘይዝኾነ ክፍሊት ክጋደል ከምዝጸንሖ ሕጂ’ውን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ክጋደል ብካሴት ዝተቐርጸ ናይ ውልቀ-መራሒ መግለጺ ወጺኡ ናብ ኣሃዱታት ምስተዘርገሐ፡ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝነበሩ ኣሃዱታት ውዕውዕ ማሕበረ-ቑጠባዊ ትሕዝቶ ዝነበሮ ተቓዉሞ ኣልዓሉ፡፡ 20 ግንቦት 1993 ንጠለባት እቲ ተቓዉሞ ምላሽ ክህብ ብኳሌትኡ ተሓኒቑ ናብ ቅድሚ ተቓወምቲ ዝቐረበ ፕረዚዳንት ‘እዛ ሃገር ጥራሓ ስለዝጸነሐትና ዝወሃብ ስለዘይብላ፡ እዚ መምርሒ ኣውሪድና ነይርና ሕጂ ግን ስለዝዓመጽኩም ንካልኦት መደባት ዓጺፍና ክንህበኩም ክንግደድ ኢና’ ኢሉዎም፡፡ እቲ ንሕድሕዱ ተጋደላይ ካብ ዝተጋደለሉ ዕለት መዓልታዊ $1USD ተባሂሉ ዝተገልጸሉ መብጽዓ ባዶ ምንባሩ ዘግሃደ ኣጋጣሚ ምንባሩ ግን ተረጋገጸ፡፡
ካብ 1996 ክሳብ 1997 ውልቀ-መራሒና ካብ ነብሰ-ወከፍ ኣባል ምክልኻል ኤርትራ ካብ ወርሓዊ ደሞዙ በቢኸፊል ዝቑረጽ 2,000 ብር ከምዝቑረጽ ትእዛዝ ኣውሪዱ፡፡ ናይዚ ምኽኒት ኣብ ብርክታት መኽሰብ ዘለዎም ወፍርታት ብስምኩም ኣውዒልና ምቅሊትኩም በብእዋኑ ከምትረኽቡ ክንገብር ኢና ብዝብል ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግዳ ይትረፍ’ዶ እቲ ዝተብሃሎ ምቅሊት ወፍሪ ክረክብ፡ ሰራዊት ብጥበራ ዝተዘምቶ ገንዘቡ’ኳ ኣበይ ከምዝኣተወ ክሳብ ሎሚ ኣይተነግሮን፡፡
ኣብ ኩናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝጀመረ ብድሕሪኡ’ውን ዝቐጸለ ካብ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ዘለው ተጋደልቲ ኣባይቲ ከምዝዕደሎም ተነጊርዎም ቅጥዕታት መሊኦም፡ ክቕመጥሉ ዝደልይዎ ቦታ (ከተማ) መሪጾም፡ ናይ ዝዕደሎምን ዝስረሓሎምን ገዛውቲ ስእልታት ሪኦም፡፡ እንተኾነ ግና ዘረባ ኣባይቲ ሽዑ ምስተቐልቀለ ንደሃዩ’ኳ ሃጢሙ ተረፈ፡፡ ውሕዳት ሰብ-ግዜ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ወተሃደራውያን ገበርቲ ሓደግትን ግን ንኣባይቲ ዝተሰጉ ኢትዮጵያውያን ሴሮም ኣትዮም፡ ወይ ከኣ ስቪል ኤርትራውያን ዜጋታት ንዘመናት ሒዞምዎ ካብ ዝጸንሑ ናይ ቀደም ኣባይቲ ብሓይሊ ብምብራር ባዕላቶም ሰፊረሞ፡፡ “ምውጋን” ብዝብል ስም ጽባሕ ዘይወግሕን ሕጊ ተዓቢጣ ትነብርን መሲልዎም ብስሞም ይውገነሎም ኣሎ፡፡
ድሕሪ መወዳእታ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበሩ እዋናት ውልቀ-መራሒና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መወዳእታ ኩናት ንዘጋጠሞ ውርደት ንምክሕሓስን ዓጸፋ ንምምላስን ሰራዊት ኣብ ጽዑቕን ቅድሚኡ ዘይተረኣዩ ወትሃደራዊ ታዕሊማትን ስትንፋስ ዘይህቡ ልምምዳትን ዝተጸምደሉ ፍሉይ እዋን ነይሩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሞራል ሰራዊት ክብ ንምባል ተባሂሉ ንነብሰ-ወከፍ ኣባል ሰራዊት ነቲ ተጋደላይ 7,000 ናቕፋ ነቲ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ድማ 5,000 ናቕፋ ንሕድሕድ ዓመት ኣብ ባንኪ ክቕመጠሉ ምዃኑ ብግልጽን ብስቱርን ቃል መብጽዓታት ተኣቲይሉ፡፡ ግና ተጋዳላይ ኮነ ዋርሳይ ክሳብ’ዛ ሎሚ ዕለት ምስ ኩሉ ትጽቢታቱ ማይ ዓሚኹ ተሪፉ፡፡
ሕጂ’ውን ኣብ 2008 ውልቀ-መራሒና ያኢ ሓላይ ሰራዊት ክመስል ዝኣተዎ መብጽዓ ንቦኹሪ ውላድ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ 150 ንትሕቲ ቦኹሪ ውላድ ዝኾኑ ደቁ ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየግድስ ንሕድሕዶም 100 ናቕፋ ወርሓዊ ደወሞዝ ከምዝግብረሎም ኣዊጁ፡፡ ኣብ ውሕዳት ኣሃዱታት’ውን ጀሚሩ እንተኾነ እዚ መብጽዓ’ዚ’ውን ከምቶም ቀዳሞት መብጽዓታት ኣብ ከውሒ ከም ዝፈሰሰ ማይ ሃፊፉ ተሪፉ፡፡
ምስ ምጅማር ዕደና ወርቂ ቢሻ ተኣሳሲሩ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ክውንነትን ምጽማምን ኤርትራውያን ብፍላይ ኣባላት ሰራዊትና ከብቅዕ’ዩ፡፡ ምብርባር ዕቑር ጸጋታት ሃገር ክጅመር እዩ፡ ኢሉ ውልቀ-መራሒና ኣበሲሩ፡፡ ዝተፈረመ ውዕል ዕደና ድማ ብመኽሰቡን ንረብሓ ሃገር ዘቐድም ብምኻኑን ኣብ ኣፍሪቃ መዳርግቲ ከምዘይብሉ ንህዝብን ሰራዊትን ተመዲሩ፡፡ ምሕፋስ ሞሳ ዓመታት ባርነት ከምዘብቀዐ’ውን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ኣጋዊሑ፡፡ እንተኾነ ግዳ ህዝብን ሰራዊትን ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንካሓስ እንዳበለ 4 ዓመታት ምስተጸርገፈ፡ ውልቀ-መራሒና ኣብ ቃለ መሕተቱ ክራማት 2013ን ዕደና ቢሻ ዘይከምቲ ኣቐዲሙ ዝበሎ ሞሳ ህዝብን ሰራዊትን ዝፈዲ ዘይኮነስ ንዓመታዊ ወጻኢታት ነዳዲ ሃገር’ኳ ከምዘይሽፍን ገሊጹ፡፡ እቲ ካድራቱ ካብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበለጸ ውዕል ዕደና እናበሉ ባዶ ጃህረኦም ይነዝሕሉ ዝነበሩ ከኣ ዝደኸመን ንሃገራዊ ረብሓታት ዝሃሲ ውዕል ዕደና ብምዃኑን ክኽለስ ከምዝግበኦ እቲ ውልቀ መራሒ ባዕሉ ተናዚዙ፡፡ ካድራቱን ሚኒስተራቱን ክጀሃሩ ንሱ ከፍርስ ኣብ ምርብራብ ከምዝርከቡ መቸም ኩሉ የስተብህለሉ ከምዘሎ ጋህዲ እዩ፡፡
ኣብ 2011 ውልቀ-መራሒና ቅድሚኡ ካብ ዝጸንሐ መብጽዓታቱ ብትሕዝቶኡ ዘይኮነስ ብመልክዑ ዝተፈልየ ሓዱሽ ዝመስል መብጽዓ ኣምጺኡ፡፡ ገንዘባዊ መብጽዓታት ጌርካ ምትላል ኣድማዕነቱ ከምዝጎደለ ምስተሰቆሮ፡ ነዚ ንምብዳህ ብዓይነታዊ መልክዕ ተመባጺዑ፡፡ ንሕድሕድ ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዝዕደል ሓደ ኩንታል ምሸላ፡ 10 ኪሎ ሽኮር፡ 10 ኪሎ ዓደስ፡ 10 ሊትሮ ዘይቲ ንስድራቤቱ ኣኣብዘለውዎ ከምዝዕደል ቃል ኣትዩ፡፡ ሓላፍ ዘላፍ ዝኾነ ዕደላታት እውን ተጀሚሩ ነበረ፡፡ እንተኾነ ግዳ እቲ ኣብ ዓመት 3 ግዜ ዝተብሃለ፡ ኣብ 3 ዓመት ሓደ ግዜ’ውን ብዘይምትግባሩ መብጽዓ ውልቀ-መራሒ ዘይጭበጥ ሆቦብላ ንፋስ ኮይኑ ነፊሱ ተሪፉ፡፡
ድሕሪ’ዚ ውልቀ-መራሒና ኣብ 2012/13 ኣብ ሞንጎ ብካልእ መብጽዓ ክዘናግዕ ድሕሪ ምጽንሕ እንደገና ናብታ ናይ ቀደም ዓይነት መብጽዓኡ ተመሊሱ፡፡ ነቶም መቑረኒታቶም ደደርብዮም ጠጠንጢኖምዎ ዝፈራረሱ ዘለው ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከዳናጒ ግዲ ኮይኑ ንነብስ-ወከፍ ኣባል ሰራዊት 50,000 ናቕፋ ስለዝዕደል ትመርጽዎ ባንካታት ኣፍልጡና፡ ንዝወጸ ሓደስቲ ቅጥዕታት ምልኡ፡ ታሴራ ዘይብልኩም ታሴራ ተቐላጢፍኩም ኣውጽኡ፡ እንዳተብሃለ ሰራዊት ላዕልን ታሕትን ክብል ገይርዎ፡፡ እንተኾነ ብናይ ሎሚ 50,000 ናቕፋ ሰራዊት ብዙሕ ሕጉስ ዋላ እንተዘይነበረ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ እቲ ወረ ናብ 5,000 ናቕፋ ወሪዱ ንሱ’ውን ግን ከይዱ ከይዱ ካብ መወዳእታ 2012 ጀሚሩ ዝተወርየ ክሳብ ሕጂ 50,000 የለ 5,000 ባዶ ገረወኛ ኮይኑ ተሪፉ፡፡
እቲ ንእሽቶ ዘይሓንኽ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ክቱር ንዕቀትን ብደዐን ዘለዎ ውልቀ-መራሒና ኣብ ናይ 09 ለካቲት 2014 ቃለመሐተቱ ነቲ ምእንቲ’ዛ ሃገር ከርተት ዝብል ዘሎ ዜጋ ኣባይቲ ክንሃንጸሉ መደባት ሓንጺጽና ኣለና ዝብል ሓዱሽ መብጽዓ ክኣትወልና ሰሚዕናዮ፡፡
ሕድሕድ ዝተገልጹን ዘይተገልጹን መብጽዓታት ተኣማንነቶም ንምሕያል ዝዳለዉሎም ጉልባባት ረዘንቲ እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ባንኪ ብኣስማትኩም ሰልዲ ክነቕምጠልኩም ስለዝኾና ሓደስቲ ቅጥዕታት ምልኡ፡ ታሴራ ኣውጽኡ፡ ትመርጽዎ ቀረባኹም ባንኪ ኣፍልጡና ዝብል ሓያል ሽፋን ምድላው ናይ ውልቀ-መራሒና ናይ ማፍያ ምሁሮን ተሞኩሮን ኣዝዩ ሓያል ምዃኑን ንዓለምና ክፍኣት ከምህር ብቕዓት ከምዘለዎ ካብ ዘረጋግጹ ጉዳያት ሓደ ምዃኑን ክውሰድ ይከኣል፡፡
ካብ ሓሶትን ምድንጋርን ውልቀ-መራሒና ዝያዳ ዘስደምም ግን ናትና ግርህነት’ዶ ንበሎ ዕሽነት’ዩ፡፡ ዝቐደመ መብጽዓታት ከይተፈጸመ ንሓዱሽቲ መብጽዓታት ንጽበ! ጠንቂ ናይ’ዚ ከኣ ምርሳዕ ድዩ? ዋላስ እንታይ ኢዩ ዓንዚዙና? ኣይርደኣካን፡፡ ንጠንቀቅ ኣሕዋት! ክንርስዕ፡ ክንርስዕ፡ መንነትና ከይነጥፍእ፡፡