ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II

ኣቶ ወልዱ ተኽለ፡ ተቓላሳይን መምህርን? ወይስ ደላይ ፍትሒን? II
ኣሰና ባይቶናን፡ መራኸቢናን፡ ኣዳራሽናን ወሲድና ክንቅጽል እናኣመስገንኩ እየ።

ንኹቡራት ደልይቲ ፍትሕን፡ ተቓለስትን፡ ንኹቡራት ኣንበብቲ  ጽሑፈይ ኣንቢቦም ንዝሃብዎ ደገፍ፡ምሕጽንታ፡ ወቐሳ፡ ነቐፈታ፡ መኤረምታ ንዝገበርኩምን ብሓፈሻ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። እምበኣር፡ ኣዳራሽ ደልይቲ ፍትሒ፡ ኣሰና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ጽሑፍናን ኣቀራርባናን፡ ኣመላኽታናን፡ ዓላማናን ሓደ ካብ ኮነ፡ ክንመሃሃርን፡ ክንመዓዓድን፡ክንነቓፍን፡ክንደጋገፍን፡ ክንረዳዳእን፡ ሓበረታ ክንወሃሃብን፡ ናይ ኩላትና ሓልፍነት እዩ።
ኣቶ ወልዱ፡ ህድእ ንበል፡ ዘርእስቱ ኣብ ዝጸሓፎ ከመስግኖ ይፈቱ። ቀዳማይ ቀልጢፉ ንዝገበሮ ጽሑፋዊ መደረ ኣብ ሕብረተሰብ ኮነ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዘየድሊ ኣተራጓጉማን ኣረዳድኣን፡ ስለ ዝፈጠረ ይቕረታ ብምሕታቱ ቅቡል ስጉምቲ ወሰደ። ዝምስገን ቖራጽን፡ ተባዕን፡ ስጉምቲ እዩ። ቀዳሞት ኣቦታት ክዛረቡ ከምዚ ይብሉ፡ ወዲ ጭዋ ዓደቦ ዓገብ ክብልዎ ኸለዎ ቀልጢፉ ይእረም። ዓደቦይ ኣይትሓዙለይ! ከጉህየኩም ኣይግባእን በዲለ ኣለኹሞ ምሓሩኒ ይብል። ኣቶ ወልዱ፡ ብትብዓትካን ብጻዕርኻን ብቓልስኻን ከመስግነካ ይፈቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ከብርሆ ዝደሊ፡ ንሓቂን፡ ንፍትሕን፡ ዝቃለስ ምድጋፍን፡ ምምካርን፡ድኣምበር፡ ንማንም ሰብ፡ ሕጊ ዝረግጽን፡ ወጻዕን ዝኾነ ሰብ ዝቃወምን፡ ወይ ድማ ወጻዒ ተግባራት ዘለዎ ዜጋ ዝድግፍን፡ ዝጣበቕን ኣይኮንኩን።

ንኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ ተጣቢቕካ ንዝብል፡ ኣይፋሉን ኣነ እዃ ድኣ፡ ካብ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ይነቕፎ።እንተኾነ ግዳ ኣቶ ኣለም፡ እናሰምዔ ዝደቀስ ነቕኒቕካ ነይተተስኦ፡ ስለ ዝኾነ ዝልወጥ ወይ ዝቕየር ሰብ ኣይኮነን። ኣቶ ኣለምን ዝኣጎለ እንቛቑሖን ሓደ ገይረ፡ እየ ዝወስዶ። ዝኣጎለ እንቛቑሖ፡ ደርሆውን ኣይትሓቑፎን እያ፡ ጠቢስካውን ኣይብላዕን እዩ። ተግባር ኣቶ ኣለም ይጋሓፍ ጥራይ እዩ። ኣቶ ኣለም ተግባሩ ጉሓፍ እዩ፡ ከም ሰብ ግና ሰብኣዊ ክብሩ ክንሕልወሉ ግደታ ናይ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። ብኢደ ወነናና ሕጊ ክንወስድ ወይ ስጉምቲ ክንወስድ መሰል የብልናን። ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቖምናሉ እዋን ብሕጊ ዘኽስስ ገበን ዘርዚርካ ክኽሰስ ይካኣል።

ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝገበርክዎ መልቀስ፡ ተግባሩ፡ ክፍኣቱን፡ ተጋድሎኡን፡ ትብዓቱን፡ ሃገራውነቱን፡ መንነቱን፡ ጉድለታቱን፡ ብመልቀስ ቀሪቡ እዩ። ምስ ሞተ፡ ኣብ ዓዱ ንኸይቅበር ክኽልከል ከሎ ግና፡ ናይ መሰል ሕቶ እዩ። ፍትሓውያን ተቓለስቲ ምእንቲ ፍትሒ ወጽዓ ወድሰብ ጠጠው ምባል ትብዓትን ጭውነት እዩ።
 
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርግስ፡ መጀመርያ ከም ሰብ ዝረኣኽዎ፡ ኣብ ዋሲንግቶን ዲሲ ብ1992  ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ተኻፊለ ነይረ። ኣነውን ዝነበርክዋ ሽማግለ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ንኣስመራ ዩኒቨርሲት ሓገዝ ሓቲትና፡ ኣጆኹም መጺእኩም ውሰዱ ዝብል መልሲ ተዋሂቡና ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ኣቶ ዓንደብርሃን  ናይ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ፕረሲዳንት፡ ብምንባሩ ኩሉ ሰብ እንታይ ከበርክት ዝብል ፍናንን ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ዝነበረ ኣገባብ ኣዘራርባ ደሲነት፡ ብጻይ ዓንደብርሃን መጽሕፍቲ ንረክብ ኣለናሞ! ንኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ቀዳምነት ዝዋሃቦም ፋካልቲስ ንገረናሞ! ዘድሊ መጻሕፍትን መሳርሕን ክንሰደልኩም ኢሉ ካብ ሽማግለ ምስ ሓተተ?

ብጻይ ዓንደብራሃን ዝሃቦ መልሲ፡ከምዚ ነበረ፡ መኤከብ ጎሓፍ ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እዚ ኣብ ሃርቫድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ ሰብ፡ እዝስ ኣብ ዚ ሃገር ተማሂሩ ዝባሃልሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ መጸኒሞ! ቀብጽክዎ። እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ እዚ፡ ሰብ መጽሓፍ ኣንቢቡ ንኸይፈልጥ ዝኽልክል፡ ቀጺሉ ኣይውዓለ፡ ኣይውሕደረ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ እንታይ ከምዝገጠመ ኩሉ ዝፈልጦእዩ። ኣምባሳደር ዝብሎውን፡ ናይ ሃገር መዓርግ ስለ ዝኾነ እየ! ኣምባሳደር ዝብሎ ዘለኹምበር፡ እዚ መሃንድስ ድንቁርና፡ ሃገር ኣብ ጸላም ዘእተዉ ሙሁር፡ ኣገልጋሊ ናይ ጥፍኣት፡ ኣካል ናይ መብረስቲ ዓዲ እዩ። ነዚ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም፡  ነዚ እከይ ዝተግባሩ ኣይድግፎን እየ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ ሕጋውያን ስለዝኾና፡ መሰል ኩሉ ዜጋ ክንሕሉ ብሓላፍነት ንሕተት። ኣብ ቤት ፍርዲ ወስድካ ካብቶ ዝኽሰሱ ሓደ ምዃኑ ግን ኩሉ ዜጋ መዛግቡ ክሕዝ የማሕጽን።

መድረኽ ብቕንዕና ንህዝብና ከነገልግል ተዓጢቕና ኣለና፡ ዝሓለፈ ተግባርና ኮኒንና፡ ኣብ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ፡ ከቢድ መሪርን ከም ምዃኑ መጠን፡ ምስ ሕዝብና ኮና፡ ክንቃለስ ተቐሪብና ኣለና። እንተድኣ ኢሎም፡ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኖም ዝኽእለሉ መርዳእታን፡ መግለጽን እንተድ ኣ  ኣቕሪቦም፡ ህዝቢ እንተ ተቐቢልዎም፡ ከም ማንም ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ምቕላስ መሰል ኣለዎም። እዚ ክንብል ከሎና ግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ተግባሮም፡ ኣብ ምጽናት ሃገር ኣብ ዝተገብረ፡ ጉዕዞ ብሓላፍነት ዘሕትቶም ምዃኑ፡ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዞም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ዜጋታት፡ ኮነ ኢሎም፡ እንተ ብጸቢብ ጥቕሚ ሰሲዕም፡ እንተ ጸቢብ ወገናዊ ኣትዓባብያ፡ ወገን፡ ከባቢ፡ ኣውራጃውነት፡ ኣጥቒዕዎም፡ ዝገብርዎ ምትላልን፡ ምድንጋርን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ከም ወር ዝንገር ወዲ ብዓታይ፡ ኣብ ኣዋሳ 600 (ሽዱሽተ ሚእቲ) ኤርትራውያን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኣብ ገብረስላሴ ሆተል ዓራት ሒዙ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ቀረባ ኮይኑ፡ ይከታተል ከም ዝነበረን ሓበረታ ኣሎ፡ ይብሃል።

እንታይ ክንዕዘብ ንኽእል፡ ወኪል ኢሳያስ ዕሉል ሽፍታ፡ መጽነቲ ሃገር ስለላ የካይደሉ ምንባሩ አዩ ዝሕብር። ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ሰብ ባጀላ፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ዓቢ ኢድ ከምዘለዎም ክንፈልጥ ይግባኣና። ሕጂ ግና ሓበረታ ኣብ ምእካብን፡ መን እንታይ ገበረ ከነ ስተውዕል ጥራሕ እዩ ግደና።

መጀመርታ ከብርሆ ዝደሊ ኣነውን ተቓላሳይን መምህርን፡ ንፍትሒ ኢለ ስለ ዝኣምን፡ ንፍትሒ ዝቃለሱ ድማ ከመይ ገይሮም ይበልሑን፡ ይበስሉን፡ ከም ኩናት በላሕቲ ኮይኖም፡ ኣብ ኣእምሮን ቀልብን፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓትን፡ ህዝቦምን ተቐባልነትን፡ ተኣማመንነትን፡ ክረኽቡ እዩ። ከምኡ ድማ መኺሮም ከስምዕሉ ዝኽእሉ መንገዲ ምሕባር፡ ክእለተይ ከበርክት እዩ ድልየተይ። በዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ እንጽሕፎ ኮነ፡ ኣብ ዕለታዊ ኣዘራርባና፡ ኣብ መግለጺና፡ ኣኽብሮትን ትሕትናን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽበርቲ ሕግን፡ ደለይቲ ፍትሕን፡ መሃርትን፡ ዕጉሳትን፡ ሓለይትን፡ ክንከውን ናይ ግድን እዩ።ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስን፡ ክትዓትን፡ ብኣፍልጦ ዘለዎ ኣገባብ፡ ብትዕግስትን ብልቦናን፡ ተቓለስቲ ክንከውን ከለና የኽብረናን፡ የኹርዓናን፡ የተኣማምነናን እዩ። መሲሉኒ፡ ኢሎምና፡ በልካ ለኽዓካ፡ ዝድገም ዘይኮነ ዘረባ ብደለይቲ ፍትሒ ክቐርብ የብሉን። ጽፈትን፡ ሓቅነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣኽብሮትን፡ ላዛን ትዕግስትን እዮም መሳርሒና።

ከምኡ ድማ፡ ፖሎቲካውን፡ ሕጋውነት ፈላሊኻ ምፍላጡ ድርብ ሓልፍነት ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግባኣና። ምኽንያቱ ንሕና እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንባሃል፡ ነቲ ተወጺዑ እናሃለወ ወጽዓኡ ክፈልጥ ዘይከኣለ ከነፍልእጥ ናህና ግደታ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሕና መጀመርያ ንነፍስና ሓራ ከነውጽእ ከቢድ ቃልሲ እዩ። ንነብስና ሓራ ምስ ኣውጻእና ኢና ንኻላኦት ዜጋታትና ሓራ እነውጽእ።ሓቀኛን ፡ ፍትሔኛን፡ትብዓተኛን፡ ብምዃና ተኣማንነትና፡ የደልድሎ፡ ፍርሒን ራዕድን የጥፍእ።

ሓደ ሰብ ኣነኮ ደላይ ፍትሒ እየ!!! እንተድኣ ክብል ኮይኑ፡ ሕጊ ዘኽብርን፡ ዝመጾ ዝፈልጥን ምስ ዝኸውን፡ ዋላውን ነቶም ዝጸልእዎ እንተኾነውን፡ ሰብኣዊ መሰሎም ንኸይድፈር፡ ንኸይግፈፍ፡ ንኸይቕንጠጥ፡ ምስ ዝከላኽ እዩ። ፍትሓውነት ዝኣምን ኣብ  ወገነይ ወገንካ ዝምባለ ከሕድር የብሉን።  ሰብ ፍትሓዊ እዩ ክበሃል እንተኮይኑ ሓቅነት ፍትሓውነት ግሉጽነት ከዘውትር ይግባእ። “(ጸባ ላም ይፍላሓ ጸባ ጤል ይጽንሓ) ክኸውን የብሉን። ጸባ ክፈልሕ እንተድኣ ኮዩ ኩሉ ክፈልሕ ኣለዎ።
 
መደምደምታ፡ ንደለይቲ ፍትሒን ተቓለስትን፡ ኣብ እንገብሮ ዕለታዊ ጉዕዞና፡ ህግደፍ ዘፍረሶ ክንሓንጽ፡ ህግደፍ ዘርስሖ ከነጽሪ እዩ።  ጉጅለ ህግደፍ ኣዕነውቲ እዮም፡ ኩሎም ግና ኣይኮኑን፡ ንኹሎም ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነእትዎም፡  ህግደፋውያን ክንብል ከምዘይብልና፡ ህግደፋውያን ኣብ ሞንጉኦውን ንጹሃት ክህልዉዎም ስል ዝኽእሉ፡ንጹህን፡ ወጻዕን ዝኾኑ ክንፈላሊን፡ ከነለልዮም ናህና ብቕዓትን መንፍዓትን ጥራይ ዘይኮነስ፡  ድርብ ሓልፍነት ስለ ዝኮነ ብምዝካር፡ ነዚ ፈሊጥና ተጠንቒቕና፡ ቃልስና ኣመሃህራና ከነማዕብል ሓልፍነትና እዩ።

እቲ ዝኸበደን ኣድካምን ኣከራኻሪን፡ መሕረቕን መነደርን ዝኾነ መሰል ዲሞክራሲ እዩ።ዲሞክራሲ ማለት ነቶም ዘይትፈትዎን ዘይፈትዉኻን፡ መጻርርትኻን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኣኽቢርካን፡ ኣሔንቒቕካን፡ ተኸናኺንካን፡ ተጸሚምካን ከተሕድሮም እዩ። ብዝሒ ስለ ዘለና ተዓዊትናሞ! ኣበይ ከይበጹ ክብሃል ኣይከ ኣልን፡ ህዝባዊ ሓይልልታት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሕግን ዲሞክራስን፡ ሕጊ ካብ ቀደሙ ከየኽበረ ስል ዝዓበየ፡ እንሆ ገቢሉ ህዝብና የብርስ።በጀካይ መን ኣሎ እናበለ ንዓለም ከቖናጽብ ከስተናዕቕን ይዉዕልን ይሓድርን። ኩቡር የኽብረካ ዓቕሚ ነብሱ፡ ሕሱር የሕስረካ ዓቕሚን ነብሱ ከም ዝብሃል፡ ኣኽበርቲ ዳኣምበር ነዓቕቲ ክንከውን የብልናን።

 ኤርትራ ሃገርና፡ ሕጋውን፡ ፍትሓውን፡ ዲሞክራሲያዊት ክትኮነልና እንምነያ ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እቲ  ዘርኢ ሕጂ እዩ ዝዝራእ፡ እቲ ፈልሲ ዲሞክራሲውን ድማ ሕጂ እዩ ዝትከልሞ፡ ካብ ሎሚ እዩ ክዝራእን፡ ክትከልን ዘለዎ፡ ካብ ሎሚ ኣትሒዝና ንዝርኣዮን፡ ንትከሎን።
ዝዘራእካዮ ትሓፍስ ይብል ቅዱስ መጽሓፍ እሞ! ሰናይ ንዝራእ፡ ክርዳድ እናጸሃና ንኺድ።
 
ኣነውን ከይተፈለጠኒ ኣቐይመኩም ከይከውን እሞ! ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ተቓላሳይ ይቕረታ እሓትት።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና
ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 20  ለካቲት2014

ዋዕላ ደለይቲ ፍትሒ ንመስራቲ ጉባኤ

ዋዕላ ደለይቲ ፍትሒ ንመስራቲ ጉባኤ

ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ንምድልዳልን ብሩህ መጻኢ ሃገርና ንምውሓስን መስሪሒና ዝኾነ ፍትሓዊ ሰነድ ብምርድዳእ ንምጽዳቕን ምትካልን ኣገዳሲ እምነ-ኩርናዕ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
ንቃልሲ ዝመርሕ አብ ነጻ ድልየትን ዕግበትን ተሳተፍቲ ተሰሪቱ፡ ንደላይ ፍትሒ ዕግበት ፈጢሩ ኒሕን ተሳትፎን ተቓለስቲ ዘህጥር መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ሓድነት ሃገርን መጻኢ ተስፋ ህዝብናን ብሩህ ንክኸውን አብ ምውሓሱ ተሳትፎ ናይ ኩልና አገዳሲ’ዩ።
ጊዝያዊት ኣካያዲት ሽማግለ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ ኣብ ስያትልን ከባቢኡን ነዞም ኣብ ታሕቲ ሰፊሮም ዘለዉ ነጥብታት ንምዕዋት ሰፊሕ ናይ ደለይቲ ለውጢ መስራቲ ጉባኤ ትጽውዕ  ኣላ።
    ሀ.    ንድፊ መምርሒ ሰነድ ናብ መስራቲ ጉባኤ ንምይይጥ ብምውራድ ክውሰን፡
    ለ.    ድልየትን ትጽቢትን ተሳተፍቲ ብምስማዕ ፍርያም ጉባኤ ክኸውን ፡
    ሐ.    ሓድሽ ንስራሕ ዘዕውት ዘገልግለና መምርሒ ሰነድ ብምጽዳቕ፡
  መ.    ኣብ ነጻ ድልየትን ዕግበትን ተሳተፍቲ ዝተሞርኮሰ፡ ንመጻኢ እተካይድ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ንምምራጽ።

    ዕለት (Date)፡     መጋቢት (March)    15, 2014 (03/15/2014)                         
    ቦታ (Place)፡        ኪንግስ ሆል (King’s Hall)
                2929 27th Ave S, Seattle, WA 98144               
   
    ጊዜ (time)፡    3:00 p.m.

ሓድነት ኤርትራውያን  ይደልድል!
ፍትሓዊ ቃልስና ክዕወት ’ዩ!
ብድሓን ምጹ።

 

 

 

መድረኽ፣ ካበይ ናበይ?

 መድረኽ፣ ካበይ  ናበይ?
                                                 18 ለካቲት 2014

         ካብ ክፍላ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ቆርበት ደምበ ተቓውሞ ሓደ ብንጹር ዘይልለ ጫሌዳ ቦቒሉ ርኢና። እዚ ብስም መድረኽ ኣብ ፖለቲካዊ ሰረገላ ኤርትራውያን ተወጢሑ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ጉጅለ፡ ከምቲ “ነቓዕ ሓምሓም ንክትፈልጥ ማይ ኣእትወላ ዝበሃል፥ ክሳብ እቲ ዝበቖለ ባልጋ ብንጹር ዝልለን ሰራውሩ ዝፍለጥን፣ ነዞም ሰባት ገማጢልና ክንከታተሎም ጸኒሕና። እዞም ሰባት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ረዚን ሓላፍነት ስርዓተ ህግደፍ ዝነበሩ እውን ኢዮም። ብዛዕባ ኣብ እዋን ገድሊ ይኹን ግዜ ናጽነት ዝነበሮም ሓላፍነትን ጉዳያትን ክንጸባጸብ ኣይምደለናን። እቲ ምንታይ፡ ህዝብና ኣብ ደረጀ ኣፍ-ኣርክቡ ስለዘሎ። እቲ ምስ መድረኻውያን ዘተሓታትት ዘሎስ፡ ካብ ኣበጋግስኦም ዘይንጹርን  መንገዲ ለይቲን ስለዝተኸለሉ ጥራይ ኢዩ።
        ስለዚ ብዙሓት ሰባት ገለ ዶ ኾን መደያይቦ ናብ ጥርዚ ሓርነት ተረኺቡ ይኸውን ዝብል ሃሳሰ-ለባም ኣይተሳእነን። ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ንጥፍኣት ርብዒ ጎደል ዘለወሉ ግዜ፡ ብኡን ፈረቕኡን ዝበሃል ተወስር ክተርፍ ምተገብአ። ገለ ተቓለስቲ ካብ ምምስራት መድረኽ ኣትሒዞም ዝከኣሎም ከቃልዑ ጸኒሖም ኢዮም። ናይ መድርኻውያን ጥራይ ዘይኮነ ከኣ፣ ኣብ ከባቢኦምን ብድሕሪኦም ዝነበረ ደበንገረን ክቕላዕ ነይሩዎ። ሓያለይ ሰባት ንኣከያይዳ መድርኻውያን እናፈለጡዎ ክነሶም፡ ዛጊት ገለ ሓበሬታ በጨቕ ኣየበሉን። እዚ ህዝቢ እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብበበይኖም ሕብርታት ክደናገር የብሉን። እዚ መንእሰይ እዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኸተሎ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ፖሊሲ፡ ናይ ታሪኽ ዘኽታም ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ታሪኹን መንነቱን ክፈልጥ ደኣ እምበር ናብ ዕግሽግሽ ክኣቱ ኣይመድለየን። ደጊም ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዝተረፈ ነገር የለን። ምድንጋር ከኣ ይኣክል! 
        ስለምንታይ መድርኽ? መድረኽ እንታይ ኢዩ? ቀንዲ ተዋሳእቲ መድረኽ መነመን ኢዮም? ከባቢያዊን ዓለም-ለኻዊን ዝምድንኦም ከመይ ይመስል? ዘካየዱዎም ሕቡኣትን ግሁዳትን ኣኼባታት ኣበይ ነበሩን ከመይ ይመስሉን ነበሩ? ወ.ዘ.ተ… ብህድኣት ክንርእዮም ጸኒሕና።
        መድረኽ ንጽገና ዝተበገሱ ድዮም ወይስ ንመሰረታዊ ለውጢ? ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘይመሽመሸ ኣካል የለን። ስለዚ ጽገና ነየናይ ኣካል ህግደፍ ኣልዮም ኢዮም ነየናይ ከትርፉ? ኣየናይ ኣካል ኢዩ ክጥባሕ? ኣየናይ ኣካል ከ ክስፈ ኣብ ዘይበሃለሉ፤ ንመሰረታዊ ለውጢ ኢና ተበጊስና እንተዝብሉ ዶ ኣይመምሓረሎምን። ኣብ ከምዚ እንርእዮ ዘለና፡ እሞ ከኣ ገበነኛ ኢሳይያስ ምስዚ ትማሊ ዝገበሮ ናይ ኣኽር ንዕቀት ቃለ-መሕትት ከመይ ገይሮም ኢዮም ንህዝቢ ኤርትራ መሰጋገሪ ቢንቶ ክኾኑዎ?
        << … ኣብ ውሽጢ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድሉዋት ሰባት ኣለዉና። እዛ ሃገር ዳግማይ ሶማል ከይትኸውን ጥራይ ብደገ ዘለኹም ሓደ ኩኑ እምበር ንኢሳይያስ ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና። ንዓኹም ንምጽባይ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ወዲእናዮ ኢና … ምስጢራዊ ውዳቤና ከኣ ተጻፊፉ ኢዩ>> ዝብል ሃበስ-ቀደስ እኳ እንተሰማዕና፡ ካብ ንዓመታ ደርሆስ ሎሚ ዘበን እንቋቑሖ ከም ዝበሃል፣ እቲ ፍታሕ ንህዝቢ ኤርትራ ሎሚን ሕጂን ክኸውን ምደለናዮ። እቶም ብኢዱ ክንሕዞ ንኽእል ኢና ዝበሉዎምሲ ክሳብ ዮም-ኣል-ቕያማ ድዮም ክጽበዩ? ብኢዱ ክሕዝዎ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ከ ሃገር እናጸደፈትን ህዝቢ እናጸነተን እንታይ ኢዮም ክጽበዩ?
        ጉጅለ መድረኽ ዝምድንኦም ምስቲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ዝኾነ መንእሰይ /ደብረዘይቲ፡ ቦሎኛ/ ብከመይ ኢዩ ዝምዘን? ምስ ደምበ ተቓውሞ … ብዘይ ኣፈላላይ ጀብሃን ሻዕብያን ከመይ ነይሩን ኣሎን ኣብ እንዕዘበሉ ከኣ፡ መንገዶም ብንጹር ክልለ ተኻኢሉ ኣሎ። ቅድሚ ብዛዕባ ሓደ ጉጅለ ምዝራብ፡ እቶም ንጉጅለ መድረኽ ዘቖሙ ሰባት በብሓደ ምርኣዮም ኣገዳሲ እመስለኒ። ስለዚ እዞም ሰባት እንታዎት ኢዮም? ኣብ ደገ ካብ ዘለዉ ተቓወምቲ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር ከ ንበዓል መን ሒዞም? ከመይ ዝበለ ጻውዒት ገይሮም? ኣየናይ ሃገራዊ ዋዕላን ምትእኽኻብን ገበሩ? ገሊኦም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ገሊኦም ግን ብጋህዲ ኣይነበሩን። እቲ ዘተሓሳስብ ዘይምንባሮም ዘይኮነስ፡ ኣከያይደኦም ኢዩ። እቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ ኣባላት መድረኽ፥
               1. ኣቶ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ
               2. ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ
               3. ኣቶ ዓብደላ ኣደም  ኢዮም።
        እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ዝተራእዩ እኳ እንተኾኑ፡ ብሰንኪ ዘይግሉጽነቶም ግን ካልኦት ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓብኡ ጎሓላሉ ክህልዉዎም ከም ዝኽእሉ ንጥርጥር ኢና። እሂናይ ደኣ ዘይንጥርጥርሲ! መራሒ ህግደፍ ገበነኛ ኢሳይያስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝቢ ኤርትራ ንምብትታን ዘይፈተኖ እከይ ተግባራት ከም ዘየለ ኮ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጭፍራ ህግደፍ ዝነጥፈሉ ጉዳይ ምብትታን ደምበ ተቓውሞ ኢዩ። እዚ ስራሕ እዚ ከኣ ካብ ምእሳር ጉጅለ 15 ብናህሪ ይሰርሕ ነይሩን ኣሎን። ከምቲ ብተደጋጋሚ ንጽሕፎን ንዛረቦን ዝነበርና፤ ሎሚ እውን ዓው ኢልና እንደግሞ፣ ኣብ ደገ ካብ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ፣ እቲ ቀንዲ እሙን ሳተላይት ኢሳይያስ፡  መስፍን ሓጎስ ኢዩ።
        መስፍን ከምቲ ስጋ ዓሳ ከይሓረድካዮ ሕሩድ ዝበሃል፡ እሙን ኣገልጋሊ ህግደፍ ምዃኑ ካብታ ዝወጸላ መዓልቲ ኢዩ ተፈሊጡ። መስፍን ብዘይካ ኣብ ዘመነ-ኢሳይያስ ብድሕሪኡ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ። መስፍን ኣብ ህዝባዊን ቅዋማዊን መንግስቲ ኤርትራ፡ መንበሪ ፍቓድ ከም ዘይረክብ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ ንዝሓልቀመ መሓውር ህግደፍ ብመራኹስ ካብ ምድጋፍ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። በቲ በብዓመቱ ዝቃልዖ ዝነበረ ግሁድ ተግባራቱ፡ ሎሚ ንወላ ሓደ ሰብ እውን ከእምን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ኮምፓስ ኢሳይያስ ኣብ ደገ ንዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ንካልኦት ጳጳሳት ክትደሊ ነይሩዋ። መስፍን ሓጎስ ከም ተመን ክረምቲ ቆርበቱ ካብ ዓርደደ፣ ካልኦት ሓድሽ ዕፋፈት ዝቐየሩ ተዋሳእቲ ክወፍሩ ነይሩዎም። እዚ ድማ ግድነታዊ ክላሲካዊ ኣከያይዳ ስለያዊ ተግባራት ኢሳይያስ ኢዩ።
       እስከ ናብዞም ንመድረኽ ዘሳስዩ ዘለዉ ተዋሳእቲ ጋእ ንበል። ብዛዕባ ኣቶ ዓንደብርሃንን ዶክተር ኣሰፋውን ንግዚኡ ዝብሎ ጉዳይ የብለይን። ግን ኩሉ ግዜ ንቕድሚት ቅድሚ ምብጋስ፡ ንድሕሬኻ ምርኣይ ወይ እውን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ሎሚ ጥራይ ምዝራብ፣ ናይ ትማሊ ዝነበረ ጉዕዞ ምምርማር ኣገዳሲ ኢዩ። ዓብደላ ኣደም መን ኢዩ? ታሪኹ ኣብ ዘመነ ገድሊ ሞ ይጽንሓልና! ብቐንዱ ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃዲሙ ድዩ? ዓብደላ ኣደም ሃዲሙ ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ፣ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ /ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ/ ዓብደላ ኣደም ብህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንዝተዋህቦ ሕድሪ ጠሊሙ ከም ዝኸድዐ ተዛሪባ ምንባራ እዝክር።
        ስለምንታይ ንዓብደላ ኣደም ጥራይ ተዛሪባትሉ? ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም ነቲ ስርዓት እንተ ብሓቂ፡ እንተስ ብውዲት ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ገዳይም ተጋደልቲ ነበር ኣይተዘርበሎምን።“ኣቶ ዓብደላ ኣደም ካብ ሱዳን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ንክጽንበር ኣይደንጎየን። ታሪኹ ከም ዝምስክሮ ከኣ ካብ ዝጽንበር ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ብዘይካ ንዘዝረግአ ምብታን፡ ንሱ ዘርግኦ ሓሊብን ዝሓቖኖ ኣልባን ኣይነበሮን። ስለዚ ሎሚ ደኣ ከመይ ዝበለ ሱባኤ ኣትዩ ኢዩ መሰጋገሪ ድልድል /ቢንቶ/ ኮይኑ ናብ ኤርትራ ከእትወና።
        ደምበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ንሓሸውየ ዝተፈጥረ ዕንኪላሎ ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ተራን ኣከያይዳን ዓብደላ ኣደም ዘይተዓዘቦ ኣይኮነን። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ ኣየሕደረንን፡ ከም ዝበሃል፤ ካብ ሎሚ ሌላን ጉሌላን ከምኡ ድማ መንገዲ ጸልማት ምኻድ  ዝጀመሩ ጉጅለ መድረኽ፣ ደላዪ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ መንእሰይ ወለዶ ከኣ ብፍላይ ከቃልዖምን ክፍንፍኖምን ከም ዝግባእ ከዘኻኽር እደሊ። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ነባሪ መስተርሆት ንምርካብ፡ ኣብ ውሽጢ ምስ ዘሎ ህዝቢን ሰራዊትን ሰንሰለት ክፈጥር ኣለዎ።  ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ውሽጢ ኢዩ።
         ባይቶ ብመኣዝንቲ፡ ዓይበት ብመቛርንቲ ከም ዝበሃል፤ ሓለፍቲ መድረኽ ኣብ ክንዲ ብጸልማት ብብርሃን እንተትኸዱ፡ ኣብ ክንዲ ንበይንኹም ከኣ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኤርትራ እንተትመኽሩ መምሓረልኩም። ንሕና ጥራይ ኢና ለባማት፡ ንሕና ጥራይ ኢና ምሁራት፣ ንሕና ጥራይ ኢና ተቓለስቲ … ንሕና ጥራይ ኢና ክንመርሕ ዝግባእ ምባልኩም፤ ኣል-ጂዓን የሕለም ቢል ዒሽ!!
 
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!
ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ!!
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/

 

 

 

ኣህጉራዊ ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2014

ዕድመ ብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ 

ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤረትሪያን  ኮሞኒቲ

ንኹሉ ስያትልን ከባቢኣን ብኣክብሮት ትዕድም

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?

ኣቶ ወልዱ ተኽሉ፡ ከም መምህርን ተቓላሳይን? ወይ ዘላፍይ?
ኣሰና ከም ኣዳራሽ ዘተ ክንወስዶሞ!

ኣቶ ወልዱ “መሽረፈት ነት ኣብ ዝብል ኣርእስቱ መሰረት ብምግባር ዝገለጾ፡ ከም መምሃርን ከም ተቓላሳይ ወሲድ ክሪኦ ፈቲነ። ዝተዓዘብክዎ ምስ ህዝበይ ኮይነ ክንርእዮሞ! እቲ ናይ መምህር ዘብሎ ክንወስድ፡ እቲ ተቓላሳይ ዘብሎ ክንድግፍ! ነቲ መስመር ዝጠሓሶ እንተ ሃልዩ ድማ፡ ኣይፋል፡ ኣይከማኡን ኢልና ክንተ ኣራርም ይሕግዘና ኢለ እየ ዝጽሕፍ ዘለኹ።
ብመጀመርያ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ነብስኻ ምፍላጥ እዩ። ኣነ መንእየ? ኣብ ህዝቢ ኤርትራኸ ሓለፋ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ኣለንዶ? እንተ ሃለወኒ መንከ ሃበኒ? ነፍስ ወከፍ ዜጋ ሓደ ዝተመቕለ ንሓሙስተ ሚልዮን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እዩ (1/5,000,000)። እንተድኣ ናተይ ገደ፡ ሓደ ኣብ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮይኑ! ዓቕመይ ምጡን ወይ ዉሱን ምዃኑ ክፈልጥ ኣለኒ።
እንተኾን ግዳ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ዘበን ዉርዉራ ስለ ዘለና፡ ሳላ ሰዉራ ድማ ለባምናን፡ ኪኢላናን፡ ዉሓለና፡ ስለ ዘይንፋለጥ! ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ዝዛረብ ዜጋ እሩምን፡ ሃናጽን፡ ሕጋውን፡ መሃርን፡ ጠርናፍን፡ ኣቐራራብን፡ ሓዋዋሲን፡ መራሕን ክኸውን ዘኽእል ባይታ ስለዘሎ ኩሉ ዝሃቦ ዘርከበን ይዛረብ ይጽሕፍን እሞ! ተቐባልነት ኣብ ህዝቢ ኣብ ዝረኸበሉ ለባምን ወረጃ ዓድን ዝብል ክብሪ ይረክብ።እዚ መሰረት ገርና ድማ ንፅባሕ ክምህሩ ኮነ ክመርሑ ወይ ክሓንጹ ዝኽእሉ ዜጋታትና ነለሊ።
መሰል ዜጋ ሕሉው ኮይኑ፡ ክቃለስ ኮነ ንኸይቃለስ፡ከም ኡውን  ኣማዕድዩ ክርኢ መሰል ኣለዎ። ምቅላስ ብድልየትካ፡ ሕልናኻ ኣገዲዱካ ዝግበር ዉልቃዊ ዉሳነ ስለ ዝኾነ። ተቓለስ ኣይትቃለስ ምባል መሰል ዜጋ ምግሃስ እዩ። ሓደ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዜጋ ፍቓድ ክህብ ወይ ክኸልእ ግን ስልጣን የብሉን። ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ስለዝኮነ።
ኣቶ ወልዱ ተቓላሳይ ደላይ ፍትሕን ምኻኑ ገሊጹ። ኣብዚ እዋን ንፍትሒ ዝደሊ ዝባኑ ቐሊዑ ዝዛረብ ወዲ ሃገር ይምስገን። ከማኻ የብዝሓዮ ጂግና ወዲ ጂግና፡ ቀጽል፡ ንፋዕ ክባሃል ኣለዎ።
ኣቶ ወልዱ ከም መምህር፡ ድማ ርኣዩለይ ስምዑለይ፡ ትማሊ ሹማምንቲ ህግደፍ ዝነበሩ ሽም ቀይሮም፡ “መድረኽ ኢሎም ይመጹ ኣለዉ፡ ተጠንቕቕሎም? ድልድል ኢናዶ፡ ጽገናዶ ይብሉ ኣለዎ ህዝቢ ተዓጠቕ፡ ብምባሉ መምህር ንበሎ።
መስከረም ነት መሽረፈት ነት ኢሉ ስም ከምዝሃባ ጽሑፉ ይነግር። ኣብዚ ስም ምቕንጣጥ መን ስልጣን ሃበካ? ዝብል ሕቶ ኣቶ ወልዱ ዝምልሶ እዩ።
ኣቶ ኣለም ጎይቶኦም፡ መንዩ ወልዱ ተኽሉ ኢሉ ኣብ መርበብ መስከርም ሰለዳ ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ።
ኣቶ ወልዱ መን ምኻኑ፡ ናይ ምግላጽ መሰሉ እዩ። ናይ ባዕሉ መንምዃኑ ምግላጽ ከቢድዩ? ኣነ እገለ ወዲ እገል፡ ዓደይ እንዳይ፡ ወረዳይ፡ ኣውራጃይ፡ ሃገርይ። ኢልካ ምግላጽ መንነት የነጽሮ፡ የኹርዕ፡ የሔብን፡ ግቡእን፡ ባህላውን  እዩ። ሰማይ ፈረ ግና ኣይኮነን።
ኣቶ ወልዱን ምስ ኣቶ ኣለም ኣብ መድረኽ ወይ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክምጉቱን፡ ክተሓታተቱን፡
ክረዳዱኡን መሰሎምን፡ ግቡኦምን እዩ። ክዘናነፉ ግና ወራዙት ኣየግብሮም።

ድፍረት ቁጽሪ ሓደ፡
ኣቶ ወልዱ ኣብዛ ሰዓት ብኣቶ ኣለም ንዝረኸቦ ጎነጽ ወይ ዘነፋ ወይ ወቐሳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣለም ክዉሰን ነበሮ፡ ኣይኮነን ግና፡ ኣብ ኣተዓባብያ ኣብ ኣእምሮን ዝምብልናን ወሰኸሉ፡ ካብ መስመር ወጺኡ ይርከብ። ንስድራቤት ኣቶ ኣለም ዝትንክፍ ኣይፋል!!!!!! ዓገብ ደፊርካ።
ዽፍረት ቁጽሪ ክልተ፡
ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ንነፍሲ ሄር ጀነራል ጎይቶኦም ገብረዝጊ፡ ሓመዶም የቕልለሎም፡ ክዝንጠሉ ኣብ ጽሑፍ ኣቶ ወልዱ ተርእየ። ጀነራል ስራሖም ወተሃደር ብምንባሮም ዝተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ግደታኦም እዩ። ከም ኩሉ ወተሃደራዊ ትእዛዛት። ተጋዳልይ ኮነ ሰራዊት ትእዛዝ ይፍጽም። ስራሖም እዩ። ጀነራል ጎይቶኦም ብ1974 ንተጋዳላይ ሳልሕ ጠጠው ካብ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ከሙ ኡውን ተጋዳላይ ስዒድ ሳልሕ ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ቦታ ናብ ኣስመራ ኣእትዮም ከም ዘዛራረብዎም ትፈልጥዶ? ስምረት ብተጋደልቲ ስለ ዝደንጎየ መጸዋዕታ ደርጊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጾም፡ ብ1975 ካብ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ምስ ኣርባዕተ ዓሳክሮም ናብ ተጋድሎ ሓረንት ኤርትራ ተጸንበሩ። ጀነራል ጎይቶኦም መንግስቲ ዘይፈልጦ እንተ ፈጺሞም ኣቶ ወልዱ ጭብጢ ከቕርብ ኽግደድ እዩ። ሓቅነት እንተ ዘይሃለዎ ግና፡ ኣቶ ወልዱ፡ ንተቓላሳይን፡ ንመምህርነት ዝውሃቦ ክብሩ ክግፈፍ እዩ። 
ድፍረት ቁጽሪ ሰለስተ፡
ነፍሲ ሄር ክቡር መልኣከ ሰላም ዲመጥሮስ ተላዒሎም፡  ኣብ ግዜኦም ኣብ መንበሮም ዝወሰዶ ፖለቲካዊ ስጉምቲ በይኖምዶ ነይሮም? እቶም ኣባላት ባይቶ ኤርትራ እንትይከበሉ? ፕረሲደንት ኤርትራ ዝነበሩ ክቡር ደገዝማቲ ኣስፋሃ ወለደሚካኤል እንትይ ይገብሩ ነበሩ። ሸኽ ሓምድ ፈርጅ ሓምድ ምክትል ፕረሲዳንት ባይቶ ኣበይ ነበሩ? ኢትዮጵያ እንተበሉውን ዲሞክራስያዊ መሰሎምዶ ኣይኮነን?
ድፍረት ቁጽሪ ኣርባዕተ፡
ነፍሲ ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ተላዕሉ፡ ወዲ ሓወቦኻ፡ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ፡ ተጋዳላይ ወይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ነይሩ፡ ዓሪፉ። ከም ኩሉ ፉጡር ወድሰብ ኣብ ሃገሩ ንኸይቕበር ተኸልከለ። ኣብ ምንቲምንታይ ስድራቤቱ ከርተት ዝብሉ። ወድ ሰብ ሞቱ መቕበሪ ክስእን እንከሎ መሰሉ ተገፊፉዶ ኣይኮነን? ወዲ ዓድኻ ስለዝኾነ ዘብል ድዩ? ናይዝጊ ብሂወቱ ከሎ እንትይገበረ ካልእ ሕቶ እዩ። መሰሉ ክግፈፍ ግን ካልእ እዩ።
ድፍረት ቁጽሪ ሓሙሽተ፡
ኣቦሓጎትታተይ፡ ክቡር ደገዝማት ባህታ ሓጎስ፡ ክቡር ራእሲ ተሰማ፡ ክቡራት ስዉኣት፡ ተጋደልቲ ኣብራሃም ተወለደ፡ ወዲ ሃይለ፡ ሙሴ ሃብተሚካኤ ኣልዕሊካ። እዞም ዝጠቐስካዮም ክቡራት ዜጋታት ዘልዓልዎ ኣርእስቲ ኣብ ግዜኦም፡ ሃገርዊ ስለዝኾነ ናይ ኩሉ ዜጋ ኤርትራዊ ወለድን ኣሕዋትን እዩም። ኣቶ ወልዱ ኣሰሮምዶ ተኸቶልካ ዝብል ሕቶ ክመጽካ እዩሞ! ተቐሪብካዶ?
ናይ በይንኻ እንተድኣ ክትገብሮም ደሊኻ ግና ድፍረት ኮይኑ ይርከብ።

ድፍረት ቁጽሪ ሽዱሽተ፡
ኣብዚ ሰዓት እዚ ነፍስወከፍ ሃገራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ካብ ምብራስን ዕንወት ከድሕን ንዝገቦ ተብግሶ ቅዱስ እዩ። ኣሽንዃይዶ! ኣብ ሓልፍነት ዝነበር እሞኸኣ! ተጋዳላይ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጉድለትን በደልን ኣይክሳኣኖን እዩ፡ ሕጂ ንጸባጸበሉ ሰዓት ኣይኮነን።  ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዝባኖም ቀሊዕም ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ጎኒ ህዝበይ ኮይነ ክቃለስ መጺኤ ንዝብል፡ ብኽልተ ኢድና ክንቅበሎ ይግበኣና። ኣብ ልዕሊ መድረኽ ዝጸሓፍ ዘሎ፡ ካብ መስመር ደለይቲ ፍትሒ ወጻኢ እዩ።
ደላይ ፍትሒ፡ ፍትሒ ንመን? ፍትሒ ንኹሉ፡ እዩ ክብል ዘለዎ። ጸባ ጤል ይፍላሓ፡ ጸባ ላም ይጽናሓ ግና ፍትሒ ኣይኮነን። ሕሱምያ ቑሪ ምስ ዘይትፈትዎ የተሓቛቝፈካ ከም ዝብሃል ሽግር ኤርትራና ምስ ንፈትዎን ንጸልዕን ክንሓቝፍ የገድደና እዩሞ!
ካብ መን እዩ እዚ ? ኣበይ ነይሩ? መንዘጽንሓሉ? ሕጂ ስልጣን ደልዩ ድዩ መጺኡ? መን ዝለኣኾዩ እዚ? ዝብል ሕቶ ናይ ቤት ትምህርቲ ህግደፍ ስለ ዝኾነ ጠቓሚና ኣይኮነን። ብሓደ ኢድካ ከተጣቕ ስለ ዘይካኣል ዋል ቆንዳፍ እንተኾንትውን ኢድና እያ።

ኣቶ ወልዱ እንተ መምህር፡ እንተ ተቓላሳይ፡ እንተ ደፋራይ ባዕልኻ መልሶ።
ሓውካ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ተቐማጢ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
ተወላዲ ዓድዃላ፡ ሰራየ፡ ኤርትራ።
16 ለካቲ 2014