ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ምሕጽንታ ንኹሎም ወነንትን ኣካየድትን መራኸቢ ብዙሃን[media]ደምበ ተቃውሞ !!

ንህዝብና ኣጽኒቱ ንሃገርና ብምብራስ ታሪኽና ነበረያ ነበረ ክገብር ብንግሁኡ ዘንቀደ መራሒ ህግደፍን ገበነኛታት ኣጫፈርቱን፡ዕላማኦም ኣብ ምትግባር ብሰሪ ኣፍሉጦናን ንቅሓትናን ነንሕድሕድና ብምንቋት ንተሓባበሮም ምህላውና ንዘስተውዕል ዘይጠፋኦ እኳ እንተኾነ፡ ቀዳምነታት ሰሪዕካ ንድሕነትና ምቅላስ ዓቅምን ብቅዓትን እንከለና ሰኣን ንልብና ሰሚዑ፡ ንሃንቀውታና ተረዲኡ ብልሳንና ተዛሪቡ ዝቅልሰና ብቁዕ መርሒነት እንሆ ኣብ ደንደስ ጥፍኣት ተንጠልጢልና ንርከብ ።

ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ተበቲና ብማይ ቀጠነ ክንመናጨት ሱቅ አሉ ዝዕዘበናን ክንሃድእ እንከለና ብኣብ ውሽጥና ዝዓሰቦም፡ ብኢድ ኣዙር ዘስንቆም፡ ላምባን ክርቢትን ኣቀቢሉ ናይ ቃላት ኲናት ብምብራዕ ተስፋ ቆሪጽና ንህግደፍን ደምበ ተቃውሞን ብማዕረ ጸሊእና ነብስና ካብ ቃልሲ ከም እነግልል ዝገብረና እከይ ብልሓት ፣ ኣሹንኳይ ዝወቅዖ ትንዕ ዝብሎ እውን ስለ ዘይረኸበ እንሆ ኣጣጢሑ የባድመና።

ብኣካል ሃሉ ኣይተሃሉ እንድሕር ክቡር ባህልኻ ተበሪዙ፡ መንነትካ ተበሊሉ፡ ተስፋኻ ማህሚኑ፡ ኣኸለ ዝተረፈ የለን። ዋላ እኳ እቶም ዝተሰደድና ዘለና መሲሉና መልሓስና እንተውለብለብና ፡እቶም ኣብ ዓዲ ዝተረፉ እውን ብዓሕን ዒሕን ትልኽ እንተበሉ ፡ ካብ ትውልዲ ዓዱ ዝተነቅለ መምለሲ ስለዘይብሉ ፡ ክብረቱ ዝተመንዘዐ እውን ኣካሉ እምበር መንፈሱ ከምዝሞተ ብንጹር ክስወጠና ኣለዎ።

ሎሚ ኲናት መልክዑ ቀይሩ ዘይከምቀደም መሳርሒ ውግእ ብዓረርን ቦምባን፡ ነፈርትን ታንክታትን ዓጢቅካ ዘይኮነ ናብ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝልወጥ ነዊሕ እዩ ገይሩ። ሓጸልጸል ዝብል ሓጺነ-መጺንን ንዑኡ ዘንቀሳቅሱ ሰራዊትን መሰነይታ እዩ ኮይኑ ። መራኸቢ ብዙሃን ዝተፋኦ መርዛም ቃላት ካብ ዝፍንጀሩ ቦምባታት ይበልሕ ፡ ቃንዛኡ እውን ይመርር፣ ሕንዙ ካብ መርዚ ባሩድ ብዝኸፍአ ኣእምሮ የልምስ። ኣብቲ ብኣጽዋር መራኸቢ ብዙሃን ዝካየድ ዓውደ ውግእ ኣብ ሆስፒታላት ዝሕከሙ ቁሱላት፡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝቅበሩ ምዉታት፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝሕበሱ ምሩኻት ኣይትርእየሉን። እንተኾነ እቲ ካብ ኖጎዳ መድፍዕ ዝብርትዕ ማይክሮፎናት ዝውንጭፎ ተምዘግዛጊ ቃላት ከም ምጾኦታት የንቀጥቅጥ። ሓንሳብ በኒኑ ዘይቅህም ፣ ኣብ መኽዘናት አለክትሮኒክስ ተዓቂቡ ብምጽናሕ እናሻዕ ስለዝንዛሕ ዝሃድእ ኣይኮነን። ስሕለቶም ዘይጎድም ብርዕታት ኣብቲ ከም ሰማይ ደረት ኣልቦ ዝስፍሓቱ ወረቃቅቲ በቲ ክንዲ ማያት ውቅያኖስ ዝብዝሑ ቀለም ኣብ ናይ ኢንተርነት መርበባት ምስተወቀጠ ካብ ካልኢት ብዝሓጽር ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ካብ ጻት ንጻት ክዝርጋሕን ክራባሕን ብእኡ መጠን ንኣእሙሮ ሰማዕትን ኣንበብትን ምሩኻቱ ገይሩ ጅሆ ብምሓዝ ብዘይዱጓና ክኹርኩሞም ንርእዮ ኣሎና። መንፈሶም ደሚዩ ብሞራል ሞይቶም ሕልነኦም በዲኑ ቀባሪ ዝሰኣኑ ግዳያት መዲያ ቤተ-ሰቦም ንቡር ምጽንናዕ ኣይረኽቡን ። ናይዚ ዓውደ ኲናት እዚ ቁሱላት መኣዝኖም ኣጥፊኦም በቲ ዕንብረ ወረን ዶሮና በለካ ለኽዓካን ተዓብሊኾም ከም ዘዕነንዉ መርትዖ ዘድሊዮ ኣይኮነን ።

መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዓይንን እዝንን ብቀሊሉ ብምብጻሕ ናብ ኣእምሮና በሲዑ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ካብ ዝገብረና ኣትሒዙ ነዚ ጸጋ እዚ ዝወነኑን በዚ ሞያ እዚ ዝሰልጠኑን ንህዝብታት ዓለምና ናብ ድላዮም ክገላብጥዎን ኣብ ቃሕ ዝበሎም መዓላ ከም ዘውዕልዎ ኩላትና ግዳያቱ እንፈልጦ ሓቂ አዩ። ብሰሩ ኣህጉራዊ ናዕብታት ተሳዊሩ፡ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ምጭፍጫፋት ተወሊዑ፡ ስሰዐን ብሕትውናን ሰማይ ዕሪጉ፣ እታ ተሳኒና ክንነብረላ እኹል ጸጋ ዝዓቆረት ዓለምና ተናዊጻ። ዕዳጋ መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝሰሰነ ሰብ ብርኪ ክጽልምት እንከሎ ተኾሊዖም ይረኣዩ ኣሎዉ።

ናይ ህግደፍ መራኸቢታት ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ ህዝቢ ከም ጣኦት ከምልኾ ለይትን ቀትርን ብምስራሕ ዝተመጽወተ ሞባእ ካብ ኣብያተ ጸሎት ክምንዝዕ፡ ንቅዱስ ስፍራታት ከራኽስ፡ ንመንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ክሕይር ኣኽኢልዎ። ሎሚ ኪንኡ ብምምጥጣር ንድኻምና መዝሚዙ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ሰሊኹ ብምእታው ብዘፍለሶም ዘርኢ ክርዳድ ናይ ብርዒ ኣስማት እናተጠቅሙ ኣብ ኣእሙሮን ስምዒትን ህዝብና ዘየሎ ናይ ዓለትን ወገንን ምፍልላያት ስሒሉ ነንሕድሕድና ከም ዘይንተኣማመን፡ ኣብ ሃበስ ቀደስ ዝዓይነቱ ቆይቊ ተሸኺልና ጸላኢና ከም ንርስዕ ገይሩና ኣሎ።

ንዕላማኻ ምውፋይ ትብዓት እኳ እንተኾነ ቀዳምነትካ ምፍላጥ ድማ ብልሒ አዩ። ናብ ዕላማኻ ኣቶኲርካ እትሰርሓሉ ሕንጻጽ እንተዘይሃሊዩካ ምስ ማዕበል ተገሪዝካ ክትከይድ ይኹን ናብ ጓል መገዲ ክትእለ ገፊሕ ተኽእሎ ኣሎ። ንስኻን ዕላማኻን ምስወገንካ ዘለካ ምጥዕዓም ዝመዝኖ ዝበዝሐ ህዝቢ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ።

ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ግዜ ዝወሰደ እኳ እንተኾነ ሎሚ ግን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተጓሃሂሩ ልቢ ደለይቲ ፍትሒ ብምስንባር ናብ ተስፋ ምቁራጽ ከየምርሕ የስግእ ኣሎ። ህግደፍ ዕድመ መዋእሉ ጸንቂቁ ትልኽ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን መድያ ደምበ ተቃውሞ ትንፋስ ይሰኹዓሉ ኣሎዋ። ስለዚ እዋናዊ ህጹጽ ምሕጽንታና ፡

መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ
-ሕጂ ነንሓድሕድኩም ምጥቅቃዕ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጠጠው ኣብሉ
– ምእንጋድ ተጻባእቲ ውልቀ ጽሑፋት ኣቋርጹ
– ብርዕኹም ኮነ መጉልሕ ድምጽኹም ኣንጻር ህግደፍ ይቅናዕ
– ኣብ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተ ብምስታፍ ብኩሉኹም ብእትቅበሉዎ ናይ ሓባር መምርሒ ስራሕ ንምዕያይ ድልውነትኩም ኣመስክሩ ።

በዚ ኣጋጣሚ እዚ
-ኩሉኹም መራሕቲ ውድባትን ሲቭክ ማሕበራትን ንድልየትኩምን ድሌት ውሑዳት ሰዓብትኹምን ዘይኮነ ንባህጊ ሓፋሽ ህዝብኹም ብምምእዛዝ ሕድሕዳዊ ምቱኹታኽ ኣቋሪጽኩም ቃልስኹም ኣንጻር ህግደፍ ይኹን ።
-ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን ንመራኸቢ ብዙሃንና እትምእዝኑሉ እዋን በሲሉ ኣሎ እሞ ህጹጽ panel discussion ብምክያድ ንኹለን መድያታትና ዝጠምር ስነምግባር code of ethics ንምድንጋግ ተሸባሸቡ።
-ክቡር ሓው ዶክተር ተስፋማሪያም [ወዲ ቫካሮ] ከተካይዶ ናይ ዝጸናሕካ ዑደት ንሓድነት መቀጸልታ፡ ሞያውያንን ሰብ ተመኩሮን ጸምቢራካ ናብ ምውህሃድ መራኸቢ ደምበ ተቃውሞ ኣቅንዕ ።
-ኩሉ ዝሓለፈ በደልን ብጠንቁ ዝሰዓበ ጽልእን ምእንቲ ወጽዓ ህዝብና ግዜን ኩነታትን ንምረጸሉ። ንዕኡ እተጻሪ ሕጋዊት ኮሚተ ወጺኣ ክሳብ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ፍታሕ ዝወሃቦ ካብ ምጽሕታሩ ንቆጠብ።
-ፋሕ ኢሉ ዘሎ መራኸቢታትና ተጠራኒፉ ዓቅምታቱ ብምውህሃድ፡ ኣንጻር ህዝብናን ሃገርናን ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ዝሰርሓሉ ባይታ ንምጥጣሕ፡ ንእዋናዊ ጠለብ ምትዕራቅን ምስማርን መራኸቢ ብዙሃና ዘተኣናግድ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ኩሉ ግዱስ ደላዪ ፍትሒ ይጠቅም ዝበሎ ሓሳብ ንኸቅርብ፡ ከም መበገሲ ንመዛተዪ ኣርእስቲ ወሲድና ከነቅርቦን ሃናጺ ርእይቶና ከነፍስስን ብኽብሪ ግዜ ይዕድመና ኣሎ።

መተሓሳሰቢ

ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኩለን መራኸቢ ብዙሃን ደምበ ተቃውሞ ካብ ዝረኸባኦ ዌብሳይት ወሲደን ኣብ ገጻተን ክልጥፈኦ ብመጉልሕ ድምጸን ከቃልሕኦ፡ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርደኦ ቋንቋ ከም ዘለዎ ተርጒመን ከቅርበኦ ሃገራዊ ሓላፍነተን ምዃኑ ይላቦ።

መስመር ዋህድ

 

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.