ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባሩባን ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ? – 11 ክፋል

ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባሩባን ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ?

ካብ ባለነኪ
11 ክፋል

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ንሓለፍቲ (ሚኒስተራት) ብክልተ ገጽ ክህረሙ እዩ ዝገብሮም፡፡ ሓደው ትም እንተበሉ “መዓስ ኣብ ስራሕ ኣለው? ዘይ “ሰብኣይ!” በይኑ’ዩ ዝዓሞ ዘሎ” እንዳተብሃሉ ክሕመዩ፡፡ ብካልእ ገጽ ድማ ከም ኣባይ ብዕራይ ጭርኦም ጠዊዩ ጠዋውዩ ናብ ቅድሚ ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ቀሪቦም ንዝተፈጸመን ዘይተፈጸመን ስራሕውቲ ሓዋዊሶም ከቕርቡን፡ ንዘጓንፍዎም በዳህቲ ሕቶታት ህዝቢ ከከምገጹ ምስ ስክፍታታቶም ክምልሱን ይገብሮም፡፡ እዚ ጉዳም ኣበረኛ ፕረዚዳንት ግን ኣኼባኦምን ናይ ሚዲያ መደረኦምን ድሕሪ ምውድኦም ነቲ ክህውትትዎ ዝቐነዩ ሓሳባቶም ብሙልኡ     “… ሓሶት እዩ፡፡ ምግናን እዩ፡፡ ንባዕልና ክነዕሹ የብልናን፡፡ ለውጢ የብልናን፡፡…” ብዝብላ ኣፍረስቲ ቃላት ኣቆናጺቡ ጨርቂ የትርፎም፡፡ 
ንሎሚ ግን ብሓው ቴድሮስ ተኽለ “ዳሕራዮም ገደደ” ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 02/02/2014 ኣኼባ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ኣብ ሎንዶን ተኻፊሉ ንዘጓነፎ ተረኽቦ ኣመልኪቱ ብ06 ለካቲት 2014 ኣብ መርበብ ኣሰና ዝዘርገሖ ሓበሬታ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታን ንባዕለይ ዘጓነፈኒ ሓበሬታን ኣዛሚደ ሓደ ነገር ክብለኩም፡፡  ካብ ዓንቀጽ ሓው ቴድሮስ ተኽለ ዝወሰድክዋሕጥበ ጹሑፍ  ‘“በሉ ኣይትሓዙለይ ዓንተቦ ኣኼባና ተወዲኡ’ዩ ክብል ነይሩኒ ተጋግየ’የ፡፡ ሕጂ ተኾነ ኣኼባና ኣብዚኣ ወዲእና ኢና” ብምባል ነቲ ኣኼበኛ ከይሓተትን ዝስምዖ ከይተዛረበን ኣኼባ ብዘይ መደምደምታ በቲኖም’ ንትብል ምስክርነቱ ምስ ተራዳእኹ ንድሕሪት ተመሊሰ ሓደ ነገር ዘኪረ፡፡
‘ወይ ጉድ!! ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባሩባን ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ? እዛ ንሻሂ ኢልካ ኣኼባ ምብታንስ እንታይ’ዩ ኣበራ? ልክዕ ኢሳያስ ዝገበራ ደጊሞምዋ!’ ዝብሉ ሕቶታት ቅጅል በሉኒ፡፡ ‘’…ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ?’’ ብዝብል ርእሲ ድማ ንምግጥጣም ክገልጽ ወሰንኩ፡፡ ኣጋጣሚ ዶ ባህሪያዊ ግን ሰብ ዘዝመስሎ ባዕሉ ይመልሶ፡፡ ኣኼባ “መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ኣብ ሆቴል ሂልተን፡ “ስሉሳዊ ኣኼባ” ኢሳያስ ከኣ ኣብ ዱባሩባ እዩ ተፈጺሙ፡፡ ክልቲአን ናይ ግዜን ቦታን ኣፈላላይ እንተዘይኮይኑ ኣፈጻጽመአንን ምኽንያተንን ዳርጋ ተመሳሳሊ እዩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ንሓበሬታ ሓው ቴድሮስ ተኽለ ዘየንበብኩም መጀመሪያ ክተንብብዋ እላቦ፡፡ እንተ እታ ኣነ ዝፈልጣ ሓበሬታ ግን የስዕበልኩም ኣለኹ’ሞ ልዋም ንባብ፡፡

*******************

ካብ ዕለት 26/02/2008 ክሳብ 15/03/2008 ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ካብ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ንላዕሊ ኣኼባ ተኻይዱ ነበረ፡፡ ትሕዝቶኡ ንውሽጣዊ ኩነታት ሰራዊት ብደቂቕ ምግምጋም’ዩ፡፡ ህድማን ኩብለላን ጠንቁ ሳዕቤኑን መግቲእኡን ዘተኮረ ድማ ነበረ፡፡ ነዚ ኣኼባ ዝመርሖ ጀነራል ስብሓት ኔሩ፡፡ ኣብ መዓልቲ ን10 ሰዓት ብምዝታይ ዝተኻየደ ኣዝዩ ጽዑቕ ኣኼባ’ዩ ዝነበረ፡፡ ሕድሕድ ኣዛዚ ክ/ሰራዊት ብዛዕባ ክ/ሰራዊቱ ጠቕላላ ኩነታት ሰራዊቱ፡ ዓቕሚ ሰብን ብቕዓትን፡ ሞራል ሰራዊት፡ …ወዘተ ኣመልኪቱ ብጽሑፍ ኣዳልዩ ናብ መድረኽ ወጺኡ መብርሂ (መግለጺ) (ሓውሲ Presentation) የቕርብ፡፡ ኩሉ ተኣካቢ ሕቶታት ሪእይቶታትን ክትዓትን የቕርብ፡፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ወሲዱ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጻዕቂ ኣኼባን ገምጋምን ብዛዕባ ሰራዊት መወዳእትኡ ናበይ ኮን የምርሕ ዝብል ስክፍታታት ኣሕዲሩ ኔሩ ኢዩ፡፡
ኣብ መጠቓለሊ’ዚ ኣኼባ እቲ ኣብቲ እዋን ን2 መዓልቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዑደት ክገብር ዝጸንሐ ፕረዚዳንት ተሳቲፉ መደረ  ኣስምዐ፡፡ እንተኾነ መደረኡ ነቲ ብዘይ ዝኾነ ጭቕጭቕ ሰኺኑ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ሓለፍቲ ሰራዊት ኣብ ደቒቓ ፍርሒን ቁጠዐን ኣዝነበሉ፡፡ ን5 ኣዘዝቲ ስርሒት ዝነበሩ ማእከል ጌሩ “ሃገር እናንቆልቆለት ንስኹም ውልቃዊ ሂወትኩም ተማሓይሹን ተጣጥሑን ኣለኹም፡፡ ኣብ ክንዲ ክሳብ ታሕቲ ወሪድኩም ንሰራዊትኩም ትመርሑን ትከታተሉን ኣብ ውልቃዊ ዋኒንኩም ስለትውዕሉ ሰራዊት ተስፋ ቆሪጹ ይሃድም፡ ይኹብልል፡ ሞራሉ ይወድቕ ኣሎ፡፡” ብምባል ኣብ ቅድሚ እቶም ኮሎኔላት (አዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት) ደርጓሓሎም፡፡
ፍሊጶስ ብብደዐ ፕረዚዳንት ነዲሩ “ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገም ተሓታቲ ንስኻ ኢኻ፡፡ ፍሉይ ሓላይ ብዛዕባ’ዛ ሃገር ንስኻ በይንኻ ከምዝኾንካ መሲልካ ኣይትቕረብ፡፡ ካባና ንላዕሊ ነዛ ሃገር ሕልፊ ዘበርከትካላን ዝሓለካላን ኣይክህሉን፡፡ መልሓስካ ኣደብ እንተገብርካሉ ጽቡቕ’ዩ::” ብምባል መለሰሉ፡፡
ነቲ ታሕተዋይ ዝሓቁፍን ነቲ ላዕለዋይ ዝንጽልን ውዲት ፕረዚዳንት ከይተዓወተ ተረፈ፡፡ ካብቶም ነቲ ዘረባ ዝሰምዑ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ገሊኦም “ድሕሪ ሕጂ ዋጋ ዘይብሉ ግሱስ ፕረዚዳንት” ብምባል ንዕቀቶም ክገልጹ ከለው፡ ገሊኦም “ንዓና ንምትላል ኣብ ቅድሜና ይደፋፈሩ እምበር ነንባዕሎም ኣይክጨኻኸኑን” እንክብሉ፡ ገሊኣ’ውን “ሰብኣይ ንብልሽው ተግባራት ኣዘዝቲ ስርሒት ፈሊጥዎ ኣሎ፡ ብሓዱሽ ኣመራርሓ ክትከኦም እዩ፡፡ በዚ ኣቢሉ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ እዩ፡፡” ዝብሉ ትንታነታት ተሰሚዖም ነበሩ፡፡

*******************

ድሕሪ’ዚ ፕረዚዳንት ብ18/03/2008 ህጹጽ “ስሉሳዊ ኣኼባ” (ካብነ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስርሒትን) ኣብ ዱባሩባ ጸወዐ፡፡ ሽፋን እዚ ኣኼባ ገምጋም ንሕርሻዊ እትዋት 2007 ይብል እኳ እንተነበረ ቀንዲ ኣጀንድኡ ግን ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት  ዝተልዓለ ጭቕጭቕ ናብ ኣማሓደርት ሚኒስተራትን ካብነን ኣቕሪብካ ብድምጽን በዝሕን ዓብሊልካ ንምውጻእ ዘንቀደ ከምዝነበረ ይግመት፡፡ 
ይኹን’ምበር ፕረዚዳንት ከም ዝገመቶ ውጥኑ ዘይኮነ ብኣንጻሩ ሓያል ብደሆ ኣጓኒፍዎ ንኣኼባ ብዘይ ስሩዕ ብምስምስ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ በተነ፡፡
ፕረዚዳንት ንምብትታን ሰራዊት፡ ጠንቁን ሳዕቤናቱን ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ ባለነኪ ክገልጾ ዝፈተነ ደጊሙ ኣብቲ ዝጸውዖ “ስሉሳዊ ኣኼባ” ምስ ኣቕረቦ፡ ቀዲሙን ኣትሪሩን ዝተቓወሞ ናይቲ እዋን ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ሚኒስተር ወልደንኪኤል ገብረማርያም ነበረ፡፡ ስውእ ወለንኪኤል ገረማርያም “ስማዕ ኢሳያስ! ሃገር ሕጂ ኣይኮነትን ኣንቆልቂላ፡ ንስኻ ንባዕልኻ ብዙሕ ጌጋታት ከምዘለካ ክትፈልጥ ኣለካ፡ ትም ኢልካ ንሰብ ምዝላፍ ቁኑዕ ኣይኮነን፡፡ ከም ድልየትካ ንሰብ ክትዝልፍን ክተጉባዕብዕን ኣይከኣልን፡፡ ሕልፊ ኩላትና ንሃገርን ህዝብን ይሓሊ እየ እንተበልካ ሓሶት እዩ፡፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝነጸልካና ንስኻ ኢኻ፡፡ ጠንቂ’ዚ ኩሉ ጸገማትን ቀዲምካ ብሓላፍነት ትሕተተሉን ድማ ንስኻ ኢኻ፡፡” ፕረዚዳንት ኣስዒቡ “መን ኢዩ ዝሕተት ክንረኣአ ኢና፡፡ እዚ ኩሉ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ድማ ናይ ጃጀውቲ ምዃኑ ኢየ ዝፈልጥ፡፡” ክብል መለሰሉ፡፡
ኣስዒቡ ጀነራል ሰብሓት “ብወገነይ ምስ’ዚ ወለንኪኤል ክብሎ ዝጸንሐ’የ ዝሰማማዕ፡፡ ብታህዲድን ምጉብዕባዕን ዝምራሕን ዝደሃልን ኣይክህሉን፡፡ ካብ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ምስ ልዕሊ ሓያላንን ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ርክባትና በታቲኹ በይንና ዘትረፈ መን ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ኩናትን ሳዕቤናቱን ቀዳማይ ተሓታቲኡ  ንስኻ’ምበር ኣነ ወይ እቲ ካልእ ኣይኮነን፡፡ ክሳብ ምጅማር ኩናት ዘይፈልጥ ምስ ኮነ ከም ሃገሩ ዝፈልጥ መራሒ ኩናት ኣሎ፡፡”
ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ሙስጦፋ ኑርሑስየን ሓውሲ መሸማገሊ ሓሳብ ኣበጊሱ ነቲ ምንህሃር ከተሃዳድእ ጻዕርታት ኣካይዱ እኳ ተነበረ ስማዒ ኣይረኸበን፡፡ ፍሊጶስ ብግዲኡ “ሕጂ’ውን ወልደንኪኤልን ወዲ ኢፍሬምን  ዝበልዎ’የ ዝድግፍ፡፡ ሕልፍና ነዛ ሃገር ትዓሞ ዕማም የብልካን፡፡ ከካብ ግንባሩ እንሰደልካ ጸብጻባት ብእልፊ ዘይጠቅሙ ቆልዑ ክተመርምሮ ትውዕል ኣለኻ ካብዚ ንላዕሊ ገበን ከኣ የለን፡፡ ተሓታቲ ንስኻ ምበር ካልእ ኣይኮነን፡፡ ክትፈልጥ ዝሕተት እንተሎ ከኣ ቅድሜኻ ኣይክኾውንን፡፡” ምስ በለ ቁጠዐኡ ሰማይ ዝዓረገ ፕረዚዳንት ብናይ ሻሂ ዕረፍቲ ኣኼባ በቲኑ ከይተመልሰ ነስመርኡ ሃቲፉ፡፡ ኣብቲ ዝተልዓለ ረስናዊ ስሚዒታት ሪእይቶታቱ ክህብን ነታ ዕድል ክጥቀመላን ዝበሃገ ሰብ፡ ሃህ በል ሃላይ ኮይኑ ተረፈ፡፡ ልዕሊ ትጽቢቱ ኩነታት ዝተለዋወጦ ፕረዚዳንት ድሕሪ’ዚ’ከ እንታይ ክደግም ኢሉ ተሰናቢዱን ባህሪሩን ኣኼባ ከይዓጸወ ብዝወጾ ተሰዊሩ ተረፈ።
ድፍረት ብዝተመልኦ ተቓዉሞታት ተቖጢዑን ካብኡ ንላዕሊ ካልእ ከየስዕበሉ ፈሪሁን ብሰበብ ናይ ሻሂ ዕረፍቲ (Tea break) ንኣኼበኛታት ከይተሰናበተ ዝተሸርበ ፕረዚዳንት ተኣከብቲ ተጸቢዮም ቀቢጾም ተበታቲኑ፡፡

*******************

እቲ ኣብ ሓሳባት ተቓዉሞ  ባዶ ተጻዋርነት ዘለዎ ፕረዚዳንት ድሕሪ’ዚ ድፍረት ዝተምልኦ ተቓዉሞን ተሰናቢዱ ኣኼባ ኣቋሪጹ ምህዳሙን፡ “ስሉሳዊ ኣኼባ” እናተረፈ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ምምሕዳር ዝነበሮም ኢድ እናሓጸረ ከይዱ፡፡ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ “ስርሒት” ዝብል ቅርጺ ፈሪሱ “ግንባራት” ቆይሙ፡፡ ኣብ ሓለፍቲ ግንባራት ምቅያያራት ተኻይዱ፡፡ ኣብቲ ዓመት (2008) ኢሳያስ ንዓሰብ ከይዱ ካብ ድሌት ኣዘዝቲ ግንባር ዓሰብ ወጻኢ ብትእዛዙ ምስ ሃገረ ጁቡቲ ብምስምስ ዶብ ውግእ ምእዛዙ ብውሽጢ ውሽጢ ዝዝርጋሕ ወረታት ሓለፍቲ ኢሳያስ ይሰምዖን ይከታተሎን ስለዝነበረ የቕስኖ ከምዘይነበረ ናይ ውሽጡ ፈለጥቲ ይገልጹ፡፡  
ኢሳያስ ዳግመ ስርርዕን ውዳበን፡ ምደባን ምዝውዋርን፡ ኣኼባ፡ ገምጋም፡ ቃለመሕተት፡ ውግእ፡ ባይቶ ምሕደራ፡ ካቢነ፡ ስሉሳዊ ወይ ክልተኣዊ፡…ወዘተ..ወዘተ ዝበሃሉ ተግባራት ንምፍጻም እንተንቂሉ ንሃገር ንህዝቢ ይጠቕሙ ዶ ኣይጠቕሙን መምዘኒኡ ኣይኮኑን፡፡ እቲ ቀንዲ መምዘኒ ረቋሒ ንኢሳያስ ይጠቕሙ ዶ ይጎድኡ እዩ፡፡ ክሳብ ዝጠቐሙዎ የቕጽሎም፡ ንባዕሉ ጎዳእቲ መሲሎም ክሳብ ዝተረኣዩዎ ድማ ሓነው የብሎም፡፡ ኣብ ኣፈራርስኦም እውን እንተኾነ ንገሊኦም ምስምሳት የዳልወሎም፡ ንገሊኦም ግን ምኽኒታት ከዳልወሎም ናይ ግድን ኣይኮነን፡፡  
እቲ ሕማሙ እናጸንሐ ዝደግሶ ፕረዚዳንት ሎሚ’ውን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ዝሰማዕናዮ ነንገዛእርእሱ ዝራጸም ሓሳባት ቃለ መሕተቲ ንኩሉ ሓዲግና ነቶም ሚኒስተራት ተስፋይ ቺና፡ ኣምና ኑርሑሴን፡ ፎዝያን፡ ኣብ ህዝቢ ዓጀው ክብልዎ ንዝወርሑ ኣብ ውሽጢ 2ተ  ሰዓት ብልል ኣቢልሎም ወጺኡ፡፡ ስለ ምንታይ ንዝብል ግን ዋናታቱ ይጨነቕሉ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግን እቲ ትሕዝቶ ክልቲኡ ሓደ ዓይነት ሓሶት ስለዝኾነ ነቲ ሓደ ዝሕጎሰሉ ነቲ ካልእ ዝጉህየሉ ጉዳይ የብሉን፡፡ ዕላማ ኢሳያስ ግና ርዱእ እዩ፡፡ እቲ ዓቢ ዓሳ ነቲ ንእሽቶ ዓሳ ዝውሕጠሉ ምኽንያት ዓቢ ዓሳ ምእንተ ክነብርን ኣዝዩ ክግብልን ንናይ’ቲ ንእሽቶ ዓሳ ሂወት ክውሕጥ ስለዘለዎ ዝገብሮ ኢዩ፡፡

 

 

 

About the Author

Leave a Reply

*

captcha *

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.